Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
EGS-JHD: መንእሰይና ንኤርትራን ህዝባን ን&
أخبار

Eritrean  Global Solidarity for Justice ,   Human Rights & Democracy

1929 Ellis Avenue Bronx, NY 10472 * Tel 1-202 - 670-4EGS (347)

ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ አካል

EGS-JHD: መንእሰይና ንኤርትራን ህዝባን ንምድሓን ይቃለስ !!!

Ref: E12-06-282

ጋዜጣዊ መግለጺ፤

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሓበሬታን ህዝባዊ ርክባትን

ዋሺንግቶን ዲሲ

20 ሰነ 2012

ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ሓምለ2012 ካብ ኩሉ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ሃገረ- ኢትዮጵያ ክጋብኡ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ እስትራተጂካዊ ተበግሶ እዚ ብዘይ ምንም ተዓቅቦ መርሓባ ንብሎ።

ኣብ’ቲ ናይ ዓመታዊ-ጉባኤኡ፡EGS ዓው ኢሉ “ህላወ መጻኢት ኤርትራ መታን ክረጋገጽ፡ ሓድሽ ኤርትራዊ ወለዶ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ፣ ራኢን ኣመራርሓን ክህልዎ ኣሎዎ ኢሉ ኣረጋጊጹ። እዚ’ውን ከም ቀንዲ- መርሆ መትከላትና ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

EGS ነዚ መትከላዊ እምነት’ዚ ኣብ’ቲ “ መሰረታዊ እምነታት ምንቅስቓስና” ኣስፊሩዎ እዩ። ስለ’ዚ ነዚ ታሪኻዊ ምትእኽኻብ’ዚ ከም መወንጨፊ መድረኽ ግን ከኣ ቀጻሊ ተኽእሎነት ክህልዎ ኣሎዎ እንዳበልና መርሓባ ኢልና ደገፍና ነረጋግጽ። እዚ ምትእኽኻብ’ዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝውስኖ መቐይሮኣዊ(dynamic) ጠለብ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ብግቡእ ምርዳእ፣ ንጉዳያት ኣኣብዝምልከቶም ምስኳዕ፣ ብልቦና ንተቐይሮታት ምምሕዳር፣ ተግባራዊ ዝኾነ ኣጀንዳ ምውጻእን ንኹሉ ሸነኽ ሕብረተ-ሰብ እተንጸባርቕ ተሓባባሪት ሽማግለ ጌርኩም ንኽትወጹ ናይ ሓባር ዕዮ ናይ ኩሉኹም ተኻፈልቲ ከም ዝኾነ እምነትና ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎው መንእሰያት፡ ነዚ እትገብርዎ ዘሎኹም ክትዕ፣ ዕላምኡ፣ ደረጃ ተወፋይነትኩም፣ ተግባርነት ናይ ውሳኔታትኩም ኣብ ባይታን፡ ከመይ ከም ዝኸውን ብጽሞና ክከታተሎ ምዃኑ ኣይትረስዑ። ካብ ኩሉ ከኣ ዓቕልን ለጠቕ ዝበለ ዓውታን ከምኡ’ውን ተኸታታሊ ኣጀንዳ ምህላውን ካብ ክትውግዶ ዘይትኽእልን፡ ኣገደስቲ ክትዓትን ዝዓዘዘ ክብደት ከም ዘሎዎ ክትስሕትዎ የብልኩምን።

መንእሰያትና ሓያል፣ ኣወንታውን ሓድነታውን ከምኡ’ውን ንቕድሚት ዝጥምት መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ሒዝኩምሉ ክትወጹን ከም ማእከላዊ ሓላፍነት ክትወስድዎን ናትና ዓቢ ተስፋ እዩ።

ንዘየሰማማዓኩም ጉዳያት ከይተፈላለኹም መንገዲ ፍጠሩሉ። ንጠቕሚ ህዝቢ ኢልካ ዝግበር ሕድገታት ከም ዝነኣድ ክብሪ ወዲ-ሰብ ትቖጺሩ ክውሰድ ኣሎዎ። ሓሳባትኩም ከም ውልቃዊ ተመክሮ ወሲድኩም ነንሓድሕድኩም ተቐባበሉ። ግን ከኣ ከም ልዑል ሓሳባት ወሲድኩም መምዘኒ ካልኦት ከይትገብርዎ። ንብዙሕነትና ከም ቅዱስ መትከላዊ-እምነት ጌርኩም ግን ከኣ ልዕሊ ሙሁራዊ ኣረዳድኣ ወሲድኩም ኣብ’ቲ ምውጻእ ኣጀንዳ ይኹን ኣመራርጻ መሪሕነትኩም እትገብርዎ ምርድዳእ ዓቢ ኣስተብህሎ ንኽትገብሩሉ ነተሓሳስብ። ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣረኣእያን ስምዒትን ኣብ ግምት ከተእትዉ ኣሎኩም ማለት እዩ። ነቲ መስርሕ ናይ ምርድዳእን፡ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ንምውጻእን እትህብዎ ግዜ ተመሳሳሊ ማዕረ ክብደት ሃብዎ።

ንመንእሰያትና መጠናዊ- ርእይቶ ክንህብ ዘኽእለና እንተኾይኑ፡ ነዘን ዝስዕባ ርእይቶታት መቕረብናልኩም። እምበኣርከስ ዝለዓለ ትኹረት ክግበረሎም ኣሎዎ እንብሎም ጉዳያት ምልዕዓል ህዝብና፣ ስልጣን ህዝብና ምርግጋጽ፣ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊስካ ንኹሉ ሕብረተ-ሰብና ዘንጸባርቕ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምፍጣር እዩ። ካልእ እቶም ዝተረፉ ኣጀንዳታት ከም ካልኣዊ ተወሲዶም ክውንዘፉ ኣሎዎም ንብል። መልእኽትኹም ብሩህ፣ ቀሊልን ተግባራውን ኮይኑ፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ብዝርድኦ መንገዲ ክቐርብ ኣሎዎ ንብል።

ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጨቋኒ ስርዓት“እንታይ ይገበር” ኢልኩም ንኽትመያየጡን ሓሳብ-ንሓሳብ ክትወሃሃቡን ንናይ ኣሽሓት ማይልስ እትጓዓዝዎ ዘሎኹም መገሻ ከነመስግነኩም ንፈቱ። ንሃገራዊ ስራሕ እተርእይዎ ዘሎኹም ተወፋይነት ዝምስገንን ዝነኣድን እዩ። እቲ ህጹጹነት ናይ’ቲ ጉዳይ ከኣ ከም ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓ መንእሰያትና ተወጢሑ ከም ዘሎ ኣይንስሕቶን። ስለ’ዚ መንእሰያትና በቒዖምን ኣፍረይቲ ኮይኖምን ካብ ኣኼባኦም ንኽወጹ ናይ EGS ጽኑዕ እምነት እዩ።

ነቶም ንመንእሰያትና ናቶም ኣጀንዳ ንምውጻእን፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ድምጽን ራኢን ምውናንን፤ ዝተሓለወት ልዑላዊት መንግስቲ ኣብ ሰላምን፣ ፍትሕን፣ ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝተመስረተት ሃገር ንምፍጣር ኢሎም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ኣሕዋትን ፈተውትን ዝለዓለ ምስጋና ይብጻሓዮም።

እቲ ንመንእሰያትና እንሓቶን ከነረጋግጾ እንደልዮን፡ እዚ ምትእኽኻብ’ዚ ናይ መጀመርያን መወዳእታን ክኸውን ከም ዘይብሉ እዩ። ነቲ ጉዳይ ምክታታል ዘድልዮ ኣኼባታት፣ ናይ ኣተረጓጉማ ናይ’ቲ ዝተወስደ ውሳኔታትን ኣጀንዳታትን ካብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምውጻእኩም ኣጻፍፍዎ። መንእሰያትና ንኹሉ ልምስና፤ ርኣዩለይ፣ ናይ ስራሕ ዘይኮኑ ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ኤርትራዊ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ክትውግድዎ ኣሎኩም። “ካብ ሕሉፍ ተማሂርኩም ኣርእዩና ብሩህ መጻኢኹም”። እቲ መድረኽ ናትኩም እዩ። ራኢኹምን ተልእኾኹምን ብሩህ ኣብ ዝገበርኩምሉን፣ ተግባራዊ ኣጀንዳን ተወፋይነትን ኣብ ዘርኣኹምሉን ግዜ ንሕና እሙናት ሰዓብትን ኣብ’ቲ ዝግበር ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ድማ ናይ ሓባር ተዋሳእትን ከም ዝኾንና ነረጋግጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንኹለን ኤርትራውያን ውድባት እቲ ዝድለ ናይ ሞራል ምትብባዕን ፖለቲካዊ ደገፍን ንዋዕላ መንእሰያትና ክህባ ኣለወን። ኣብ ካልኣዊ ምኽኑይ ዘይኮነ ናይ ጠርጠራ-ሓሳብ ኣስፊርካ ካብ ደገፍ ምቑጣብ ግን ንጉዕዞን ጸዓትን መንእሰያትና ምስንኻል ጥራይ እዩ ዝኸውን። መንእሰያትና ንናቶም መስርሕ ክረኽቡ ክተባብዑ ኣሎዎም።

Ref: E12-06-282

_________

END

The Office of Media & Public Relations manages this outlet as a portal for information from Eritrean Global Solidarity for Justice, Human Rights & Democracy (EGS-JHD)

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,285,202 وقت التحميل: 0.22 ثانية