Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻ&#4
أخبار

ER Democratic Front Sep 012 00.jpg  

ደምዳሚ መግለጺ

3 ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)

 

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) "ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ነድሕን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭርሖ ካብ ዕለት 04 ክሳብ 06 መስከረም 2012 ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ።

ኣብዚ ንሰለስተ መዓልቲ ዕሙቕ ዝበለ ልባዊ ክትዓት ዝተኻየደሉ ኣኼባ፡ ደንበ ተቓውሞ ብዝተወሃሃደ ጻዕርታት ኩሎም ደለይቲ ለውጥን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን ንሓባራዊ ዕላማ ምዕዋት ብትግሃት ካብ ምቅላስ ወጻኢ ካልእ ዝሓሸ ኣማራጺ ከም ዘይብሉ ርእዩ።

ፈጻሚ ኣካል ኤደግ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክጠናኸርን ኣድማዒ መሳርሒ ቃልሲ ኮይኑ ከገልግልን እንተኾይኑ ድማ ንዕላማታቱ እሙን ንተግባራውነቱ ህርኩት ዝኾነ መንእሰያት ማእከሉ ዝገበረ ድልዱል ሕብረ-ብሄራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ምህናጽ ንጽባሕ ዘይበሃሎ ዕማም ምዃኑ ኣነጺሩ። እዚ ዝረአ ዘሎ ምልዕዓልን ውደባን መንእሰያት ካብ ነባር ተቓውሞ ዝወረሶ ኣዎንታዊ ሕድሪ’ኳ ክህሉ ዝኽእል እንተኾነ፡ ብወሳኒ መልክዑ ግን መንእሰያትና ኣብ ልዕሊኦም ክዓርፍ ዝጸንሐ ህግደፋዊ ወጽዓታት ዘለዓዓሎ ንቕድሚት’ውን ዝኾነ ሓይሊ ደው ከብሎ ዘይክእል ተርእዮ ምዃኑ ድሕሪ ምንጻር ንምጥንኻሩ ካብ ኤደግ ክርከብ ዝኽእል ፖለቲካዊ ሓገዛት ከም ዘይፍለዮም ዳግም ኣረጋጊጹ።

ኤደግ ኣብዚ ጥራሕ ከይተሓጽረ ምስቶም ብራእይ ዝመስልዎ ውድባት ተመሓዝዩ ሓያል ሕብረ ብሄራዊ ግንባር ኣብ ምምስራት ጀሚርዎ ዘሎ ጉዕዞ ኣጠናኺሩ ክቕጽሎ ወሲኑ። ኣብ ጉዕዞ ከጋጥም ዝኽእል ግዝያዊ ሓርጎጽጎጻት ብምጽዋር ኣብ መወዳእትኡ ግን ሓያል ሕብረ ብሄራዊ ውድብ ብምምስራት ንቀዳማይ መድረኽ ዕማም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይኹን፡ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ክዕወት እንደልዮ ሰላማውን ደሞክራስያውን መሰጋገሪ መድረኽ ውሕሰነት ቻርተር ክረጋገጽ ከምዝኽእል ብምእማን ንተግባራውነቱ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ወሲኑ።

ኤደግ፡ ህግደፍ ንምውጋድ ዝገጥመሉ ኣገባብ ቃልሲ ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ዳግም ብምርግጋጽ ኣብ ኣተገባብርኡ ብዝምልከት ኩሉ ዘድሊ ፖለቲካዊ ቅድመ ምድላዋት ድሕሪ ምዝዛም፡ እቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ብህዝባዊ ዓመጽ ኣቢልካ ክረጋገጽ ከም ዝኽእል መዚኑ። ኣብ መስርሕ ናይዚ ህዝባዊ ዓመጽ’ዚ እቲ ብኣስገዳድ ተዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ኣካል ደሞክራስያዊ ለውጢ ምዃኑ ብምእማን፡ ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ውጹዕ ህዝቡ ደው ብምባል፡ ኣብ ቃልሲ ልሉይ እጃሙ ከበርክት ምግባር ደኣምበር፡ ኣንጻሩ መኪትካ ክዕወት ዝኽእል ደሞክራሲያዊ ለውጢ ከምዘየለ ኣስሚርሉ። ስለዝኾነ ድማ ዜናውን ፖለቲካውን ስራሓት ኤደግ ኩሉ በዚ ኣረኣእያ’ዚ ዝተገርሐ ክኸውን ከም ዝግባእ ዳግም ኣረጋጊጹ።

ምስ ኤደኪ ከም ጽላል ዝህልወና ዝምድና፡ ፖለቲካዊ ቻርተርን፡ ሕገ-ህንጻን (ኤደግ) ኣብ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነትን ዝሓዞም መትከላዊ መርሆታት ዝተሰረተ ኮይኑ ኣብ ክሊ’ዚ ዝምድናታቱ ንምምሕያሽን ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተወሃሃደ ኣዎንታዉን ሃናጽን ተርኡ ንምብርካትን ዘብቅዖ መንፈስ ምትሕግጋዝ ንምምዕባል ዝዓለመ ሃናጺ ልዝባት ምክያድ ከም ዘድሊ ርእዩ።

ሲቪክ ማሕበራት ኤርትራውያን ተርኦም ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ከይተሓናፈጸ፡ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ውደባታቶም ከጠናኽሩ ከም ዝግባእን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣዎንታዊ ተራኦም ክጻወቱ ከም ዝህልዎምን ኣስተውዒሉ። ታሪኻዊ እጃሞም ንምዕዋት ኣብ ዘሰላስልዎ ቃልሲ ካብ ኤደግ ክልገስ ዝኽእል ምኽርን ምትሕግጋዝን ወትሩ ከም ዘይንፈጎም ድማ ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ኣካል ኤደግ፡ ብመስዋእቲ ቀዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ህዝብታት ኣፍሪቃ ኣዝዩ ከቢድ ክሳራ ምዃኑ ጽኑዕ እምነቱ ኣንቢሩ። ስዉእ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ውድቡ ህወሓትን-ኢህወደግን ካብ ወጋሕታኡ ኣትሒዞም፡ ኣብ ሕቶ ነጻነት ይኹን ልዕላውነት ኤርትራን ህዝባን ዝሓዝዎ ጽኑዕ መርገጽን ደሞክራስያዊ ቃልስና ንምሕያል ዘበርከትዎ ዘይሕለል ደገፍን ወትሩ ብዓቢ ክብሪ እንዝክሮን፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብድሙቕ ወርቃዊ ቀለም ተኸቲቡ ንዘለኣለም ዝነብርን ምዃኑ፡ ፈጻሚ ኣካል ኤደግ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ኣስሚሩሉ። ብስውእ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ኢህወደግን ዝተጀመረ ዝምድና ክልቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ዝተታሕዘ ራእይን መትከላዊ እምነትን ኤደግ ብግንባር ቀዳምነት ዝዋሳኣሉን ንምዕዋቱ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑን ቃል ብምእታው፡ ፌደራላዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰብዓ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንከባቢ ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዝኾኑ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ዝገብሮ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ብልቢ ኣመስጊኑ፡፡ ከምኡ’ውን ንደለይቲ ለውጢ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ክልገስ ዝጸንሐ ኩሉ-እንተናዊ ምድግጋፍ ብምንኣድ ተጠናኺሩ ክቅጽል ጸዊዑ።  

ኣብ መጨረሽታ፡ ኤደግ ንምጥንኻርን ዕላማታቱ ንምዕዋትን ካብ ኣባላት ውድባትናን ካብ ፈተውቲ ሓይልታትን ከምኡ’ውን ካብ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና ክቐርበሉ ዝጸንሐ ምትብባዕን ምኽርን ኣዝዩ እናኣመስገነ፡ ፈጻሚ ኣካል ንፖለቲካዊ ቻርተር ኤደግን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ንምዕዋት ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዓጢቑ ተበጊሱ ምህላው ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ የበስር።

ዓወት ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት!!

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!!

ፈጻሚ ኣካል

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)

06 መስከረም 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,383 وقت التحميل: 0.36 ثانية