Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራ&#481
أخبار

ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢህጹጹ ኣኼባ ኣካይዱ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ኤሃባንዲለ

ቢቀዳም ዕለት 5-10-2013 ናይ ንግሆ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባንዲለ ብኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር የሱፍ ብርሃኑ ዝተመርሔ ህጹጹ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ህጹጹ ኣኼባ ዚተኻየደሉ ምኽንያት፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ንዘጋጠመ ኣዝዩ ዘሕዝን ሃንደበታዊ ሓደጋ ብዝምልከት ነቲ ዝተኸሰተ ሓደጋ  ብዕምቖት ንምርኣይን ስዒቦም ኪግበሩ ኣብዘለዎም ቀንዲ ጉዳያት ብወገኑ ዝህልዎ ሓላፍነታዊ ግደ ብዝግባእን ብዝተዋሃሃደ ኣገባብ ንምፍጻምን ካብ እቲ ጉዳይ ዚጠልቦ ግዚያዊ እዋናዊ ግብራዊ ስጉምቲ ክሳብ   እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝግበር መስርሕ ብቐጻሊ ዘይሕለል ቃልሲ ንምክያድ ዝሕግዙ ውሳኔታት ንምውሳድን እዩ።

 ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ  ኣብዚ ህጹጹ ኣኼባኡ ኣቀዲሙ ነቲ ኣብቲ እዋን ዚበጽሖ ጸብጻብ ሓበሬታ ናይቲ ሓደጋ ዝርዝር ሪኡ። በዚ መሰረት እታ ዝጠሓለት ጃልባ ካብ ምስራታ ሊቢያ ናብ ኢጣልያ ትጉዓዝ ምንባራ። ኣብታ ጃልባ 587 ስደተኛታት ምንባሮምን ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዜጋታትና ምዃኖም፡ እታ ጃልባ ናብ ኢጣልያ ኣርባዕተ ኪሎሜትር ምስተረፋ ኣብ ላምፓዱሳ ከምዝጥሓለትን ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ድማ እታ ጃልባ ዘይሕጋዊት ኣብርእሲ ምዃና ናይ መብራህቲ ጸገም ከምዝነበራን ነዚ ስዒቡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ንምሕባር መራሕቲ ናይታ ጃልባ ክሻታት ብሓዊ ክነድድ ብምግባር መብራሕቲ ንምፍጣርን ሓገዝ ንምርካብን ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ፡ እቶም ተሳፈርቲ ኣብታ ጃልባ ባርዕ ዝተፈጥረ መሲልዎም ሰንቢዶም ካብቲ ሓዊ ንምህዳም ናብ ሓደ ሸነኽ ብምእካቦም እቲ ሃንደበት ከምእተፈጥረን ብድሕሪኡ ነቲ ዚተፈጥረ ሓደጋ ንምክልኻሉ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ብምዃኑ እታ ጃልባ ክጥሕል ከምዝክኣለት እቲ ዝበጽሖ ሓበሬታ ከምዘመልክት ተገንዚቡ። ብተወሳኺ ዝርዝር ናይቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ካብዞም 587 ኣብታ ጃልባ ዚነበሩ እቶም 155 ብሂወት ዝተረኽቡን ዝድሓኑን ኪኾኑ እንከለው 114 ከምዝሞቱን  ሬሳኦም ከምዝተረኽበን፣ ካብተን ደቀንስትዮ 2 ናይ ሸሞንተን ትሽዓተ ወርሒ ብጹሓት ነፍሰጾራት ምንባረን 4 ድማ ካብ 4ክሳብ 6 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ከምዝኾኑ ተረጋጊጹሎ።  እቶም318 ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ እቲ ኣብቲ ፈጻሚ ቤትሕፈት ባይቶ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደሉ እዋን  ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክት ተፈሊጡሎ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ነቲ ዝበጽሖ  ዝርዝር ጸብጻብ ናይቲ ሓደጋ ብድሕሪምርኣይ። ኣብቲ ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ብሰንኪ ምጥሓል ጃልባ  ኣብ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ንዚሃለቁን ነቶም ካብ ሓደጋ ንስክላ ዚተረፉን ናይ ስንባደን ካልኣ ኣብ ልዕሊኦም ናይዝወረደ ማህሰይቲን  ግዳይ ንዝኾኑን ኩሎም ዝተሰምዖ መሪር ሓዘን ገሊጹ። ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሓደጋ እዚ እቶም መብዛሕታኦም ኤርትራውያን ዜጋታትና ብምዃኖም እቲ ሕሰምን ርዝነት ናይቲ ሓዘንን ኣዝዩ ከቢድ ከምዝገብሮ። ህዝብና ኣብርእሲ እቲ ዝርከበሉ ዘይጥዑም ሃለዋት ብተወሳኺ  በዚ ሕሱም ተረኽቦ ኣብ ከቢድ ሓዘን ምውዳቑ ልቢ ዚቀዝሕ መሪር ሓዘን ክስምዓካ ዚገብር ምኻኑ ብምዕዛብ  ከምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ዝሰብር ሓዘን ዜስዕብ ሓደጋ ከይድገምን ዚጻናናዓሉን ዚድበሰሉን ሰናይ ዘመን ክመጽእ  ኣብ መሰረታዊ ፍታሕ ናይ ኩሉ ጸገማትና ክነተኩርን ክነድህብን ብሓድነት ክንቃለስን ኣማራጺ ዘይብሉ እቲ ክንክተሎ ዚግባእ እንኮ መንገዲ ምዃኑ መዚኑ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣብ ላምፓዱሳ ዝርከብ ምምሕዳርን ህዝብን ከምኡውን መንግስትን ህዝብን ኢጣልያ፣ ነቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ሲዒቡ ዘርኣዮ ምድንጋጽን ንግዳያት ናይቲ ሓደጋ ንምድሓን ዚገበርዎ ኩሉ ሸነኻዊ ምርብራብ፣ ነቲ ኩሉ ሰብኣዊ ርህራሄ ዝተመልኦ ምትሕግጋዛትን ንዝተሰምዖም ልባዊ ሓዘን  ብምስትብሃል ልዑል ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ብፍላይ ድማ እቲ ናይታ ነቶም ኣስታት 587 ዝኾኑ ሰባት ሒዛ ዚጥሓላት  ጃልባ ኣሰቃቂ ሓደጋ ዜና ሰሚዖም ክሳብ እቲ ቦታ ብምኻድ ነቲ ዜጋጠመ ሓደጋ ብዓይኖም ብምርኣይን ነቲ ነቶም ግዳያት ንምድሓን ዚተገብረ ሰብኣዊ ጻዕሪ ብምድጋፍን ብምትብባዕን ንዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽን ንህዝቢን ስድራቤታት ግዳያትን ዜጸናንዕ ቃል ንዘስምዑ  ፓትሪያርክ ቫቲካን ክብ ዚበለ ክብርን ምስጋናን ኣቕሪቡ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት  ነዚ ብፍላይ መንእሰያት፣ ደቀንስትዮ፣ ነፍሰጾራት  ሾሞንተን ትሽዓተ ወርሕን፣ካብ 4ክሳብ 5 ዓመት ዚዕድሚኦ ህጻናት ዚርከብዎም መብዛሕትኦም ኤርትራውያን መንእሰያት ዜጋታትና ኣብ ባሕሪ ጢሒሎም ብጅምላ ዚሃለቑሉ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ሓደጋ ብቐጥታን ብቀዳማይ ደረጃን ሓላፍነት ዚስከም እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ምንጪን ጠንቅን ናይዚ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ጅምላ ህልቂት መናእሰያት ዜጋታትና እቲ ብሰንኪ ሕሱምን ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ህዝብና ዚወርድ ዘሎ ምረት ሂወት ዘስዓቦ ዋሕዚ ስደት ብምዃኑ ነዚ ናይ ኩሉ ሕሰማት ምንጪ ዝኾነ ጸረ-ህዝብን ሃገርን ምልካዊ ስርዓት ብምውጋድ ስደትን ሃሳይ ሳዕቤኑን ካብ ሱሩ ክመክን ምግባር ቀንድን ቀዳማይን ታሪኻዊ ሓላፍነትና ምዃኑ ኣገንዚቡ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝተኸሰተ ሃንደበታዊ ጃምላዊ ህልቂት ዜጋታትና ኣብ ባሕሪ ላምፓዱሳ ብዝምልከት፡ መግለጺ ሓዘንን ባይቶ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዚካየዱ ናይ ሓዘን መግለጺ ስነስርዓት መደባትን ከምዝካየዱ ሓቢሩ፡ ከምኡውን ንከምዚ ዓይነት ዚዳጋገም ዘሎ ሓደጋ ብዝምልከት ግዚያዊን መሰረታዊ ፍታሕ ንንምምጻእ ዝሕግዙ ዚተፈላለዩ መልክዓት ዝህልዎም ግብራዊ ስጉምቲ ኣብ ባይታ ንምፍጻም መደባት ሰሪዑ ምስ ኩሉ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዚቃለስ ዘሎ ህዝብናን፣ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን፣  ሰብኣዊን ሲቪካዊ ማሕበራትን ወዘተ ብሓባር ክሰርሕ  ምዃኑ ኣፍሊጡ፣

 ቤት ጽሕፈት ዜና

 ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

 05-10-2013

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,280,245 وقت التحميل: 0.21 ثانية