Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ፍልይ&#472
أخبار
 

 

 

Eritrean people Movement.jpg

18 መስከረም

ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ፍልይቲ ወርሒ እያ። ታሪኻዊ ኣመጻጽእኡ ካልእ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣብ ኣቆጻጽራ ዓውዲ-ዋርሕ ሓድሽ ዓመት ተባሂላ ንኣረጊት ብሓድሽዓመት ትትካኣሉ ወርሒውን እያ። ዳርጋ ኣብ ዝበዝሐ ኣውራጃታት ኤርትራ ሰዊት ዝብልዓሉ ዓኾዃይ ዓኾዃይ ወቕቲ ሓምሊ ውጻእ ሽሻይ ጋዓት ጠስሚ እቶእናተባህለ ዘሎዎ ንዘይብሉ ካብ ግራቱ ሓድሽ ሰዊት (ካብ ዘራእቱ) ኣካፊሉ ጽቡቕ ፋል ብምትምናይ ብዕልልታን ሽሻይን ብዓቢ ሓጎስ ይቕበላን የብዕላን። እዚ ከኣ መርኣያ እቲ ካብ ካልእ ዓለም ዝፈልየና ናትና ፍሉይ ኣቆጻጽራ ዓውደ-ዋርሕ ዘሎናን ንጥቀምን ህዝቢ ምዃና ድማ የኹርዓናዩ። ንበይንናውን ኣይኮናን ኣብ ከባቢና ከማና ዝጥቀሙውን ኣሎው፣ ቻናውያን ኮነ ኣዕራብ ነናቶም ኣቆጻጽራ ዓውደ-ዋርሕ እውን ኣሎዎ። ባሕቲ መስከረም ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ተመልኪቱ ዘሎ ተወሳኺ ፍሉይ ቦታ ዝውሃባ ፍልይቲ ዕለትውን እያ። ህዝቢ ኤርትራ እምቢ ኣይግዛእን ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዓመጽቲ ገዛእቲ ደርብታት ብረታዊ ተጋድልኡ ዝጀመረላ ዕለትን ወርሕን ስለዝኾነት ድርብን ፍሉይን ታሪኽ ትሕዝ።  ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር እምቢ ኣይንግዛእን ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ልዕላውነት ሃገሩ ኣውሒሱ እዩ። ኣብዚ ዝተሓላለኸን ነዊሕን 30 ዓመት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሱ ድማ ቁጽሪ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ቁጽሪ ጸላእቱን ደገፍቶምን ክነጻጸር ከሎ ከም ሓንቲ ጭልፋ ማይ ካብ ባሕሪ ከንሱ ንኹሉ ብድሆታት ሰጊሩ ኣብ መጨረሻ ወናኒ ሃገሩ ክኸውን በቒዑ እዩ። እቲ ምስጥር ከኣ ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ዝተሞርኮሰ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝነበረን ንህላውነቱ ክቡር ዋጋ ስለዝኸፈለን ዓወት ክጭብጥ ግድን ኮይኑ። ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ክጥቀስ ዝጸነሐ  18 መስከረም  ክዝክር እንከሎ ሓደ ጉሉሕ መበገሲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምዃናን፡ ካልኣይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ ናይ ክሕደት ፍጻሜ ዝተፈጸመትላ ዕለት ስለዝኾነት ጸላም መዓልቲ ክብላ ይመርጽ። መልእኽቲ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሕቶ ዲሞክራሲያዊ ሓርነት ኣብዛ ዕለትዚኣ እዩ ተጀሚሩ ዝብል መደምደምታ የብሉን። የግዳስ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ፈኸም እናበለ ክምዕብል ዝጸነሐን በቲ ስልጣን ዝሓዘ ላዕላዋይ ክፍሊ ዝውሃቦ ዝነበረ ግብረ መልሲ ድማ ብቅንጸላን ጭፍለቓን እዩ ዝድምደም ዝነበረ። ቅድሚ ጉባኤ ኣዶብሓን ድሕሪኡን ዝተፈጸመ ኣብነታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ከም ኣብነት ብስሪያ ኣዲስ ኣበባ ዝፍለጥ ገዚፍ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋደልቲ ዝተፈጸመ ቅንጸላ ክጥቀስ ይከኣል። ብዘይካዚውን ብተመሳሳሊ ኣብ በበይኑ እዋንን ቦታን ብመራሕቲ ሰውራ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ተጋደልትን ህዝብን ክሕደት ፈጺሞም ኢዮም። ናይዚ ኩሉ መበገሲታት ከኣ ውልቃዊ ኣንነትን ስሰዐ ስልጣን ዘበገሶ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምኽንያት ኣይነበሮን።

ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተወልደ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ብኸመይ ከም ዝተወደአን ድሒሩ ዝሰዓበን ታሪኽ ኣጸቢቑ ይምህረና እዩ። ቀዳሞት ክምስሉ ክልተ ዝረኣየ ሓደ ነይረክብ ይብሉ። እዚ ሓቂ እዩ። ኣብቲ እዋንቲ በቲ ዝነበሮም ሓላፍነት ክልተ መርገጺ ሒዞም ነቲ ቅኑዕ ሕቶ ረጊጾም ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ዝፈረዱን ዝኻሓዱን ግዚኦም በጺሑ ንባዕሎም ግዳይ ኮይኖም ዝሓለፉ ዘኪርና ጥራሕ ንሓልፎ። ኣብ 18 መስከረም 2001 ዘጋጠመ ፍጻሜ ከኣ መቀጸልታ ናይቲ ብ73 ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ምዃኑ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኣምን። እዚ ፍጻሜዚ ዝያዳ ዘብርሆ እንተልዩ ንኢሳያስን ጉጅልኡን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጎሓፍ ታሪኽ ምዃኖም ኣመስኪሩ እዩ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም እውን ድሮ ዝተፈንፈኑ ምዃኖም ኣለልይዎም ይርከብ።  ክሳብ ምሕራር ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረ ቅንጸላታት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ብዙሕ ተጋዳላይ ዝተኸወለን ጸልማት ዝተጎልበበን ፍጻሜ እዩ ዝነበረ። ነቲ ኩነታት ዝፈልጡን ዝርድኡን ውሑዳት እኳ እንተዘይነበሩ ቀዳምነት ዝውሃቦ ዝነበረ ሕቶ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ስለ ዝነበረ ኩሉ ተጋዳላይ ምስ ጸላኢ ምጥምጣም እዩ ዝነበረ ሃሙን ቀልቡን። ምስዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ዝተወዳደበ ምስጥራዊ ሰልፊ ስለ ዝነበረ ብሓደ ትልሚ ክልተ ነገራት የተግብር ነይሩዩ። ነቲ ግንባር ምምራሕ ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ በሊሕ ኣእምሮ ገዚእካ መወዳደርቲ ዘይብሉ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣንነት ዝነግሰሉ ኣገባብ እዩ ኣማዕቢሉ። ናይ ጸጥታ ትካሉ ከኣ ኣብ ልዕሊቲ መዓልታዊ ዕማሙ ተደራቢ ነዚ ጸይቀ ጉኑን ዝኾነ ተግባር እዩ ሃኒጹ። ኩሉ ኣባል ሰልፊ ከኣ ንምሕላው ውሽጣዊ ሰልፉ ገይሩ ይወስዶ ስለ ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንዝፍጸም ጉድለታት ትም ኢሉ ይሓልፎ ነይሩዩ። በዚ ኣገባብዚ እዩ እምበኣር ህዝባዊ ግንባር ንኹሉ ጽቡቑን ሕማቑን ተሸኪሙ ናጽነት ሒዙ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተወ። እቲ ዝተመዝገበ ዓወት ከኣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነን ንኹሉ ዝሓለፈ ስቅያት መዛዘምን መዓልቦን ስለ ዝረኸበ ነቲ ዝተፈጸመ ገጋታት ይቅረ ተባሂሉ ነይሩዩ። መላኺ ኢሳያስ ግን ነዚ ከም ድኹም ነጥቢ ወሲዱ ልጓሙ በቲኹ ናብ ዝገደደ ዓንዳርነቱ እዩ ቀጺሉ። ጌና ከኣ ምስ ኣኽረርትን ትርፍራፍ ናይ ገዛእቲ ደርብታት ተመሓዝዩ ንኤርትራ ተሸካሚት ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር ገይሩዋ ይርከብ።  ድሕሪ ናጽነት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ምስ ህዝቢ ተሓዊስካ ኣብ ክንዲ ብለይቲ ብቀትሪ ዝተለወጠ መደብ ስራሕ እሞ ወላ እንተ ደለኻ ካብ ህዝቢ ዘይክወልን ዘይሕባእን ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ከምቲ ኣብ ሳሕል ዝለመድካዮ ክትገብር ይከኣል ኣይነበረን። ኮይኑ ግን ብድዐን ሓይሊን ዝለመደ ዘይገብሮ የለን። ሳዕበኑ ግን ብቀጥታ ምስ ህዝቢ ምግጫውን ምፍልላይን ይመጽእ። ሃገር ክትሃንጽን ህዝቢ መሰሉን ክብሩን ክትሕሉ እንተኾንካ ብናይ ሕጊ ሰውራ ክትመርሖ ምፍታን ፈጺሙ ዘየሳኒ ተጻራሪ ተግባር እዩ ነይሩ። እዚ እዩ ከኣ ክስርሓሉ ዝተፈተነ ውጺኢቱ ግን ዝፈሸለ ፖሊሲ ኮይኑ ዝተረፈ። ቀጺሉ ዝመጸ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ፍታሕ ዝድለ ነቲ ነገር ናብ ካልእ መኣዝን እዩ ተጠምዚዙ። ንሱ ከኣ ኤርትራ ምስዚ ኩሉ ጸገማታን ቁስላን ከይሕወየት ካልእ ኣብቲ ዞባ ተዋስኦ ኩናትን ዕግርግርን ክምሃዝ እዩ ዝነበሮ። ብድላይ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ከኣ ዝኾነን ዘይኮነን ምስምሳት ፈጢርካ ኤርትራ ምስ ጎራባብቲ ሃገራት ኣብ ዘይሓዊ ረጽሚ ምእታው እዩ ከም ኣማራጺ ተወሲዱ። በብግዚኡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ከኣ ረብሓ ኣብ ዘይብሉ ኩናት ተፈቲኑ፡ ውጽኢቱ ከኣ ሰላምን ምዕባለን ዘይኮነስ እንታይ ድኣ እዚ ዘይብሃል ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራታት እዩ ኣኸቲሉ። ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣዕናዊ ኩናት ነቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መነባብርኡ ዓቢ ምዝንባል ፈጢሩሉን ተፈናቒሉን፡ ኣብ ሰብን ንዋትን ገዚፍ ክሳራታት ኣጋጢሙ። ጌናውን ኤርትራ ካብቲ ሓደጋ ኣይተናገፈትን። ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ ዘሎ ከኣ ካብቲ ሓደጋ ኣይክትወጽእ ኢያ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ክሳራታትን ዕንወትን እንታይ ክግበር ኣሎዎ ዝብል ሕቶ ክሕተት ንቡርን ዘይተርፍን ነይሩ። ድሕሪዚ ኩሉ ክሳራታት ኣብ ውሽጢቲ ስርዓት ሓድሽ ተርእዮ ክመጽእ ባህርያዊ እዩ። ንሱ ከኣ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ሂወቶም ክመጽእ ዝኽእል መስዋእቲ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እኳ እንተነበሩ ተቓሊሶምን ኣቃሊሶምን ዘምጽእዋ ሃገር ብሓደ ውልቀሰብ ተወኒና መገዲ ጥፍኣት ክትሕንበብ እሞ ላዕለዎት ሓለፍቲ እናተባህሉ ብሕልነኦም ኣይተቀበልዎን ብታሪኽ እውን ዘሕትቶም ስለዝኾነ። ባህሪይ ናይቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ ብድሆ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ብዓቢኡ ከኣ ኣባላት እቲ ምስጥራዊ ሰልፊን መራሕትን ስለዝነበሩ። ዘላቒ ሰላም ኮነ መሰረታዊ ለውጢ ንምርካብ መስዋእቲ ይሓትት። ብፍቶት ወይ ብትኳቦ ዝርከብ ኣይኮነን።

      ኢሳያስ ምስ ጉጅልኡ (ህግደፍ) ነቲ ቅዱስ ዘተ ነጺጉ ድሕሪ 11 መስከረም 2001 ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ ከም ጽቡቕ ዕድል ተጠቒሙ ብ18 መስከረም 2001 ነቶም ዘተ ዝሓተቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምኒስተራትን ሓለፍቲ ሰራዊትን ብለይቲ ካብ መደቀሲኦም እናለቐመ ኣብ ቀይዲ ብምእታው ቤተ ሰቦም ኮነ ፈተውቶም ኣብ ዘይርእይዎም ብዘይፍርዲ  እኒሆ 9 ዓመት ቆጺሩ ኣሎ። ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ጋዘጠኛታትን ላዕለዎት ካድረታትን ምስ ናታቶም ሕቶ ብምትእስሳር ደገፍቶም ኢዮም ብዝብል ምስምስ ከም ጨና ማይ ኣጥፊኡዎም ይርከብ። ገሊኦምስ ድሮ ኣብ ቲሕቲ ቀይዲ ከሎው ካብዚ ዓለም ተፈልዮም ኣሎው። ንቡር ሞት ከኣ ስኢኖም። ገሊኦም ከኣ ዓዊሮምን ናይ ምንቅስቓስ ኣካላቶም ለሚሶም ንሰምዕ ኣሎና። ካብ 18 መስከረም 2001 ንድሓር በሻሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ዕድሎም ስለ ዝጸልመተ እግሮም ናብ ዝመርሖም ካብ ሃገሮም ሃጽ ብምባል ፈቀዶ ሃገራት ተዘሪኦም ይርከቡ ኣሎው። ክንደይ ከኣ ኣብ ሳህራን ኣብ ውቅያኖስን ብጃምላ ሂወቶም ይጠፍኡ፡ ጌና ከኣ ይጠፍኡ ኣሎው። ክንደይከ ኣብ ኮንተይነራት ተዳጉኖም ኣካላቶም ይለምሱ ኣሎው?

      ጋዘጠኛ ስዩም ጸሃየ ኣብ 91 ኣብታ መወዳእታ ናይ ደቀምሓረ ኩናት ኣብ ውሽጢቲ ጽዕጹዕ ደብዳብ ንሂወቱ ከይበቐቐ ነቲ ታሪኻዊ ፍጻመታት ዝስእልን ዝቐድሕን ዝነበረ ተጋዳላይዩ። ዘእስሮ ሓጥያት ኣይገበረን እቲ ሕቶ ምስ ተላዕለ ናይ ማንም ጸግዒ ከይሓዘ ብፍትሓዊ መንገዲ ብልዝብ ዘይፍታሕ ስለምንታይ ናይ ሓደ ወገን ጥራሕ ይርአ ስለ ዝበለ እኒሆ ኣብ ጉድጓድ ይበሊ ኣሎ። እዚ ንመዘከርታ እምበር ብልጫታት ንምስራዕ ዝዓለመ ኣይኮነን።ህግደፍ ዝፈሸለ ታሪኽ እዩ ዝደግም ዘሎ። ክንደይ ሓያላት ዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ጭቆናታት ዘበርትዑ ኣብ መወዳእትኡ ብኸመይ ታሪኾም ከም ዝተወድአን ዝተጓሕፉን ምዝካር ንባዕሉ እኹል እዩ። ኢሳያስ ከኣ ናይዞም ዝስዕቡ ታሪኽ እዩ ዝደግም ዘሎ። ከም ሻህ ናይ ኢራን፡ ቸቸስኩ ናይ ሩማንያ፡ ኑመሪ ናይ ሱዳን፡ ኢድኣሚን ናይ ኡጋንዳ፡ ቦካሳ ብዓቢኡ ወዘተ ወዘተ። ሕጊን ቅዋምን ዘይብላ ሃገር እኳ እያ ዘላትና።

እዚ ኩሉ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ወገኑ ዘይተተንከፎ ኣሎ ዲዩ? እዚ ኩሉ ሓጥያት እናረኣኻስ ከም ዘይረኣኻ!! እንታይ ዲዩ ወሪዱና? ካብ ህዝቢ ዓለም ንበይንና ነቲ ሕማቕ ዘይስተማቕር ህዋሳት ዲዩ ተዓዲሉና? ኣብ ዓለም ዝኸይድ ዘሎ ሕማቕ ነገራት ንዕዘብ ኣሎና። ትማሊ 11 መስከረም ነቶም ብኣኽረርቲ ኣብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ቶረ ጅመሊ ዝተፈጸመ ዕንወት ንምዝካር በብክልተ ኣስማቶም ብምጥቃስ ዝገበርዎ ዝኽሪ ርኢናዮ ኢና። መንግስቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሳኪነህ (SAKINEH) ክወስዶ ሓሲብዎ ዘሎ ስጉምቲ ነቲ ውሳኔኡ ክቕይሮ  ዓለም ብምሉኡ የእውየላ ኣሎ። ኣብ ማይ-ሓባር ኣብ 94 ኣብ ልዕሊ ናይ ኩናት ስንኩላን ዝወረደ ጭፍጨፋ፡ እዞም ሕጂ ንዛረበሎም ዘሎና እሱራት ብምሉኦም፡ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝተፈጸመ ህልቀት፡ 73 መንእሰያት ኣብ ውቅያኖስ ጥሒሎም ክጠፍኡ፡ ኣብ ሳህራ ድራር ኣሞራ ክኾኑ፡ ካብ ግብጺ ናብ ኢስራኤል ክሰግሩ ብጥይት ዝቑለቡ ዘለው መንእሰያት፡ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ባር ኮፍ ኢሎም ጸወታ ኩዕሶ እናረኣዩ ብተሮሪስቲ ዝተቀዝፉ፡ ኣብ ልብያን ግብጽን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘሎው፡ ካልእን ካልእን ናይ ሃገርና ጉዳይ መቑጸሪውን የብሉን። እሞ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ኩሉ ግፍዕታት እናተፈጸመ ስለምንታይ ኢና ኣፍና ተለጉሙ? ዝኾነ ነገር መጀመርታን መወዳእታን ኣለዎ። ፍጹም ንመዋእሉ ዝነብር የለን። ንመንድቕ ክንብል ሽግርን ግፍዕን እናረኣና ትም ክንብል ዓገብ። ኣስመራ በጺሑ ዝተመልሰ ብዘይካ ሕማቕ ጽቡቕ ዝዛረብ ወላ ሓደ ኣይትረክብን። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ እዞም ኣብ ደገ ዘሎኹም 2% እናኸፈልኩም ነዚ ስርዓት ሂወት ትህብዎ ዘሎኹም ይብሉና ይብሉ። እሞ እዚ መፍትሒ ዲዩ? ስለምንታይ ብጉሁድ ዘይንብድሆ? ካብዚ ዝዓቢ መልእኽቲ’ውን የሎን። ተኾርሚኻ ኮነ ኣሳፊሕካ ፍልልይ የቢሉን ኩሉ ሞት እዩ። ንሃገርን ንህዝብን ዘጥፍእ ዘሎ ሓደ ኢሳያስ ንምድሓን ላዕልን ታሕትን ምባል ጥዕና ዘለዎ ኣይኮነን። ሃገርን ህዝብን ነበርቲ ኢዮም። ኢሳያስ ግን ከም ኩሉ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ክሓልፍ እዩ።  

      ሎሚ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ መሰሉ ዝተገፈ ከይዛረብ ኣፉ ዝተሎጉመን እሱርን እኳ እንተኾነ ብፍላይ ነዞም ብትብዓት ንለውጢ ጸዋዒት ዘቕረቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ 18 መስከረም ፍልይቲ መዓልቲ ኮይና ክትውዕል ኩሉ ደላይ ለውጢ በብዝጥዕሞ ነቶም ንቡር ሞት ተነፊጉዎም ዝሓለፉ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ከብርሃሎም ነቶም ብሂወት ዘሎው ድማ ፍትሒ ንኽረኽቡ ጥርዓኑ ከቕርብ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይጽውዕ። እዚ ተዘክሮ’ዚ ንኹሎም ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝርከቡ እሱራት ዘጣመረ ኮይኑ ብፍላይ ከም ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ መንግስቲ ምንባሮምን ብቅሉዕ ነቲ ስርዓት ዕርቃኑ ዘውጽእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን መንግስቲ ንምትካል ብትብዓት ስለ ዝጸውዑ እሞ ኣብ ቲሕቲ ቀይዲ ንዝኣተው ንኽብሮም ካብዚ ቀጺልና ኣስማቶም ንዝርዝር፡-

1.  ሚኒስተር  ሃይለ ወልደትንሳኤ

2.  ነፍሲ-ሄር ሚኒስተር ማሕሙድ ሸሪፎ

3.  ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሙን

4.  ነፍሲ-ሄር መጀር ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ

5.  መጀር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም

6.  መጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሄር

7.  ነፍሲ-ሄር ሚኒስተር ሳልሕ ከኪያ

8.  ኣምባሳደር በራኺ ገብረስላሴ

9.  ነፍሲ-ሄር ማእከላይ ባይቶ ህግደፍ ሕሙድ ሓምድ

10.  ኣማሓዳሪ ዞባ ባረንቱ ጀርማኖ ናቲ

11.  ነፍሲ-ሄር ኣስቴር ፍስሃጼን

ኣብ 2010 ዕለት 18 መስከረም ምስቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ፍሉይን ታሪኻውን ዕለት’ውን ክንብላ ንኽእል። ነቲ ድሕሪ ዓመት ዝጋባእ ዋዕላ ድማ ካብ ሕጂ ቀንዲ መሳሪሒ ናይ ሰላምን ስኒትን ፍቕርን መንገዲ ብምሓዝ ተኻባቢርናን ተጸዋዊርናን ንዝሰፍሐ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ቀንዲ ተዋሳኢ ንኽኸውን ብክፉት ልቢ ክንቀርቦን ሕትኡ ክንሰምዕን ኣገልጋሊ ናቱ ምዃና ክነፍልጦ ይግባእ። ግዜ ከይቀተልካ እቲ ክግበር ዘለዎ መደባት ህዝቢ ክመያየጠሉ ምዝርጋሕ ድማ የድሊ።

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ግዝኣተ-ሕጊ ይንገስ

መስከረም 17, 2010

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,914,415 وقت التحميل: 0.25 ثانية