ሕጂ
ውን ንህግደፍን መሰልቶምን
ካብ
ምብዳህ ዓዲ ኣይውዕልን
ሕድሪ
ሰማእታትና ክቡር እዩ
1ይ
ክፋል
በርሀ
ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ሕድሪ
ዓዋተ ክነዕውቶ
ክትግበር ናይ ሐርነት ሕቶ
ኣብ
መስከረም ቃል ንእቶ//
ኣብሺርካ ሐምድ እድሪስ ዓወተ
በጠል
ውድ ኤረትራ ሐሊብ ሰተ
ጅግና
ኤረትራዊ ገድሊ ህዝቢ ዝመስረተ//
ኣዳል
ተዛረቢ
ዓዋተ
ጎቦ ኣዳል ምስ ደበ
ቀልሃ
ኣቡ ዓሸራ ምስ ዘነበ
ንህዝቢ ኤረትራ ብስራት ምስ ሃበ
እንታይ በለ ንዓዋተ ዝሰዓበ//
ኣዳል
ተዛረቢ
ዕላማ
መስከረም ክትርጎም
ህዝቢ
ክነብር ብሰላም
ኤረትራ ክትከውን ለምለም//
ኣዳል
ተዛረቢ
እንታይ በለ ናይ ኤረትራ ህዝቢ
እወ
ንነጻነት ንመግዛእቲ እንቢ//
ዝዓበኻ ዝነኣስካ
ኣሰር
ዓዋተ ዝተኸተልካ
ሕድሪ
ስዉኣት ዘይጠለምካ
ህያውዩ ታሪኪ ታሪካ//
ኣለና እወ ሕድሪ
ናይ
መስከረም ነድሪ
እወ
ንሕና ደቂ ቀይሕ ባሕሪ//
መስከረም ያኣክል በልና ሎሚሲ
ደምሲስኩም ነቲ ደም ምፍሰሲ
ኣብ
ሃገርኩም ተኸሉ ደሞክራሲ//
መስከረም ኤረትራ ንመን
ህግደፍ ወካሊና ኣይኮነን
ትምኒት ጸላእትና ክምህምን
ኤረትራ ንኤረታራዊያን ክትከውን//
መልእኽቱ ሰሚሩ ጠላም
ነጻነት ዊሒጥዎ ጸላም
ንኽልተ ጎራሕት ንመክቶም
ከም
ትኪ ክበንን ሕልሞም//
ቃልስና መበል 53 ዓመቱ
ሕልምና ኣንፈቱ ስሒቱ
ህዝቢ
ሲኢኑ ሐርነቱ
ሃገር
ብሸፋቱ ተባሒቱ//
ን53ዓመት ንብዕል ሎሚ
ፋሕ
ንብል ንመን ጠቕሚ
ዓገብ
እብል ብተደጋጋሚ//
ንህግደፍ ሐቍፍና
ህግደፍ ጸላእትና
እንተ
ጨራሕና
ማዓስ
የምሕረልና//
ዘራጊ
ኮሎ ዶ ለተ
ጹሩይ
ማይ ይስተ
ሕልሚ
ሐርበኛ ዓዋተ
53
ዓመቱ ከይተ ዓወተ//
ካድር
ዝተጸወዔ
ተልእኹኡ ምስ ረሰዔ
እንገራ ልማኖ ምስ ጎስዔ
ሹዑ
እዩ ህዝቢ ዝተረሰዔ//
ንበታኒ ኣለሊና ሃየ
ማይ
ሃሪሙ ከይጸሐየ
ናብ
ስራሕ ንጓየ//
ማይ
ከም ዝዓሞኸ ኢድና
ክንዲ
ንጎዪ ዶብ ሰጊርና
ይበልዎ ንብል ገሌና
ኣብ
ጎረቤት ካብ ምድቃስ
ሐርበኛ ሕጂ ተበገስ
ውዲት
ከይድገም ቀስብቐስ//
ህላወና እሞ ነራጋግጽ
ብኽልተ እግርና ክንረግጽ
ሹዑ
ያዕ ንበሎ ክንመርጽ//
ብኸ
ብኸ እመጻኒ
ወረ
መዓስ ኢና ነሳኒ
እንታይ ሽግርና
ኩሉ
ሳዕ ምስ ተሰዓርና
ህላወና ከየራጋገጽና
ዘበት
ድሒኑ ህዝብና//
ንመስከረ ቃል ንእቶ ውድባት
ቅድሚት ዝኸውን ንድሕሪት
ኣብ
ሐደ ይጠርነፍ ሰራዊት//
ደላይ
ፍትሒ መርገጽ ክወስድ
ምስ
ናይ ሐርነት ቅዲ ዝቐድድ
ምስ
ብቅጽበት ባይታ ንዝወርድ//
ንባይታ ዓደቦና ንጠቐመሉ
ይጽበ
ሎ መርሓባ ዝኣመሉ
እንባ
ኩርባ ጀጋኑ ዝወደቑሉ//
ህላወና እሞ ኣራጋግጽና
ካብ
ብማዕዶ ምዕዛብ
ብስኒት ንበል ዘብዘብ
ተሰዲድካ የለን ክብረት
ተናዒቕና በዚሕ ውርደት
ሰብ
ርስቲ ከለና ሰብ ንብረት//
ጀማሪት ሰውራ መስከረም
እዚ
ካብ ኮነ ሕልሞም
ይትረፈና ሞራሎም ደገፎም//
ኣነስ
ምበልኩ ሕደጉና
ግዝየ
ኣይተናውሑልና
ሽግርና ክንፈትሖ ባዕልና//
ኣብ
መስከረም ንሳማማዕ
ንህግደፍ የስምዖም ስላዕ
ብበላዕተኛታት እኒ ከዳዕ
ብመሰልቶምን ካብ ንግፋዕ//
መስከረም እቲ ዝኸፍኤ
ብሰንኮም ካብ ዓዱ ዝጠፍኤ
ተመሊሱ ኢድ ዝነስኤ
ናብ
ናይ ህግደፍ ምስሌነ
ነዚኦም ጸላእኩ ኣነ//
ካብ
ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ
ንህግደፍ ክውድሱ በሻሐት ዝወጹ
ካብ
ሐርበት ባርነት ዝመረጹ//
ሑቑኡ
ሂቡ ዝኸይድ
ሑቖ
ከዳዓት ዘሰውድ
ኣንፈቱ ሲሒቱ ዝዓብድ//
መስከረም መበል 53 ዓመታ
ንኤረትራ ድሕሪ ነጻነታ
ሐርነት ሲኢኖም ህዝብታታ
ህግደፍ በቲኖሞ ናትና ያታ//
ኣብ
መስከረም ቃል ንእቶ
ትኽስ
ግደፉ ውድባት
ካብ
ንግሆ ናብ ምሸት
ጽረ
ፋሽሽታዊ ስርዓት
ለውጢ ይካኣል ብውሕዳት//
ኣብ
ምፍንጫል ካብ ንሕልፎ
ቀልጢፍና ውሽጥና ነጽፍፎ
ቅልጽምና ኣብ ሐደ ንጠርንፎ
ህግደፍ ካብ ሱሩ ክመሖ
ይኹን
ናይ ሐባር ጭርሖ
ህዝቢ
ክረክብ መስተርሆ
ናይ
ደገ ማሕለኻ ንብተኮ//
ኣይንንበር ኣብ ሕልሚ
ጓል
ዶ ትፋኖ ብዘይ ገዝሚ
ብዘይ
ላሕሚ ኣሎዶ ጠስሚ
ክትግበር ናይ ስዉኣት ሕልሚ
ንወስን ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ//
ዓወት
ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና
ሎሚ ዓመት ናይ ግድንዩ ዓወትና
ሸዊት
ለምለም ክኸውን ዓድና
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዝብሉ ይንበረልና
|