ሳልሳይ ጉባኤ ፈደረላዊ ደሞክራስያዊ
ምንቅስቓስ ኤርትራ
ኣብ ኢትዮጵያ - ከተማ ሑመራ ብድምቀት
ተኽፊቱ።
ሑመራ፡ 01/07/2012
ብዕለት 01/07/2012 ሰንበት ድሕሪ ቅትሪ ኣብ ኢትዩጵያ ከተማ ሑመራ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ
ምንቅስቓስ ኤርትራ (ውጽኢታት 3ይ ጉባኤና፡- ገድላዊ መኽስባትና ንምዕቓብን ኣብ ገዕዞ ውድብና ዓይነታዊ ዝላ ንምርግጋጽን’ዩ!!) ኣብ ትሕቲ ዝብል ተማ ብውግዒ ተኽፊቱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ውኪል
ምምሕዳራዊ መንግስቲ ክለል ትግራይ ውኪል ምምሓዳር ከተማ ሑመራን መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ደቂ ኣንሰትዮ ከተማ ሑመራን ብምሳታፍ ንጉባኤናታት ናይ እንኳዕ ብድሓን መጻእኹም መልእኽቲታት
ኣመሓላሊፎም። ከም'ውን ኣብቲ መኽፈቲ ም/ኣቦ መንብር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ውክልቲ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ እርትራዊ
እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣል ኢስላሕ: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ውክልቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሑመራ ተርኽቡም።
መኽፍቲ እቲ ጉባኤ ብቃል ኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሳልሳይ ጉባኤ ፈ,ደ,ም,ኤ ብምኽፋት ኣብ ምድረኡ ንውከልቲ
መንግስቲ ኢትዩጵያን መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝቅረብሉ ዕድመ ብምኽባሮም ኣብ ጽንበል መኽፍቲ ብምሰታፎም መስጋናኡ ኣመሓላሊፎ። ብምቅጻል ንመስረሕ ምስነዳው ስፊሕ መግለጺ ብምሃብ ቀዳማይ
መድረኽ፡ሰነዳት ብምድላው ናብ ጨናፈራት ኦውሮጳን ሱዳንን ኢትዩጵያን እስቶራልያን ንክተዕ ብምውራድ ዘንበሮም ተዕዝብቲታን ለባውታትን ድሕሪ ምቅራቦም ናይ መውደእታ መልክዑ ንምሕዝ ነበረ። ካልኣይ
መድረኽ ዕማም ሕጸ ኣባላት ጉባኤ ነበረ። ብኡ መስረት ከኣ፡ ካብ ዝተፈላልዩ ጨንፈራት ፈ.ደ.ም.ኤ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ጉባኤኛታት ከምርጹ ተኽእሉ። ኣብ መውዳእታ ናብዚ ንምብጻሕ ብግልበቶምን
ብገንዘቦምን ኣብርክቱ ንዝግበሩ ብጾት ልዑል ምስጋናኡ ኣመሓላልፉ። ከም'ውን ንዝምደናታት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዩጵያን ነባሪ ከምዝኾነ ግለጹ። 3ይ ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ኣብ ከተማ ሑመራ ምክያዱ
ንዝምድናታት 2ተኡ ህዝብታት ዝድልድ ምዃኑ ኣስሚሩ።
ድሕሪ እዚ ናይ ደገፍ ቃላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ
ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ እርትራዊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣል ኢስላሕ: ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ: ገዳይም ሕርበኛታትን ደቂ ኣንስተዮን ተነበቦም። ኩሉም ምድልዳል ሓይልታት ደሞክራስያዊ
ለውጢ ንምቅላጣፍ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣድላይነት ከምዘለዎ ብምግላጽ ጉባኤ ብዓወት ከዛዝም ዘለዎም ትምኒት ግሊጾም። በተመሳሳሊ ካብ ዶ/ ዮሲፍ ብርሃኑ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ
ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሺኽ/ ኻሊል መሓመድ ዓመር ዋና ጻሓፊ እስላማዊ ስልፊ ኤርትራ ንልማዓትን ፍትሕን፡ ተጋ/ ሓሚድ ድራር ኣቦ መንበር ስልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽኽ/ ሓሰን መሓመድ ሰልማን
ኣቦ መንበር እስላማዊ ጉባኤ ኤርትራ፡ ተጋ/ ኑር እድሪስ ኣቦ መንበር ስልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ተጋ/ ሳሊሕ ሓዩትን ተጋ/ ኢብራሂም መዓሊምን ዝስደድዎ ናይ ደገፍ መልእኽቲታት ተነቢቦም። ኩሉም ለኣኽቲ
3ጉባኤ ፈ.ደ.ም.ኤ ብዓወት ከዛዘም ትምኒቱም ግሊጾም።
ኣብ መውደእታ እቲ መኽፍቲ ተጋ/ ብሺር እስሓቕ ጠቕላላ ሰከረተየር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ
ኤርትራ ንጉባኤኛታትን ውክልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ዕዶማት ኣጋይሽን እንኳዕ ብድሓን ምጽእኹም ድሕሪ ምባሉ ፈ.ደ.ም.ኤ ብውሑዳት መንእስያት ኣብ ኦውሮጳ ናይ መቾት ሂወት ገዲፎም ንፍትሕን ደሞክራስን
ሰላምን ዝስፍና ኤርትራ ንምህናጽ ፈ,ደ,ም,ኤ ብምምስራት ጽንኩር ኩነታትን ተጽእቡታትን ብምስጋር ስፊሕ ህዝባዊ ተሳትፉ ዘለዎ ውድብ ክተኽሉ ብቂዖም። ፈ.ደ.ም.ኤ ኤርትራዊ ዜጋ ሓራ ንምውጻእን
ደሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝስፈና ኤርትራ ንምህናጽ ምስ ኩሉም ፖለቲካዊ ውድባት ብምቅላስ ንዘሎ ምውልዋልን ስዕረትን ካብ ሱሩ ብምውሓይን ንባና ዓወት ባይታ ብምምድማ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኩሉ
ዓቅምታት ብምስላፍ ዘይተሓለለ ቃልሲ መድረኽ ከም ዝጠልብና ገሊጹ። ኩሉም ሓይልታት ለውጢ ኣብ ናይ ዕዩን ስራሕን ቀዳምነት ክህቡ ኣብ ክንዲ ዘይኣሎ ስልጣን ምደዳረ
ተላቢዮ። ፈ.ደ,ም.ኤ ንኩነታት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ መስረታዊ ለውጢ ዝምጽእን
ካብ ድኽነትን ምክራን ስደትን ዝናግፍን ሓቕና መንግስቲ ንምምስራት ዝቃልስ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ
ኣረጋግጹ። ንመንእስያት ሃገራዊ ሓልፈነቶም ብምጽዋት ኣብ ዘለዎ ፖለቲላዊ ቅርጻታት ብምስላፍ ተራኦምን መሰላቶምን ክውስዶ ይግባኤ። ፈ,ደ.ም.ኤ ከኣ፡ ብሩ ንመንእስያት ክፉት ምዃኑ ኣረጋግጹ።
ሽማግለ ዜና 3ይ ጉባኤ ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ
|