**ፍሉይ ሕታም**ናይ ሓዘን መግለጺ**
ብምኽንያት መስዋእቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ**
ጽንዓት ያሃብኩም ንኢትዮጵያዊያን ንኹልኹም
መንግስተሰማያት የዋርሶ ንኣቦ ልምኣት መራሒ መንግስትኹም
ጠሊ ይግደፈልኩም ንሙሉኣት ስድራቤት***ይብለኩም
ካብ ደላይ ፍትሒ ኤረትራዊ ሓውኹም//
መለስ ዜናዊ ካብ ተበገስካ
እንተኾነ ቀልጥፍካ
ካብ ተበገስካ ግን
መንግስተ ሰማያት የዋርስካ//
ኣቦ ልምኣት ኣቦ ምዕበለ
እትው ምስ በለ
ሓወልቲ ሰማእታት ዝተኸለ
ካብ ህዝቢ ስልያን ዝተቐበለ
ማዓስ የኽፋኣሉ ጎብለል ኣፍሪቃ እንተ ተባህለ
ዓለም መስኪሩሉ በማራርሑኡ ከም ዝነረ ወሓለ//
ዘይከማኻ ጉሒላ ሳሕል
ንዘይ ገብሮ ዝምሕል
ገበን ገሩ ኣሉ ዝብል//
ሪኢኻዮዶ
ብህዝባዊ ምርጫ ነርባዕተ ግዝየ
ይኾነና ተባሂሉ ዝተዓወተ
ሃገሩ ኣሳጋጊርዎ ናብ ልምዓተ
ንድንቁርና ንጥምየት ዝመከተ//
ንመለስ ዜናዊ ወየ ተባሂልዎ
ህዝቡ ጅግና ኣይሞትካን ኢልዎ
ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓጂብዎ
ህዝቡ ብዓጀባ ተቀቢሉ ቀቢርዎ
ዎየ ዎየ እንዳ በለ ኣፋንይዎ//
ንህዝቡ ዘኽበረ ይኸብር
ንዘለኣለም ውን ይዝከር
ታሪኹ ንመጻኢ ወለዶ ይሳጋገር
ኣብ እንዳባ ከብሒ መዘክር
ክግንጸል ይነብር//
ሃንጎሊማ ሰሓል ሪኢካዮ ዶ ሪኢካዮ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሞት መለስ ዝበኸዮ
ንህዝቡ ዘክብር ምስ ሞተ እንታይ ይጽበዮ
ብጽቡቕ ይዝክሮ ይምስክር እቲ ዝረኣዮ
መለስ ዜናዊስ ከቢሩ ተቀቢሩ ሪኢናዮ//
እንተ ንስኻ ምስ ሞትካ ግን
ሞትካ ሞት ክናና ይኸውን
ንሕጎስ እንበር ክንዳኻ ኣይንበክን
ሕማቕ ታሪኻ ንኤረትራዊያን
ኣይንታዮምን ኢሰያስ ሰይጣን
ብሓይሉ ዝመንጠለ ናይ ህዝቢ ስልጣን
ውረድ ምስ ጭፍራኻ ከይሓዝናካ ብኢድና//
**ሰላምን ቅሳነትን**
ንህዝቢ ኤረትራን
ንህዝቢ ኢትዮጵያን
***ሰናዝ ጉርብትና ይምነ***
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
**ካብ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን**
|