ኣገዳሲ መግለጺ
ጻውዒት ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ
ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፡-
ህዝቢ
ኤርትራ ኣብ ሱዳን ክነብር ዝገብሮ ዘሎ ምኽንያት፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ገዝእ ሃገሩ ጓና ኾይኑ
ካብ ህግደፍ ወጻኢ ካልእ ፖሎቲካዊ መማረጺ ከይህልዎ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ከይክበር
፣ርእይቶኡ ዝገልጸሉ ነጻ ፕረስ ጋዜጣ ከይህልዎ፣ነጻ ኮይኑ ከይሓስብን ከይሰርሕን፣ተጠቃማይ ናይ ዘፍረዮ
ፍርያት ከይከውን፣ውልቃዊ ናይ ሕልና እምነት ከይክበረሉ፣ ብዘይ ናይ ህግደፍ ወረቐት ካብ ቦታ ናብ ቦታ
ከይንቀሳቐስ፣ ነዛ ነጻ ኮይና ዝተፈጥረት ሂወቱ ከይውንናን፣ ናበይን ብኸመይን ይነብር ከይውስንን….ወ.ዘ.ተ.
ስለ ዝኽነ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ብሰንኪ’ቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገደብ ኣልቦ ገበናት
ባይቶ ጸጥታ ብቕጽሪ 1907 ማዕቐብ ከም ዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ። ብምሒር ጭንቀት ዓበድበድ ኣትይዎ ኸኣ
እቲ ውሳኔ ንህዝቢ ዕላማ ጌሩ ከም ዝተወሰነ ኣምሲሉ ንብዓት ሓርገጽ ይነብዕ ኣሎ ። ኣብ ከተማ ካርቱም
ሱዳን ህግደፍ ልኡኻቱ ሰዲዱ ገዛ ገዛ እንዳኣተወ ድማ ንዕለት 19/02/2010 ሰሚናር ስለ ዘሎ እንካ
ወረቐት ዕድመ’ሞ ንውሳኔ ባይቶ ጽጥታ ከም ትቃወም ፈርም፡ ነቲ እገዳ ዘይትቃወሞ እንተኾንካ ኸኣ ከም
ረፈረንድም ዝተቓወምካ ስለ ዝኾነ፡ ሽምካን ምኽንያት ዘይመቃወሚኻን ንገረና ክብል ህዝቢ የፈራርሕ ን ይህድድን
ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ግን ካብ ቀደም ዝተወሰነ ህግደፋዊ ማዕቀብ እዩ
ሽግሩ እምበር ባይቶ ጸጥታ ኣይኮነን። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ጸረ’ቲ ኣብ ህላዌ ህግደፍ ክለዓል ዘይክእል
ማዕቀብ እዩ ክኸውን ዘለዎ እምበር ማዕቀብ ባይቶ ጸጥታስ ንጉጅለ ህግደፍን ሰበ ስልጣናቱን ጥራሕ ዝምልከት
እዩ። ህግደፋውያን ግን ባይቶ ጸጥታ ንህዝብን ሃገርን ይእግድ ኣሎ ኢሎም ግዳይ ክገብሩኻ ተኣንጎት ተሰለፍ
ይብሉ ኣለዉ’ሞ ተጠንቂቕካ ተኽታተል።
ኣብዚ ሰሚናር ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ህግደፍ ዝሳተፍን እቶም
ንኤርትራ እንተ ተመሊስና ንእሰር ንቕተል ኢሎም ብዘቕረብዎ ፖሎቲካዊ ምኽንያት፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ብጣቓ (
ካርድ) ሒዞም ዝነብሩ ዘለዉ’ሞ ንውሳኔ UN ዝቃወሙ ዘለዉ ብሓፈሻ ነቶም ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ህዝቢ
ዘፈራርሑን ከኣ ብፍላይ ካብ ተሓታትነት ከም ዘየምልጡን በብኸባቢኡ ደቂቕ መጽናዕቲ ብምክያድ ደገፍቲ ጉጅለ
ህግደፍ ምዃኖምን፡ እቲ ዓድና ክንምለስ ኣይንኽእልን ኢና ኢሎም ብዘቕረብዎ ምኽንያት ዝረኸብዎ ሕጋዊ መንበሪ
ፍቓድ ክስእንዎ ከም ዝኽእሉ ክፈልጡ ይግብኦም።
ትማሊ ትማሊ ህዝቢ በቲ ጨካን ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብዝበጽሖ
በደላትን ከሕልፎ ዝጸንሐ ከርፋሕ መነባብሮ ከማርር ስለ ዝተሰምዔ ሓንቂቑ እዩ ብምባል ከናሽዎን ከነኣእሶን
ከም ዘይጸንሐ ሎሚ ህዝቢ ከድሕኖ ዝሸባሸብ ዘሎ። ህግደፍ ሎሚ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘሎ ባዕሉ ንህዝቢ
ኤርትራን ዓለምን ኣሸጊሩ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት በዚ ዝገብሮ ዘሎ ዘይኮነ ዝፍታሕ ኣብ ኤርትራን ህዝባን
ከባቢኣን ዓለምን ሰላምን ምርግጋእን ብምፍጣር እዩ ዝፍታሕ።
ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሉ ኹሉን
ቅድሚ ኹሉን ኣብዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሰሚናር ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ኣይትሳተፍ። ኣብዚ እዋንዚ
ንስርዓት ህግደፍ ምክልኻል ወይ ንምድሓን ምስራሕ ድማ ነውሪ እዩ።
ነጻነት ንእሱር
ህዝቢ ኤርትራ
ጨንፈር ኤርትራዊ
ደሞክራስያዊ ኪዳን
ካርቱም ሱዳን
13/02/2010
|