Toronto Branch
ጽንብል
በዓል ሓደ
መስከረም ኣብ
ቶሮንቶ ብድምቀት
ውዒሉ።
02/09/2012
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ ጨንፈር ቶሮንቶ ብዕለት 02
መስከረም 2012
ጽንብል በዓል ሓደ
መስከረም
ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ
ሰውራ ኤርትራ 1961ፈላሚት ማሕታ ጥይት ብጅግና ስዉእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ
ዝተተኮሰትላ
ዝኽሪ መበል ሓምሳን ሓደን ዓመት ብዓቢ ድምቀት ኣብዒሉ ውዒሉ። ኣብዚ ድሙቕ በዓልዚ ካብ ኦታዋ፣ ሎንዶን
ኦንታሪዮን ጋልፍ ኪቺነር
ዋተርሉን
ሃሚልቶንን ብዝመጹ ግዱሳት
ዕዱማት
ደሚቑ ውዒሉ።
ኣቦወንበር ጨንፈር ቶሮንቶ ኣቶ ሱለማን መሓመድ ናይ በዓል ሓደ
መስከረም
መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፣ ግዱሳት ኣባላት
ኤርትራዊ
ሃገራዊ ጉባኤ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ ጨንፈር
ቶሮንቶን
ጨንፈር ኦታዋን ንበዓል ሓደ
መስከረም
ዝገልጹ
ጽሑፋትን
ግጥሚታትን
ኣንቢቦም።
ጨንፈር ቶሮንቶ
ኤርትራዊ
ሃገራዊ ባይቶ
ንዲሞክራሲያዊ
ለውጢ ነዚ በዓልዚ ከተዳሉ
ኸላ፡ነብስኻ
ብነብስኻ
ምኽኣል።
ካብ ዝብል መርኣያ
ተበጊሳያ
ጀሚራቶ፡ መግቢን መስተን ብልግሲ ግዱሳት ኣባላት ኢዩ
ተኣንጊዱ፣
ካልእ ኩሉ
ነገራዊን
ጉልበታዊን ስራሓት
ብግዱሳት
ኣባላት ኢዩ
ተማሊኡ።
ነመስግን
ድማ፣ ብኸምዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ጅማሮ
ምስ ንቕጽል ድማ ካብ
ተጸባይነት
ሓራ
ከምንኸውን
ግድነት ምኻኑ
ንኣምን።
ኣብዚ በዓልዚ ህቡብ ዲጀይ
ወዲያሕያ
ወጋሕ ትበል ለይቲ ብድሌቱ
ብድምቀት
ክጻውት ሓዲሩ
ነመስግኖ
ድማ።
ናይ ነብስኻ ምኽኣል ተበግሶ
ብምውሳድ
ኣርኣያን
ኣብነትን
ክንከውን ፈቲንና ኣሎናሞ ኣሰርና ስዓቡ ንብል።
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ውድቅት ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!
ዘልዓለማዊ ዝኽሪ
ንስዉኣትና!
ሓደ
መስከረም
ንዘልዓለም ተኸቢራ ትንበር!
|