Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
Eritrean Democratic Alliance A press statement
أخبار

 

Shar Al Tahalf 2.JPG

 

 

ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቦመንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

                       ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን

                                          

መርበብ ሓብሬታ ኣዱሊስ ብዕለት 1 ለካቲት 2010 ብዛዕባ ምምሕልላፍ ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣመልክቱ ብቋንቋ ዓረበኛ ዜና ከም ዝዘርገሐ ዝዝከር’ዩ። ናቱ ቀጥታዊ ትርጉም ብትግርኛ ከኣ ኣብ መርበብ ሓብሬታ ንሓርነት ኮም ’ውን ከም ዝተዘርገሐ ዝፍለጥ’ዩ። ነዚ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዚ ክንውጽእ ዝደረኸና ከኣ እቲ ብዛዕባ ንዝተወሰነ ሓጺር ግዜ ዝተመሓላለፈ ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝምልከት ኣብ ኣዱሊስ ብዓረበኛ፣ ኣብ ንሓርነት ኮም ድማ ብትግርኛ ዝተዘርገሑ ዜናታት ብርክት ዝበሉ ጉጉይ ሓበሬታት ስለ ዘሎዎም ንምእራም’ዩ።

  1. እቲ ዜና፡ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ስቭካዊ ማሕበራትን ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ዝሳተፉ ቁጽሪ ዝወሰነት ብሰለስተ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝቆመት ሽምግለ ምዃና ይገልጽ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ዘይኮነስ ውሳኔ ማእከላይ መሪሕነት መሰረት ብምግባር፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት’ዩ ንቑጽሪ ተሳተፍቲ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ካብ ኣባላት ኪዳንን ስቪካዊ ማሕበራትን ዘወሰነ።እታ ብፈጻሚት ሽማግለ ዝቆመት ኮምቴ ከኣ ነቲ ብፈጻሚት ቤት ጽሕፈንት ዝተወሰነ ናይ ስቪካዊ ማሕበራት ዝተዋህበ ቁጽሪ ኣብግምት ብምእታው በቢከበብኡ ኣጽኒዓ እተቅርብን ናይ ኣፋጻጽምኡ መስርሕ እትካታተልን ድኣምበር እቲ ነፍስ ወከፍ ከባብን ስቪካዊ ማሕበራትን ናይ መጨረሻ መልክዑ ሒዙ ዝተዋህበ ኣከፋፍላስ ከምቲ ልዕል እሉ ዝተጠቅሰ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ ዝጸደቐ እዩ።

  2. እቲ ዜና፡ ኣብ ኣዱሊስ ዝወጸ ብዛዕባ ኣሳታትፋ ስቭካዊ ማሕበራት ዝወጸ እቲ ዕድመ ደንጕዩ ስለ ዝተላእከሎም ካብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኪሳተፉ ኣይከኣሉን ይብል። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ዘይይኮነስ ምስ ስቭካውያን ማሕበራት ዘለና ርኽክባት ከምዝሕብሮ እቲ ዝተኸስተ ምድንጓይ ምስ`ቲ ጭቡጥ ወድዓዊ ናይ ኣታሃላልውኦም ኩነታት ኩሉ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ዝተኣሳሰረ እዩ።እዚ ከኣ ብመሰረት እቲ ዝተመደበ ናይ ኣኼባ ግዜ  ከኣ ሕጂ እቲ ኩሉ ዝደሊ መስርሕ ተማልኡ ምናልባት ብዘይካ ሓደ ብምልኣቶም እቶም ኣባላት ኣብ ኣኼባ ክርከቡን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ቀረባ ግዜ ብወግዒ ስርሓ ክትጅምር ተዳልያ ምህላዋ ንገልጽ።

  3. ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ናብ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኤውሮጳን ዝርከቡ ስቪካዊ ማሕበራት ዕድመ ክልእኽ እንከሎ ብተናጽል ማሕበርትን ውልቀ ባእታታትን ዘይኮነስ፡ ብመንገዲ መርበባቶምን ጠርናፊ ጽላሎምን’ዩ ዕድመ ዝተላእከሎም።እዚ ድማ ኣብ ሃገራዊ ዕዮ መታን ሓድነቶምን ግደታትምን ንምዕዛዝ ዝዓለመ እዩ።

  4. ሱታፌ ናይ ፓልቶክ ሩምስ፡(መድረኻት) ብዝምልከት ከምቲ ኣብቲ ዜና ተጠቕሱ ዘሎ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ምስንዳእ ክትሳተፍ ዘተራእየ ፓልቶክ ሩም ንሓድነትን ሓያል ተቓውሞን(PRUSO) ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ሰፍሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት ከካይድዎ ኣብ ዝጸንሑን ዘለውን ሃናጺ ዘተታት ኣብ ግምት ብምእታው ብዝተገብረ መጽናዕቲ  ከምቶም ካልኦት ውሳኔታት ኣብ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ቀሪቡ ዝጸደቐ እዩ።ሓንቲ ፓልቶክ ሩም ወይ ሓደ መርበብ ናይ ስቪካዊ ማሕበረ ሰብ ነትን በብውልቀ ዘለዋ ዘይተወከላ ፓልቶካት ወይ ስቪካዊ ማሕበረሰባት ወይ ንጡፋት ሃገራዊያን ውልቀ ሰባት ብቐጥታ ይውክልዎ ዮም ብዝብል ዘይኮነስ  ነቲ ብዝተወድበ ኣገባብ ስፍሕ ዝበለ ጥርናፈን ዝተፋላለየ ጆኦራፊካዊ ኣቃማምጣን ዘለዎን ነቲ ዋዕላ ኣብ ምንጣፍ ዝሐሸ  ኣስተዋጽኦ ኣብ ግምት ብምውሳድ ነቲ ውሕድ ቁጽሪ ናይ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ከመይነት ናይ ምምሳሉን ምምቕርሑን ጻዕሪታት ጉዳይ እዩ እቲ ከምኡ ንክግበር ግድን ዝኾነ።

  5. እቲ ዜና ከም ዝበሎ፡ በቲ ሽማግለ ዘውጸአቶ ቅጥዒ ኣብ ሞንጎ ስቪካዊ ማሕበራት ምዕዝምዛም ይረአ ኣሎ ዘበሎ እዚ ከሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ዝተጸንዐ ንባብኮይኑ ኣይስማዓናን።  እቲ ኣብ ሞንጎ ካብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝተመዘዘት ኮሚቴን ስቭካዊ ማሕበራትን ክካየድ ዝጸንሐንዘሎን ርክባት ህልውን ቐጻልን’ዩ። ኣብ ዓውዲ ሓባራዊ ዕዮ ድማ ነዚ ዝምድና’ዚ ዝሕርፍፍ ክስተት ዛጊት ኣይረአናን።

  6. እቲ ኣብ ኣዱሊስ ዝቐረበ ዜና፡ኣብ ደቂቅ ሓበሬታ ዘይተመርኮስን ኣብ ኣቃራርብኡ ወድዓውነት ዝጎደሎን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ቅድሚ ምውዳቑ ነቲ ዝበጸሕዎ ሓበሬታ ንምጽራይ ወይ ንምርግጋጽ፡ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክውከስ መተገበኤ። ኣብዚ ክነምልክትሉ እንደልዮ ነገር፡ እቲ ዝሕዝን  መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምዚ ዝኣመሰለ ትኽክለኛ ሓበሬታ ዘይኮነ ምውጽኡ መጀመርኡ ዘይምዃኑ እዩ።

 

ኣብዚ ክንሕብሮ እንደልዮ ጉዳይ፡ እንተደኣ ሃልዩ መጀመርያ ቁጽሪ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ውሱንን ግድብን ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣሰናዳኢት ብባህሪ ናይ ኣቃውምአን ስርሓን ውን  ዝተወሰነን ፍሉጥን ምዃኑ’ዩ። ብግብሪ ኩለን ዘለዋን ውድባት ምንቅስቓሳትን ስቭካዊ ማሕበራትን ባእታታትን ኣብ ኣቃውማኣ ብማዕረ ኣብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከሳትፍ ዝኽእል ኩውንነት ዘለዎ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ከኣ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት እቲ ዝሕሸ ኣማራጺ ገይሩ ዝወሰዶ ነቲ ዝተወሰነ  ውሑድ ቁጽሪ ንምስታፍ ዘኽእል ኣብ ጸብጻብ ዘእተዎቶ ረቛሕታት እቲ ጆኦግራፍካዊ ኣቃማምጣን ብርክት ዝበሉ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ዝተጥርነፉ ዘለውዎ ስቭካዊ ማሕበራት ወይ ብጥርኑፍ ኣገባብ ካብ ሓደ ጆኦግራፍካዊ ኣቃማምጣ መሪጾም ክውክልሉ ዝኽእሉ ዕድል ምጥቃም ከም ዝሕሸ ኣማራጺ  ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ።

 

እቲ ናይ ምስንዳእ ዕማም ከኣ እታ ውሱን ቁጽሪ ዘለዋ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ነቲ ዕማም ናይ ምውዳብን ቴክኒካሊ ናይ ምስንዳእ ደኣምበር ወዳኢት ኩሉ ጉዳያት ናይቲ ዋዕላ ኣይኮነትን። ኣብቲ ዋዕላ ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ውድባትን ምንቅስቓሳትን ስቭካዊ ማሕበራትን ሙህራንን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ወዘት…ዝሳተፍዎ ኢዩ። ዝኾነ ንለውጢ ዝቃለስ ኣካል ከኣ ካብ መጀመርያ ናይ ምስንዳእ ኣትሕዙ ሃናጺ ሓሳባቱ ብጽሑፍ ንኣሳናዳኢት እናኣቕረበ ክኸይድን ኣብ ሰፊሕ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተሳትፍኡ ብምርግጋጽ  ክካታዕን ሃገራዊ እጃሙ ከበርክትን ኣድላይነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርድእ እዩ።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብመንገዲ ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንረብሓ ምፍጻም መድረኻዊ ዕማማት ህዝብናን ዓቅሚታት መላእ ተቓውሞኡን ንምጥርናፍ ኣብ ዝጸዕረሉ ዘሎ ወቕቲ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ነቶም ኩሎም ብመሰረታዊ ጉዳያቶም ዚምእዘዙ ሓይልታት ተቓውሞ ንምዕዋት ሰፊሕ ዋዕላ ክጽዕቱ የማሕጽን። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ድማ ካብ ኩሎም ዜናዊ መሳለጥያታት  ኣብ ዝዝርግሕዎ ሓበሬታት ጽጹይን ሞያውን ተኣማንን ክኽውንን፡ ዝኾነ ኣካል ካብ ጸቢብ ፖለቲካዊን ውድባዊን ሕሳባት ዘተናገፈ ኮይኑ  ደምበ ተቓውሞ ሓድነቱ ኣብ ክሊ  ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዝተጠርነፈ ጽላል ንክዕወት ህዝብና ዝገብሮ ዘሎ ተጋድሎ ኣብ ፍጻምኡ ንምብጻሕ ክንራባረብ ይህልወና። መድረኻዊ ዕላማታትና ብምዕዋት ንህዝብና ካብ ምንጋጋ ጨቛኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምድሓን፡ ኣብ ቅድሚ ዜናዊ መሳለጥያታትን ኩሎም ንለውጢ ዝቃለሱ ኣካላትን  ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተሓባብሩ ክቃለስ  ድሉው ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚዚ  ክገልጽ ይፈቱ።

 

ተወልደ ገብረ ስላሴ

ኣቦመንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ

11 ለካቲት 2010

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,289,662 وقت التحميل: 0.21 ثانية