Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃ&#4
أخبار

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

 ምስ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበረቶ ቃለ-ማሕተት

 Kahsay Yhdgo Aug 012.jpg 

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ጽጉማት ኣብ ምሕጋዝ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ምባል ምስ ዝርከብ ብ/ካሕሳይ ይሕደጎ ዝገበርናዮ ዕላል ናባኹም ክበጽሕ’ሞ ክትሕገዝሉ ብማለት እነሆ ናብ ጽሑፍ ገልቢጥና ንዝርገሖ ኣለና።  ብ/ካሕሳይ ድማ ዕድሜና ኣኽቢርካ ብምምጻእካ ብስም ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ሰማዕትን የመስገነካ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪትና ንዘቕረብናልካ ሕቶታት ብሰፊሑ መሊስካልና ምንባርካ ዝዝከር’ዩ፡-

ብንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ክንጅምር’ሞ ድሕሪ ዕውት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤውሮጳ ብሓፈሻ፡ ንስኻ ኣብ ትቕመጠሉ ሃገረ ጀርመን ድማ ብፍላይ፡ ዘሎ ምንቅስቓሳት እንታይ ይመስል እንተተብረሃልና?

ብ/ካሕሳይ፡- ብመጀመሪያ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ንዝርከቡ ህዝብታት ኤርትራን ንጥፈታቶምን ከምኡ’ውን ኩነታት ጉዕዞይ ንኽገልጽ ንዝተዋህበኒ ዕድል፡ ንፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ከመስግን ይደሊ። እቲ ሕቶ ኣገዳስን እዋናውን ሕቶ’ዩ። ንጥፈታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ጉባኤ ኣዋሳ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ኤውሮጳ ነዊሕ እንተዘይጸናሕኩ፡ ህዝብና ንቀዳማይ ጸላኢኡ ጉጅለ ህግደፍ ንምምካትን ንምውጋድን ብሓያል ወነን ትብዓትን ኣሎ ዝበሃል ናይ ቃልሲ ነያት ኣጥሪእዩ ምህላው ረኣዩለይ ስምዑለይ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ተኸታታሊ ኣኼባታትን ሰሚናራትን ተኻይዱ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ በበይኑ ዝኸደሉ ዝነበረ ንሃገራውን ኣህጉራውን በዓል በሓባር ከብዕሎ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ሃዋህው ኣቲና ከም ዘለና ዘብርህ ንጸላኢ ዘርዕድ፡ ንተቓለስቲ ከኣ ፍናን ዝህብ ኩነታት ከምዘሎ’የ ዝመዝን።

ሕቶ፡- ኤርትራዊ መንእሰይ ብሩሱን መንፈስ ናይ ቃልሲ ንለውጢ ይበጋገስ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ፡ ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ብህግደፍ ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፍታት ክሳብ ኣካላዊ ወስታ ብዝተሓወሶ ኣብ ምብታን ዘርእይዎ ዘለው ትብዓት ይበል ዘብል’ዩ። እዚ ክተባባዕ ዝግበኦ ምንቅስቓሳት’ዚ ኣብ ስጥመት ውዳቤኡ ከመይ’ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ህግደፍ ዘሕድሮ ጽልዋ’ኸ?

ብ/ካሕሳይ፡- እቲ ቀንዲ ክምጎስ ዝገበኦ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ከም ተቐበልቲ ሕድሪ መጠን ሓላፍነት ተሰሚዕዎም፡ ዝጠፍእ ዘሎ ወለዶ ንምድሓን ኣብ መላእ ኤርትራዊ ዝርከበሉ ክፍለ ዓለማት ብንቕሓት፡ ሓንሳእ ሓንሳእ’ውን ብጣዕሚ ስምዒታዊ ብዝኾነ መልክዑ፡ ኣንጻርቲ መንግስታዊ ጉጅለ ዝገበርዎ ምንቅስቓሳት ዝምጎስን ዝተባባዕን ምዃኑ ኣተሓታቲ ኣይኮነን። ኣብ ውዳበኡ ብመትከል ብመስመር ክቃለሱ ኣላዪ ተራ ክጻወት ዘለዎ እቲ ነባር ፖለቲካዊ ውድባት’ዩ። ምኽንያቱ ብፖለቲካ ክነቕሑ ነቲ ኣወታዊ ተመክሮ ናይ ሰውራ ኤርትራ ክጭብጡ ብዙሕ ጻዕሪታት ዘድልዮ ምዃኑ ርዱእ  ነገር’ዩ። መንእሰያት ብመሰረቱ ከም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝተራእየ ውዕውዕ መድረኽ ተጠቒሞም፡ ኣብ ምውጋድን ምፍሻልን መለኽቲ መንግስታት እተጻወትዎ ዝለዓል ግደ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን ምስ’ቲ ኩሉ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ጸገማት ብደረጅኡ፡ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከይብገስ ተዓፊኑ ወይ ራኢኡ ተኾሊፉ ዝጸንሐ መንእሰይ ከም ምዃኑ መጠን፡ በዚ ሕጂ ጀሚሩ ዘሎ ግን ኣብ ደገ ተወሊዶም ዝዓበዩን ካብ ምንጋጋ ህግደፍ ዝወጹን፡ ተስፋ ዝህብ ርሱን ምንቅስቓሳት ይገብሩ ምህላዎም ኣብ በበትኡ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታትን ዘመዝግብዎ ዘለው ናይ ቃልሲ ፍርያትን ከም ኣብነት ክውሰድ ዝከኣል’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ቅድም ክብል ዘይነበረ ንኹሉ መንእሰይ ኣብ ምልዕዓል ዝለዓለ እጃም ዝጻወት ተበግሶታት’ዚ፡ ኩሉ ኣብ ክሊ ናይ ንእስነት ዕድመ ዝርከብ ከም ተቓባሊ ሕድሪ፡ ብዝተነጸረ ናይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ተወዲቡ መሪሕ ግድኡ ክጻወት፡ ክተባባዕ ዘለዎ’ዩ ዝመስለኒ።

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ካሕሳይ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ምኽባር ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ትኹረት ከም ዝገብሩ ዝፍለጥ’ዩ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሰላት ከመይ ይከታተልዎ? ብደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ተወዲቡ ንዝካየድ ኣኼባታት ኮነ ሰላማዊ ስልፍታት’ከ ከመይ የተኣናግድዎ?

ብ/ካሕሳይ፡- ኣብ ኤውሮጳ ነባሪ ከም ምዃነይ መጠን ኣብ ብዙሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻፊለ’የ። ብዙሕ ጥራዓናት’ውን ከነቕርብ በቒዕና ኢና። ናይ ኤውሮጳ ሕብረት፡ ባይቶታት በጺሕና’ዮ ኢና። ንሳቶም ይብሉ፡ እቲ ቀንዲ ካባና ዝጠለብ፡ ኣብ ነብስ ወከፍ ከተማታትን ቁሸታትን እትርከቡ ነንከባቢኹም ኩነታትኩም ኣብርሁ ሓብሩ፡ ንሕና ጉዳይኩም ይርደኣና’ዩ። ኣብ ጎኒኹም ጠጠው ክንብል ድልዋት ኢና። ግን ናይ ህዝብኹም ምልዕዓል’ዩ፡ ነቲ ኣብ ሃገርኩም ዘሎ መንግስቲ ዝልውጦ’ምበር ንሕና ክንልውጠልኩም ኣይኮናን። ኣብ ኤውሮጳ ክሳብ 150 ሽሕ ዝኸውን ኤርትራዊ ከም ዘሎ ይፍለጥ፡ ንሳትኩም ኣብ እተካይድዎ ዘለኹም ሰላማዊ ሰልፍታት ዝወጽእ ግን፡ ምስ’ቲ ብዝሕን ኣብ ሃገርኩም ዘሎ ሽግርን ክነጻጸር እንከሎ ከም’ቲ ዝድለ ኣይኮነን። ስለዚ ተወዲብኩም ዘሎ ሓይልኹም ኣደልዲልኩም ምስ እትመጹና፡ ብወገና ኣብ ጎኒኹም ደው ኢልና ኩሉ ዓይነት ደገፋት ክንቅርበልኩም ኢና። ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ጥሕሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ግሉጽ ስለዝኾነ፡ ካባና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ካባኻትኩም ምትሕብባርን ስጡም ሓድነትን መስርሕ ቃልስን ግን ኣድላዪ’ዩ ክብሉ’ዮም ዝሕቡሩና።

ሕቶ፡- ገለ ወገናት፡ መንእሰያት የርእይዎ ንዘለው ተበግሶ ናይ ቃልሲ ብኣወንታ እንዳተቐበሉ፡ ኣብ ዝኽተልዎ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ግን ስኽፍትኦም ክገልጹ ይስምዑ። ብወገንካ ኣብ’ዚ እንታይ ሚዛን ኣለካ?

ብ/ካሕሳይ፡- ኩሉ ግዜ ኣብ ቃልሲ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን ሓርጎጽጎጽን መሊእካ ዘይምብታኽን ክህሉ ባህሪያዊ’ዩ ዝመስለኒ። ገለ ኤርትራውያን  ዝተፈላለያ ደረጃ ትምህርቲ ይኹን ተመክሮ ዘለዎም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ገሃንመ እሳት ኩነታት ወይ ሲኦላዊ መነባብሮ ብትብዓት ምግላጽ ንሃገሮም ኣሕሊፎም ዝህቡ ዘለው እንዳመሰሎም፡ ካብ ሓቂ ክሃድሙ ይረኣዩ’ዮም። እዚ ግን ብቃልሲ ክሰዓር ዘለዎ ስክፍታ ካብ ምዃን ሓሊፉ መሰረታዊ ጉድኣት ከምጽእ ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት የብለይን። ብከም በዓል ህግደፍ ዝኣመሰለ ሲኦላዊ ምሕደራ ዝኽተል መንግስቲ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሰባት ዓሲቡ ናብ’ቲ ህዝባዊ ቃልሲ ክልእኽ፡ በታኒ ዝኾነ ሓሳባት ከቕርብ፡ ካብ ተመክሮና ዝተማሃርናዮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ዘደንቐኒ ኣይኮነን። እዚ በጨቕታታት እዚ ግን እንቋዕ ደኣ ናብ መድረኽ ናይ ተቓውሞ ክሰጋገሩ በቕዑ’ምበር፡  ኣብ መስርሕ እቲ ሓቀኛ ክውንነት ክርደኦም’ዩ፡፡  ንባህርን ፋሽሽታዊ ተግባራትን ህግደፍ ምኹናንን ምቅላስን፡ ንህዝብንኻ ንሃገርካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ከምዘይኮነ ብልክዕ ንኽፈልጡ ድማ ሓያል ፖለቲካዊ ጻዕሪ ዘድልዮ ከም ዝኾነ’ዩ ዝረኣየኒ። ብርግጽ ከኣ እቲ ተለዓዒሉ ዘሎ መንእሰይ በዝን ክንድዝን ዝደሃል ወይ ዝጃጁ ኣይኮነን። እቶም ድኹም ሕልናታት ዘለዎም ድማ መግለጺ ናይ’ቲ ደላዪ ሓቀኛ ለውጢ ዝኾነ መንእሰይ ክኾኑ ኣይክእሉን። ምኽንያቱ ግዳይ ናይ’ቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ዝኾነ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብቐንዱ ንሱ ባዕሉ እቲ መንእሰይ ብምዃኑ፡ ብዘይ መረዳእታ ንተግባራት ናይ’ቲ ጃንዳዊ መንግስቲ ሕርሕራይ ገይሩ ዝፈልጦ ስለዝኾነ ቀልጢፉ ኣንፈቱ ከስተኻኽ ጸገም የብሉን  ዝብል ተረድኦ’ዩ ዘለኒ።

ሕቶ፡ ብ/ካሕሳይ፡ ዝኾነ ውደባ ብዘይ ንጹር ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣይዕወትን’ዩ እሞ ዝመጻእናዮን  ዘለናዮን ብምንጽጻር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያታት ኣብ ህዝቢ ባይታ ይረከብ ኣሎ’ዶ ክንብል ንኽእል?

ብ/ካሕሳይ፡ ኣገዳሲ ሕቶ’ዩ ከም ኣነ ከም ካሕሳይ  ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ንምዕዋት ናይ ዝረባረብን ዝዋደቕን ዘሎ ደሞክራስያዊ ውድብ ኣባል ከም ምዃነይ መጠን፡ ብዙሕ ሕልኽላኻት ሰጊርና ኢና። ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተመክሮ ኣለና’ዩ። እቲ ዝዓበየ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓጺርን ነዊሕ መደባት ስኢልና ንመሰረታዊ ናይ ህዝብታት መሰል ረብሓን ዘውሕስ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ዝሓዝናዮ መደብ-ዕዮ ይትረፍ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ህላወ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘለዎም ውልቀ ሰባት ውድባት ከም ገበን ዝቖጽር ጨፍላቒ ናይ ውሑዳን መንግስቲ ከም ዘሎ እንዳፈለጡ፡ ህዝቢ ከም ጥሙር ህዝቢ ናብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ብዓይኖም እናረኣዩ፡ ከም’ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝግበር ከም መዝለሊ ናይ ቃልስና ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቅላስ ዘሰክፍሉ ዝነበረ ኩነታት ሓሊፍና ኢና። ብፍጹም መላኺ ኣብ ትመሓደር ዘላ ሃገር ሕቶ መሰል በበዓይነቱ ክኸውን ርዱእ ክንሱ፡ ሃይማኖታዊ መሰልና በቲ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ተነፊግና ስለዚ መሰልና ብቃልስና ከነረጋግጽ ኢና ኢሎም ብሃማኖታዊ መልክዕ ምስ ዝተወደቡ ኤርትራዊ ውድባት ኮፍ ኢልካ ምዝታይ ከም ኣሰካፊ ኣብ ዝውሰደሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ኣይፋልናን ኮፍ ክንብልን ክንዛተን ኢና ኢሉ ናይ ቃልሲ ምሕዝነቱን ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ተልእኾኡን እንዳተዋጸአ ዝመጸ ውድብ’ዩ። ንሕቶ መሰል ብሄራት ምቕባልን ምስ ብሄራውያን ውድባት ሓቢርካ ተመሓዚኻ ምቅላስን ስምካን ዘይስምካን ዘውህብ ዝነበረ ሓያል መድረኽ ቃልሲ ተሰጊሩ’ዩ። ስለዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝረኣየኒ፡ ህልውና ብዙሕነት ናይ ውድባት፣ ብሄራት፣ ሃይማኖታት ተቐቢሉ ብሓደ ግንባር ክኸይድ ምብቅዑ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም ባይታ ረኺቡ፡  ትማሊ ዝነበሩ ስክፍታታት ደረጃ ብደረጃ ዝቕንጠጥ ከም ዘሎ ይረኣየኒ። እዚ ናይ ትምክሕተኛታት ኣፍራሲ ጎስጓሳትን ናይ የወሃት ስክፍታታትን ክሰዓር ከኣ ውድብና ዝለዓለ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ህዝባዊ መስመር’ዚ ሒዙ ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ስለዝተገደለ ጥራሕ፡ ኣብ በበይኑ መድረኻት መልከዓቱ ዝፈላለ ብዙሕ ብደሆታት ክገጥሞን ክሳቐየሉን ጸኒሑ’ዩ። ውድብና ፍሉይ ሓይሊ ስለዘለዎ ዘይኮነ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራም መድረኽ ዘይስዕሮ መተካእታ ዘይብሉ፡ ናይ ህዝብታት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ከይተሸራረፈ ክህሉ ዝጠባቕ ስለዝኾነ ንሱ ዝሃቦ ሓይሊ’ዩ። ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ብርግጽ ተዓዋታይ’ዩ፡፡ እነሆ ከኣ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካ ዋላ ከም’ቲ ንሕና ንደልዮ  ቅልጡፍን ዓይነታዊ ዝላ ኣየርኢ ግን ባይታ ረኺቡ ብዘገምታ ይብርኽ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ሕቶ፡- ናብ ካልእ ቅድሚ ምስጋርና ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ድሕሪ ተደጋጋሚ እገዳን ተርእዮ ማዕበላዊ ተቓውሞ ህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከቡ?

ብ/ካሕሳይ፡- ሓያለ ዓመታት ህግደፍ ሂወት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዘለዎ መሲልዎም፡ ንምዕባለና ናይ ኤርትራ ዝኾልፉ ዘለው ናይ ደገ ሓይልታት’ዮም እንዳበሉ ክቑዝሙን ነብሶም ክቕሽሹን’ዮም ጸኒሖም ደገፍቲ ህግደፍ። ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ግን፡ እቶም ዝበዝሑ ናይ ስቕ መርገጽ ሒዞም ይርከቡ። ኣብ ውሱን መድረኻት’ኮ ዋላ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብተቓወምቲ ውድባት ዝካየድ ኣኼባታት ንምብታን ዘይፍትንዎ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ከም’ዚ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኖም፡ ገጽና ንምርኣይ ኣብ ዘሰክፎም መድረኽ ከም ዝበጽሑ’ዩ ዝረአ ዘሎ። ካብ’ቲ ዝበዝሕ ምስ ጭፍራ ህግደፍ ዝደናገጽ መሬተይ ከይሕደግ፣ መቓብር ኣደይ ክርኢ መቓብር ኣቦይ ክርኢ ከይኽልክሉኒ ካብ ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ ህግደፍ ምሉእ ዕግበት ሃልይዎም ዝጭድርሉ ግዜ ዝሓለፈዩ ዝመስል። እቶም ትርፍራፍ ወይጦታት ካብ ተመክሮኦም ተማሂሮም ኣብ ደምበ  ህዝባዊ ቃልሲ ተጸምቢሮም ክቃለሱ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ደጊመ ከይኣውካእክሎም ወይ ከየተንባህክሎም ክሓልፍ ኣይደልን።

                                        ካልኣይ ክፋሊ ይቕጽል

                     ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

                     Email address hdemocrasia@yahoo.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,916,711 وقت التحميل: 0.17 ثانية