Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 57 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

//ክልተ ኣርእስቲ ዝሓዘት ግጥሚ//

//ኣብ ስቶኮሎም ህግደፍ ተሰጕዱ//

Afwarki Segud.jpg
እተን ዋዕሮታት ምስ ዓለላ

ኣብ ማእከል ኣትየን ምስ ደበላ

ድምጺ ዋዕሮታት ሰሚዓ ቀባሕባሕ ኢላ

እታ ወይጦ ህግደፍ ተዳሂላ::

ኣብ ስቶኮሎም ህግደፍ ብሕጊ ተሰጒዱ

ብቅልጽም ተሰጒዱ

ብጀካ ኣይግዳ ኣይግዱ

እቲ ጠላም ቢኢዱ

ተሪፉ ጥራይ ኢዱ//

ሰሚዕኩም ዶ ወረ

ፍትሓዊ ቃልስና ከም ዝነሃረ

ብኮማንዶ ኣውሮጳ ሰብ ስረ

ወዶም ጓሎም ብማዕረ

ኣብ ስቶኮሎም ቅያ ከም ዝተገበረ

ንደጀን ጭፍራ ግርዎ ነበረያ ነበረ//

ኣብ ስቶኮሎም ዝወዓልካ ዝወዓልኪ

ኣውያት ህዝብኻ ዘስማዕካ ዘስማዕኪ

ኣጋፈርቲ ህግደፍ እንታይ ክብሉ ሰሚዕኪ

ኣውያቶም ዶ እዛንካኣ እዛንኪ ኣጽሚሙኪ//

እወ ደለይቲ ፍትሒ

ኮማንዶ ኣውሮጳ ምስ በሉ ወረር ወረር

ሪኢናዮ ዕርዲ ህግደፍ ክሰበር

እቲ ዑሱብ ካብ ግንባር ክባረር

ዕድታታ ጭፍራ ኣፍሪሱ ብተግባር

ህዝበይ ህዝቢ ኤረትረያ

ዳስ ህግደፍ ኣፍሪስናያ

ንማንኪ ኣብ ራዕዲ ኣእቲናያ

ብመሬት ብሰማይ ተሓልያ

ኣብ ስቶኮሎም ተሰሪሑ ቅያ//

ወረጃ መሰል ጃህረኛ

መልሓሱ ዕረ ቂመኛ

ጠላም ከዳዕ ደመኛ

ሕጊ ኣልቦ ገበነኛ

ሕጂ ግን ቦታ የሎን ንሎኽመኛ//

ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጭሮሖና

ደም ይጥዓሞም ንብል ኣሎና

ዘይተዋሕጠሎም ተቓውሞና

ሎሚ ብድምጽና ንመሰል ህዝብና

ጽባሕ ናብ ሃገርና ናብ ባይቶምና

ቀሪቡዩ ውድቀት ሰብ ደምና//

ሓሳዊት ሓሳዊ

ኣዳራሽ ገዛ መዕነዊ

ክትስሕና ኢኻ እታ ዝኣጎድካያ ሓዊ//

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ዝዝቢ

መበል 58 ክፋል

ሕልሚ ንዱያት

ህግደፍ ጀሚሮም ምውጫጭ

ከም ዝብኢ ዝኣተወን ኣህባይ ዋጭዋጭ

ተበጊሱዩ ደላይ ፍትሒ ከይበሎ ቅጭጭ//

AFAWARKI HETLER.jpg

 ሕልሚ ንዱያት ኣይትሕለም

ናትካ ኣይኮኑን ቅበጾም

ኣይናትካ እዮም ቅበጾም

ብረቶም ናባኻ ከቕንዕዎ እዮም

ክፍደ እዩ ብኣኻ ዝፈሰሰ ደም

ዘፍሰስካዮ ደም ኣይኮነን ቀለም

ኣብ ውድቀትካ ምልኪ ክድምደም//

ናይ ኤረትራዊያን ደም ፈሲሱ ኣይተርፍን

እቲ ሕነ ዝፍደየሉ እዋን ነዊሕ ኣኮነን

ኡይ ኡይ እንዳ ወሐደ

ወዲ ሃገር ኣብ ዓዱ ተዋረደ

እዚ ጉሒላ ኣጥፋኣና በብሐደ

ሰዓብቲ ጭፍራ ሓመድኪ ዕደ

ዝዕልሉ መንእሰይ እንዳ ተሓርደ

ቅሳነት የሎን ኢሰያስ ንሞት ከይተፈርደ//

ዋዕሮ ጓል ኤረይ ኣጆኺ

ክፍደ እዩ ሕነ በደልትኺ

ጉሒላ ዝነብር ከይመስለኪ

ኣብ ፍትሓዊት ኤረትራ ክትቀስኒ ኢኺ//

ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሚላኖ

ቆንስላት ህግደፍ ነገር ካብ ጻሕተሩ

በሉ ቀሲንኩም ኣይትሕደሩ

ደላይ ፍትሒ ኣብ ኣውሮጳ ነዲሩ

ንቃጻ ሚላኖ ሲኢኑ ምጻሩ

ማዓልትኹም ቁጸሩ

ድቃስ የሎን ህግደፍ ከየተማሕወ ካብ ሱሩ//

ካብ ሰበይቱ ዝፈርሀ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ኮበርታ ርእሱ ይንቕንቕ

ወስን ንምልኪ ክተውድቕ

ብፍርሂ ኣንቀጥቂጥካ ኣይትበል ስቕ

ከይተቃለስካ ኣይርከብን ዩ ጽቡቕ

ሓቦ በል ንተቃለስቲ ኣስንቕ//

እንካ ዘይፈልጡ ብጀካ ሃቡ

ህግደፍ ውድቀቶም ቀሪቡ

ኣብ ከብዶም ኣትይዎም ፍርሂ

ብስንባደ ኮይኖም ጓሂ ንጓሂ

ክወጽእ እዩ ገና ናይ ተግባራትኩም መብርሂ//

ካብ ተሓቢእካ ትብል ጥኒን

ክትረክብ ክትስእን ዘይትፍን//

ቀሪቡዩ እቲ ግዝየ

ብርሃን ክርኢ ቲ ዝበኸየ

ኣብ ሕጊ ክቐርብ ንህዝቢ ዘድመየ

ንጭፍራ ጸረግና ክንብል ሆየና ሆየ//

ተበጊሱ ሎ ኤረትራዊ ዓረምረም

ሕልሚ ከዳዓት ክድምደም

ውሕጅ መረብ  ክወስዶም

ደም ንጹሃት ኣበይ ከይሰዶም

ቀሪቦም ክቅበሉ ፍርዶም//

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምልለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,913,352 وقت التحميل: 0.34 ثانية