Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
Delegation leader for the Eritrean Liberation Front, taking part in anniversary celebrations of the 35
أخبار

ኩቡራት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ዝኸበርኩም  ዕዱማት ኣጋይሽ  ዝኸበርኩም ህዝቢ ትግራይ

35 The Birth of TPLF 01.jpgንመበል 35 ዓመት  ንጽንብ በዓል  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንቛዕ ኣብቃዓኩም እብል

ብምቅጻል ንውድብና ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ   ናይ በዓልኩም ተኻፋሊቲ ክንከውን ምዕዳምኩም ብስመይን ብስም ውድበይን ክብ ዝበለ ምስጋናይ  የማሓላልፍ ብምቅጻል እንባኣር።ናብዚ ንክትበጽሑ መዘና ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊልኩም  ኢኹም ኣብዚ በጺሕኩም ጻማ ቃልስኹም ድማ ረኺብም። ደሞክራስያዊት ኢቲዮጲያ ሃኒጽኩም ንህዝቦምን ንሃገሮምን ዘገልግሉ ሕድሪ ዘይጠለሙ  መራሕቲ ስለ ዝተዓደልኩምንራባዓይ ግዝኩም ንምርጫ ትሻባሸቡ ስለ ኣለኹም  ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራእንህዝባን ዑዉት ምርጫ ክኾነልኩም ምንዮትና ወሰን የብሉን።

ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝምልከት ድማ ቀደምን ሎምን ክተማዛዝኖ ኮሎኻ ብምዕባለ ይኹን ብልምዓት

ኣበይ በጺሓ ከም ዘላ ከም ጻሓይ ቀትሪ ቡሩህ እዩ።ዝተቓለሰ ይዕወት ስለ ዝኾነ ድማ ጻማ ጻዕርኹም ረኺብኩም ሕጂ ውን እንቛዕ ደስበለኩም እብል።ብምቅጻል ንሕና ከም ህዝቢ ኤረትራ ግና ድሕሪ ናይ ሳላሳ ዓመታት መሪርን ደማዌን ቃልሲ ብመስዋእትና  ነጻን ልእላውነት ሃገር ነመስክር ዳኣ እንበር ካብ መግዛእቲ ናብ ህልም ዝበለ ዲክታቶራዊ ስርዓት  ህግድፍ ጻሕታሪ ውግእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወዲቕና ንርከብ።

ስለዚ ደሞክራሲያዊት ሃገር ክንሃንጽ ይኹን ኣብ ምርጫ ክንበጽሕ ኣይካኣልናን   ኣብ ሃገርና ብሓደ ሰብ ዝምራሕ ምልካዊ ስርዓት   ጥራሕ እዩ ዘሎ።እዚ ስለ ዝኾነ ኢና ካኣንሓርነትን ንደሞክራስን ናብ ዳግማይ ቃልሲ    ኣቲና ዘለና።ስለዚ ናይ ሞራል ደገፍኩም ኣይፈለየና ንብል።ኣቦሓጎታትና ክምስሉ ከለዉ ከምዚ ኢሎም ይምስሉ ካብ ሩጉም ጎሮብት ካብ እሾኽ ምድርበት ኣድሕነና ይብሉ።እንባኣር ካብዚ ብምብጋስ ህዝቢ ኤረትራን     ህዝቢ ኢቲዮጲያን ቀሲኑ መታን ንክነብር ስለዚ ዕላማ ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ እንባኣር እዚ   ዝስዕብ እዩ ኣብ ሃገርና ኤረትራ መሰል ኩለን ቢሄራት ዝሕለወላ ደሞክራስያዊት ሃገር መስሪትካ ምስ ጎራባብትኻ ብሰላምን ብምርድዳእን ምንባር 

እዩ ዕላማባን እምነትናን ።ካብዚ ብምብጋስንዲክታቶራዊ ስርዓት ኣሊና ፍቕርን ስኒትን ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ንቡር ንምምላስ እዚ ሓደ ካብቲ ዕላማታት ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራተ እዩ።    አብ መወዳእታ ካብ ገበነኛ  ስርዓት ህግደፍ  ሃዲሞም ዝመጸ ህዝብና ትገብርዎ ዘለኹም አቃባብላ ብስመይን ብስም ውድበይ ምስጋና እንዳ ኣማሓላለፍኩ ሰናይ ጉርብታና ድማ እምነ    ካብዚ ብምብጋስ ዑዉት ባዓል እናተመነኹ ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ እንዳ መስገንኩ ደጊመ እንቛዕ አብቃዓኩም ብምባል ቃለይ ይድምድም።       ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና የቐንየለይካብ ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤረትራ  በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን