Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ተጋድ&#4622
أخبار

 DEMOCRATI FRON FOR ERITREAN UNITY.jpg

ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ባሕቲ መስከረም 2012 ብደምሓኩኤ ዝወጸ መግለጺ ንጥቕሚ መን’ዩ?

ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ /ደምሓኩኤ/ ኣብ መስከረም 1/ 2012 “ዝደልዩ ደቂ-ዓዋተ ዘይደልዩ ደቂ-ትሽዓተ ብሄራት” ኢሎም ብዛዕባ ጅግና ሓርበኛ ተጋዳላይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣመልኪቶም ብ1 መስከረም ካብ ዘውጽእዎ ቀንዲ ትሕዝቶ መግለጺኦም ከምዚ ይብል …. “ብሓጺሩ ናይ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኤርትራውነት ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ሃገራዊ ሓባራዊ ምርድዳእ /national consensus/ ከብጽሓና ዝኽእል ክውነት እዩ። ናይ እድሪስ ዓዋተ ሃገራውነት /nationalism/ ግን ንኹሉ ኤርትራዊ ዝስማማዓሉ ዛዕባ ኣይኮነን። ሽፍታ ስለዝነበረ ሃገራዊ ክብሃል ኣይግብኦን ማለት ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሽፍታ ወይ ከኣ ጭው ዝበለ ዕሉልን ጸረ-ህዝቢ ጸኒሑ ተቐይሩ ንሃገር ዝጠቅም ስራሕ እንተፈጺሙ ንቕበሎ ጸጋ ስለዝኾነ። ንሓደ ሃገራዊ እንተ ብፍላጥ ወይ ከኣ ንሕነ ህዝብታት ሃገር ንዝጭፍጭፍ ገበነኛ ከም ሃገራዊ ምቕባልን ምስ መዓልቲ ነጻነት ብምትእስሳር ነቶም ግዳያት ክስዕስዑ ምግባር ግን ናይ ገበን ገበን እዩ። ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ኩናማ ዘብጽሖ ህልቂት ከቢድ እዩ። ሓቂ’ዶ ሓሶት ንምርግጋጽ ‘ውን መጽናዕትን ግዜን ክወሃቦ ድኣሉ ዝግበኦ እምበር፡ ብሓደ ሸነኽ ንምኽሳብ ኣብዚ ናይ ገበን ታሪኽ ብምንጥልጣል ሓባራዊ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ዘይበጻሕናዮ ጉዳይ ከም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ውራይ ጌርካ ምውሳድ ኣብ ልዕሊ መሰል ዜጋታት ምዕንዳር እዩ።

ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ /ደምሓኩኤ/ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ልዕሊ ብሄር ኩናማ ዘብጽሖ ህልቂት ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ዓቕሚ ብምንኣስ ኣይኮነን ክሳብ ሕጂ ትም መሪጹ ዝጸንሐን ሎሚ ከቃልሖ ዝመረጸን ሕጂ‘ውን ካብ ወትሩ ፍሉይ ዓቕሚ ስለዝረኸበን ስለዘዋህለለን ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኩናማን ሰዓብቱን ኣባላቱን ኣብ ግምት ብምእታውን ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ተንጠልጢሉ ነዚ ጉዳይ ቀዳማይ ኣጀንዳ ቃልሲ ክገብር ስለዘይመረጸ ጥራይ እዩ። ሓቂ ተቐቢሩ ስለዘይተርፍን ቅኑዕ ታሪኽ መሰረት ቅኑዕ ሃገርን ህዝብን ምዃኑ ብምእማን ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጅግንነታዊ ታሪኽ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብስርዓት ህግደፍ ዝተጠጅአ ተንኮልን ብዓቢ ድምጺ ክቃላሕ ዝጸንሐ ድራማታትን ቃልዕ ንምውጻእ ሕልናዊ ግዴታና ምዃኑ ኣሕዋት ኤርትራውያን ክርድኡና በዓል ምሉእ ተስፋ ኢና። ካብዚ ብምብጋስ እንተወሓደ ኣንጻር ባሕቲ መስከረም ዘይኮነ ኣንጻር ሃገራውነት ዓዋተ መርገጺናን ርእይቶናን ክንህብ ንግደደሉ ጽፍሒ ስለዝበጻሕና ዕላዊ ብዝኾነ ኣገባብ እንሆ ንመጀመርያ ግዜን ርእይቶና ዘርጊሕና ኣለና። ኤርትራውያን ኣሕዋት ከኣ እዚ ጉዳይ መጽናዕቲ ዘድልዮን ወገናዊ ስለዝኾነ ኣብዚ ዛዕባ ናይ ሓባራዊ ምርድዳእ ንበጽሓሉ ኣንፈት ክእምቱልና ንላበወኩም። ክሳብ ሽዑ ንዝደልዩ ደቂ ዓዋተ ዘይደልዩ ከኣ ደቂ ትሽዓተ ብሄራት ይኹኑ። ብፖለቲካዊ ዓይኒ ኩልና ደቂ ዓዋተ ከም ዘይኮና ግን በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግጽ” ይብል።

ኣብቲ መሰረታዊ ቁም-ነገር ናይቲ ጽሑፍ ትሕዝቶ ብምትኳር ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘሎና ርእይቶ ብኸምዚ ዝስዕብ ነቕርብ። ንሕና ከም ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ነቲ ኣብ መደምደምታ ጽሑፍኩም “ኤርትራውያን ኣሕዋት ከኣ እዚ መጽናዕቲ ዘድልዮን ወገናዊ ስለዝኾነ ኣብዚ ዛዕባ ናብ ሓባራዊ ምርድዳእ ንበጽሓሉ ኣንፈት ክትእምቱልና ንላቦወኩም” ንዝበልኩሞ መሰረት ብምግባር እነሆ ከም ኣሕዋት ኤርትራውያን ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ እቲ ዝሓሸ ኮይኑ ዝርኣይና ሓሳብትና ብምቅማጥ ይሕግዝና’ዩ ዝብል እምነት እንተበጺሕኩም ክትጥቀሙሉ ለበዋና ነቕርበልኩም፤

1. ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ንዘልኣለም እናተዘከረት እትነብር ብጣዕሚ ክብርቲ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ። ስለዝኾነ ኸኣ እንሆ ዓመት መጸ ሎሚ ዘበን እውን ድሕሪ ናይ ፍርቂ ዘመን ዝወሰደ ንመበል 51 ዓመትና ኣብዒልናያ። እዛ ክብርቲ ታሪኻዊት ዕለት እዚኣ ክንዝክር እንከሎና ኣብቲ ህሞት እቲ ብዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ ንፍትሓውን ሕጋውን ነጻነታዊ ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ ንምቑጻይ ናብ ረብሕኦም ንምውዓልን ክሳብ ዓንቀሮም ንዝዓጠቑ ጸላእቲ ብብረት ንምምካቱ ብጣዕሚ ዘይድፈር ንዝመስል ዝነበረ ውድዕነት ብመሪሕነት ስውእ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ሓርበኛታት ብጾቱን “እምቢ ንመግዛእቲ” ኢሎም ምስዓሩ ይክኣል’ዩ ኣጆኹም ክንዕወት ኢና ኢሎም፡ ኣብ በረኻታት ኣዳል ዘበገስዎ ዕጥቃዊ ቃልስን ህዝብታት ኤርትራ ናይ ሓርነት ሽግ ብምውላዕ ዘበሰርዎን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ እዚ ፍትሓዊ ሕቶ እዚ ጠጠው ኢሉ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ነጻን ሉዕላዊትን ሃገረ-ኤርትራ ምርግጋጹ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኣብ ተጋድሎኡ’ዩ። ስለዝኾነ ዝኽሪ 1 መስከረምን እቶም ንዕኡ ዘበገሱ ሓርበኛታት ጀጋኑን ብመሪሕነት ስውእ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ከኣ ተነጻጺሎም ዘይከዱ ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ እዮም። እዚ ዝኸበደ ጅግንነታዊ ነጥበ መቐይሮ ዝኾነ ዕጥቃዊ ኣገባብ ቃልሲ እዚ ከኣ ንተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ሓዲሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሮምን ሃገርነትን ሓርበኝነትን ህዝብታት ኤርትራ ኣብ መስርሕ እናተረረ ክኸይድን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብቖራጽነት ክምክትን ከም ዝኽእል ብተግባር ካብ ዘመስከሩ ጀጋኑ ሓርበኛታት ወለዲ እዮም ነይሮም። ነዚ ታሪኽ እዚ እናኣነኣኣስካን እናኣቆናጸብካን ምርኣይ ብጣዕሚ ዓቢ ጌጋ ኮይኑ ነቲ ንባዕልኻ በደል ተፈጺሙኒ እዩ እትብሎ ኣጽኒዕካ ኣብ ፍታሕ ከይበጻሕካ ብኣንጻሩ ብተጻይ መልሲ ባዕልኻ ክሳብ ንሃገራውነቱ ብምኽሓድ በደል ምፍጻም ካብኡ ዝኸፍእ በደል  የለን። እዚ ኸኣ ብጣዕሚ ንጹግ ተግባር እዩ።

ኣብ ናይ 30 ዓመታት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ እቲ ቃልሲ ንባዕሉ ብቑዕ መሪሕ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ስኢኑ ብብዙሕ ሓጎጽጎጻትን ጸገማትን ዝሓለፈ ሰውራ ብምዃኑ ንባዕሉ ኣብቲ ሓይልታት ይኹን ኣብ ተቓላሳይ ህዝብታት ኤርትራ ዝተፈጸሙ ጌጋታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ከምዚ ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣብ ህዝቢ ኩናማ ይኹን ኣብ ካልኦት ህዝብታትን ሓይልታትን ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ከይተረፈ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ክብደቶም ክንዲ ዝኾነ ይኹን ማዕስን ከመይን ብመነን ተፍጺሞም በዘይገድስ እዚ ብድቂቅ መጽናዕቲ ዝብጽሕ ኮይኑ ሕጂ ምልዓሎም ግን እዋኑ ኣይኮነን።

ሕጂ ህዝብታት ኤርትራ ካብ ዝኾነ “”ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ይቃለስ እየ”” ዝብል ሓይሊ ዝጠልብዎ ምስ ዝህሉ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ንዘሎ ጸላኢኡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውግደሉን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ብርሰትን ምብትታንን ከድሕንን እዋናዊ ሕትኡ ንዝኾነ ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ክፈትሓሉ እዩ ትጽቢታቱ። ካብዚ ሓሊፉ ንካልኣዊ ግርጭታት ካልኣዊ ቦታ ክንዲ ምሃብ ቀዳማይ ቦታ ኣትሒዝካ ህዝብታትን ሓይልታትን ዘናቑት ሓቒ ይኹን ኣይኹን ሕሉፍ ታሪኻት እናቆስቆስካ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሕድሕዱ እናተኻሰሰ ክነብርን ካብቲ ቀንዲ እዋናዊ ዕማሙ ዝኾነ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ክእለን መስመሩ ክስሕትን እዩ ዝገብሮ።

እቶም ቅድሚ ሃገራዊ ናጻነት ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ዝተፈጸሙ ብድላትን ጌጋታትን ይኹኑ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ብጨፍጫፊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸሙን ከም’ውን ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ዝተፈጸሙ ምስ ዝህልው እንተ ብሕጊ /ብፍርዲ ብመቕጻዕቲ/ ወይ ብዕርቂ /Reconciliation/ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕጋውን ሰለማውን ዲሞክራስያውን መድረኽ ተላዒሎም መዕለቢ ዝግበረሎም እዮም ዝኾኑ። እቲ ደምሓኩኤ ዘልዕልዎ ዘለው ጉዳይ እውን እንተኾነ ንዝኾነ ኣለና ንዝብልዎ ጉዳያት ኣብ ክሊ እዚ መርሆ እዚ ክረአ ዝነበሮ ድኣ እምበር ሕጂ ከም ቀዳማይ ዕማምካ ነዚ ኣልዒልካ ንሱ ንቕድሚት ክመጽእ ምግባር ንረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ሕጂ ንረብሓ ብሄረ ኩናማን ደምሓኩኤን እውን ኣይኮነን ንብል።

2. ካልእ እቲ ተገራጫዊ ባህሪ ናይቲ ጽሑፍ ኣብ ሕቶ ሃገራውነት ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ምጥርጣር ዝፈጥር ነንሓድሕዱ ዝገራጮ ሓሳብ ምቕራቡ እዩ። ኣብ ኤርትራውነቱ ንሰማማዕ ኣብ ሃገራውነቱ ግን ኣይንሰማማዕን ዝብል እንታይ ንምባል እዩ ተደልዩ? ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እንታይ ሕሉፍ ታሪኽ ይንበሮ ብዘየገድስ ንህዝቢ ኤርትራ በጃ ንክኸውንን ደሙ ከፍስስን ኣዕጽምቱ ክኽስክስን ንሰንሰለት ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንኽብጥስ ካብቶም ሽዑኡ ብቕድመ ግንባር ዝተሰልፉ ተጋድልቲ መራሒ ኮይኑ ነታ ናይ ናጽነት ሽግ ምስ ውሑዳት ሓርበኛታት ብጾቱ ብምውላዕ ብጅግንነትን ቆራጽነትን ተወፋይነትን ብረታዊ ተጋድሎ ምጅማሩን ምስውኡን ንሃገራውነቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ዘይኮነስ ብልዑል ሓርበኝነት ዝፍለጥ ጅግና መራሒ እምበር ይገብሮ። ካልእ በየናይ ኣምር እዩ ሓደ ሰብ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ሕቶ ህዝቢ ክፈትሕ እናተቓለሰ እንከሎ ጌጋታትን በደላትን እንተፈጺሙ ሃገራውነት ወይ ሓርበኝነቱ ይቕንጠጥ ዝብል ኣገንዝቦ ዝተሓዝ ዘሎ? እዚ ስያመ’ዚ ብዘይካ ብጸላእነት ዝሰራዕካዮ ሓይሊ ወይ ውልቀ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኣብ ደምበ ሰውራ ኮይኑ ንሓርነት ህዝቡ እናተቓለሰ እንከሎ ጌጋታት ወይ በደላት እንተፈጺሙ ሃገራውነቱ ይቕንጠጥ ዝብል ሓሳብ በየናይ ናይ ሓቂ ስነ-መጎት እዩ ዝልዓል ዘሎ። እዚ ግጉይ ተረደኦ እዩ። ሕቶ ሃገራውነት በዚ ኣሕዋትና ደምሓኩኤ ዝምጽኡዎ ሰነ-መጉት እዚ ከዕቅን እንተዳእ ኮይኑ፡ እዚ ግጉይ ሰነ-መጎት እዚ ኣብ ሕሉፍ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎ ዝስርሕ ጥራሕ ዘይኩነስ ኣብ ናይ ሕጂ ደሞክራስያዊ ተጋድሉ መስርሕ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ዝቃልሱ ዘልዎ ሓይልታት እውን ዝስርሕ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ የሕዋትና ደምሓኩኤ ነዚ ጉጉይ ግንዛበ እዚ ከስተኻኽልዎ ነዘኻኽሮም።

3. ካልእ ኣብቲ ኣርእስቲ ብዓቢኡ ሰፊሩ ዘሎ ከምኡ ‘ውን ኣብ መዕጸዊ እቲ ጽሑፍ ጎሊሁ ተደጊሙ ቀሪቡ ዘሎ “ዝደልዩ ደቂ ዓዋተ ዘይደልዩ ከኣ ደቂ ትሽዓተ ብሄራት” ዝብል ኣተሓሳስባ ከመይ ኢሉ እዩ ደምሓኩኤ ነዚ ዘልዕሎ ዘሎ? ደምሓኩኤ ናይ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ብስመን ክዛረብ ውክልና ኣለዎ ድዩ? ዝኾነ ውድብ በቲ ዝተወደበ ውድቡ ወይ ግንባሩ እዩ ክዛረብ ዝኽእል እምበር፡ ብሕጋውን ፖለቲካውን ቅድመ ዲሞክራስያውን መንገዲ ናይ ዘይመረጾ ህዝቢ ወይ ህዝብታት /ብሄራት/ ኣፈኛ ኮይኑ ብስሞም ክዛረብ ኣይክእልን እዩ። ሕጋዊ ‘ውን ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ግንዛበ እዚ ‘ውን ክስተኻኸል ኣለዎ ኢና እንብል።

ኣብ መደምደምታ ደምሓኩኤ ከምቲ ዝበሎ ብዛዕባቲ እቲ ሕሉፍ ታሪኽ ዝኾነ መጽናዕቲ ክህልዎ ይኽእል ይኸውን፡ ከጽንዕን ክመራመርን እውን መሰሉ እዩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ ዘይመድረኹ ወይ ኣብ ዘይእዋኑ ክወጽእ ወይ ክፍትሓሉ ኢሉ ዝጠልብ እንተድኣ ኮይኑ ግን ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ከም ዝዓቢ ካብዚ ሕጂ ባዕሉ ኣምጺእዎ ዘሎ መዘዝ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተፈጢሩ ዘሎ ዝተበከለ ሃዋሁ ካብኡ ዝዓቢ ምስክር ወይ ጉድኣት የለን። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባን ተግባርን ከኣ ኣብ ዘይመድረኾም ዝቐርቡ ንጠቕሚ ጸላእትን ተጻባእትን ዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ዝሕግዙ ኮይኖም ናብ ድሕሪት ክጎቱና እንተዘይኮይኖም ንረብሓ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣይኮኑን።

ስለዚ ኸኣ ኣሕዋትና ደምሓኩኤ፡

1. እዚ ኣብ ዘይእዋኑ ኣቕሪብክሞ ዘለኹም ክስታት ናይ ምቕራብ መሰልኩም ሕሉው እኳ እንተኾነ ሕጂ ዘይቅቡል ኮይኑ፣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ግን ከተቕርብዎ እንተደሊኹም ሽዑ ቅቡል ኮይኑ፡ ሕጂ ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ ዘይእዋኑ ምቕራብኩም ኣብ ህዝብን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ፈጢርዎ ዘሎ ከቢድ ጸገማት ንዝገበርክሞ ጌጋ ብወግዒ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲትኩም እቲ ጽሑፍ ቀልጢፎም ክትስሕብዎ ነማሕጸነኩም፤

2. እዚ ንዝምድናታት ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ዝጎድእ ዝተኸስተ ግጉይ ናይ ኣፈታትሓ ግርጭታት’ዚ ነቲ ናይ ሓባር ስምምዕ መቖምያታት ‘’ህዝብን ሃገራን ንምድሓን ብቐዳምነት ኩሉ ዓቕምታት ሕብረተሰብናን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ኣንጻር ቀዳማይ ጸላኢ ይቕናዕ’’ ንዝብል እምነታቶም ዝሃርምን ነቲ ክሳብ ሕጂ ብጅግንነታዊ ሃገራዊ ተጋድሎ ህዝብን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ስቪካዊ ማሕበረሰባትን ኣብ ክሊ ግንባራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ተጠርኒፎም ንዝቃለሱ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንሓድነቶም ዝትንክፍ ብምዃኑ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ናይ ሓባር መድረኻት ናይዚ ግንባራት ቀሪቡ ሓባራዊ መደምደምታ ክግበረሉ ነተሓሳስብ።

ፈጻሚ ኣካል ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

/ደግሓኤ/

16 መስከረም 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,301,156 وقت التحميل: 0.13 ثانية