Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ&#4637
أخبار

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

ምስ ብ/ኣረሀ ሓምድ ናካ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ (2)

Hamadnaka.jpg

ካልኣይ ክፋል

ሕቶ፡ ነዚ ክትብሎ ዝጸናሕካ ስግኣታት፡ ክምልስ ዝኽእል እቲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ብኣረኣእያ ተቐራሪቡ ኣብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ናቱ ኣወንታዊ ጽልዋታት ከሕድር እንተበቒዑን’ዩ፡ ግን ክሳብ ሕጂ ከምኡ ክገብር ዝኽእል መሪሕ ደሞክራስያዊ ውድብ ኣይተረጋገጸን ኣሎ። ብተግባር ትምክሕትን ጽበትን ኣረኣእያታት ልዕልነት ሒዘምሉ ዘለው መድረኽ ኢና ዘለና። ምንጪ ናይ ድኽመታትና ድማ እዚ’ዩ’ሞ ካብ’ዚ ክንወጽእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ወይ ክንገብር ኣለና ትብል?

ኣርሀ፡ ናይ ብሓቂ ከቢድ ሓያል ሕቶ’ዩ። እቲ ብሓቂ ዘሳቕየና ዘሎ ጸገማት ንሱ’ዩ። ኣነ እንታይ ይብል ድሕሪት ተመሊስና ኣብ’ቲ ዝተናወሐ ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ኣቐዲምና ክንፈትሖም ዝነበረና ናእሽቱ ጸገማት ክንፈትሖም ዘይምቃዕና፡ ግዜ እናነውሐ ብዝኸደ ዘይምትእምምማን እንዳፈጠረ ክሳብ ሕጂ ምጽንሑ ካብ’ቲ ዘሳቕየና ዘሎ’ዩ ይብል ኣነ። ካልኣይ ነገር ነዚ ክንስዕር እንተደኣ ኮይና ብወገና፡ ኣነ ብብዙሕነት ናይ ፖለቲካ ይኣምን’የ፡ እቲ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ክላለ ክኽእል ኣለዎ። ናይ ግድን ኣይኮነን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ሓደ ክንመጽእ። እዚ ጸላኢ ዝጥቀመሉ  ደገፍቱን ወድዓውያን ተሓባበርቱን ዘኮማስዕዎን “ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ” ዝብል  ኣብ ኣምር ናይ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ’ውን ስለ ዘየለ ጽቡቕ ኣይኮነን። ግን እቲ ብዝወነኖ ፖለቲካዊ ፕሮግራም መሰረት ደሞክራስያዊ’የ ዝብል ሓይልታት ክጠራነፍ፡ ኣብ ዕላማ ክሳማማዕ ማለት’ሲ ኣብ መስርሕ ፕሮግራማቱ ዘፍቅደሉ እንተደኣ ኮይኑ ሓደ ክኸውን ይኽእል’ዩ ግን ከኣ ግድን ኣይኮነን ሓደ ክትከውን በቲ ዘራኽበካ መትከላዊ እምነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተኸቲልካ ንምስራሕ እንተተበቒዑ’ዩ ክፍታሕ ዝኽእል ኢለ እርኢ።

ብካልእ ንምስ መድረኽ ዝኸይድ ንመድረኻዊ ሕቶታት ዝምልስ መሪሕነት የድልየና ኣሎ ይብል ኣነ፡ ካብ ተመክሮይ ኣነውን ካብኡ ወጻኢ ገይረ ነበሰ ዝርኢ ኣይኮነኩን ግን ነቲ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ዝበቅዕ መሪሕነት ከነምጽእ የድልየና።  ዛጊት ገና ኣብ’ቲ ናይ ቀደም ዘለና ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ነቲ ሓድሽ ወለዶ መልሚሉ ምሂሩ ንቕድሚት ከምጽእ ዝኽእል፡ ኣገባባት ተኸቲልና ምስ ሓድሽ ኣረኣእያ ሓድሽ ገጽ እናምጻእካ ምስ እትኸይድ ክትዕወት ናይ ግድን’ዩ። ግን ኣነ’ውን ኣካል ናይ’ቲ ቃልስን ታሪኽን’የ፡ ብዙሓት ኣብ ቃልሲ ዝዓበዩ ኣቦታት ብጾት ኣለው የኽብር’የ። ጽቡቕ ይሰርሑ የለውን ማለት ዘይኮነ ግን ድኻማት ኣሎ።  ሰብ ክደክም እንከሎ ከዕርፍ ክኽእል ኣለዎ፡ ከዕርፍ እንከሎ ድማ ጽቡቕ ዕረፍቲ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ግን ኣብ ቦትኡ ዝትክእ ምስ’ዚ መድረኽ ዝኸይድ’ውን ከነምጽእ ክንክእል ኣለና። ኣነ ኣብ ዘተ እኣምንየ። ኩልና ዘተ ንብል ኢና። እቲ ዘተ ግን ንስለ  ፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራሕ ዘይኮነ ንውጽኢት ዘለዎ ዘተ ክኸውን ኣለዎ ይብል። እታ ኣገዳሲት ተድሊ ኣላ ዝብላ ኣብ’ቲ ዘሎ ሓይልታት ቁርብ ምትእምማን  ተሳኢኑ ኣሎ። ስለዚ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምግባር ዋዕላ፣ ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምሁራት፣ መንእሰያት፣ ስቪል ሶሳይቲ ምስ ውድባት..ወዘተ እዚ ንገዛእ ርእሱ ባይታ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። እቶም ንፖለቲካዊ ውድባት ዝጸልኡ፡ እዞም ናይ ቀደም ኣይጠቕሙን’ዮም፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዶምዶ ወያነ’ዶ እንዳበሉ ዝጻረፉ ዝነበሩ እንዳተጸምበርዎ ይኸዱ ኣለው’ዮም እዚ’ውን እንተኾነ ብመንጽር እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህጹጽነት ቀስ ዝበለ ይመስለኒ ብዝቐልጠፈ ክስጉም ክጎዪ ይደልዮ ኣነ።

ሕቶ፡- ሕራይ ብ/ኣርሀ ሓመድ ናካ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዘሎ ጸገም ኣብ ክንዲ ሓይሊ ሓሳብ ስነ-መጎት ሓይሊ ንቕድሚት ዝመጻሉ፡ ኣብ ክንዲ ብምትከል ሓፈሻውነት ገዛኢ ዝኾነሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ብፍላይ ኣብ’ቲ መንእሰይ ወለዶ ልዕልነት ሓይሊ ሓሳብ ንምስራጽ እንታይ ጥበብ ክንጥቀም ኣለና ትብል?

ኣርሀ፡ ብመሰረቱ እዛ መንእሰያት ኣረጋውያንን ትብል ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ መስመራ ስሒታ ተጋኒና ትኽየድ ዘላ ይመስለኒ። እቲ መብዛሕቲኡ ካብ ዓዲ ዝወጽእ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ፡ ብጌጋ ደኣ ከይርድኡኒ’ምበር ኣብ ግዜ ደርግ ተጠኒሱ፡ ኣብ ግዜ ህግደፍ ተወሊዱ፡ ኣብ ሳዋ ተማሂሩ ካብ ውርደት ዝመጸ’ዩ። ህግደፍ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደገ ዘሎ ንዕኡ ዝቃወም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሕማቕ ዝመሃሮ መንእሰይ’ዩ። ስለዚ እዚ መንእሰይ’ዚ ታሪኽ ናይ ሃገራዊ ቃልሱ ብግቡእ ክፈልጥ ክኽእል ኣለዎ። እቲ ነባር ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ድማ ክቐርቦ ኣለዎ ብደሞክራስያዊ ኣረኣእያ ክኹስኩሶ ኣለዎ። መንእሰይ ኣብ’ዚ ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ክጎዪ ጀሚሩ ኣሎ፡ ከምኡ ምግባሩ ሓደ ጽቡቕ ነገር’ዩ። ግን ኣብ ፖለቲካ ናይ ዝጎየኻ ጥራሕ ኣይኮነን። ብግቡእ ተወዲቡ ዘገም ኢሉ ዕላማ ሒዙ ክሰርሕ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን’ዩ እቲ ወሳኒ’ምበር፡ ምጉያይ ንበይኑ ዘይከድምዕ ይኽእል’ዩ።

 ኣብ ዘይንተነጸረ ፖለቲካዊ ዕላማታት ምጉያይ ኣብ ዘይተሓስበ ካልእ ግርጭት’ውን ከእትወካ ይኽእል’ዩ። ስለዚ ነቲ መንእሰይ ዝያዳ ምቕራቡ ከተረድኦ ጻዕሪታት ምግባር፡ ሕጂ ብኣካል ጽቡቕ ይዋሳእ ኣሎ፡ መድረኻት ፓልቶክ ድዩ ዋላ ኣብ ሰሚናራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ማረ ማዕሪኡ ድማ፡ ውዳቤኡ እንዳሓየለ ኣንፈቱ እንዳስተኻኸለ ካብ ተመክሮኡ እንዳተማህረ ክኸይድ ኣለዎ። እቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከኣ ናብኡ ቀሪቡ ምትእምማን ከምዘሕድር ክገብር ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ብኣረኣእያ ደረጃ እንዳተወደበ ምትእምማን እንዳጥረየ ምስ ዝኸይድ፡ ኣብ ክንዲ ናይ በይኑ ናይ መንእሰያት ዝብል ውዳበ ዝፈጥር፡ ናይ ኩሉ ሓይልታት ብሓንሳብ ኮይኑ ክሰርሓሉ ዝኽእል ባይታ ይፍጠር’ሞ፡ ሓያል ሃራሚ ሓይሊ ድማ ይውለድ ማለት’ዩ። ከምኡ ምስ ዝግበር እቲ መንእሰይ ተካኢ ኮይኑ ይርከብ። ፖለቲካዊ ስልጣን ኣይወሃብን’ዩ ይውሰድ’ዩ። ኣቲኻ ተሰሪዕካ ተቓልስካ ኢኻ ትወስዶ ‘ምበር ንስኻ ኣርበዓ ዓመት ኮፍ ስለ ዝበልካ ወይ ዘገልገልካ ይኣክለካ ኣልግስ ኢልካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ መንእሰይ ኣፍልጦ መታን ክረክብ፡ ከመይ ነይሩ መስርሕ ቃልሲ ብኸመይ ተጓዒዙ  ኣብ’ዚ ክንበጽሕ ክኢሉ ብግቡእ ከነጨብጦ ክንበቅዕ እንተኽኢልና’ዩ ብምትእምማን ክኸይድ ዝኽእል።

ሕቶ፡- ነዚ ድሒርና ክንምለሳ ኢና፡ ናብ ሓንቲ ዝሰገርክዋ ሕቶ ንድሕሪት ክመልሰካ፡ ነዚ ህግደፍ ብዞባታት ኢሉ ቀሪጽዎ ዘሎ ምሕደራ ገለ ሰባት ከም ሓደ ዘይምእኩል ምሕደራ ገይሮም ዝገልጽዎ ኣለው’ዮም። ደገፍቲ ህግደፍ ብቐንዱ ኣብ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ዓይነት ርእይቶታት ኣሎ’ሞ፡ ኣብ መንጎ ምእኩልን ዘይምእኩልን ምምሕዳራት ዘሎ ፍልልይን ዝምድናን እንተትገልጸልና?

ኣርሀ፡ እቲ ጉጅላዊ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሓሉ ዘሎ ንምቁጽጻር ንመግዛእቲ ክጥዕሞ ኢሉ ዝገበሮ’ዩ። ምኽንያቱ ነባርን ታሪኻውን ዝኾነ፡ ህዝብና ምስ ናቱ መንነት ዝፈልጦ ጂኦግራፊካዊ ኣውራጃዊ ቅርጽታት’ውን ከም ደስ ዝበሎ ከም ግራቱ ገይሩ ቆራሪጹ’ዩ ሓውዊስዎ ዘሎ። እዚ ምስ ምእኩልነት ዘእቱ ምንም ስነ-ሓሳብ የብሉን። ኮነ ኢሉ ንጸጥታዊ ምቁጽጻርን ሃብቲ ንምግባት ንኽጥዕሞ ኢሉ ዘተኣታተዎ ምሕደራ’ዩ። እዚ ምስ ናይ ዘይምእኩል ምሕደራ ኣቕሪብካ ከተወዳድሮ፡ ነቲ ዘይምእኩል ምሕደራ ዝብል ምንእኣስ ኮይኑ ይረኣየኒ። ብመሰረቱ ግን እቲ ምእኩልን ዘይምእኩልን ዝብል፡ እቲ ምእኩል ዝበሃል ኩሉ ግዜ ሴንትራላዝድ’ዩ። እቲ ስልጣን ካብ ሓደ ማለት ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝኸይድ’ዩ። ምእኩል /ሴንትራላይዝድ/ ማለት ምልካዊ’ዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ደሞክራስያዊ ዝኾነ ምእኩል ምሕደራ ኣሎ። ንሱ ብኸመይ ይመጽእ ብናይ ሊበራል ደሞክራሲ ዋላ ምርጫ’ውን ድምጺ ናይ ሓደ ሰብ እንተደኣ ኢልካ፡ ኣብ’ቲ ዞና ዘሎ ኣብዛሓ /ማጆሪቲ/ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ንሱ ስለዝኾነ፡ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ’ውን ንሱ’ዩ። እቲ ውሑዳ /ማይኖሪቲ/ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ። ብካልኦት ብሄራት ከይተዛረብና ከም ኣብነት ኣነ ቢለናይ’የ በዚ ናይ ምእኩል ምሕደራ ሓደ ብሓደ ምውድዳር ዝበሃል ጉዳይ ምናልባት ኣባል ሰልፊ ኮይኑ ሓደ ቢለናይ ምስ ሓደ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ግን ከም ብሄር ከም ቢለን በቲ ንሶም ዝደልይዎ ኣብ ስልጣን ክመጹ ኣይክእሉን’ዮም። ምኽንያቱ ውሑዳት /ማይኖሪቲ/ ዮም።

 እቲ ዘይምእኩል ዝበሃል ግን፡ ነቲ ስልጣን ፋሕ የብሎ። ኣብ ታሕቲ ኣብ’ቲ ህዝቢ ከም ዝበጽሕ ይገብሮ። እቲ ህዝቢ በብናቱ ብዞባ ድዩ ብኣውራጃ ድዩ፡ ብብሄሩ ድዩ ነቲ ጭቡጥ ክውንነቱ ዘንጸባርቕ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ባይቶ ይህልዎ። ናቱ ፖሊስ፣ ምልሻ፣ ኣገባብ ትምህርቲ ..ወዘተ ናቱ ንእሽቶ መንግስቲ ኣለዎ ማለት’ዩ። ካብኡ ድማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ወከልቱ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ ይልእኽ። ስለዚ ከኣ ነቲ ዘይምእኩል ዘማእክል ከም ዘለዎ ምርዳእ የድሊ።  ካብ ዝተፈላለ ናይ’ቲ ፈደራል ዘይምእኩል ቦታ ንዝመጹ ብሓባር ከመሓድር ዝኽእል ካብ’ቲ ዘይምእኩል ነቲ ዘይምእኩል ዘማእክል ከምዘሎ’ውን ክንፈል ኣለና ማለት’ዩ። ዘይምእኩል ካልእ ‘ውን ኣሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ እንተርኢና/ውላያት ከሰላ ይብሉ/ እቲ ፕረዚደንት ናይ’ታ ሃገር ነቲ ዞና ዘመሓድ እከለ ኢሉ ሽመት ይህብ። እቲ ሽመት ወይ ስልጣን ዝወሃብ ዘሎ ሰብ ካብ ህዝቢ ኣይኮነን ዝምረጽ ዘሎ። እቲ ፕረዝደንት’ዩ ንሓደ ህንካ ንከሰላ ከይድካ  ኣመሓድራ ይብሎ። ምናልባት ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመት ነቲ ኣማሓዳሪ እቲ ፕረዝደንት’ውን ይቕይሮ ማለት’ዩ።

 ኣብ’ዚ ክንርደኦ ዝህልወና ውላያት ክበሃል እንከሎ ዩኒትስ ናይ ምሕደራ ስርዓት ዘለዎን’የን። ግን እቲ ኣማሓዳሪ ካብ ህዝቢ ዘይኮነስ ብላዕሊ’ዩ ዝመጽእ። ስለዚ ክልተ ዓይነት ዘይምእኩል ኣሎ። ሓደ ንምሕደራ ክጥዕመካ ኢልካ ትገብሮ እዩ። ንኣብነት ከምዚ ጥልያን ንኤርትራ በቲ ዝጥዕሞ ገይሩ ብኣውራጃታት ዝጎዛዘያ ማለት እዩ። እቲ ካልኣይ ዘይምእኩል ግን ፍትሓዊ እዩ። ምኽንያቱ ካብ መሰል ተበጊሱ ስለዝመጽእ፣ ንኹሎም ንደቂ ሰባት ብማዕረ ከማዕብሎምን ቅሳነት ክህቦምን ዝኽእል’ዩ። ኣነ ‘ውን ኣብኡ እየ ዝኣምን። ንሱ እዩ ኸኣ ክኸውን ዘለዎ። ብኣጠቓላሊ ክልተ ዓይነት ዘይምእኩል ኣሎ። እቲ ሓደ ካብ ምእኩል ዝመጽእ ዘይምእኩል እዩ። እዚ ዓይነት ምሕደራ ዝኾነ ናብ ስልጣን ዝመጸ ሓይሊ ንዕኡ ብዝጥዕሞ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ቅኑዕን መሰል ሒዙ ዝመጽእን ኮይኑ ልክዕ ከም ፌደራሊዝም ዓይነት እዩ። ኣብ ቅዋም እንተድኣ ተሰማሚዕካሉ ዝኾነ ይኹን ናብ ስልጣን ዝመጸ ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ እዚ እዩ እቲ ቀንዲ ፍልልያቱ።

ሕቶ፡- ናብ’ታ ዘቋረጽናያ ሕቶ ከመልሰካ ፣ እዚ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓሳት ሕጂ ዳርጋ ናይ ቃልሲ ሂወት ዝጀመረ ይመስል፡ ግን ድማ ኣላይ ወይ ቀላሲ የድልዮ። በዚ ዝኸዶ ዘሎ ብገለ ሰነኹ ብዙሕ ዘተባብዕ ኣይኮነን። ነዚ ኣካይዳ’ዚ መንገዲ ከትሕዞ ዘለዎ ድማ፡ እቲ ቅድም ዝጸንሐ ውድባትን ግንባራትን’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዚ ብጉባኤ ኣዋሳ ኣቢሉ ዝመጸ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተኣኻኽቦ ክኣልዮ ክመርሖ ይህልዎ። ኣብ ከባቢኹም ምንቅስቓስ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ስቪክ ማሕበራትን ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስን ከመይ ይኸይድ ኣሎ?

ኣርሀ፡- እዚ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ተስፋ ብዝህብ መንገዲ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ እየ ዝርኢ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ይለዓል ኣሎ። እቲ ምልዕዓል ኣንፈት ከይስሕት ብስሩዕ መንገዲ ንኽኸይድ ኣብ ዕላማ ክውደብ ክኽእል ኣለዎ። ምስቲ  ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ስቪክ ማሕበራትን ከመይ ገይሩ  ሰጢሙ ይኸይድ  ዝብል እዩ እቲ ዘድሊ ዘሎ። ግን  መንእሰይ ኩሉ ግዜ ጎያይ ስለዝኾነ እቲ ናይ መንእሰያት ምንቅስቓስ ክብ ለጠቕ ዝበለ እዩ። ገሊኡ ቅልጡፍ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ሽውሃት ናይ ቃልሲ እንከለዎ ነብሱ ኣብ ምስራዕ ግን ቁሩብ ጸገማት ኣለዎ። እዚ ስለዝኾነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝከኣሎ ኩሉ ክገብር ኣለዎ እብል።  ናይ ግድን ኣይኮነን ኣብ ትሕቲኡ ክሰርዖም። ብወገነይ እዚ ኣብ ትሕተና ክንሰርዖም ኣለና፡ ምሳና እንተዘይኮይንኩም ኣካልና ኣይኮንኩምን  ዝብል ንዓና ኣይጠቐመናን። ከመይ ጌርካ ኣብ ግርጭት ከይኣተኻ ተኣማሚንካ ብሓባር ትሰርሕ፡ ዋላ ነብሱ ክመርሕ እንተኸኣለ ‘ውን ከመይ ጌርካ ትሕግዞ፡ ባዕሉ ክመጸካ ዝኽእለሉ መንገድታት ምፍጣር’ዩ ዘድሊ። እዚ ዓይነት ኣካይዳ ኣብ መስርሕ ዘሎ እኳ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ግን ክሳብ ሕጂ ምስዚ ዘሎ ምንቅስቓሳት ዝኸይድ ርኡይ ዝኾነ ምትሕግጋዛት ክገብር ኣይረኣኹን ዘለኹ።

 ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ምናልባት ሓድሽ ባይቶ ምስ ምዃኑ ከምኡ ‘ውን ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካዊ  ሓይልታት ዝተኣኻኸበ እዩ። ስለዚ ድማ ብሓንሳብ ተወሃሂድካ ቅልጡፍ ስራሕ ንኸይትሰርሕ ግዜ ዝቐትለልካ ኩነታት ከይሃለወ ኣይተርፍን ዝብል እምነት ኣለኒ ኣነ።  ኣብ ሓደ ካምፓኒ ቀልጢፍካ ናብ ስራሕ ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ፡ ምኽንያቱ ናይ ሞያን ደሞዝን ስራሕ ስለዝኾነ። ኣብ ፖለቲካ ግን ነናትካ እምነት ሒዝካ ተረሓሓቕኻ  ጸኒሕካ፡ ኣብ ሓደ ስጡም ናይ ቃልሲ መንፈስን ኣሰራርሓን ክሳብ ትበጽሕ ግዜ ክሓትት ይኽእል’ዩ። ኣጋጣሚ  ብጉባኤ ብምርጫ ወይ ብውሳኔታት ዝመአ ስለዝኾነ ሓድሽ ኣገባብ ምስራዕ ከድልዮ’ዩ። ምኽንያቱ እዚ ባይቶ እዚ ከም ኣብ ደገ  ዝርከብ ምስሊ ባይቶ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ክኢላዊ ዓቕምታት ዘድልዮ ገና ኣብ’ዚ ስራሓት’ዚ ብከም’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘይተዋፈረ ኮይኑ ይረኣየኒ። ብርግጽ ኣብ ኣጀማምራ ዘሎ’ዩ፡ ኣበ መጽናዕቲ’ውን ክህሉ ይኽእል’ዩ። ግን ቁሩብ ዝሕል ዝበለ  ይመስል’ቲ ስራሕ።

ሕቶ፡-  ብዝያዳ ካብ ምግባእ ዋዕላ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ተደጋጊሙ ዝዝረበሉ ዘሎ ጉዳይ፡ እተን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውድባት ኣሪገን እየን ዝብል ኣሎ። እቲ እርጋን ብኣካል ድዩ ብኣተሓሳስባ ኣይገልጽዎን እዮም። ክሳብ ‘ውን ክፈርሳ ኣለወን ዝብል ኣሎ። ንኣብነት ገለ ውልቀ ሰባት ውድባት ኮነ ማሕበራት ንብዙሓት ውድባት ጠሚሩ ዘሎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክፈርስ ኣለዎ ኢሎም ብወግዒ ይዛረቡ እዮም። ንሱ ብናቱ ኩነታት ዝቖመ ግንባር እዩ፡ ስለዚ እቶም ዘቖምዎ እዮም ከፍርስዎን ከቐጽልዎን ዝኽእሉ፡ ግን ከም ሓሳብ እዚ ቅኑዕ ድዩ? ከመይ ‘ከ ክግራሕ ኣለዎ ኢልካ ትርኢ?

ኣርሀ፡- እዚ ሓደ ካብቲ ድኽመታትናን ሽግራትናን እዩ። ክንዲ ዝተኣኸብናስ ፋሕ ንበል ኣይብሃልን እዩ። ቃል ብቓሉ ‘ውን ጽቡቕ ኣይኮነን። እቲ ጠለብ እኳ ስመሩ እዩ ነይሩ። ኣይሰመሩን ብሓንሳብ ኣይሰርሑን’ዮም ዝብል’ዩ እኮ ካብቲ ህዝቢ ዝስማዕ ዝነበረ ዘረባ። ሕጂ ድማ ብሓንሳብ ኣብ ዝተሓተ ነጥቢ ተሰማሚዑ ሓደ ቻርተር ገይሩ ብልፍንቲ ክጓዓዝ ከሎ፡ ካብዚ ፋሕ በል ክብሃል እንከሎ ዘይሓላፍነታዊ’ዩ እየ ዝብል። እንታይ ድኣ ዝያዳ ክድልድልን ክሰጥምን ኣለዎ ክበሃል ‘ዩ ዘለዎ። ካልእ እዛ ኣብ መንጎ ኪዳንን ባይቶን ተዛርብ ዘላ ጉዳይ ድማ፡ ንድሕሪት ተመሊስና እንተርኢና ነዚ ባይቶ መን እዩ ኣቊምዎ? ይዝከረኒ ኣብ 2007 ኣብ  ኣዲስ-ኣበባ ዝተገብረ ጉባኤ  ኣነ ንባዕለይ ዳርጋ ኣቦ መንበር ጉባኤ ናይ ኪዳን ኣብ ዝነበርክሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኩሉ ተዓዊትና ጽቡቕ እንዳኸድና እንከለና ኣብ መጨረሽታ ኣብ ክልተ ዝኸደ ጉባኤ’ዩ። ሓደ ጠርናፊ ዲሞክራስያዊ ጉባኤ ክንገብር ኣለና ተባሂሉ ዝተወሰነ ኣብኡ’ዩ ነይሩ። እንታይ ማለትና ኢና ንካልኦት ክሕውስ ኣለዎ። ኪዳን ንበይኑ ጉባኤ ይገብር ኣሎ፡ እቲ ህዝቢን ስቪላዊ ማሕበራትን ዝተሓወሶ ናይ ሓባር ጉባኤ ክንገብር ኣለና ኢሉ ዝወሰነ ኪዳን እዩ። ስለዚ ኣቦን ኣደን ናይ’ዚ ኹሉ ክኸይድ ዝጸንሐ ቅድመ ዋዕላ፡ ኮሚሽን ዘቖመ ዋዕላ፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ  ወዘተ ክመጽእ ዝገበረ  ኪዳን እዩ።  እዚ ዘይፈልጥ ኣሎ ኣይብልን ግን ካልእ ሽጣራታት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ጉባኤ ተኻይዱ’ዩ፡ ኩሉ ሰብ ተኣኺቡ ካብኡ ሽማግለ መሪጽና ኢና፡ እተን ዝነበራ ውድባት ኣልግሳ ዝብል ፖለቲካዊ ኣምር፡ ከም’ቲ ዝበሃል ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዓወት ክትጭብጥ ዘይኮነስ፡ ሓድሽ ሽግር ኢኻ ትፈጥር ዘለኻ።

ስለዚ ኪዳን ኣካል ሃገራዊ ጉባኤ’ዩ።  ናብ ጉባኤ ዝዓደመን ዘብጸሐን  ዋና ገዛ እዩ። ኪዳን ምስ’ቲ ኣካሉ ዝኾነ ባይቶ ማዕረ ማዕረ ተሓጋጊዙን ተደጋጊፉን እዩ ክሰርሕ ዘለዎ። ኪዳን ፖለቲካዊ ሓይልታት ዝሓዘ ግንባር እዩ። ባይቶ ግን ክሳብ ውልቀ ሰባት ዝሓቖፈ እዩ። ኣባላት ባይቶ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ ስርሖም ዘይፈልጡ ሰባት ከም ዘለው ይፈልጥ እየ። እተን ኣብ ኪዳን ዘለዋ ግን ክሳብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዘካይዳን ናይ ስራሕ መደባት ዘለወንን ፖለቲካዊ ውድባት እየን፡  ነዚአን ከመይ ጌርካ ይፍረሳ ትብለን?  እዚአን ኣብ ግርጭት ከይኣተዋ ምስቲ ባይቶ ብሓንሳብ ሰጢመን ክሰርሓ ኣለወን እዩ ክበሃል ዘለዎ። ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ባይቶ ስርሓቱ ኣወሃሂዱ ክኸይድ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ‘ውን ሰሚዐ ኣለኹ። እቲ ጸገም ኣብ ስምምዕ በጺሕካ ክነስኻ በቲ ስምምዕ መሰረት ዘይምኻድ እዩ። ኣብ መድረኻት ትሰማማዓሉን ካብ ኣኼባ ምስ ወጻእካ ዝበሃል በበይኑ ይኸውን ስለዘሎ ኣብ ውዑልካ ዘይምጽናዕ ስለዘሎ ዝፈጥሮ ዘሎ ጸገም’ዩ እቲ ሽግር ዝኸውን ዘሎ። ኩለን ኣባላት ውድባት ኪዳን ምስ ባይቶ ተወሃሂድና ክንሰርሕ ኢለን ተሰማሚዐን’የን። ብዘይካ ሓንቲ እስላማዊ ሰልፊ ርእይቶ ዝነበራ ኣብ ኪዳን ክንቅጽል ኢና፡ ኣብቲ ናይ ፈጻሚ ኣካል ግን ኣይንመጽእን ዝበሉ እንተዘይኮይኑ። ንሕና ኣንጻር እዚ ኢና ዝበሉ ክሳብ ሕጂ ኣይሰማዕናን። ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነብሱ ሰሪዑ ከመይ ይኸይድ ካብ ዘይምፍላጥ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ገለ ገለ ካብቲ ናይ ቀደም ተንኮላትን ጸገማትን ዘይወጹ ሓይልታት ከምዘለው’ዩ ዘመልክተና።  ኪዳን ናይ ግድን  ክህሉ ኣለዎ፡ ዋላ ‘ውን ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ከእቱ ኣለዎ። ምኽንያቱ ፋሕ እንተድኣ ኢልካ ጽልኢ ኢኻ ተምጽእ።  ኩለን ብሓንሳብ ኮይነን እናሓየላ ምትእምማን እናፈጠራ ምስ ዝኸዳ ዝያዳ ነቲ ዘሎ ጸገማት ክንፈትሕ ንኽእል ኢና። ከምኡ ‘ውን እቲ ዝነበረ ዘይምትእምማን ናብ ምትእምማን ክልወጥ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

                                ሳልሳይ ክፋል ይቕጽል

          ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

           E-maile address hdemocrasia@yahoo.com

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,300,013 وقت التحميل: 0.34 ثانية