Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻ&#4
أخبار

 ER NAT COUCELL EX OFFICE.jpg

ደምዳሚ መግለጺ 4 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትንሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ባይቶን

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብውሽጥን ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ ኣዝዩ ኣብ ዝተሓላለኸሉን፡ ኣብ ቅድሚ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከበድቲ ብድሆታት ኣብ ዝገጥሙዎ ዘሎዉን ብሓደ ሸነኽ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከኣ ምእንቲ ጉጅላዊ ረብሓኡን ስልጣኑን ዓቕሚታት ሃገር ዝያዳ ንምቁጽጻር ኣብ ዝምርሸሉን፡ ከምኡውን ከም ልማዱ ንውሽጣዊ ተቓውሞ ብጭካነ’ኳ እንተ ጨፍጨፎን ናይ ውሽጢ ተቓውሞ ክብ ኣብ ዝበለሉ፡ በቲ ካልእ ሽነኽ፡ ድማ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበዝሓሉን፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታት በብግዜኡ ኣብ ዘንቍልቍለሉን፡ ኤርትራ ሃገርና ንሓደጋ ኣብ እትሳጣሓሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት እናተጓረተ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደት ኣብ ዘመዝግበሉን፡ ኣብ’ዚ ክፍለ-ዘበን’ዚ ግዳይ ኣስካሕካሒ ሰብኣዊ ገበን ብምዃን ንነጋዶ ሰብኣዊ ኣካላትን ዝተፈላለየ ኢሰብኣዊ ምዝመዛን ቀዳማይ ዕላማ ኣብ ዝኾነሉን ኩነታት፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት 4 ስርዕ ኣኼባኡ ብዕለት 1 ሓምለ 2013 ጀምሩ።

ኣኼባ፡ ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳኡ ሃገራውን ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞን ኣካላቱን፡  መሓውራቱ ሰሚሩ ንቶታሊታርያዊ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ከምቲ ዝድለ ሰሚሩ ንከይከይድ ጽልዋታት ዝገብረ  ምዃኑ ርእዩ።  

ኣብ ሃገራዊ ኩነታት፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብውሽጡ ንዘናወጾ ናይ 21 ጥሪ ምንቅስቓስ፡ ከምቲ ኩሉ ሻዕ ክጥቀመሉ ዝጸነሐ ኢሰብኣዊ ኣገባብ ኣፈታትሓን ንሃገርና ናብ ዝዓበየ ቤት ማኣሰርቲ ብዝለወጠን ኣገባብ ብጭካነ’ኳ እንተጨፍለቖ፡ ሕጂውን ገና ንቐጻሊ ሰፊሕ ወፍሪ ማእሰርቲ’ውን እንተተገልገለሉን ዝለዓለ መግለጺ ናይ ውሽጣዊ ተቓውሞ ምዃኑ ኣይተረፎን። ሕጂውን ገና ናይ ፖለቲካን ሕልናን ኣሱራት ፍትሓዊ ብይን ንክረክቡ ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዘይፍቀደሎም ምኻኑ እዩ እቲ ሓቂ።

 ከምኡ’ውን ስርዓት ህግደፍ ብስንኪ እቲ ኣህጉራዊ ትካላት ኣብ ልዕሊኡ ዘንበሮ ማዕቀብ ኣብ ተነጽሎ ብምእታዉን፡ ኣህጉራዊ ተሰማዕነት ብምስኣኑን ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ናብ ውድቀት የንቍልቍል ኣሎ። እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ምሕደራ ሃገር ስለዝፈሸለ፡ መተካእታኡ ብዝምልከት ሕቶታት ይለዓል ኣሎ። ናይ ግዜ ረቛሕነትን ቁጠባዊ ኩነታትን ውሽጣዊ ውጥረትን ተደሚሩ  ክነቱግ ዝኽእል ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ስለዝኾነ ከም ተቓወምቲ ሓይልታት ናይ ቃልሲ መሓውራትና ምጥርናፍን፡ ንውሽጢ ዓዲ ዝጠመተ ስራሓት ብምዝርጋሕ ናይ ደንበ ተቓውሞ ኣረኣእያን ምምዕባል ይድለ። ሃገራዊ ባይቶ፡ ንሃገርና ካብ ብርሰት ዘድሕን ንኩሉ ኤርትራዊ ክውንነት ፍትሓዊ ናይ ስልጣንን ሃብትን ምምቕራሕ ዘረጋግጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ድሮ ሃኒጽዎ ዘሎ ሰረትን ክብርታትን መትከላትን ብዝግባእ ክንጸባረቕ ምስራሕ ከምዘድሊ ርእዩ።

ውሽጣዊ ሓድነት ምርግጋጽ ከም መሰረታዊ ቅድመ ኩነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝኾነ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ሰፊኑ ዝጸንሔ ቅልውላውን ዘይምትምእምማን ንምፍዋስ ብዕቱብነት ክሰርሕን፡ ነቲ ዘሻቕል ዘሎ ሕቶ መተካእታ ክምልሽ ከምዝኽእል ብግብሪ ንምርግጋጽ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክጽዕት ይህልዎ።

ኣብ ዞባዊ ኩነታት፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሃገራት ዞባዊ ምርግጋእ ዘዕዝዝን ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ጥዑይ ጉርብትናን ዝተመስረተ ዝምድና ኣብ ክንዲ ምህናጽ፡ ካብ ናይ ተጻብኦ ፖሊሲ ብምንቃል ንዞባውን ኣህጉራውን ሰላም ክህድድ ጸኒሑዩ። ኣብ ሃገርን ህዝብን፡ ኣብ ምንጎ ዝምድናታት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከምኡውን ኣብ ናይ ዞባዊ ሃገራትና ብሓፈሻ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታቱን ድማ ብፍላይ ኣሉታዊ አሰራት ፈጢሩዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዘስተንፍሰሉ ዘሉ እንኮ ሳንቡእ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብዘሎዎ ዝምድናዩ። በዚ ኣቢሉ ድማ ዕድመ ስልጣን ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ሓደ ረቛሒ ኮይኑ ኣሎ። ተቓውሞ ሓይልታት ብሰንኪ እቲ ዝጸንሔ ባዕላዊ ድኽመታቱ  ነዚ ዝምድናዚ ክዓግት  ብዘይምኽኣሉ ዝተፈጥረ ኩነታት ከም ምዃኑ መጠን፡ ንሕና ከም ደንበ ተቓውሞ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘቀላጥፍ ስራሕ ንምሕያል ኣብዚ መዳይዚ  ዝዓበየ ቱኽረት ሂብካ ምቅላስ ከምዘድሊ ርእዩ።

ከምኡውን ብዛዕባ ማያት ናይል ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምስሪን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈጥረ ሽግር፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ’ቲ ጉዳይ ቐጥታዊ ኣካል ዘይኮነ ክንሱ ንጸቢብ ረብሓኡ ክብል ኢድ ብምትእትታዉ ሓደ ካብ’ቲ ንግጭታት ዘባልሕ ባህሪ ምህላዉ ዘመስክር’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ሱዳንን የመንን ጂቡቲን ካብ ቐጥታዊ ኢድ ምትእትታው ርሑቅ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህዝብታት ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስቲታቶምን ዘስዕቦ ቐጥታዊ ጉድኣትን ኣሉታዊ መንጸብረቕታኡን ብምብርዳእ፡ ንሕና ከም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዞባና ሰላም ንምዕዛዝ፡ ከምኡውን ብመትካላት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ምምእዛዝን ጥዑይ ጉርብትናን ሕድሕድ ምክብባርን ኣብ ኣፈታትሓ ግጭታት ሓይሊ ዘይምጥቓምን መርሆ ከም ንኽተል ነረጋግጽ። እዚ ድማ መጻኢ ዝምድና ኤርትራን ዓለምን ብሓፋሻ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ብፍላይ ዝስረተሉ መጻኢ ራእይና ምዃኑ ነረጋግጽ። ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ስትራተጂያዊ ብምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ ብናይ ስርዓት ህግደፍ ፖሊሲታት ዝጽሎ ከም ዘይከውን ነረጋግጽ።

ኣኼባ፡ ብዑምቀት ካብ ዝረኣዮም ጉዳያት ሓደ ናይ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኩነታት’ዩ። እዚ ጉዳይ ብቐንዱ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምሕቛፍ ዜጋታት ከም ዝፈሸለ  ዘብረሀ ጉዳይ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ምምላስ ካብ 1967 ጀሚሩ ዝተሰደደ ኤርትራዊ ንምምላሶም ዕንቅፋት ዝገብረን ቀንዲ ምንጪ ስደት መንእሰያት ምዃኑ ዘመስከረንዩ። መንእሰያት ሃገርና ናብ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለምን ንስደት ብምውሓዝ ግዳያት ናይቶም ኩሎም ጥሕሰታት ኣህጉራዊ ቻርተራትን ሰብኣዊ መሰላትን ይኾኑ ኣሎዉ። ኣህጉራዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ብዕለት 14 ሰነ 2013 ኣብ ጀነቭ ኣብ ዘውጸኦ ናይ መጠረሽታ ጸብጻብ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ብሰፊሕ ገሊጹዩ። ጉዳይ ስደተኛታት ሓደ ካብ’ቲ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዘሎዎ ኣተሓሕዛ ዘቃልዕ እዩ። ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ እውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ  ተጽዕኖ ንምግባር ክስራሓሉ ዝግባእ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንዘዕቁባ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ስቅያቶም ንምቅላልን ካብ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንክከላኸላሎምን ዝግቦኦም ምሕብሓብ ክገብራሎምን ህጹጽ መጸዋዕታ ነቕርብ። መንግስቲ ሱዳን መርገጹ ንክእርምን ንረብሓ ስትራተጂያዊ ዝምድና ክልትኡ ህዝብታት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብልን ንጽውዕ።   

ህዝብና ብሰንኪ ነጋዶ ኣካላት ደቂ ሰብ  ዝሳቐየሉ ዘሎ ብዝምልከት፡ ንህዝብና ካብ’ዚ ጉድኣት ንምድሓን ናይ’ዚ ተግብር’ዚ መመሓላለፊ ምስ ዝኾና ሃገራት፡ ሃገራዊ ባይቶ ብዝለዓለ ደረጃ ክዘራረበሉ ወሲኑ።          

ኣኼባ፡ ብሰንኪ ጉጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ከመይ ከምዝረኤ  መዚኑ። ማእከል ኣህጉራዊ ቅልውላው ICG ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻቡ ዝኣመቶም ሲናርዮታት ንግደ ተቓውሞ ሓይልታት ዕሽሽ ኢሉ ስለዝሓለፎ ኣሉታዊ ጎኒ ከም ዘሎዎ ርኢና።

ኣኼባ፡ ንውሽጣዊ ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ዝነወሐ ጊዜ ብምሃብ፡  መንፈስ ሓላፍነትን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተራእዩ ዕንቅፋታት ንምስጋር ሓባራዊ ድልየትን ግሉጽነትን ብዝሰፈኖ ምይይጥ፡ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ኣሰራርሓ ክንዲ’ቲ ዝድለ ከም ዘይጸንሔ ርእዩ። ሃገራዊ ባይቶ ብመሰረት ዝተዋህቦ ሓላፍነት ተርኡ ክጸወት ምእንቲ፡ ብመሰረት ዝተሓተ ፕሮግራም ንኩሉ ተቓውሞ ሓይልታት ዝጥርንፍ ክኸውንን ኣሰራርሓኡ ንምምዕባልን ኣበርቲዑ ክዓዪ ከምዘለዎ ርእዩ።

ነዚ ንምዕዛዝ ገለ ካብ ብርክት  ዝበሉ ውሳኔታትን ለበዋታትን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

·       ርእይቶታት ፖለቲካዊ ሓይልታት ንምቅርራብን፡ ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ዘይምትእምማን ንምፍዋስን፡ ውሽጣዊ ግርጭታት ንምቅላልን፡ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ቀጻሊ ሰሚናራት ከካይድ ወሲኑ።

·       ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍ፡ ናይ ርእይቶታት ፍልልይ ንምቅርራብን፡  ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ምስ ዘሎዋ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ንምዝታይን፡ ኣብ ዝመጽእ ጉባኤ ንክሳተፉ ባይታ ምንጻፍን ናይ ዘተ ሽማግለ ኣቝሙ።

·       ሃገራዊ ባይቶ ናይ ሙሁራዊ ዓቕሚታት ኣብ ረብሓ ተቓውሞ ንምውዓልን ንዕላማታቱ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕን፡ ቅድሚ ጉባኤ ምክያድ ናይ ሙሁራትን ናይ መድያ ኪኢላታትን ሰሚናር ከካይድ ወሲኑ።

·       ኣስናዳኢት ሽማግለ ኩሉ ዓቕሚታት ህዝብና ንምጥርናፍ ኣብ ኩሉ ህዝብና ዝርከበሉ ከባቢታት ስሚናራት ብምክያድ ብሃገራዊ ጉባኤ ምብሳርን  ውሕስነት ደሞክራሲያዊ ለውጢ ከረጋግጽ ክጽዕትዩ።

·       ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ጉዳይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብዕዘት ብምርኣይ ንመስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምድጋፍ ነፍሶም  ክጥርንፉን ከጠናኽሩን ጸዊዑ።

·       ኣኼባ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ብመንገዲ ኣብ ልዕሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዘንብሮ ማዕቀብን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፍ መርገጻቱን፡ ብፍላይ ድማ እቲ ዳሕረዋይ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከታተል ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብምምዛዙ የሞጉስ። ስርዓት ህግደፍ ካብ ንሰብኣዊ መሰል ዝጻባእ ባህሪኡ ብምብጋስ ምስ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ተኸታተሊ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክተሓባበር ድልየት’ኳ እንተዘይብሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝፍጽሞም ቐጻሊ ግህሰታት ንህዝብና ከቃልለሉ ስለዝኽእል ከም ኣዎንታዊ ስጉምቲ ንወስዶ። 

·       ኩሉም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ሃገራትን ሓይልታትን ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎና ክድግፉን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንጽሉን ነማሕጽን። ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝህብዎ ደገፍን፡  ሓባራዊ ረብሓታት ክልትኡ ህዝብታትና ንምርግጋጽን፡ ዞባዊ ጸጥታ ምርግጋእን ንምዕዛዝን፡ ኣብ ጎኒ ተጋድሎና ደው ብምባሎም ነሞጉስ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብቐዳምነት ዝተሰርዔ ኣጀንዳታቱ ድሕሪ ምውዳእ ምስ መሪሕነት ባይቶ ኣብ ካላኣይ ክፋል ናይ ሓባር ኣኼብኡ ብዕለት 13/7/13 ጀሚሩ። ቀንዲ ዕማም ናይቲ ናይ ሓባር ኣኼባ ድማ ብመሰረት ውሳኔ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክልቲኦም ኣካላት ብሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ከቑሙ ስለዝተወሰነ እዩ። ብድሕሪ ዓሚቕ ክተዓትን ካብ ዝሓለፉ ብዙሓት ጉባኤታት ተመኩሮ ምውሳድን ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም መፍትሒ ቀሪቡ። ብኡ መሰረት ድማ ኣሰናዳኢት ሽማግለ እትቖመሉን እትምራሓሉን መሪሕ ሓሳባት ኣቚሙ። ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክኢላታትን ቀዳምነት ብምሃብ ድማ 21 ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ መዲቡ ኣቦ መንበራ ድማ መሪጹ። እቲ ዝተረፈ ቁጽሪ ድማ ኣብ መስርሕ ክምላእ ምኻኑ ኣነጺሩ።

ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሕጽረታትን፡ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝጅምር ኣትሕዙ ዝጸንሔ ናይ ኣረኣእያ ጽልግልጋትን ኣነጺሩ ድሕሪ ምግምጋም ከመይ ክስገር ከምዝከኣል ዘትዩ። ሓይልን ብቕዓትን  ኣኻኺብካ ንቕድሚት ክድፋእ መታን ክከኣልን ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምትሕብባር ዕዉት ካላኣይ ጉባኤ መታን ክእቶን መሪሕነት ባይቶ ን ኣመራርሓ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት ምምዕርራይ ጌሩ። በዚ መሰረት ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ቦታ ኣቦ መንበር ክትክእን ኣብ ዝኾነ ጸገማት ብቐረባ እተማኽርን ሽማግለ መዚዙ።

ኣብ መደምደምታ፡ ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዘሎ ህዝብና ቃልስታቱ ከጓሃህርን፡ ምእንቲ ምዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቅልጣፍን፡ ሃገረ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ንምትካልን ኣብ ጎኒ ሃገራዊ ባይቶ ክስለፍን ይጽውዕ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ!!

ውድቀትንዲክታቶርያዊ ስርዓት!!

ፍትሒ ንናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት

ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገርዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

30 ሓምለ 2013

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,373,833 وقت التحميل: 0.24 ثانية