Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ህዝቢ ኤረትራ ተላዓል፡ሃገረይ ዋ&#4875
أخبار

ህዝቢ ኤረትራ ተላዓል፡ሃገረይ ዋጋ ደመይ በል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

ኢሰያስ ንሜዳ ዝወጸ ኣይነበረን ሃውሪ

ኤረትራ ሃገረይ ባዓል ደምኪ ናዓለም ንገሪ

መታን ክም ሃገርኪ ሃገር ኮንኪ ክትነብሪ

ናዓኺ ሓራ ከውጹኡ ዝተበጀዉ ክረኽቡ ክብሪ

ህዝቢ ኤረትራ ተላዓል ሃገረይ ዋጋ ደመይ በል

ኣለሊዮም ናይ ሳሕል ኣትማን ምስ ገባብል

ጽሑፋት ናይ ኣለና ተኻታተል።

ንስነጥበባዊያን ኤረትራ እንተ ተረዲኡዎም

ካብ ድምጺ ኣሰና ናይ ቃላት ቦንባታት ዘኒብዎም

ድምጾም ከስምዑ ገዲፎም ትም ሕትም

ሕድሪ ስዉኣት ዘኪሮም ንህዝቢ ከእዉዩ ዝዕድም።

ሕድሪ ጠሊምኩም ንምልኪ ትውድሱ

ንወጻኢ ይሰደኩም መታን ክትድሰቱ

ለለ.ኢልኩም ገንዘብ ኣኪብኩም ትምለሱ

ኣሻሓት ዶላራት ትእክብሎም ንሸፋቱ።

ዘሚርኩም መርሃዊ ረኺባ ዓባይ ኣስመራ

ዘርሃዉሱ ተሪፎም ክዋጕኡ ምስ ጎበጢ ኣምሓራ

ብመስዋእቶም ሃገር ኮይና ሓራ

ሕድሪ ሰለ ዝጠለምኩም ወላዲቶም ሓሪራ

ዘክሩ ኣተወ ብርሃን ዓይኑ ዝኸፈለላ ንኤረትራ

ሃገረይ ዝበለ ኣብ ማእከል ዓደምሓራ።

 

ኣብ ሜዳ ዶ ኣነበርኩም ተበዓት ተቓለስቲ

ሕጂ ዳኣ ንምንታይ ኮንኩም ወደስቲ

ኣንባሳደር ሰጉም ምሱኡ ኣድሃ ተቱቲ

ነቲ ሕድሪ ሰማእታትና ዝጠለመ ገባቲ

ኣብ ሓወቲ ፑሹኪን ዝዋዓሉ ኣጋፈርቲ

እቶም ገጠምቲ ጽባሕ ትኾኑ ታሓተቲ።

 

ሕጂ ውን ክንብል በለ እንበር ኣተካዕወን

ዛዓበኹም ዝናኣስኩም ተማዕርጉ ናይ ህግደፍ ጓይላ

ሃገር ምስ ህዝባ ብህግደፍ እንዳ ጸነተት ኮላ

ከም የማነ ባርያ ከም ኣተወ ብርሃን ሲኢና ዘእዊየላ

ድምጽኹም ኣስምዑ ኤረትራዊያን ኣደታት ከዕልላ

ከምቲ ናይ ቀደም ማዓንጣኹም ደንጎላ የእቱዉላ

ድምጽኹም ኣስምዑ ኣደታት በርበረ ሒዘን ክላዓላ

ድምጽኹም ሰሚዖም ዋርሳይ ዳግማይ ንሃገር ከርህዉላ

መልሓሶም ካሓይኹ እቶም ንኤረትራ ሕማቕ ዝምነዩላ።

ህዝቢ ኤረትራ ባሓባር ተላዒልካ ሃገረይ ዋጋ ደመይ በል፡ዕምሮም ካሓጽሩ ናይ ሳሕል ኣትማን ምስ ገበብል ንእንዳ ፈለጡ ገጋታት ዝጽሕፉ ሰሚዕካ ከይትታለል። ተሓባቢርና ዲክተተር ንስዓር። ኣብ ሃገርና ኤረትራ ግዛኣተ ሕጊ ክሰፍን ዝመረጽናዮ ባዓል ቆጽልና መራሒና ኽኸውን። ቀሲና ዋናታት ሃገርና ኮና ክንነብር ኣብ ሃገርና ደሞክራሲ ክሰፍን፣ ሹዑ  ኣብቲ ናይ ፑሽኵን ተተኺልዎ ዘሎ ሓወልቲ ።ናይ ሰማእታትና ሓወልቲ ክንተክል።ገጋታት ምጽብጻብ ገዲፍና ንጃንዳ ህግደፍ ንበሎም ያኣክል ያኣክል ህግደፍ ኣሊና ደሞክራስያዊት ኤረትራ ክንህስንጽ። መንእሰይ ክምርዖ ክወልድ ክዝምድ። ብሰላም ምስ ጎራባብትና ክንነብር።

 

ኣብ ከተማ ሰንዓፈ መስተንር ተሪሑ

ነጎዳ ነጕዱ ኣባይ ህዝቢ ኤረትራ ሪዒዱ

ዑሱብ ስለያ ህግደፍ ተሰጕዱ

ነዳዲ ናይ ህግደፍ ኣንዲዱ ናይ ተቓወምቲ ኣሃዱ

 

ኣለዉ ምሳና ይካኣሎ ዋርሳይ ምስ ተቓውሞ

ተዳሊና ኣሎና መግዛእቲ ህግደፍ ክንድምድሞ

ንህግደፍ ዛኣመነ ሹዑ ያሓስማ ይሕሰሞ።

 

ህግደፍ ከምዘይ ፈርስ እንባ ገርኩም ታኣምኑ

ህግደፍ ክሳዓር እዩ እመኑ ኣይትእመኑ።

 

ከምቲ ወዲ ሻዉል ኣብ ፖሎኛ ዝመሰሎ

ይዝከረኒ እንዳ ጋብር ደርዓንቶ ኣሕጽብዎም ክብል ኮሎ

ሎሚ ትዝ ኢሉኒ ከዛኻኽሮም ንይካኣሎ

ክልተ ሸውዓተ ንስነትበባዊያን ሎሚ የድሊየኩም ኣሎ

እንተተመሰለልኩም ንህግደፍ ሕቢርና ያኣክል ንበሎ

ንህዝቢ ክተእዊዩ ናትኩም ድምጺ የድሊሎ።

 

ኤረትራዊያ ውሽጥን ብደገን ሓድነትና ይትረር

ኣንጻር ከጽኑቱና ዝተበገሱ ቅልጽምና ነስምር

ኢሰያስ ምስ ጭፍርኡ ኲዒትና ንቕበር

ጃንዳ ህግደፍ ከም መንግስቱ ክባረር ወይ ክእሰር

ካሓስሞ ካሓስማ ነቶም ደድሕሪ መላኺ ዝብሉ ዓረር።

 

ህዝቢ እንዳ ኣጽነተ ህግደፍ ታኣጊዱ ኢልካ ብኽያት

ክንዲ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ጀነቭ ተጠዕካ ኣውያት

ናይ ህግደፍ ኣጋፈርቲ ሕሙማት ክይንብሎም ጥዑያት

ሕጅስ ኣይፋልኩምን ጽባሕ ከይከውን ኣዊያት።

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጀንዳ ህግደፍን ዓንገልቶም።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,916,901 وقت التحميل: 0.12 ثانية