Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
Final Of the second regular meeting of the Executive Office Of the Eritrean Democratic Alliance TIG
أخبار

    

Shar Al Tahalf 2.JPG

 

ደምዳሚ መግለጺ

ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ 11-17 መጋቢት 2010 ኣብ ዘሎ ግዚያት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ፡፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ኣኼብኡ እዚ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን፡ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዕማማት ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፈጻሚት ኣብያተ ጽሕፈታት ሽማግለታት ስራሓትን፡ ስፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ናይ ምስንዳእ ዕማማትን ብዑምቆት ድሕሪ ምግምጋም መጻኢ መደብ ዕዮኡ ሰሪዑን ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉን፡፡

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ኣኼብኡዚ ንህልዊ ኩነታት ሃገራዊ ኣመልኪቱ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ወዘተ ኣተሃላልውኡ ኣብ ዝዳህሰሰሉ ህዝብና እዚ ምልካዊ ስርዓት እዚ ከውርደሉ ዝጸንሐን ዘሎን ሓሳረ መከራ እዚ ተሳቅዩ እቲ ቅልውላው ካብ ዝኸፈኤ ናብ ዝባእሰ ሓደገኛ ጥርዙ ተሰጋጊሩ ምህላው ተገንዘበ፡፡ እዚ ጨቋኒ ስርዓትዚ ብተኸታታሊ ክኸተሎ ዝጸንሔን ዘሎን መዕነዊ ፖሊሲታቱ፡ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላትን ቅንጸላታትን ልሙድ ተርእዮ ኣብ ዝኾኖሉን፡ ቁጠባ ሃገር መሬት ዘቢጡ ክብሪ መነባብሮ ሰማይ ኣብ ዝደየበሉን፡ ዝበዝሐ ካብ ክፍልታት ሕብረተሰብና ብጥሜትን ዓጸቦን ንሓደጋ ኣብ ተሰጣሐሉን፡ ስደት ብተዓጻጻፊ እናዓበየ ኣብ ዝመጻሉን ናይ ምብትትታን ተርእዮ ከንጸላልዎ ኣብ ዝፈታተነሉ ወድዕነት ምህላውና ብኣጽንኦት መዘነ፡፡

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ንህልዊ ከባብያዊ ኩነታትና ኣመልኪቱ ኣብ ዝተመያየጠሉ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝበዝሐ ክፍልታት ሕብረተሰብ ዓለምን ዞባናን ተነጺሉ ኣብ ዘለወሉ ወቅቲ ሕጂ እውን እንተኾነ ከም ኣመሉ ንዝርገተ ሰላም እዚ ዞባዚ ተዓጢቁ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራትን ህዝብታትን ኢዱ ብምትእትታው ግብረ ሽበራዊ ስርሓቱ ብዝኸፍኤ መልክዑ ብምቅጻል ነዚ ርኹስ ተግባራቱ እዚ ንክዕውትን ጎንጽታት ከባልሕን የዕጥቅን የሳውርን ምህላው ተገንዘበ፡፡ ስለዝኾነ ኻኣ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተወሲኑ ዘሎ ማዕቀብ ነቲ ድሮ በዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ መዕነዊ ፖሊሲታቱ ካብ ኩሉ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ተሓሪሙዎ ጆሆ ተታሒዚን ተኣጊዱን ዝጸንሔ ውጽዕ ህዝብና ብዘይ ጎድእ መንገዲን ውዓል ሕደር ብዘይብሉን ተግባራዊ ክኸውንን ፈጸሚት ቤት ጽሕፈት ጸዊዑ፡፡ ነቲ ብዓጸቦን ጥሜትን ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና ኻኣ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ባዕሎም ብዝቆጻጻሩዎ መንገዲ ዘይተቆጠበ ደገፋቶም ከበርክተሉ ጸዊዑ፡፡ እዚ ግዝያውን ኩነታታውን ፍታሕ እዚ ኣብ ምቅላል ሽግራት ህዝብና ሓጋዚ ተራ ዘሎዎኳ እንተኾነ እቲ ብባህሪኡ ክልወጥ ዘይክእል ናይ ዝርገተ ሰላም ዝኾነ ስርዓት እዚ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከይተወገደ ዘተኣማምን ሰላምን ምርግጋእን ምዕባሌን ኣብ ህዝብናን ዞባናን ክሰፍን ስለ ዘይክእል ንምውጋዱ ኣብ ዝግበር ተጋድሎ ፈታው ሰላምን ዲሞክራስን ሕብረተሰብ ዓለም ኣወንታዊ ተሩኡ ክጻወት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ጸዊዑ፡፡

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ኣኼብኡዚ ነዚ ኣወንታዊ ናይ ማዕቀብ ውሳኔዚ ተግባራዊ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብንጥፈት ንዝዋስኡ ዘለው ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ጨናፍራትን ሲቪካዊ ማሕበረ ሰባትን ማሕበረ-ኮማትን (ኮሚኒቲ) ልዑል መጎሱ ገሊጹ፡፡ ናይ መላእ  ደንበ ተቃውሞ ዓቅምታት ኣብ ክሊ ናይ ሓባር እምነታት ተወሃሂዶም ነዚ እዋናዊ ሕቶ እዚ ብዝለዓለ ደረጃ ንምዕዋቱ ከይተሓለሉ ክረባረቡ እውን ጸዊዑ፡፡ እቲ ስርዓት ነቲ ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ስደት ንዝነብር ዘሎ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘሎዎ ማሕበራውን ቁጠባውን ቀጠንቲ ልሕሉሓት ገመዳት ብምምዝማዝን ኣብ ክሊ እዚ ጆሆ ብምሓዝን መዕነዊ ፖሊሲታቱ ተግባራዊ ንምግባርን ስቃይ ህዝብና ክናዋሕን ክግልገለሉ ንዝገብሮ ጸረ ሰላምን ጸረ ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቃሳቱ እንዳኾነነ እቲ ገለ ኣብ ስደት ዝቅመጥ ዘሎ ህዝቢ ነዚ ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓታቱ እዚ ብቀዳምነት ንሃገራዊ ረብሓ መላእ ጭቁን ህዝብናን ዲሞክራሲያዊ ቃልሱን ክስውእዎን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕትኡ ብቆራጽነት ጠጠው ኢሎም ክቃለሱን ጸዊዑ፡፡ ነዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ማዕቀብ ውሳኔ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ነቲ ውሳኔ ተገዛእቲ ኮይነን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ሕብረት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ዝወሰዱዎ ውሳኔ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ልዑል ሞጎሱ እንዳገለጸ ካልኦት ሃገራት እውን ብተመሳሳሊ ነዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ እዚ ተማእዘዝቲ ኮይነን ኣብ ፍጻሜኡ ከብጽሑዎ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ልዑል ምሕጽንቱ የቅርብ፡፡

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብዚ ኣኼብኡ እዚ ብሓፈሻ ንህልዊ ኩነታት ደንበ ተቃውሞ ብፍላይ ካኣ ዕማማት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፈ ካብ 2ይ ዙርክሳብ ሕጂ ኣብ ዝጸንሕዎ ስርሓት ናይ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሽማግለታትን መደባትን ከመይነት ናይ ኣፈጻጽምኦም ኩነታትን ሓያልን ድኹምን ጎንታቶምን ብዑምቀት ተመያይጡ፡፡ ንድሮ ዝተረጋገጹ መኽሰባት ብምዕቋብ ዝተርፍዎን ንቅድሚት ዝጽበይዎን ኣገደስቲ መደባት ብንጹር ኣቀሚጡ ንምዕዋቶም ክረባረብ ምዃኑ ወሲኑ፡፡

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣኼብኡ ንምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲዊ ለውጢ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ናይ ምስንዳእን መጻኢ መደባትን ብዕምቆት ተመያይጡ፡፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ናይ ምስንዳእን ምቋምን ኣብ ኣገባብ (ኢጂርኣት) ሕጽረታት ዝተኸሰቱ እኳ እንተኾነ እዚ ነቲ ጉዕዞ ምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጸገም ከም ዘይኮነ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ገምጊሙን ተገንዚቡን፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ውድባትን ምንቅስቃሳትን ሲቪካዊ ማሕበረ ሰባትን ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ወዘተ ዝሳተፍዎ ዋዕላ እዚ በቲ ተተሊሙ ዘሎ ናይ ምስንዳእ መደባትን ግዜን በዓወት ክዛዘም ምእንቲ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሓደ ካብቲ ቀንዲ እዋናዊ መደቡ ጌሩ ዝዋሳኣሉ ዓቢ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ኣስሚሩሉ ሓሊፉ፡፡ ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ኣካላትን ሓፋሽ ህዝብናን ኣብዚ ዙርያዚ መድረኻዊ ዕማምዚ ጠጠው ኢሎም ንምዕዋቱ ኣወንታዊ ግዲኦም ክጻወቱ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት በዚ ኣጋጣሚዚ ይጽውዕ፡፡

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ብሰንኪ ኣረመናዊ ስርዓት ህግደፍ እቲ ኣቀዲሙ ካብ መስርሕ ጸረ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ተጋድሎ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ህዝብና ይኹን ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ብብዝሒ ዝውሕዝ ዘሎ ክገጥሞ ዝጸንሖን ዘሎን ሓሰርን መከራ ኣመልኪቱ ብዕምቆት ዘትዩ፡፡ ብፍላይ ካኣ ኣብዞም ዝደሓሩ ዓመታት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ምስግጋር ዘሎ መስርሕን ምስ ሰገሩን ናይ ህግደፍ መሳርሒታት ዝኾኑ ወይጦታትን ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ገለ ገለ ቀባይልን ብቀንዱ እውን ካብ ገለ ቀባይል ራሻይዳ ናይ ማፍያ ጉጅለታት ተፈጢሮም ካብ ሕግን ስርዓትን ወጻኢ ብዓመጽ ካብ ስደተኛታት ዝነግዱን ጅሆ ሒዞም ክሳብ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ዝፍጽሙን ዝተበረኸተሉ ሕሱም ወቅቲ ኮይኑ ምህላው ኣብ ጸብጻብ ብምእታው እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ዝኸፍኤ መልክዑ ከይተሰጋገረ እንከሎ ክግታእን ፍታሕ ክርከበሉን የድሊ፡፡ ህዝብን መንግስቲ ሱዳን ካብ መስርሕ ጸረ ባዕዳዊ ተጋድሎና ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ንስደተኛ ህዝብና እንዳኣዕቆቡን እንዳሓገዙን ናብ ሳልሳይ ሃገር ብሰላም ክሰጋገር እንዳገበሩን ክገብሩዎ ዝጸንሑን ዘሎውን ሕውነታዊ ምድግጋፍ እንዳኣመሰገና መንግስቲ ነዚ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርኤ ዘሎ ተርእዮ እዚ እውን ክቆጻጸሮ ዝገብሮ ፈተነታት እንዳንኣድና ናብ ካልእ ዘይተደላይ ዓመጻዊ ናይ ሕነ ምፍዳይ ባህሪ ከይምዕብል ጻዕርታቱ ብዝያዳ ኣጠናኺሩ ክቅጽለሉን ዘላቂ ፍታሕ ብምግባር ናብ ፍጻሜኡ ከብጽሖን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ምሕጽንቱ ኣቅሪቡ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ነዚ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት እዚ ዘተኣማምን ፍታሕ ንኽረክብ ምእንቲ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ወገናትን ሕጂ እውን ጻዕርታቱ ክብ ከብል ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ፡፡ ነቲ መሊኡ ፈታሕ ዘይረኸበ ዘሎ ሽግራት ናይ ስደተኛ ህዝብና ከኣ ናይ ስደት መሰሉ ተኸቢሩሉ ክነብር ናይ ሕቡራት ሃገራት ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR) መላእ ፈታዊ ሰላምን ዲሞክራሲ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዓለምን ልዑል ተርኦም ክጻወቱ ጸዊዑ፡፡

 

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኣብ መደምደምታ ኣኼብኡ ንፍትሓዊ ተጋድሎ ህዝብና ኣብ መዕርፉኡ ንምብጻሕን ኣብ ዞባና ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋንን ኣብ ነሰላስሎ ቃልሲ ብሓፈሻ ምትእስሳር ሰንዓ ፎርም ብፍላይ ካኣ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ክግብርዎ ዝጸንሑን ዘለውን ምድግጋፍ በዚ ኣጋጣሚዚ ልዑል ምስጋናኡ የቅርብ፡፡

 

 

ዓወት ንዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ዓወት ንሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ!

ውድቀት ንዲክታቶርዊ ስርዓት ህግደፍ!

 

ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

17 መጋቢት 2010

 

 

 

 

 

 

 

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,905,895 وقت التحميل: 0.30 ثانية