ሓሳውን ስንቅን እንዳ ሓደረ ይፎኩስ
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
መልሲ ንፍትሒ ንዝቃለስ ዝህቡ ዘይሽሙ
እወ ሕጂ ውን ኣነ የ በርሀ
ምስ ደለይቲ ፍትሒ ዝዘልል ኣንጊሀ
ንፍርሂ ንበለጽ በዲሀ
ንጸለመ ዎይጦታት ሰሚዔ ዶ ሕጂ ፈሪሀ//
መልሲ ንእገሊቶ ንእገለ
መልሓሶም ዓንደል ዘይተዳላደለ
ዝጸየቐላ ዝጸየቐሉ ምስ ሸምገለ//
ክልተ ሸውዓተ ማይ በላዶ
እንዳ ጋብርደር ደርዓንቶ ይሕሾም
ተመሲልሎም ክሰምሩ ምስ ኣሕዋቶም//
ወርዚያ ወርዝዩ
ከም ቅንፍዝ እሾኽ ኣይትንፈዩ
ኣብ ፓልቶክ ተሓቢእኩም ኣይትሕመዩ
ኣልዕል ኣቢልካ ምጽላም ነውሪዩ//
ኣይቢኢደይ ኣይብእግረይ
ወገናዊ ኮይኑ ሽመይ
ካብ ቀደመይ
እቃለስ ንመሰለይ
ንመሰል ደቂ ኤረይ
ኣብ ልዕሊ ጸረ ሓድነት የልዕሎ በትረይ//
በሉ
ካብ ተንከፍኩምኒ
ኣነውን ዝብሎ ኣሎኒ
ህዝቢ ባዕሉ ይፍረደኒ
ሕድሪ ዘይምጥላመይ ግን ሓበን ይስማዓኒ//
ዕላምኦም ዘይንጹር
ጎቦ ጎቦ ዝብሉ ህዝቢ ክሰምር
ነገር ዝጽሕትሩ ኩፋኣት መጋብር
እኒ ዋጭል በዓል ቅንዝር
ኣብ እርጋነን ዝጠፍኤን እቲ ንቡር//
ትም ይሕሸኩም ጸለመ ዝኣመሎም
ንተቃለስቲ ከጸልሙ ህግደፍ ዘዋፈሮም
ሰብ ዘጸልሙ ኣልዕል ኣቢሎም
ዘይምፍላጦም ህዝቢ ፎእ ከም ዝበሎም//
እንታይ ክትረኽቡ እኒ ኣምስሉ
ኣብ ጸለመ መልሓስኩ ትስሕሉ
ጸለመ ካብ ጀመርኩም ዕጠቑ በሉ
21 ዓመት ኮይኑ ቃልሲ ክትሕንኩሉ//
ጨለታት ዒንኪላሎ ዕላማ ኣልቦ
ዕሩባት ሕልና እኒ ዓለም ጸበቦ
ጸረ ሓድነት ቀጸጽ ዓደቦ
ትኽ እንተበሉስ ከም ማዕጺድ ዝብሉ ጎቦ ጎቦ//
ታሪኸይ ኣበይ ትፈልጥዎ
ኣልዕል ኣቢልም ንበርሀ ዘይሽሙ ትህብዎ
ጸረ ህግደፍ እንተ ተቃለሰ ተጸልምዎ
ንጸለመኹም ዝሰምዔ ንኹሉ ገሪምዎ//
ወገናዊ ኣይኮንኩን ኣቱም ሑልኩሳት
ንድሕነት ህዝቢ እቃለስ ከም ኩሎም ደቀባት
ይኣምን ኤረትራ ከም ዝቖመት
ብሾሞንተ ኣውራጃታት
ኣስላም ክስታን ምዃና ኣሕዋት//
ምስ ተ.ሓ.ኤ. ምቅላስ ገበን ተቖጺሩ
ምስጢሮም ተበሊሉ እቶም ተሓቢኦም ዝግዕሩ
ኣብ ፓልቶክ ሽሞም ሽመን ሓቢኦም ዝምድሩ
መንእሰይ ጸላእቱ ኣለልዩ እዩ በሉ ሕረሩ//
ንፍትሒ እንበር ንስልጣን ኣይቃለስን
መራሒ ክኸውን ሓሊመ ኣይፈልጥን
ክምራሕ እንበር ክመርሕ ሕልሚ የብለይን
ከማኻትኩም ሑቡእ ኣጀንዳ ውን ኣይናተይን
ከማኹም ኣይኮንኩን
ዕምሪ ዲክታቶር ከናውሑ ዝሰርሑ ለይትን ማዓልትን//
ንሕጂ እዚ ያኣኽሎም ክሳብ ንድሕድሖ
ተሓለቕቲ ዲክታቶር ናይ ቆፎና ፍልሖ//
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና
ውድቀትን ሕፍረትን ንመርገጾም ዘይንጹር//
|