ናይ
ሓዘን መግለጺ
መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጋዜጠኛ ክቡር ሰይድ ኣሕመድ ከሊፋ ትማሊ መዓልቲ ኣብ ካርቱም ሱዳን ካብዚ ዓለም ብሞት
ተፈልዩ፡፡ ነፍስሄር ሰይድ ኣሕመድ ከሊፋ ኣብ መስርሕ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ሕጂ ድሕሪ ነጻነት
ኤርትራ ምእንቲ ሰላምን ደሞክራስን ኣብ ዝኽየድ ዘሎ ደሞክራሲያዊ ተጋድሎ ጽኑዕ ደጋፍን መሓዛን ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዝጸነሔ
ጋዜጠኛ እዩ፡፡
ሰይድ ከሊፋ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ብዓቅሙ ኣብ ኣልወጠን ገዘጥኡን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን መድረኻትን ፍትሓዊ ደሞክራሲያዊ ሕቶ
ህዝቢ ኤርትራ ክቃላሕን ኣብ ህዝቢ ሱዳንን ዓለማዊ ርእይቶን ተቀባልነት ክረክብን ከየተሓለለ ክቃለስ ካብ ዝጸነሑ ሃገራውን
ሱዳናውን ጋዜጠኛ እዩ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብሞት ነፍስሄር ክቡር ሰይድ ኣሕመድ ከሊፋ ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን
እንዳገለጸ ንመላእ ስድራቤቱን ፈተውቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል፡፡
ተወልደ ገብረስላሴ
ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት
ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
21/06/2010
|