ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 50 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ሕድሪ ሰማእታትና ነተግብሮ
ክንዛተ ምእንቲ ኣብ እግሪ ዳዕሮ
ዘማታት ሰብዓታት ክንዝክሮ
ናይ ተበርህ ተስፋሁነይ
ጅግና ኤረትራዊት ዋዕሮ
ዘይከምተን ሃረምቲ ኮቦሮ…
ከም ኩለን ዋዕሮታት
ንነጻነት ኣጃማ ዘበርከተት
በጃ ህዝባ ዝሰንከለት
ከም የማነ ባርያ ሓርነት
ከየስተማቐረት
ዓዲ ሉልና ዝኸደት…
እወ ከምቲ ዜማ
ተበርህ ትስፋሁነይ
ኣብ ገዛና ዘለኹም
ተቐማጦ ሰብ ክራይ
ኪዱለይ ዉጹለይ
ኣይደልየኩምን እንበለይ
መጺኦምዮም ስድራይ
//ተባሂሉ ዝድረፍ ዝነበረ //
ሕጂ ኸኣ እንሆለይ
መግዛእቲ ህግደፍ ይገድድ
ካብ ምግዛእቲ ኣምሓራይ
ብህግደፍ ኣይግዛእን እብለይ
ኪዱለይ ዉጹለይ
መጺኦምዮም ስድራይ
ኤረና ኩሑሎ ዶ ብህግደፍ ትሕሎ
ለብዘበን ሓዲኡሎ እዩ ዝበሃል ዘሎ…
ሕጂ ግን ህግደፍ
ምስ ሰምዑ ድምጺ በዓል ሰጉድ
ኣትይዎም ዕብድብድ
ክንስጉድ ኢና ክንስጉድ
ዓድና ገዲፉ ክሳብ ዝወርድ
ኣሎ ውን ካብ ምስጓድ ዝገድድ…
ይበሃል ኣሎ ቱታ ቱታ
ስምረት ኤረትራዊያን እዚኣ ምልክታ
ሰሚረን እየን ናይ ኤረትራዊያን ዋልታ
ሰፍ ኤረትራዊያን ተመዚዛ እያ ካብ ላዓታ
ደጊም ሃገርና ክትማሓዳደር ብዋናታታ
ኣብ ኤረትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት
ክንተክል ናይ ህግደፍ መተካእታ…
ቀሪቡ ዩ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ
ኣቱም ዘይትሰሙዑ ግደፍ
ወይለኹም ዎይጦታት መንደፍ
ነባሪ ከይመስለኩም እንተበለ ዓዘፍዘፍ…
ዓዲ ጽቡቕ ኣላ እንዳ በልኩም
ንደለይቲ ፍትሒ ወያነ እንዳልኩም
እንዳ ኣጸለምኩም
በቲ ሓደ ድማ ንሱዳን ንኢትዮጵያ
ተስግሪ ነሕዋትኩም
ቶባእ ድሕሪ ደጊም
ሳዓብቲ ህግደፍ እንታይ ዩ ጸገምኩም
እንበር ዶ ናይ ኤረትራ ደም ኣሎኩም…
ከይኣክሎም ኣጽዲፎሞ ካብ ዓዱ
ዘይርስቶም ክዝርፉ ንደቀባት ይፈርዱ
ሓሶት ይደጋግሙ ቃላት ዓሊ ዓብዱ
ህዝብና ብሰዓብቲ ህግደፍ ተዋሪዱ…
መምርሕታት ፋሽታዊ ስርዓት ኢሰያስ
ብምክልኻል ሓይልታ ጀሚሩ ክጣሓስ
ይባሃል ኣሎ ያኣክል ደም ንጹሃት ምፍሳስ
እወ ክሳብ ማዓስ
ብፋሽሽታዊ ስርዓት ደምና ክፈስስ
ክሳብ ማዓስ
ኢሰያስ ደም ኤረትራዊያን ክጎስዕ
ብዑሱባቱ መንእሰይ ኣካሉ ክብሳዕ
በርበረ ንዕጠኖም ክሳብ ዝብሎም ጻዕጻዕ
ንህዝብና ንምድሓን ሕጂ ንማባጻዕ…
ዝብኢ ምራኻት ሓሉ ምስ ተባህለ
ንበይነይ ፈጢሩለይ በለ…
እንታይ ገደሰኒ እንበር ሳዕሪሩ
ኩሉ ይርስዕዎ ዶብ ምስ ሰገሩ
ኣታ እዚ ህዝቢ እንታይ ዩ ሽግሩ
ተመሊሶም ንገፋዕቶም ዝግብሩ…
ህግደፍ ደኣ እንታይ ገደሶም
ካብ ኦም ሃዲሞም ስ ተመሊሶም
ክልተ ካብ ሚኢቲ እንዳ ከፈልዎም
ገሊእኩምስ ኣራጋጊጽኩም
ሕልና ኣልቦ ከም ዝኾንኩም
ረሲዕኩም ኣብ ዓዲ ከም
ዘለዉ ዝጽበዩ ንዓኹም
ንፍትሒ ክማጎትሎም
ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጂ ልቢ ይሃብኩም
ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክተበርክቱ እጃምኩም…
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|