Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ጉባኤ ፈደ&#465
أخبار

ER Federa slogan Jul 012.jpg

ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ጉባኤ

ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

ኣብ ዞባና ዓቢ ጽልዋ ዘለዎም ዝኽሰቱም ዘለዎ ዝዕባታትን ለውጢታትን ከም'ውን ኣብ ሃገርና ብስንኪ ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ ዘሎ ሑማቕ ውድዕነትን ምንቆልቋልን ኣብ ዝተፈላልዩ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መዳይትን ኣብ ዘለውሉ እዋን ፈ.ደ.ም.ኤ ነዚ ውድዕነት'ዚ ብዕምቀት ክንበብን ንምልካውን ኣዕናውን ተግባራት ሰርዓት ህግደፍ ብምግጣምን ኣብ ዝሓልፉ ዓመታት ኣስፊኑዎ ዘሎ ናይ ሕስረት ሂውትን ጠቕላላ ዕንወትን ንምውጋድ ሰነ-ፍልጠታውን ግብራውን መልሲታት ክህብሉ ኣግዲዱዎ።

እዚ ኩነታት ከምዚ እናህልወ ብመስረት ውሽጣዊ ውድባዊ መምርሒን ኣብ ዝተውስንሉ ጊዜን ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ (ውጽኢት 3ይ ጉባኤና፡ ገድላዊ ምኽሰባትና ንምዕቓብን ኣብ ግዕዞ ውድብና ዓይነታዊ ዝላ ንምርግጋጽን'ዩ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ተማ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 04 ሓምለ 2012 ብምክያድ ነዞም ዝስዕቡ ኣረጋግጹ፡- 

ቀዳማይ፡

1/ ኣባልነት ጉባኤ፡

ፈ.ደ.ም.ኤ ብርከት ዘብሉ ኤርትራውያን ዝርክብሉ ከባቢታት ዝተጨብጠ ሰፊሕ ነጥፈታት ብምክያድ ብውጽኢቱ ዓይነታዊ ተሳትፎ መንእስያትን ደቂ ኣንስተዮን ከም'ውን ገለ ምሩቓት ዝተፈላልዩ ዮኒቪርሰታት ሱዳን ብምርግጋጽ ኣብ ክይዲ ስርሓት እቲ ጉባኤ ይኹን ኣብ ክትዓቱን መደምደምታቱን ዓቢ ገደ ነበሩ።

2/ ውድባዊ መዳይ፡

ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ነፍሰ ወከፍ ብቅዓትን ክእለትን ዘለዎ ኣባሉ ብግሉጽን ናጻን ደሞክራስያዊ ምርጫ ኣብ መሪሕነት ክምጽእ ከምዝኽእል ብመሰረት ዝውነኑ ውድባዊ መርሆ ብምርግጋጽ ስርሓት ጉባኤ እተምሓደር ተምሪጻ ዘንበረት ሰከረታትርያ ካብ 11 ሰብ ብምቛም እቶም 8ተ መንእስያትን ንመጅምርያ ጊዜ ኣብ ከምዚ ኣምስለ ምድላዋት ዝኣትዎ ክኹኑ እንክልዎ እቶም 3ተ ከኣ ተምክሩ ዘለዎም ነብሮ። ነዚ ናይ ምሕዳስ መርሆ'ዚ ክውን ንምግባር መስራቲ መሪሕነት ኣብ ቦታኡ ክቅጽል ከምዘይሃረፍን ንመንእስያት ናይ ምተኽኻእ ዕድል ክህብን ኣረጋግጹ። ብዚ መሰረት ከኣ፡ ካብ ኣዝዮም ኣስርቲ ቅይዲታት ብምርሓቕ ጉባኤ ሓዲሽ መሪሕነት ክምርጽ ምሉእ ናጽነት ከምዘለዎ ኣስሚርምሉ'ዮም። 

ቅጻልነት ግልጽነት ንምርግጋጽን መሓዙውቲ ቃልስና ብምስታፍ ንውጽኢታት ጉባኤና ብሃንጺ ርኢይቶታቱም ንምድንፋዕን ኩሉም ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ዲምክራስያዊ ኪዳን ተዕዲሙምን ነዞም ዝስዕቡ ውድባት ከኣ፡ ከም ተዓዝብቲ ክኹኑ ዓድመ፡-

-    ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

-    ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

-    ሰልፊ ደሞክራሰ ህዝቢ ኤርትራ'ዮም።

 ተዓዝብቲ ተሳትፎኡም ኣብ ምጉልባት እቲ ክተዓት ዓቢ ተራ ነበሩ። ፈ.ደ.ም.ኤ ከምዚ ዘኣምስለ ተብግሱ ክውሲድ እንክሎ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ርሕቀት ንምቅሪራብን ንህልውን መጻኢን ሓበራዊ ሽርክነት ንምዕዛዝን ኣገዳስነቱ ንምርግጋጽ'ዩ።

3/ ክንፈ ህዝባዊ ምክልኻል፡

ብ2007 ዝተምስረተ ክንፈ ህዝባዊ ምክልኻል ኣብ ዝሓልፉ ዓመታት ኣብ ምዕቃብ ምኽሰባት ህዝብን ምምካት ጨፍጫፊ መሓውራት ሰርዓት ህግደፍን ብዝረኣዩዎ ነጥፈትን ተዓጻጽፍነትን ኣብ ግዕዞ ፈ.ደ.ም.ኤ ኣገዳሲ ዝላ ክርጋግጽ ኽኢሉ። ጉባኤኛታት መሪሕ ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምግጣም ምልካዊ ሰርዓት ዝርኢዩ ዘሎ ተቁራጽነትን ተብዓትን ከም'ውን ንዝውፍዮም ጅጋኑ መናኢሰ ሰውኣትን ነኣዳኦም ኣመሓላሊፎም። ዓቕምታት ሳጢን ምትሒግጋዝ ሰድራ ቤት ሰውኣትን ኣካለ ሱንኩላንን ክስፍሕን ክግልበትን ብምርኣይ ድልውነቶም ኣርጋግጹም።

ካልኣይ፡ ኩነታት ኤርትራ፡

1/ ጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ፡

ኣዕናዊ ኣካይዳ ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍን ሰዕቢናቱን ሃገርና ኤርትራ ብስንኪ ዝላዕለ ውሓዚ ስደት ብፍላይ ምርሕራሕ መንእስያት ናብ ከቢድ ሓደጋ ክተሳጠሕ ገይሩዋ ኣሎ። በተውሳኺ ስርዓት ህግደፍ  ብዞባውን ኣህጎራውን ማሕብረ-ሰብ ጠንቂ ምኽነያት ጸገማትን ዕነውትን ጉራባብቲ ሃገራት ምዃኑ ብምሳዶም ኣብ ክሊ ጸላኢ ኣቅሚጠሙ'ዮም። ጉባኤ ብ2009 ብባይቶ ጽጥታ ሕቡራት መንግስታት ዝውስዱ ቁጠባዊ ማዕቀብ በብጊዜኡ ኣናተረረ ብምኻዱ ዞባውን ኣህጎራውን ማሕበረ-ሰብ ንተራ ሃገራዊ ተቓውሞ ንምርዳእ ናብ ባና ምቅሪራብ ይኽይድ ከምዘሎ ዝመላኽት ይኽውን። ሰለዚ ሎሚ ደንበ ተቓውሞ ኣብ ምግጣም እቲ ስርዓት ዓይነታዊ ዝላ ንኽግበር ምቹእ ባይታ ኣለዎ'ዩ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ሰርዓት ህግደፍ ካብ ዞባውን ኣህጎራውን ማሕበረ-ሰብ ትንጺሉ ይርከብ።

ካብዚ ብምብጋስ ሰርዓት ህግደፍ ስጥመትን ሓይልን ኣለኒ ይብል ኣሎ ይኹን ዳ'ምበር ከም ቀደም ኣብ ወጻኢ ጽልዋ ክሕድርን ኣብ መዳያት ምሕድራ ሃገር ፍሽለቱ ንምፍዋስ ምተካእቱን ዳግማይ ጽገና ከግበርን ከምዘይ ይኽእል ብምግንዛብ ዝላቱ እንኩ ዕድል ከኣ፡ ካብ ሱልጣን ምውራድ ወይ ካብ ኤርትራ ብሕስረት ምሃዳም ጥራሕ'ዩ ዕጫኡ። ስሰለዚ ንኩሉም ኣባላት ስቪላዊ ኣግልግሎትን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኣብ ጎኒ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቦም ብምስላፍ ተራኡም ኣብ ዝካይድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ክብርክቱ ጉባኤ ይጽውዕ። ተምክሕታውን ጨፍጫፊን ስርዓት ህግደፍ ዝኽትሉ ዘሎ ፖለሲታት ከም ምጥፋእ ኤርትራዊ መነንትን ምፍንቃልን ኣስጋዳድ ሰፍራን ንስረታት ብሓባር ምንባር ኣብ መንጎ ዘተፈላሉ ኣኳዋውና ህዝቢ ኤርትራ ዝሃሲ ብምዃኑ ጉባኤ ኣኹኒንዎ'ዩ። ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ብዝምልከት ዝጋጥሙም ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ሽግራት ንምፍታሕ ንሕብረተ -ሰብ ዓለምን ኣህጎራዊ ሰብኣዊ ተካላትን ሓልፈነታዊ ተራኦም ክጻውቱ ይጽውዕ።

2/ ሃገራዊ ተቓውሞ፡

ኣብ ላዕሊ ብዛዕባ ሰርዓት ህግደፍ ዝቅምጥናዮ ግምጋም ንክይዲ ዕዩ ሃገራዊ ተቓውሞ ንምግልባት መስረታዊ መብግስና ይኽውን። ጉባኤ ድሕሪ ዓሚቕ ክትዕ ኣብ ዙርያ ፖለቲካዊ መደብ _ዕዩን መሪሕ ሓሳብን ናብ ዞም ዝስዕቡ መደምደምታ ብጺሑ፡-

ሀ.ንሕና ከም ኣካል ሃገራዊ ተቓውሞን ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ነፍሰ ውከፍና ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ልዑል ትኩራት ብምሃብ ኣብ ምግጣም ሰርዓት ህግደፍ ብዝግባእ ከንጥፍ ኣይኽኣለን።

ለ. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ደንበ ተቓውሞ ኣብ ሓደ ስፊሕ ጽላል ንምጠርናፍ ኣብ ነሓሰ 2010 ዝተኻይደ ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ምድላውን ምግባእን ከም'ውን ንምድላው ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዛዝ ተራ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢን ሎሎይ ተራ ነበሩ።

ሐ. ሃገራዊ ጉባኤ ብምክያድን ምምስራት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እምኒ ኩርናዕ ምጠርናፍ ስፊሕ ዓቕምታት ደንበ ተቓውሞ ክኽውን እንክሉ ንመንእስያት ውልዶ ብምስታፍ ብዝክኣል ኩሉ ተዓጻጻፊ መሳርሒታት ንስርዓት ህግደፍ ንምግጣም ኣብ ዝተፈላልዩ ኩርናዓት ዓለም ኤርትራውያን ዝርክብሉ ከባቢታት ሰለማዊ ሰልፊታት ብምካይድ ጽላዊ ተራ ክጻውቱ ብምብቃዑም ጉባኤ ይተባብዕን ኩሉም ውድባትን ሰልፊታትን ኤርትራ ደግፎም ክርጋግጹ ይጽውዕ።

ኩሉም ደልይቲ ለውጢ ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተጠርኒፎ ዘለዎ ተራኡ ኣብ ምእላይ ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍን ምተካል ደሞክራስያዊ ሰርዓትን ንምዕዛዝ ክከም ባህረን ተራን ፖለቲካውን ሰቪላውን ቅጸላውን .. ወዘተን ኣኳዋውናኡ ኣብ ስፊሕ ነጡፍን ጸላውን ጸላላት ብምዕያይ መድረኻዊ ዕማማት ባይቶ ንምፍጻምን ስረታት ዝድለ ደሞክራስያዊ ሰርዓት ኣብ ኤርትራ ንምትካልን ዓቢ ጻዕሪታት ብምግባር ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ብተግሃት ክረባርቡ ይግባእ። ብዚ መስረት ከኣ፡ ንመድረኻውን መጻኢን ዕማማት ኤ.ዲ.ኪ ከም መሪሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት መጠን ከም'ውን ንመድረኻዊ ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ጸላል መጠን ተራ ክልተኡ ኣካላትን ኣብ ክልተኡ መድረኻትን ብምዕቃብ ንተጋድሎ ኩሉም ድለይቲ ለውጢ ንምንጣፍ ፈ.ደ.ም.ኤ ዘይተሓለለ ጻዕሪታት ክካይድ ምዃኑ ይረጋግጽ።

ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ጠቕላላን ፈይናንሳውን ጸብጻባትን መሪሕ ሓሳብን ፖለቲካዊ መደብ-ዕዩን ሕጊ ህንጻን ድሕሪ ዓሚቕ ክትዕን ምምይያጥን ሃናጺ ሓሳብት ምልውዋጥን ምሰነናቕን ኣርማትን ምምሕያሻትን ብምጋብር ኣጽዲቁ። ጉባኤኛታት ብመስረት ሕጊ ህንጻ ድማ፡ 31 ምሉኣትን 4ተ ተጠባብቕትን ዝካተተ መብዛሕቲኡም መንእስያት ዝኾኑ ኣባላት ፈደራላዊ ባይቶ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ከምርጽ እንክሉ መስርቲ ፈ.ደ.ም.ኤ ዝኾኑ ገዳይም ተጋድልቲ ኣቶ/ እርሄ ሑምናካን ሸኽ/ ጀላልዲን መሓመድ ሳሊሕን ኣብ ኣህጎራዊ መዳያት ንጉዳያት ህዝቦም ንኽግልግሉ ካብ ውድባዊ ዕዩታትን ሓልፍነትን ናጻ ክኾኑ ኣፍቂዱ። ጉባኤ ንክልተኦም መስረቲ ፈ.ደ.ም.ኤ ኣመጊሱን ኣድኒቁን ኣብ ዕለታዊ ስርሓቱም ከኣ፡ ዓወትን ኣሳልጦን ክጨብጡ ተምኒቱ ይገልጽ።

ኣብ መውዳእታ ጉባኤ ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸነሐን ዘሎን ኩሉ ሸነኻዊ ምድግጋፍ ብፍላይ፡ ንምምሕዳራዊ መንግስቲ ትግራይን ከም'ውን ህዝብን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓብይቲ ዓድን ከተማ ሑመራን ንዝግብሩልና ኣስትንግዱን ምተሕበባርን ልዑል መስጋናኡ ይመሓላልፍ፡፡ ንኩሉም ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ መኽፍቲ ጉባኤና ንምስታፍ ካብ ቀረባን ርሑቕን ብምምጻእ ናይ ደገፍ ቃላት ብምሃቡምን ኣብ ክይዲ ስርሓት ጉባኤና ሃናጽቲ ሓሳባት ብምቅራቡምን ልዑል መስጋናኡ ይመሓላልፍ፡፡ ጉባኤ ናይ ደገፍ መግለጺ ብስልክን ኢ-ሜልን ዝሰደዱ ኩሉም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ብርግሳዊ ማሕበራትን መርበባት ሓበረታን ወልቀ-ሰባትን ልዑል መስጋናኡ ይመሓላልፍ፡፡

ዓውት ንሳልሳይ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ!!

ዝኽርን ምጉሰን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ!!

ሳልሳይ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ

04 ሓምለ 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,272,680 وقت التحميل: 0.22 ثانية