ፈጻሚ ቤት
ጽሕፈት
ኤርትራዊ
ሃገራዊ
ባይቶ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢህጹጹ
ኣኼባ
ኣካይዱ።
ቤት
ጽሕፈት
ዜና
ኤሃባንዲለ
ቢቀዳም ዕለት
5-10-2013 ናይ
ንግሆ
ፈጻሚ
ቤት
ጽሕፈት
ኤሃባንዲለ
ብኣቦ
መንበር
ፈጻሚ
ቤት
ጽሕፈት
ዶክተር
የሱፍ
ብርሃኑ
ዝተመርሔ
ህጹጹ
ኣኼባ
ኣካይዱ።
እዚ
ህጹጹ
ኣኼባ
ዚተኻየደሉ
ምኽንያት፡
ኣብዚ
ሰሙን’ዚ
ኣብ
ባሕሪ
ላምፓዱሳ
ንዘጋጠመ
ኣዝዩ
ዘሕዝን
ሃንደበታዊ
ሓደጋ
ብዝምልከት
ነቲ
ዝተኸሰተ
ሓደጋ
ብዕምቖት
ንምርኣይን
ስዒቦም
ኪግበሩ
ኣብዘለዎም
ቀንዲ
ጉዳያት
ብወገኑ
ዝህልዎ
ሓላፍነታዊ
ግደ
ብዝግባእን
ብዝተዋሃሃደ
ኣገባብ
ንምፍጻምን
ካብ
እቲ
ጉዳይ
ዚጠልቦ
ግዚያዊ
እዋናዊ
ግብራዊ
ስጉምቲ
ክሳብ
እቲ
መሰረታዊ
ፍታሕ
ንምምጻእ
ዝግበር
መስርሕ
ብቐጻሊ
ዘይሕለል
ቃልሲ
ንምክያድ
ዝሕግዙ
ውሳኔታት
ንምውሳድን
እዩ።
ፈጻሚ
ቤት
ጽሕፈት
ባይቶ
ኣብዚ
ህጹጹ
ኣኼባኡ
ኣቀዲሙ
ነቲ
ኣብቲ
እዋን
ዚበጽሖ
ጸብጻብ
ሓበሬታ
ናይቲ
ሓደጋ
ዝርዝር
ሪኡ።
በዚ
መሰረት
እታ
ዝጠሓለት
ጃልባ
ካብ
ምስራታ
ሊቢያ
ናብ
ኢጣልያ
ትጉዓዝ
ምንባራ።
ኣብታ
ጃልባ 587
ስደተኛታት
ምንባሮምን
ካብዚኣቶም
እቶም
ዝበዝሑ
ኤርትራውያን
ዜጋታትና
ምዃኖም፡
እታ
ጃልባ
ናብ
ኢጣልያ
ኣርባዕተ
ኪሎሜትር
ምስተረፋ
ኣብ
ላምፓዱሳ
ከምዝጥሓለትን
ጠንቂ
ናይቲ
ሓደጋ
ድማ
እታ
ጃልባ
ዘይሕጋዊት
ኣብርእሲ
ምዃና
ናይ
መብራህቲ
ጸገም
ከምዝነበራን
ነዚ
ስዒቡ
ኣብቲ
ከባቢ
ናብ
ዝነበሩ
ገፈፍቲ
ዓሳ
ንምሕባር
መራሕቲ
ናይታ
ጃልባ
ክሻታት
ብሓዊ
ክነድድ
ብምግባር
መብራሕቲ
ንምፍጣርን
ሓገዝ
ንምርካብን
ኣብ
ዝገበርዎ
ፈተነ፡
እቶም
ተሳፈርቲ
ኣብታ
ጃልባ
ባርዕ
ዝተፈጥረ
መሲልዎም
ሰንቢዶም
ካብቲ
ሓዊ
ንምህዳም
ናብ
ሓደ
ሸነኽ
ብምእካቦም
እቲ
ሃንደበት
ከምእተፈጥረን
ብድሕሪኡ
ነቲ
ዚተፈጥረ
ሓደጋ
ንምክልኻሉ
ካብ
ቑጽጽር
ወጻኢ
ብምዃኑ
እታ
ጃልባ
ክጥሕል
ከምዝክኣለት
እቲ
ዝበጽሖ
ሓበሬታ
ከምዘመልክት
ተገንዚቡ።
ብተወሳኺ
ዝርዝር
ናይቲ
ጸብጻብ
ከምዝሕብሮ
ካብዞም 587
ኣብታ
ጃልባ
ዚነበሩ
እቶም 155
ብሂወት
ዝተረኽቡን
ዝድሓኑን
ኪኾኑ
እንከለው 114
ከምዝሞቱን
ሬሳኦም
ከምዝተረኽበን፣
ካብተን
ደቀንስትዮ 2
ናይ
ሸሞንተን
ትሽዓተ
ወርሒ
ብጹሓት
ነፍሰጾራት
ምንባረን 4
ድማ
ካብ 4ክሳብ
6 ዓመት
ዝዕድሚኦም
ህጻናት
ከምዝኾኑ
ተረጋጊጹሎ።
እቶም318
ክሳብ
ሕጂ
ሃለዋቶም
ከምዘይተፈልጠ
እቲ
ኣብቲ
ፈጻሚ
ቤትሕፈት
ባይቶ
ህጹጽ
ኣኼባ
ዘካየደሉ
እዋን
ዝተረኽበ
ሓበሬታ
ከምዘመልክት
ተፈሊጡሎ።
ፈጻሚ ቤት
ጽሕፈት
ባይቶ
ነቲ
ዝበጽሖ
ዝርዝር
ጸብጻብ
ናይቲ
ሓደጋ
ብድሕሪምርኣይ።
ኣብቲ
ኣብ
ባሕሪ
ላምፓዱሳ
ብሰንኪ
ምጥሓል
ጃልባ
ኣብ
ዘጋጠመ
ዘስካሕክሕ
ሓደጋ
ንዚሃለቁን
ነቶም
ካብ
ሓደጋ
ንስክላ
ዚተረፉን
ናይ
ስንባደን
ካልኣ
ኣብ
ልዕሊኦም
ናይዝወረደ
ማህሰይቲን
ግዳይ
ንዝኾኑን
ኩሎም
ዝተሰምዖ
መሪር
ሓዘን
ገሊጹ።
ብፍላይ
ድማ
ኣብዚ
ሓደጋ
እዚ
እቶም
መብዛሕታኦም
ኤርትራውያን
ዜጋታትና
ብምዃኖም
እቲ
ሕሰምን
ርዝነት
ናይቲ
ሓዘንን
ኣዝዩ
ከቢድ
ከምዝገብሮ።
ህዝብና
ኣብርእሲ
እቲ
ዝርከበሉ
ዘይጥዑም
ሃለዋት
ብተወሳኺ
በዚ
ሕሱም
ተረኽቦ
ኣብ
ከቢድ
ሓዘን
ምውዳቑ
ልቢ
ዚቀዝሕ
መሪር
ሓዘን
ክስምዓካ
ዚገብር
ምኻኑ
ብምዕዛብ
ከምዚ
ዝኣመሰለ
ልቢ
ዝሰብር
ሓዘን
ዜስዕብ
ሓደጋ
ከይድገምን
ዚጻናናዓሉን
ዚድበሰሉን
ሰናይ
ዘመን
ክመጽእ
ኣብ
መሰረታዊ
ፍታሕ
ናይ
ኩሉ
ጸገማትና
ክነተኩርን
ክነድህብን
ብሓድነት
ክንቃለስን
ኣማራጺ
ዘይብሉ
እቲ
ክንክተሎ
ዚግባእ
እንኮ
መንገዲ
ምዃኑ
መዚኑ።
ፈጻሚ ቤት
ጽሕፈት
ባይቶ
ኣብ
ላምፓዱሳ
ዝርከብ
ምምሕዳርን
ህዝብን
ከምኡውን
መንግስትን
ህዝብን
ኢጣልያ፣
ነቲ
ዘጋጠመ
ሓደጋ
ሲዒቡ
ዘርኣዮ
ምድንጋጽን
ንግዳያት
ናይቲ
ሓደጋ
ንምድሓን
ዚገበርዎ
ኩሉ
ሸነኻዊ
ምርብራብ፣
ነቲ
ኩሉ
ሰብኣዊ
ርህራሄ
ዝተመልኦ
ምትሕግጋዛትን
ንዝተሰምዖም
ልባዊ
ሓዘን
ብምስትብሃል
ልዑል
ምስጋናኡ
ኣቕሪቡ።
ብፍላይ
ድማ
እቲ
ናይታ
ነቶም
ኣስታት 587
ዝኾኑ
ሰባት
ሒዛ
ዚጥሓላት
ጃልባ
ኣሰቃቂ
ሓደጋ
ዜና
ሰሚዖም
ክሳብ
እቲ
ቦታ
ብምኻድ
ነቲ
ዜጋጠመ
ሓደጋ
ብዓይኖም
ብምርኣይን
ነቲ
ነቶም
ግዳያት
ንምድሓን
ዚተገብረ
ሰብኣዊ
ጻዕሪ
ብምድጋፍን
ብምትብባዕን
ንዝተሰምዖም
ሓዘን
ብምግላጽን
ንህዝቢን
ስድራቤታት
ግዳያትን
ዜጸናንዕ
ቃል
ንዘስምዑ
ፓትሪያርክ
ቫቲካን
ክብ
ዚበለ
ክብርን
ምስጋናን
ኣቕሪቡ።
ፈጻሚ ቤት
ጽሕፈት
ነዚ
ብፍላይ
መንእሰያት፣
ደቀንስትዮ፣
ነፍሰጾራት
ሾሞንተን
ትሽዓተ
ወርሕን፣ካብ 4ክሳብ
5 ዓመት
ዚዕድሚኦ
ህጻናት
ዚርከብዎም
መብዛሕትኦም
ኤርትራውያን
መንእሰያት
ዜጋታትና
ኣብ
ባሕሪ
ጢሒሎም
ብጅምላ
ዚሃለቑሉ
ኣዝዩ
ዘሰቅቕ
ሓደጋ
ብቐጥታን
ብቀዳማይ
ደረጃን
ሓላፍነት
ዚስከም
እቲ
ኣብ
ኤርትራ
ዘሎ
ምልካዊ
ስርዓት
ህግደፍ
ምዃኑ
ኣስሚሩሉ።
ምንጪን
ጠንቅን
ናይዚ
ብተደጋጋሚ
ዝኽሰት
ዘሎ
ጅምላ
ህልቂት
መናእሰያት
ዜጋታትና
እቲ
ብሰንኪ
ሕሱምን
ምልካዊ
ምሕደራ
ስርዓት
ኢሳያስ
ኣብ
ህዝብና
ዚወርድ
ዘሎ
ምረት
ሂወት
ዘስዓቦ
ዋሕዚ
ስደት
ብምዃኑ
ነዚ
ናይ
ኩሉ
ሕሰማት
ምንጪ
ዝኾነ
ጸረ-ህዝብን
ሃገርን
ምልካዊ
ስርዓት
ብምውጋድ
ስደትን
ሃሳይ
ሳዕቤኑን
ካብ
ሱሩ
ክመክን
ምግባር
ቀንድን
ቀዳማይን
ታሪኻዊ
ሓላፍነትና
ምዃኑ
ኣገንዚቡ።
ፈጻሚ ቤት
ጽሕፈት
ኤርትራዊ
ሃገራዊ
ባይቶ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ
ኣብ
መወዳእታ
ነዚ
ዝተኸሰተ
ሃንደበታዊ
ጃምላዊ
ህልቂት
ዜጋታትና
ኣብ
ባሕሪ
ላምፓዱሳ
ብዝምልከት፡
መግለጺ
ሓዘንን
ባይቶ፣
ኣብ
ኩሉ
ከባቢታት
ዚካየዱ
ናይ
ሓዘን
መግለጺ
ስነስርዓት
መደባትን
ከምዝካየዱ
ሓቢሩ፡
ከምኡውን
ንከምዚ
ዓይነት
ዚዳጋገም
ዘሎ
ሓደጋ
ብዝምልከት
ግዚያዊን
መሰረታዊ
ፍታሕ
ንንምምጻእ
ዝሕግዙ
ዚተፈላለዩ
መልክዓት
ዝህልዎም
ግብራዊ
ስጉምቲ
ኣብ
ባይታ
ንምፍጻም
መደባት
ሰሪዑ
ምስ
ኩሉ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ
ዚቃለስ
ዘሎ
ህዝብናን፣
ምስ
ኩሎም
ፖለቲካዊ
ሓይልታትን፣
ሰብኣዊን
ሲቪካዊ
ማሕበራትን
ወዘተ
ብሓባር
ክሰርሕ
ምዃኑ
ኣፍሊጡ፣
ቤት
ጽሕፈት
ዜና
ኤርትራዊ
ሃገራዊ
ባይቶ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ
05-10-2013