Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕማእ&#4776
أخبار

Eritrean Movement F Democratic Change 013.jpg

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ

ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ማእከላይ ባይቶ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ተስፋታት ሓድሽ ዓመት 2013 ኣብ ድሮ መስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባትን ተሞርኲሱ ካብ 25 ክሳብ 31 ታሕሳስ 2012 ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ኩነታት ኣህጉራውን ዞባውን ገምጋም ኣካይዱን ንውድዕነት ኤርትራ ብዝምልከት ከኣ ዓሚቕ ትኽረት ሂቡ ብድሕሪ ምዝታይ፡ ሓሰም ህዝብናን እቲ ስርዓት ሕድሕድ ብምምንጫቱን ኩነታት ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይሽመም ምህላዉ ኣሚቱ። 

ኣኼባ ንህዝቢ ብጃምላ ዝወሃብ ዘሎ ዕጥቂ፡ እዚ ተግባር’ዚ ንማሕበራዊ ሰላም ህዝብና ዝትንክፍ ሓደገኛ ተርእዮን ፍንውነት ዘስዕብን ንዞባና ድማ ስግኣት ምዃኑ ገምጊሙ። ከምኡ’ውን ኣኼባ ነቲ ብብዝሒ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ሰደት መንእስያት ብዕምቆት ብድሕሪ ምግምጋም፡ ብሰንኪ’ዚ ዘጋጥሞም ዘሎ ዝተፈላለየ ጸገማት ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንደምበ ተቓውሞ ዝምልከት ኣኼባ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ካልኣዊ ፍልልያቶም ብምስጋር ኩሉ ዓቕምታቶም ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክቐንዕ ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ። እቲ ብሓደ መስከረም 2012 ንጅግና ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ኣመልኪቱ ብደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ዝወጸ ኣዋጅ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዝሰዓቦ ዝተፈላለየ መርገጻትን ቅልውላውን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደገኛን ንስርዓት ህግደፍ ንምግጣም ዕንቅፋትን ምዃኑ መዚኑ። ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ ንደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ ጽቡቕ መንፈስ ዘይፈጥር ምዃኑ ብድሕሪ ምግንዛብ፡ ስውእ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ኣርማ ጅግንነትን መሪሕ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከምሓባራዊ ጽላል መላእ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን መጠን ሓድነቱ ምዕዛዝን መሳርሒ ዕዮታቱ ምድልዳልን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣኼባ ተገንዚቡ። ንመንእሰያት ኣብ ሓደ ሓባራዊ ጽላል ንምጥርናፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይኹን ቦታታት ንጥፈታትን ሰሚናራትን ንምክያድ ዝተገብሩ ጻዕርታት ንኢዱ፡፡ ኣብ ከባቢና ንዝተፈላለዩ ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ንምውጋድ፡ ካብ ዝተካየዱ ህዝባዊ ናዕብታት ተመክሮታት ብምቅሳም፡ ንደምበ ተቓውሞ ንምዕዛዝን ኣብ ውሽጢ ንዝርከብ ህዝብና ሞራል ንምሃብን ኣበርቲዖም ክስርሑ ጸዊዑ።

ከምኡ’ውን ኣኼባ ንሓድነት ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ዝምልከት ብዕምቆት ብድሕሪ ምዝታይ፡ ንዝተፈላለየ ክፍልታት ህዝብና ዝስሕብን ንደምበ ተቓውሞ ደራኺ ተራ ዘበርክትን ኣብ ባይታ ድልዱል ውድብ ከመይ ይምስራት ተመያይጡ። ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኣብ ዘካየዶ ገምጋም ብዝምልከት ድማ፡ ዝተረጋገጹ መክሰባት ብምዕቓብ ንድኹም ጎንታቱ ኣወጊዱ፡ ንጥፈታቱ ንምሕያል ብሓላፍነት ክዓዪ ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብ ክሊ’ዚ ዝተዓወቱ ሓድነታዊ መስርሕ ገለ ውድባቱ ነቲ ግንባር ንምድልዳል ዓቢ መኽሰብ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ምስ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ተመሳሳሊ ዕላማታት ዘለዎም ውድባት ድማ ኣብኡ ክሕቖፉ ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ብቱን ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ንምጽባብ ተቐራራቢ መደብ ዕዮን ሕገ-ህንጻን ዘለዎ ውድባት ኣብ ሓድነት ክበጽሑ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ኣኼባ ምስቲ ኩሉ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ውድዓዊ ኩነታት ንጥፈታት ውድብ ኣውንታዊ ምንባሩ ገምጊሙ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ ሓሙሽተ ውድባት ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ኩሉ ዓቕምታቱ ዘፍቕዶ ጻዕርታት ምክያዱ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን ሓባራዊ ቃልስታት ንምድልዳል ምስ ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ውድባት ሓላፍነታዊ ዘተን ልዝባትን ምስልሳሉ ኣውንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ገምጊሙ።

ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ብደላሎ ሰብ ክሳብ ውሽጣዊ ኣካላቶም ብምብርባር ናብ ዕዳጋታት ምውራድ ዘጋጥሞም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ብድሕሪ ምኩናን፡ ዞባውን ከባብያውን መንግስታት ነዚ ግፍዓዊ ተርእዮታት’ዚ ንምውጋድ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ማ/ሰብን ተጣበቓቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዚ ግፍዓዊ ተግባራት’ዚ ንምውጋድ፡ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራት ንምፍታሕ ግቡእ ሓላፍነቶም ክጻወቱ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ኣብ መደምደምታ ድማ ኣኼባ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ሰንዓ ፎርም ድማ ብፍላይ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድጋፍ ዝህብዎ ምሕዝነታዊ ሓገዛት፡ ንመንእሰያት ንምብርታዕ ዘካየድዎ ምድላው ሰሚናራትን ኣብ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ክቕጽሉ ንዝሃብዎ ዕድልን ዕዙዝ ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ

ዓወት ንመስመሪ ጉባኤ ሓሙሽተ ውድባት

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና

ማእከላይ ባይቶ

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

31 ታሕሳስ 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,281,934 وقت التحميل: 0.29 ثانية