Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ERITREAN DEMOCRATIC ALLIANCE
أخبار

 

Alaince 00[1].jpg

ጋዜጣዊ መገልጺ

 

ብዛዕባቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ወሲንዎ ዘሎ እገዳ

  • ኣብቲ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዝተኻየደ መበል 6254 ኣኼባኡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስርዓት ህግደፍ ዝእግድ መበል 1907 ውሳነ ኣመሓላሊፉ። እዚ ውሳነ ሊቢያ ኣብ ዝተቓወመትሉን ቻይና ተዓቅቦ ኣብ ዘመዝገብትሉን ብ13 ን 1ድምጺ እዩ ጸዲቑ። እቲ ውሳነ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ሶማሊያን ጅቡትን ዝተወሰነ ውሳነታትን ስርዓት ኣስመራ ንከባቢና ንምዝራግ ከካይዶ ዝጸንሐ ተግባራትን መሰረት ብምግባር እዩ ትወሲኑ።

  • በዚ መሰረት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ንመበል 1907 ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብትሪ እናደገፈ፡ እቲ ውሳነ ቅኑዕ፡ ሓላፍነታውን ቅቡልን ኣቕጣጫ ኣንጻር እቲ ዘይስልጡን፡ ኣዕናውን ደረቐኛን ስርዓት ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ደንጉዩ ዝመጸ ግና ድማ ቅኑዕ ውሳነ፡ ምስቲ ጠለባት ናይቲ ብጨቋንን ፈጣር ራዕድን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተጸበዮ’ዩ መጺኡ። እዚ ውሳነ ናይ ተስፋ ጩራ ዘመልክትን ህዝብና ኣብ ዘይህላወ እቲ ስርዓት ጽቡቕ መጻኢ ከም ዝረክብ ዝሕብርን እዩ።

  • እቲ ናይ እገዳ ውሳነ ስርዓት  ህግደፍ ንኹሉ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ዕድላት  ዓጽዩን እዚ ዘይበሃል ጐንጽታት ጻሕቲሩን ንምፍታሑ ካብ ሕብረተሰብ ዓለምን ጐረባብቲ ሃገራትን ከቢድ ዋጋ ክሳብ ዝሓትት ደንጉዩ ዝመጸ እዩ። እንተኾነ ካብ ምትራፍ ደንጉዩ ምምጻእ ስለ ዝሓይሽ እነሆ ንቕበሎ።

  • ናይቲ ስርዓት ናይ ምዝንባል ተግባራት ኣብ ሶማሊያን ጅቡትን ጥራይ ተደሪቱ ዝጸንሓ ዘይኮነስ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ዝተፈላለዩ ኣዕናዊ ተግባራት ንምፍጣር ጸረሰላም ሓይልታት እናሰልጠነን እናዕጠቐን ናብተን ሃገራት ከስሉኽ’ዩ ጸኒሑ። ብዘይካዚ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ኣብዚ ዞባ ዝተፈላለየ ውግኣት ክኣልም ጸኒሑ። ሶማልያን የመንን ናይዚ ግዳያት ኣብነት እየን።

  • ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ኮነ ኣብዚ ዞባ ክፍጸሙ ዝጸንሑ ቀጸልቲ ዓመጻትን ዘይቅሳነትን ብምዃኖም  ዘይምጥቃሶም ዝሕሸሉ እዩ። ህዝብና ባናይ’ዚ እዋን ወጻዕን ዘይሓላፍነታውን ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ ይርከብ። እዚ ስርዓት መዓልታዊ፡ ህይወት ዜጋታቱ ዝቐትልን ዝስውርን እዩ። ብዘይካዚ ንኩሉ ሕጋዊ፡ ሞራላውን ሰብኣውን መሰላት ይግህስ፡ ከምኡ’ውን ይኣስር፡ ይቐጽዕን ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መወዳእታ ዘየብሉ ስረሓት ይጸምድን። ካብዚ ሓሊፉ ነብሰን ዘይከላኸላን ንጹሃትን ደቂ ኣንስትዮ እንተላይ ደቂ ገዳይም ተጋደልቲ ይደፍር። ይቕትል። ዋላ ዝተሓተ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣይሕልውን፡ ዝኾነ ሕጋዊ መሰል ኣየኽብርን፡ ማለት ኣብ ኤርትራ ናይ ሕጊ ግዝኣት የለን። ሎሚ እዚኣቶም መርኣያታት ናይዚ ህልዊ ወጻዒ ስርዓት ኣብ ኤርትራ እዮም። እዚ ድማ ብብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝተሰነደ እዩ።

  • ብሰንኪ ባርባራዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ እቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ሓደጋታት ብዘየገድስ ብዙሓት ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ኣለዉ። ምስዚ ኩሉ ዶብ ምስ ሰገሩ ዘጋጥሞም ሕቶ ከመይ ገይሮም ናይ ስደተኛ ውሕስነት ይረኽቡን ጉዳዮም ብዝምልከቶ ኣካል ተቐባልነት ይረክብን ዝብል እዩ። ንሓንሳብ ዕድሎም ናብ ኤርትራ ተገዲድካ  ምምላስን እቲ ስርዓት ንዝተጠረዙ ኣብ ዘዳለዎ ኣብያተ ማእሰርቲ ኮይንካ ክሳብ ብናይ ሞት ፍርዲ ምቕጻዕን ይኸውን። 

  • ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ብዘይ ርግእትን ደሞክራሲያዊትን ቅድሚ ኩሉ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን እተኽብርን ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ከም ዘይክእል ይኣምን። ባህሪ ስርዓት ኢሳያስ ክጽገን ዘይኽእል ስለ ዝኾነ ድማ፡ ከምቲ ዘለዎ ናይ ከባቢና ኮነ ናይ ዓለምና  ናይ ዘይምርግጋእ ጠንቂ ኮይኑ ክቕጽል እዩ። ርግእትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እምበኣር አብ ልዕሊዚ ስርዓት ሱርበተኻዊ ለውጢ ምክያድ የድሊ። ስለዚ ብሓፈሻ ንሕብረተ ሰላም ዓለም በቲ ዘለዎ ትካላትን ኣሰራርሓት ኣቢሉ ነቲ ውሽጣዊ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽእ ዝኽእል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንምሕያልን ንምጉላሕን ንክሰርሕ ደጊምና ንጽውዕ።

  • ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ናይ እገዳ ውሳነ ንከሕይሎን ክቆጻጸሮን’ሞ። እቲ ጸዲቑ ዘሎ ውሳነ ኣብቶም ተመሪጾም ዘለዉ ኣካላት ንከድምዕ ንጽውዕ። ከምኡ’ውን ትካላቱ  ነቶም  ስርዓት ኢሳያስ ብዝፈሓሶ ተንኮል ብጥምየት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ንክሕግዛ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጸዋዕታኡ የቕርብ። ከምኡ’ውን ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓሸ ፍታሕን ውሕስነትን ንክረኽቡ ኪዳን መጸዋዕታኡ የቕርብ።

  • ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ሓባራዊ ቃልሲ ብምክያድ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ምርግጋእን ዕቤትን ንምውሓስ፡  ምስ ጐረባብቲ፡ ምስ ከባብን ሕብረተሰብ ዓለምን ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ የረጋግጽ።

 

 

ፈጸሚት ቤት ጽሕፈት

ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን

27 ታሕሳስ 2009.

 

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,298,645 وقت التحميل: 0.35 ثانية