ጋዜጣዊ መገልጺ
ብዛዕባቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት
ህግደፍ ወሲንዎ ዘሎ እገዳ
-
ብስርዓት ህግደፍ
ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ኮነ ኣብዚ ዞባ ክፍጸሙ ዝጸንሑ ቀጸልቲ ዓመጻትን ዘይቅሳነትን ብምዃኖም ዘይምጥቃሶም ዝሕሸሉ
እዩ። ህዝብና ባናይ’ዚ እዋን ወጻዕን ዘይሓላፍነታውን ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ ይርከብ። እዚ ስርዓት መዓልታዊ፡ ህይወት
ዜጋታቱ ዝቐትልን ዝስውርን እዩ። ብዘይካዚ ንኩሉ ሕጋዊ፡ ሞራላውን ሰብኣውን መሰላት ይግህስ፡ ከምኡ’ውን ይኣስር፡
ይቐጽዕን ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ስረሓት ይጸምድን። ካብዚ ሓሊፉ ነብሰን ዘይከላኸላን ንጹሃትን
ደቂ ኣንስትዮ እንተላይ ደቂ ገዳይም ተጋደልቲ ይደፍር። ይቕትል። ዋላ ዝተሓተ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣይሕልውን፡ ዝኾነ
ሕጋዊ መሰል ኣየኽብርን፡ ማለት ኣብ ኤርትራ ናይ ሕጊ ግዝኣት የለን። ሎሚ እዚኣቶም መርኣያታት ናይዚ ህልዊ ወጻዒ ስርዓት
ኣብ ኤርትራ እዮም። እዚ ድማ ብብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝተሰነደ እዩ።
-
ብሰንኪ ባርባራዊ
ተግባራት ስርዓት ህግደፍ እቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ሓደጋታት ብዘየገድስ ብዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ካብ
ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ኣለዉ። ምስዚ ኩሉ ዶብ ምስ ሰገሩ ዘጋጥሞም ሕቶ ከመይ ገይሮም ናይ ስደተኛ ውሕስነት ይረኽቡን
ጉዳዮም ብዝምልከቶ ኣካል ተቐባልነት ይረክብን ዝብል እዩ። ንሓንሳብ ዕድሎም ናብ ኤርትራ ተገዲድካ ምምላስን እቲ ስርዓት
ንዝተጠረዙ ኣብ ዘዳለዎ ኣብያተ ማእሰርቲ ኮይንካ ክሳብ ብናይ ሞት ፍርዲ ምቕጻዕን ይኸውን።
ፈጸሚት ቤት ጽሕፈት
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን
27 ታሕሳስ 2009.
|