ሳልሳይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ስርሓቱ
ብምቅጻል ሰነዳቱ ብቅደም ተኽተል ኣጽዲቁ።
ኣድራሽ ሆተል ሲቲት - ሑመራ፡
04/07/2012
ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ ስርሓቱ
ብምቅጻል ቱማሊ ሰሉስ ኣብ ናይ ንግሆ ውዕልኡ ጉባኤኛታት ኣብ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ - ዕዩ ፈ.ደ.ም.ኤ ስፈሕ ሃናጺ ክትዕን ምይይጥን ኣብ መንጎ ክልቲ ውልዶታት ማለት ዓብይትን መንእስያትን ብምግባር
ሰነ-ሓሳብን ርኢይቶን ብምስነናቕ ፈ.ደ.ም.ኤ ንህልውን መጻኢን ዕላማታቱ ብንጥፈት ንምፍጻምን ሓይል ፖለቲካዊ ኣካል ንክኽውንን ትሕስቶኡ እቲ መደብ ዕዩ ንምድንፋዕን ተዕዝብቲታትን መማርጺ ሓሳብትን
ብምቅራብን እርማትን ምምሕያሻትን ብምንጻርን ጉባኤኛታት ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቁሞ።
ጉባኤ ኣብ ናይ ቅትሩ ውዕልኡ ምንቅስቓስና ዝሓልፎም መድረኻትን ዝጋጥሙዎ
ብድሆታትን ኣብ ሃገራዊ ዕዩ ዝምዝገቡም ምኽሳቫትን ኣብ ግዕዞኡ ዝጋጥሙ ኣሎታትን ዝተረጋግጹ ኣውንታትን ዝማልአ ጠቕላላ ጸብጻብ ፈ.ደ.ም.ኤ ዓሚቕ ክተዕ ብምግባር ሕቶታት ካብ ጉባኤኛታት ድሕሪ ምልዓሉ
ብመሪሕነት ፈ.ደ.ም.ኤ ኣዕቃቢ መልሲታት ርኺቦም።
ጉባኤ ስርሓቱ ኣብ ምክያድ እናህልወ ካብ ተጋ/ ኢብራሂም ሃሮን ኣቦ
መንበር ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፈር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ደገፍ መግለጺ ብምሰዳድ ክልተኡ ውድባት ፈደራላዊ ሰርዓት ዝሓሸ መማርጺ ፍታሕ ህልዊ ጸገማት ኤርትራን ምዕቃብ ሃገራዊ ሓድነትን ምዃኑ ብምእማን
ገድላዊ ሓድነት ብምደልዳል ንምፈጻሙ ከኣ፡ ሓብራዊ ጻዕሪታት ኣብ ምግባር ይርክቡ ምዃኖም ኣስሚሩ።
ጉባኤ ኣብ ናይ ሚሸት ውዕልኡ ኣብ ዝተፈላልዩ መዳያት ፈ.ደ.ም.ኤ
ዝምርኩስለም መደባትን ትልምታትን ዝገልጽ ሰነድ መሪሕ ሓሳብ ዕቱብ ክተዕ ድሕሪ ምግባር ኣጽዲቁዎ። ጉባኤኛታት ን4ተኡ ሰነዳት ድሕሪ ምጽዳቕ ደምዳሚ መግለጺ እተዳልው ሸማግለን ንሰነዳት እተጽፊፍ
ሽማግለን መዚዙም።
ጉባኤ ናይ ቱማሊ ውዕልኡ ምስ ዛዝመ ጥንታዊ ደራፍይ ሰውራ ተጋ/ ዓበ
ዓብድላ ብ`ቋንቋ ተግሪ መሳጢ ትርኢትን ስውራዊ ደርፊታትን ብምቅራብ ንጉባኤኛታት ኣዝናጊዑ። ብምቅጻል ጉባኤ ኣብ ናይ ሎሚ ውዕልኡ ፈደራልዊ ባይቶ ብምምራጽ ስርሓቱ ክዛዝም ተጽቢት ይግብርሉ።
ሽማግለ
ዜና
3ይ
ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ
|