Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጊሰ&#47
أخبار

ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጊሰን

ሃገረ ጀርመን።

 Geson city July 012 A.jpg

ዕለት 7.07.2012 ኣብ ከተማ ጊሰን ሃገረ ጀርመን ዕውትን ዘደንቅ ፍጻመታት ተራእዩ። ብሓቂ ልዑል ተሰታፍነት ናይ ተቓውምቲ ብዉዕዉዕ መንፈስ ፍሉይ ዘደንቅ ኣዋዳድባን፡ ንኽውንነት ህልዊ ዘስካሕክሕ ናብራ ኣህዛብ ኤርትራ ዝገልጽን፡ ንውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዘቓልዕን፡ ንሰዓብቱ ኣብ ራዕዲ ዝሽምምን፡ ኰይኑ ከም እተረኽበ ማንም ተቐምጣይ ጊሰን ዝዕዘቦ ዝነበረ እዩ። ኣገልገልቲ ህግደፍ ርእሶም ኣድኒኖም የማነ ጸጋም ቀባሕ ቀባሕ እናበሉ ክሓልፉ ክርአ እንከሎ: ንጹር መርገጺ ከም ዘይብሎምን ኣንጸር ህዝቦም ብምስላፎም ዝሓፈሩላ መዕልቲ ኰይና ከም እተሰምዓቶም ከይና ትርአ ነይራ ኣንተተባህለስ ኣይተጋነነን።

Geson city July 012 B.jpg

ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ጭካኔ ዝመልኦ ተግባራት ቅጭጭ ከይበሎም ንተጎሰስቲ ሰዓብቶምን ገለ ጸዓዱን ብሐሶት ፕሮፖጋንዳ ልቦም ሰሊቦም፡ ኣብ ናይ ዕብዳን ዳንኬራ ኣብ ጊሰን ሜሰ ሄሰን ኣደራሽ ከላህይዎም እንከለዉ፡ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ካብ መላእ ጀርመንን ስዊጸርላንድን ሆላንድን ወዘተ… ዝመጹ ኤርትራውያንን ከምኡውን ግዱሳት ጀርመናውያንን ኣባላት ፈደራላዊ ባቶይን ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ገለ ሰበስልጣን ባይቶ ከተማ ጊሰንን ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናትን ምሳና ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ሓቢሮም ውዒሎም ኢዮም።

እዚ ኣብ ጊሰን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ንነዊሕ ጎስጓስ ዝተኻየደሉ እዩ፡ ከምኡ’ውን ተቐማጦን ኣመሓደርትን ከተማ ጊሰን ብኑጹርን ብደቂቅን ንዅነታት ሃገርና ክፈልጥዎን ኽርድእዎን ኣለዎም ብዝብል ጎስጓስ ድሕሪ ምግባር: ምስ ብርክት ዝበሉ ጀርመናውያን ብምትሕብባር ኣብ ዓወት ክበጽሕ ኪኢሉ። ዓርቢ ዕለት 6 እውን እንተኾነ ስለምንታይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣድለየ ብዝብል መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ሓበሬታ ናይ ምሃብ መድብ ከም ዝነበረን መንእሰያትና ዝኣክል መብርሂታት ዝሃቡሉን ዓወት ዝተጐናጸፉሉን ድሮ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ እውን ከተገልጸ ክሓልፍ ዘይብሉ እዩ።

ከተማ ጊሰን፡ ሓንቲ ካብ ከተማታት ጀርምን ዓቢ ታሪኽ ዘለዋ ከተማ እያ: ከማኡውን ኣኣንጋዲት ስደተኛትት ከም ምኻና ኸኣ ትፍለጥ። ስለ’ዚ እቲ ኣብ  ሙሉእ ዓለም  ብጭቖናኡ ዝተፈልጠን ዝተፈንፈነን ዲክታቶር ኤርትራ፡ ኣብ’ዛ ታሪኻዊት ከተማ ጊሰን  ንእከይ ተግባራቱ ዘገልግሎ ገንዘብ ንምእካብን ፕሮፓጋንዳ ንምግባርን ብኽመይ ክፍቀደሉ ኪኢሉ ብዝብል ሞጎተ: ብሓቂ ድሕሪ ነዊሕ ዝተፈላለየ ሰሚናር ክርድእዎን ክፈልጥዎን ኪኢሎም ኣለዉ:: ኣብ ፓርላማ ከተማ ጊሰን’ውን እንተኸነ ብሰሙኑ ኣብ ጽቡቕ ምርደዳእ ክብጻሕ ተኻኢሉ እዩ። ንዝመጽእ ዘሎ ጊዜታት ጉጅለ ህግደፍ ፈስቲቫላቱ ኣብ ከተማ ጊሰን ከካይድ ዕድል ኣይክህልዎን እዩ::

Geson city July 012 C.jpg

ኣባል ፈደራልዊ ፓርላማ ዝዀኑ ኣቶ ቶም ኮኒጊስ ኣብ ዘስምዖ  መደረ “….. ድሕርሕጂ ከተማ ጊሰን ኣአንጋዲት ውጽዓትን ደሞክራስያውያንን እንበር ንዲክታተርያውያን ቦታ ኣይክትህቦምን እያ …..”፡ ቀጺሎም ድማ “…. ኣንጻር ዲክታቶር ህግደፍ ካብ ሕጂ ንደሓር ንበይንኹም ኣይኰንኩምን ንሕና’ውን ኣብ ጐድንኹም ተሰሊፍና ኣሎና …” እናበሉ ዘረባኦም ደምደሙ:: ሰልፈኛ ከም ናይ ዓሚ ኣብ ከባቢ ዳንኬራ ህግደፍ ዝገብረሉ ቦታ ተወሲኑ ኣይተረፈን፡ አንታይ ድኣ ንተቐማጦ ጊሰን ኮነፍልጦም ኣሎና ብዝብል መደብ ካብ መሰ ጊሰን ጀሚሩ፡ ስነስርዓቱ ሓልዩ: ካብቲ ዝተዋህቦ ቦታታትን መንገድታትን ከይሓለፈ፡ ሕጊ ከይጣሓሰ፡ ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገልጽ ጽሑፋት እናዓደለን ብዓውታ እናጨደረን ማእከል ከተማ በጽሐ። ተቐማጦ ጊሰን ካብ ገዝኦም እናወጹ ብጣቅዒትን ናይ ሰላምታ ጭደራን ከሰንይዎን  ክምልከትዎን እንከሎዉ: ብሓቂ ዕውትን ውዕውዕን ዝምስጥን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ የርኢ::

ንፍትሕን መሰል ኣህዛብ ኤርትራ ከም ዝኽበር ንምግባር፡ ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ካብ ሱሮ ተማሕዮም ክሳዕ ዝኸዱን ኣብ መቓብሮም ደማክራስያዊት ኤርትራ ክሳዕ ትትከልን ከምዚ ዝኣመሰለን ክብኡ ዝውዕን ሰላማዊ ሰልፍታት ካብ ምስልሳል ዓዲ ዝውዕል ከም ዘየሎ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ጊሰን ንካልኣይ ጊዜ ኣምስኪሩ እዩ።

Geson city July 012 D.jpg

ውድቀት ንጉጅለ ህግደፍ

ሓድነት ሓይልታት ኤርትራ ይደልድል

ዅሉ ኣብ ሓደ ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ይጠርነፍ

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ

ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ

በርገሳውያንን ፖለቲካውያንን ውድባት ኤርትራ ኣብ ጀርመን

15.07.2012

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,310,592 وقت التحميل: 0.22 ثانية