Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
 ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራ&#46
أخبار

 ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

 ምስ ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ማሕደረ ዘካየደቶ ቃለ-ማሕተት  ብድምጺ ብተኸታታሊ ኣብ 11 ክፋላት ምቅላሕና ዝዝከር’ዩ። ኣገዳስነት ናይ’ቲ መልእኽቲ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ድማ እነሆ ናብ ጽሑፍ ገሊብጥና ናብ መርበብ ሓበሬታት ንዝርገሖ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

                

 Journalist Amaneal.jpg  

ዕዱም ጋሻና ኣብ ህዝባውን ሃገራውን ጉዳያት ዘለካ ርእይቶ ንከተካፍለና ንዘቕረብናልካ ዕድመ ፍቓደኛ ኮይንካ ብምምጻእካ፡ ብስም ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራን ክቡራት ሰማዕትናን ኣመስግነካ፡ ቅድሚ ናብ ዘዳለኽዎ ዝርዝር ሕቶታት ምእታውና መንነትካ ማለት፡ ምሉእ ስምካ ደረጃ ትምህርትንኻን ዝነበረካ ስራሕን ንሰማዕትና እንተትገልጸልና?

ኣማኒኤል፡-  ስመይ ኣማኒኤል ማህደረ ይበሃል። ኣብ ከተማ ዓሰብ’የ ተወሊደ ዓብየ። ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣብ ዘሎ ግዝያት ድማ፡ ኣብ ዩኒቨሪሲቲ ኣስመራ፡ ናይ ጆርናሊዝምን ማስ ኮሚኔኬሽንን ትምህርቲ ተኸታቲለ። ብኡ መሰረት ድማ፡ ኣብ 2006 ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዲበ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ከምኡን’ውን ኣብ ክፍሊ ተለቬዥን ብሞያ ጋዜጠኝነት እሰርሕ ነይረ።

ሕቶ፡- ሕራይ ኣማኒኤል ማሕደረ ብዛዕባ ውሽጣዊ ነጻነትን ኣሰራርሓን ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ኣስፍሕ ኣቢልካዶ ምገለጽካልና?

ኣማኒኤል፣ ብዛዕባ ምሕደራን ኣተሓሓዛን ሚኒስትሪ ዜና እንተልዒልና፡ ብዙሕን ዝርዝራውን ነገራት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ሓደ ሚኒስትሪ ዜና ከም ትካል ብ4 ክፍሊታትን 49 ጨናፍር ኣሃዱታትን ዝቖመ ትካል’ዩ። ኣብ ኣሰራርሕኡ እንተደኣ መጺእካ ነቲ ወግዓዊ ሰንሰለት ተኸቲሉ ዝኸይድ ኣሰራርሓ የብሉን። ሓለፍቲ ክፍሊ ኩሎም ለሚሶም’ዮም። ሓለፍቲ ክፍሊ ማሕዮታት ዓሊ ዓብዱ ንዝኾኑ ሓለፈቲ ጨናፍር እንዳፈርሑ ክኸዱ ኢኻ ትርኢ። ስለዚ፡ ሚኒስትሪ ዜና ዝኽተሎ ኣካይዳ ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስክዎ ነቲ ወግዓዊ ቅርጻ ዝኽተል ኣሰራርሓ የብሉን። ኣብ ውሽጢ’ቲ ሚኒስትሪ ብቐጥታ ተጸዋዕነቶም ናብ’ቲ ሚኒስተር ዝኾኑ፡ ብስበሻል እንተረስት ግሩብ ወይ ድማ ብሰብ ፍሉይ ረብሓ ክንገልጾም ንኽእል፡ ፍሉያት ብረብሓን ጽምኢ ስልጣንን ዝተኣሳሰሩ ሰባት ኣለው። ካልእ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ኣተሓሕዛ፡ ኩሉ ግዜ ናይ ግበር ኣይትግበር’ዩ። ንኣብነት፡ ሓደ እዋን ብምኽንያት ጽንብል ነጻነት ኣርቲስት ሚኪኤል ኣዶናይ ብዝተፈላለዩ ጋዜጠኛታት ቃለ-መጠቕይ ይግበረሉ ነይሩ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ናይ ሎሚ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንኣርቲስት ሚኪኤል ኣዶናይ ቃለ-መጠቕይ እንዳገበረሉ እንከሎ ማለት’ዩ ኮነ ኢልካ ክቱኽትኾም ፕሮቮክ ክገብሮም’ዩ መደብ ተዋሂብዎ። ስለዚ ኮነ ኢሉ ፕሮቦክ ክገብሮ እንከሎ፡ ሚኪኤል ኣዶናይ እንታይ ገይረካ ትርብሸኒ ዘለኻ ኣሰራርሓ ናይ’ዚ ገዛ ትፈልጦ እንዲኻ፡ ኣነኮ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ተዋሂበናኒ’የ ዝሓተካ ዘለኹ ኢልዎ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ’ዚ ብነድሪ ዝተመልኣ ዘረባ እንታይ ኢኻ ትርኢ፡ ኣሰራርሓ ናይ ሚኒስትሪ ዜና፡ ክሳብ ክንደይ ብግበር ኣይትግበር ዝሰርሕ ከም ዝኾነ፡ ሕቶታት ተዋሂቡካ ትሓታት ምዃንኻ፡ በዚ ሕጂ ሓንቲ ንጽርቲ መንገዲ ክንረክብ ንኽእል ኢና ማለት’ዩ።

 ካልእ ውልቃዊ ኣመለኻኽታ ናይ’ቲ ሰራሕተኛ እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ብዓይኒ ጸጥታ ምክትታል ይግበረሉ። ዋላ ጽቡቕ እንዳሰራሕካ ብምሉእ ዓቕምኻ እንዳበርከትካ’ውን መን እንታይ ይሓስብ፡ እንታይ ይብል ክፍለጥ ይድለ። ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ወይ ኣመለኽኽታ ንምፍላጥ ድማ ኣኼባታት ይውድቡ። ኣብ ነብስ ወከፍ ኣሃዱ ሰሙናዊ ዝግበር ኣኼባታት ኣሎ። ኣብ’ቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣጀንዳ ይስራዕ’ዩ። ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ ግን ብመሰረቱ እቲ ሰራሕተኛ ብነጻነት ርእይቶኡ ሂቡ፡ ንዝዕረ ኣዐርዩ፡ ንድኹም ጎኒታቱ መዚኑ፡ ንሓያል ጎኒታቱ ከኣ ንኢዱ ከመይ ገይርካ ብዝጸፈፈ ኣገባብ ስራሕካ ትቕጽል ዘይኮነ፡ ነብስ ወከፍ ሰብ ኣብ’ቲ ኣኼባ እንታይ ይዛረብ ንምፍላጥ’ዩ። ኣብ’ቲ ኣኼባ እንታይ ይገበር ይመስለካ፡  ኣባላት ናይ ሓንቲ ኣሃዱ ኣኼባ እንተደኣ ገይሮም፡ ጸብጻብ ተጻሒፉ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ክኸይድ እንከሎ፡ ኣኼባ ኣካይድና ኣብዝን ኣብዘን ዛዕባታት ተዘራሪብና፡ ንሓያል ጎኒና መዚና ንድኹም ጎኒታትና’ውን ኣረሚና፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ድማ ከምዚ ዝብል ሓሳባት ተንጸባሪቑ ወይ ወሪዱ ነይሩ ኢልካ ጸብጻብ ናይ’ቲ ኣኼባ ኣይኮንካን ትሰድድ። እንታይ ደኣ፡ ሓደ ኣኼባኛ ርእይቶ እንተደኣ ሂቡ ምሉእ ስሙ ይጸሓፍ’ሞ ነቲ ዝሃቦ ርእይቶ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ይጸሓፍ። ብመሰረቱ ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ መን እንታይ ኢሉ ወይ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ ንምጽናዕ ስለ ዝኾነ ከምኡ ይገብሩ።

ካልእ ሚኒስትሪ ዜና ከም ትካል ብዙሕ ናይ ፊልድ ስራሕ ዘለዎ ትካል’ዩ። ፊልድ ክትወጽእ እንከለኻ ሓደ ሓደ ግዜ ንመዓልታት ገለ ግዜ ድማ ንሰሙናት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ወይ ፊልድ ዘድልዮም ቴፕ ሪከርደራት ሒዞም ወይ ካሜራ ማን ኮይኖም ምሳኻ ዝወፍሩ ካልእ ተልእኾ ዘለዎም ሰባት ኣለው። ምኽንያቱ ንመዓልታት ንሰሙናት ፊድል ወጺእካ፡ ኣብ ዞባታት ድዩ ንኡሳን ዞባታት ክትቅኒ እንከለኻ፡ ስራሕካ ሓደ፡ መግብኻ ሓደ፡ መደቀሲኻ ሓደ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዕላላት ዝመጽእ ነገራት ኣሎ።  ነዘን ዕላላት እዚአን ጠርኒፉ ናብ’ቲ ሚኒስተር ዘብጽሕ ሰብ ይገበረልካ’ዩ። ናይ’ቲ ንስኻ ትፈልጦን ትፈርሖን ጠርናፊኻ ጸብጻብ ዘይኮነ ዝቕበል፡ ናይ’ቲ ንስኻ ዘይትፈልጦ ግን ከኣ ፍሉይ ተልእኾ ተዋሂብዎ ምስኻ ዝወፈረ ሰብ ዘቕርቦ ጸብጻብ’ዩ ተኣማኒ ኮይኑ ንኣመለኽኽታኻ ከም መዕቀኒ ዝውሰድ ማለት’ዩ።

ሕቶ፡- እቶም ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝበልካዮም ብዝያዳ ምስ’ቲ ስርዓት ተጣቢቖም ዝኸዱ ሰባት፡ ብዓይኒ’ቲ ኣብዘሓ ሓፋሽ ሰራሕተኛ ከመይ’ዮም ዝረኣ’ዩ?

ኣማኒኤል፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ምናልባት ኣብ’ቲ ዝርዝር ኣስማት ምእታው ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይመስለንን። ግን ሚኒስትሪ ዜና ከም ቁጽሪ ክሳብ 1200 ዝኸውን ሰራሕተኛ ዝሓዘ ትካል’ዩ። ሚኒስትሪ ዜና ግን ናይ’ቶም 1200 ሰራሕተኛታት ኣይኮነን። ናይ’ዞም ብጥቕሚ ብሽመት ዝተኣሳሰሩ ዝበልኩኻ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝኾኑ ካብ 20 ክሳብ 30 ዘይበዝሑ ሰባት’ያ። ሕጂ እዞም ሰባት ምእንቲ ጠቕሚ ምእንቲ ስልጣን ክብሉ ምስ’ቲ ሚኒስተር ዝገብርዎ ምትእስሳር፡ ናይ ግድን’ዩ ነቲ ሓፋሽ ሰራሕተኛ ከሳቕይዎ’ዮም። ዘድልን ዘየድልን ሓበሬታ እንዳመሓላለፉ ንህላዌኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ከውድቕዎ ይኽእሉ’ዮም። ክሳብ ናብ ማእሰርቲ ከብጽሖ ዝኽእል ዘይድሊ ጸብጻባት ከሕልፍሉ ይኽእሉ’ዮም። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ርክቦም ነቲ ሚኒስተር ኣድላይነቶም’ውን ነቲ ሚኒስተር ‘ምበር ነቲ ኣባል ኣይኮነን። እቲ ሰራሕተኛ ድማ ነዚ ኩሉ ይፈልጦ’ዩ።

እቲ ዝገርም ግን እዞም ከምኡ ዝገብሩ ሰባት ተራ ሰባት ዘይምዃኖም’ዩ። ብደረጃ ሓለፍቲ ጨናፍራት ተመዲቦም ዝሰርሑ ሰባት’ዮም። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ድማ ሓላፊኻ፡ ሓላፊኻ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ጸጥታ ሓላዊኻ’ዩ። ሓላፊኻ እንዳመሰለ ሓላዊኻ ኮይኑ ከም ዝጸንሕ ኣብ ዝተፈላለያ ኣጋጣሚታት ትረኽቦ ኢኻ። ዝኾነ ሓላፊ ኣሃዱ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ኣብ’ታ ኣሃዱ ዘለው ሰራሕታኛታት ብዓይኒ ጸጥታ ናይ ምሕላው ቀዳማይ ስርሑ’ዩ። ናይ ነብስ ወከፍ ኣባል ኣርኣእያ፡ ወይ ዝህቦ ርእይቶ፡ ብመልክዕ ጆክ ወይ ዕላላት ዝወጽእ በጫቕታታት ከይተረፈ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይ’ቲ ሚኒስተር ምብጻሕ’ዩ። ክሳብ ሰብ እንተሰኺሩስ እንታይኮን የምሉቕ ንምፍላጥ  ናይ መስተን ምዝንጋዕን መደባት እንዳወደብካ’ዩ መጽናዕትን ምክትታልን ዝግበር።

ሕቶ፡- ምናልባት ከም’ቲ ዝበልካዮ ኣስማቶም ምጥቃስ ዘይከድሊ ይኽእል’ዩ ግን፡ ጋዜጠኛታት ክንሶም፡ ቦታ ናይ ካድራት ተኪኦም ዝሰርሑ ሰባት ኣለው’ዮም፡ እዚኦም ናብ’ቲ ትካል ክኣትው እንከለው ብናይ ጋዜጠኝነት ሞያ ድዮም ኣትየ’ሞ ወይስ ካድራት ኮይኖም በቲ መንግስቲ ዝተመደቡ’ዮም?

ኣማኒኤል፡- ብመጀመርያ ነገር ኣብ’ዚኣ ንጽርቲ ክትከውን ዘለዋ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ወይ ዝነበረ ሰብ ንዓይ’ውን ሓዊስኻ፡ ጋዜጠኛ’ዩ ወይ ነይሩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ጋዜጠኛ ማለት፡ ህዝቢ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ኣገባብ ተጠቒሙ ንህዝቢ ሓበሬታ ዘስንቕ ሰብ ማለት’ዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ዝስራሕ ስራሕ ግን ከምኡ ክሳብ ዘይኮነ፡ ዋላ’ቲ ናይ ጋዜጠኝነት ስራሕ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ፡ ጋዜጠኛ’ዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን’ዩ። ኣብ ቦታ ናይ ካድረ ደኣምበር ኣብ ቦታ ጋዜጠኛ ኮይንካ ኣይኮንካን ነቲ ህዝቢ ተገልግሎ ዘለኻ።  ሚዲያ ኣገልግሎቱ ንህዝቢ ደኣምበር ንመንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ትካል’ቲ ዘሎ ጋዜጠኛ ግን ዝዛረቦ፣ ዝጽሕፎ፣ ዘዳልዎ መደባት፣ ዘቕርቦ ትንታናታት፡ ብምልኡ ከመይ እቲ መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ከም ዝኸስቦ፡ ብኡ ዝተቓነየ መደባት ስለተዳሉ ሕጂ’ውን ኣገልግሎቱ ንመንግስቲ ደኣምበር ንህዝቢ ኣይኮነን። እዚ ክሳብ ዝኾነ ኣይኮነንዶ ሓለፍትስ እቶም ተራ ኣባላት’ውን ጋዜጠኛታት’ዮም ኢልካ ክትሓስብ ዝከኣል ኣይኮነን ንዓይ’ውን ሓዊስሲ ከም ስራሕ። ምኽንያቱ ባህሪ ናይ’ቲ ሞያ ክትመሃሮ እንከለኻን ኣብ ግብሪ ክትሰርሓሉ  እንከለኻን በበይኑ’ዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ።

 ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መሬት ዘየለ ነገር ኣብ መስኮት ናይ ኤረ ቴቪ ክፍጠር ይድለ። ኣብ ባይታ ንዘየለ ነገር ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ከተምጽኦ ይድለ። ኣብ ባይታ ንዘየለ ነገር ኣብ ጋዜጣ ሓዳሽ ኤርትራ ኣምጺእካ ሰብ ከተእምን ይድለ። ስለዚ እታ ናይ ብሓቂ ንምነያ እታ ናይ ብሓቂ ክንሪኣ ንደሊ ፍትሓዊት ኤርትራ ኣብ መሬት የላን። ኣብ እንዳ ዜና ጥራሕ’ያ ዘላ። ኣብ ጽሑፍ’ያ ዘላ። ኣብ ሙዚቃዊ ድራማ ኣብ ተዋስኦ’ያ ዘላ። ስለዚ ኣብ ሚዲያ ኮፍ ኢሉ ነቲ መንግስቲ ጥራሕ ዘገልግል ሰብ ናይ ህዝቢ ጋዜጠኛ ኣይኮነን ካድር’ዩ። በቲ መንግስቲ ካድርነት ደኣምበር ጋዜጠኝነት ስለዘይድለ፡ ሞያዊ ብቕዓትካ ኣብ ቅድሚት ኣይመጽእን’ዩ። ንመንግስቲ ዘለካ ተኣማንነት’ዩ ከም ቀዳማይ ረቛሒ ክመጽእ ዝድለ። ካብ ንህዝቢ እሙን ክትከውን ነቲ መንግስቲ እሙን ክትከውን ኢኻ ብቐዳምነት ትሕተት። ንሳያ እታ ቀዳማይ ቦታ ዘለዋ። ሞያውነት’ሞ ሳልሳይ ራብዓይ ደረጃ’ዩ ዝሕዝ። ክሳብ ክንደይ ጋዜጠኛ ናይ ምዃን ዝምባለ ኣለካ፡ ንጋዜጠኝነት ከም ሞያ’ኸ ብሂግካዮ ትፈልጥ ዲኻ ኣይትፈልጥን ኣብ መጽናዕቲ ክኣቱ ኣይድለን’ዩ። እታ ቀዳመይቲ ትድለ ንኣካይዳ ናይ’ቲ መንግስቲ ኣሚንካ ተቐቢልካዮ፡ ክሳብ ክንደይ ‘ከ ነቲ መንግስቲ ምስ’ቲ ህዝቢ ከተተዓርቖ ሕልናዊ ቁሩብነት ኣለካ እዚ’ዩ እቲ ከም ቀዳማይ መዕቀኒ ዝኣቱ። ስለዚ ኣይኮነን’ዶ ብደረጃ ሓላፍነት ተመዲቡ ዝሰርሕ ሰብ፡ እቶም ኣቐዲመ ሓለፍትና ንብሎ ሓለውትና ዝበልኩኻ፡ እቲ ተራ ኣባል’ውን ኣመለኻኽትኡ’ዩ ዝጽናዕ።

ኣቐዲመ ከም ዝገለጽክዎ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከም ቁጽሪ 1200 ሰራሕተኛታት ኣለው። ካብ’ዚ ክንድ’ዚ ዝኣክል ሰብ ክንደዩ ብኣካዳሚያዊ፡ ብተመክሮ ስራሕ፡ ብዝምባለ’ውን ነቲ ሞያ’ቲ ዝበቕዖ እንተደኣ ኢልካ፡ ካብ 300 ክሳብ 400 ሰብ ኣይበዝሕን’ዩ። እዚ ክንድ’ዚ ዝኣክል ቁጽሪ ሰብ ደኣ እንታይ ይገብር ኣሎ ኣብ’ቲ ትካል እንተደኣ ኢልካኒ፡ ብመሰረቱ ናይ’ቲ ሚኒስትሪ ዜና ሽግር ጥራሕ ዘይክኸውን ይክእል’ዩ። ናይ’ቲ መንግስቲ ኣካይዳ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ናይ ዓቕሚ ሰብ ፖሊሲ፡ መንእሰያት ኣብ ክንዲ ነቲ መንግስቲ ራሕሪኦም ካብ ሃገር ዝወጹ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስቪላውን ወተሃደራውን ትካላት፡ ብስመ ሰራሕተኛታት ኮፍ ከም ዝብሉ ገይርካ፡ ኲናት ኣብ ዝጽሕትረሉ እዋን ኣብ ቅድመ ግንባር ከይዱ ዝሞተሉ ሰብ መታን ክረክብ ኢሉ ዝጥቀመሉ ሜላ’ዩ። ስለዚ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እቲ ኣካይዳታት ክትሪኦ እንከለኻ ናይ ግበር ኣይትግበር ኣካይዳ’ዩ። ማዕረ ክንደይ ሞያተኛ ኢኻ። ማዕረ ክንደይ ነቲ ሞያ ብትምህርትን ብግብርን ትፈልጦ ኣይኮነ እቲ ዘገድስ። ኣብ ኣኼባታት ዝቐርብ ጸብጻባት፡ ኣብ እዋን መገሻ ምሳኻ ዝለኣኹ ተኸታተልቲ ኣለው። ብፍላይ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት ከኣ ዝተመስረታ ኮሚቴታት ኣለዋ። ናይ ዲስፕሊን ኮሚቴ’ዩ ስሞም፡ ስም ክወሃብ እንከሎ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ስም’ዩ ዝወሃብ እቲ ሽፋን። እቲ ቀንዲ ተልኾ ናይ’ቲ ብኮሚቴ ዝቐውም ትካላት ግን፡ ውልቀ ሰባት እንታይ ይብሉ እንዳተከታተልካ ጸብጻብ ምምሕልላፍ’ዩ። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኩሉ ግዜ ሕማቕ ኣብነት ናይ ጽቡቕ ኣብነት ይቀንጸል ዝብል መምርሒ ኣሎ። ሕማቕ ኣብነት ናይ ጽቡቕ ኣብነት። ሓንቲ ኣሃዱ ክመርሓልካ ኢልካ ኮፍ ዘበልካዮ ሓላፊ፡ ምስ መሳርሕቱ ጽቡቕ ዝምድና እንተሃልይዎ፡ ስምረትን ስኒት እንተደኣ ሃልይዎ በቲ ትካል ከም ስግኣት’ዩ ዝረአ። ብኣባላቱ ፍትው ዝኾነ ሓላፊ ኣይድለን’ዩ ኩሉ ግዜ። ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሕድሕድ ስምምዕ ክህሉ ኣይድለን’ዩ።

 ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ናይ ኣተሓሳስባ መስመር እንተደኣ ኣሊኻ ኮይንካ፡ ከም ሓደ ኣካል ኮይንካ ኢኻ ክትሓስብ ትጅመር። ከም ሓደ ኣካል ኮይኑ ዝሓስብ ድማ ኣስጋኢ’ዩ። ዋላ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይ’ቲ ኣባል ፋሕፋሕ ከም ዝብል ይግበር። ንሓንቲ ኣሃዱ ኣብ ሰለስተ ኣርባዕተ ጉጅለታት መቓቒልካ፡ በበይኖም ዘዕልሉ በበይኖም ሻሂ ዝሰትዩ፡ ዝተሓማመዩ፡ ንሓላፊኦም ዘይፈትው፡ ንሓላፊኦም ከም ሓላፊኦም ዘይኮነ ከም ዋርድያ ዝጥምቱ፡ ከም’ዚ ዓይነት ብትንትን ዝበለ ቅርጺ ዘለዎ ኣባል ክህሉ’ዩ ዝድለ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሚኒስትሪ ዜና።

ስለዚ ከኣ ምስ ኣሃዱኡ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎ ሓላፊ እንተሃልዩ ካብ’ታ ኣሃዱ ክእለ’ዩ ዝግበር። ቅንጸላ ክብለካ እንከለኹ ሕጂ ቅንጸላ ናይ መንነት’ዩ። ንፉዕ ኣባል እንዳሃለኻ ከም ሕማቕ ኣባል፡ ህርኩት ኣባል እንከለኻ ከም ህኩይ ኣባል፡ ኣድማዕን ውጽኢታውን እንከለኻ ከም ዘይተድምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣባላትን ሓለፍትን ናይ መንነት ቅንጸላ፡ ስም ምጥፍእ፡ ጸለሎ ምቕባእ ዘይስሙ ምሃብ ከም ዕላማ ተታሒዙ ይስረሓሉ። ኣብተን ዘለውወን ኣሃዱ ኣዝዮም ንፉዓት ወሰንቲ ዝኾኑ ሰባት ኣለው። ግን ወሳንነቶም ፈሊጦም መታን ሓበን ከይስመዖም፡ ናይ ሞራል ውድቀት ናይ መንፈስ ምድኻም ኣብ ውሽጦም ከም ዝሓድር ምግባር’ዩ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዝካየድ። ሞራሉ ሓያል ዝኾነ ዝተሰመዖ ዝዛረብ ኣመለኻኽትኡ ብትኽክል ዝገልጽ ሰብ ኣይድለን እዩ። ጋዜጠኛ ነዘን ነገራት ክዓጥቕ የብሉን። ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ ጋዜጠኛ ክዓጥቖ ዝደለ፡ ዓይኑ ዓሚቱ ነቲ ስርዓት ምድጋፍ፡ ዝረኣኻዮ ኣይረኣኹን ዝሰማዕካዮ ኣይሰማዕኩን ከምዚ “ትንፈር እምበር ጤል’ያ” ዝዓይነቱ ኣመለኻኽታ ዘለካ ክትከውን እዩ ዝድለ።

ሓደ ግዜ ዝተገብረ ከም ኣብነት ክጠቕሰልካ፡ መቸም 03 ዝበሃል ትካል ኣብ ኤርትራ እቲ ዘይድህሰስ፡ ዘይጭበጥ፡ ቤት ጽሕፈት ዘይብሉ፡ ግን ዓቢ ትካል እዩ ኣብ ኤርትራ። ብመንገዲ 03 /ባዶ ሰለስተ/ ጌርካ ዝፍጸም ጉዳያት ብዙሕ እዩ። ስለዚ ነፍስ ወከፍ ትካል ነናታ ኣሃዱ 03 ኣለዋ ክበሃል ይከኣል እዩ፡ ወላ’ኳ ብደረጃ ኣሃዱ ኮፍ ዝበለ ኣይኹን። ሓደ ግዜ ኣብዚ ናይ ኣመለኻኽታ ጉዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ዘሎ ኣባል ዳርጋ ኩሉ ነገር ዝኣኸሎ ዝወደአ ምዃኑ ስለዝተፈልጠ፡ ካብቲ ነቲ ስርዓት ይድግፍ እዩ ዝበሃል፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ሓቢእዎ እዩ እምበር ኣንጻር እዚ ስርዓት እዩ ዝበሃል ከም ቁጽሪ ብዙሕ እዩ ስለዝተባህለ፡ ብመንገዲ 03 መጽናዕቲ ክግበር ተወሲኑ። ዝተወሰኑ ማሕዮታት ጌርካ 03 ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ወረ ተፈኒዩ። እቲ ወረ ዓሊ ዓብዱ ካብዚ ትካል ተቐይሩ ኣምባሳደር ባዱሪ ክትክኦ እዩ ተባሂሉ። ሕጂ ኩሉ ግዜ ብሰንኪ ጨቋኒ ኣተሓሕዛ ናይቲ ትካል ዒፍ ዝበሎ ኣባል ስለዝበዝሐ፡ ዓሊ ዓብዱ ክቕየር’ዩ እንተተባሂሉስ እቲ ኣባል ሽዑ ንሽዑ ውሽጣዊ ስምዒቱ ክገልጽ’ዩ ስለዝተባህለ፡ እዛ 03 ንከባቢ ክልተ ሰሙን ከም ትኸይድ ተገይሩ። መወዳእትኡ ከኣ፡ ረቡዕ ረቡዕ ብስም ፖለቲካ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ሜዲያ ነካይዶ ትምህርቲ ‘ውን ስለዘሎ ቆጸራ ጌሮምልና። ጽባሕ ረቡዕ ንኹሉ ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ዝምልከት ፍሉይን ኣገዳስን ጉዳይ ስለዘሎ፡ ዝኾነ ሰብ ከይተርፍ ምትራፍ ኣይፍቀድን እዩ ተባሂሉ። ንከባቢ ክልተ ሰሙን እታ ወረ ክትከይድ ስለዝቐነየት ኦ እታ ነገር መዕለቢ ተገይሩላ ማለት እዩ፡ ብወግዒ ክነግሩና’ዮም ተባሂሉ ሰብ ተኣኪቡ ከይዱ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ግን ሰብ በብወገኑ ዝተፈላለየ ዘረባ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ። ማዕረ ማዕሪኡ ‘ውን ነቲ ዘረባ ዝቐድሑ ሰባት ነይሮም። መወዳእትኡ ግን እቲ ዘረባ ሓሶት ምዃኑ ንሎሚ ዝመደብናዮ ኣጀንዳ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ንካልእ መዓልቲ ተመሓላሊፉ ኣሎ፡ ስለኮፍ ዘበልናኩም ስለዝደንጎናኩም ይቕሬታ ተባሂሉ እቲ ኣኼባ ተበቲኑ ማለት እዩ። ክንደይ በቲ ትካል ዘማረረ ሰብ ኣሎ ግን በስማትን ብቑጽርን ተፈሊጡ። ሕጂ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ኣሎ። እቲ ምኒስትሪ ዜና እምበር’ከ ስቪላዊ ትካል ድዩ ዘብል ኣቋውማ እዩ ዘለዎ። ኣብ ሓደ ዘይደሞክራስያዊ ስርዓት ዘሎ ወተሃደራዊ ትካል እዩ ሓደ ሰብ ወሲዱ ዝኣስረካ ወይ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ዝቐጽዓካ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዝኾነ ሓላፊ ክኣስረካ ይኽእል እዩ፡ ዓሊ ዓብዱ ክኣስረካ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ኣብ ከባቢ ወርሒ ጥቕምቲ 2007 ዝተኣስሩ ኣባላት ነይሮምና። ከም ብዓል ኣሕመድ ባህጃ፡ ሰናይት ተስፋይ፡ ጳውሎስ ኪዳነ፡ ዳኒኤል ሙሴ፡ ተመስገን ኣባይ፡ ኣሕመድ ዑመር ሼኽ፡ የማነ ሃይለ፡ ፍትሕያ ኻልድ፡ ኣሚር ኣሕመድ፡….ወዘተ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዘይ ዝኾነ መጽናዕቲ ስቕ ኢሎም ስግኣት እዮም ዝብል ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮም ወሲዶም ንከባቢ 45 መዓልታት ኣሲሮሞም። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተው እታ ቀዳመይቲ ሕቶ ዝተሓተትዋ ናይ E-mail ኣድራሻ ID password ኣረክቡ ተባሂሎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኢ-ሜይሎም እንታይ ከይገብሩ ስለዝተፈርሐ እዩ? ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይኮነን ንሰብ ንጽላለቶም ይኣምኑ’ዮም ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ንዝኾነ  ኣመለኻኽትኡ ደስ ዘይበሎም ሰብ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም መርምሩልና ኢሎም ንዘይተወሰነ መዓልቲ ከም ድላዮም ክኣስሩ ይኽእሉ እዮም።

 ምስ ኣባላት ሬድዮ ባና ዝተኣስሩ ኣባላት ኣለውና፡ ከም ብዓል ኢሳቕ ኣብርሃም፡ ግርማይ ኣብርሃም፡ ምሉብርሃን ሃብተገብርኤል፡ ሃብተማርያም ነጋሲ ዝኣመሰሉ ጋዜጠኛታት ኣለው። ንኣብነት እታ ናይ ሃብተማርያም ነጋሲ ከም ፍልይቲ ክነግረካ፡ ሃብተማርያም ነጋሲ ማለት ናይ ኤሪ-ቲቪ ቋንቋ እንግሊዝ ዴስክ ሓላፊ ማለት እዩ። እቲ ንሳቶም ዝሰርሕዎ መደባት ኩሉ ብእንግሊዘኛ ‘ዩ። እቶም ንሳቶም ቃለ-መጠይቕ ዝገብርሎም ሰብት ድማ ጸዓዱ ክኾኑ ባህርያዊ እዩ። ምስ ጸዓዱ ምርኻቡ ከም ሕማቕ ስለዝተወስደ ጥራሕ እዩ እዚ ሰብ ተኣሲሩ። ካልእ ግዜ’ውን እዮብ ከሰተ  ናብ ኢትዮጵያ ክኸይድ ደልዩ ተባሂሉ ተኣሲሩ። እዮብ ከሰተ ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ደሊኻ ኣይትረኾን ኢኻ ሽታማይ ኮይኑ። ብተመሳሳሊ ጋዜጠኛ በረኸት ኣብርሃም። ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ‘ውን ስግረ ዶብ ሓሲብካ  ተባሂሉ፡ ሓሲብካ ዲኻ ኣይሓሰብካን ብጀካኻ ዝፈልጣ ዘየለ ክነሱ፡ ወላ ‘ውን ሓሲብካ ተባሂልካ ኢኻ  ትእሰር። ከምኡ’ውን ሃይሰም መብራህቱ፡ ኩሉ ግዜ ራዕድን ሽበራን እዩ። መዓስ ‘ዮም ዝመጹኻ መዓስ ‘ዮም ዝኣስሩኻ ከመይ’ዮም ዝርእዩኻ ዘለው ኣይትፈልጥን ኢኻ። ኩሉ ግዜ ኣብ ስግኣት ክትነብር ‘ዮም ዝደልዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ስግኣት እንተድኣ ሃሊኻ ንሳቶም ከምዚ ደኾን ይደልዩ ይኾኑ ከምዚ ደኾን ይፈትው ይኾኑ እናበልካ እቲ ዝበለጸ ኣገልጋሊ ክትከውን ስለዝደልዩኻ እዩ።

ሚኒስትሪ ዜና ከም ትካል ካብዚ ውሽጢ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2009 ክሳብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ዓመተ 2012 ጥራይ፡ ክልተ ዓመት ኣብዘይመልአ ግዜ ምሳይ ወሲኽኻ 26 ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ኣተሓሕዛ ካብ ሃገር ክወጹ ዝገበረ ትካል እዩ። ኣስማቶም ክጠቕሰልካ፡ ኢንጅነር ሚኪኤል ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ዜና ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረ፣ ብዓልፋን ተስፋይ ዋና ኣሰናዳዊ ሻባይት ዶት ኮም፣ በየነ ገብረዮሃንስ፣ ሚኪኤል ባህታ፣ &#

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,917,163 وقت التحميل: 0.24 ثانية