Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
الحركة الشعبية الإرترية / Eritrean People's Movement
أخبار

Eritrean people Movement.jpg

الحركة الشعبية الإرترية

Eritrean People's Movement

ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ (ኤ.ህ.ም.)፡ ለንደን 29 ሕዳር 2009

ኤህም ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብ29 ሕዳር 2009፡ ናይ ኣባላት ኣኼባን፡ ቀጺሉ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡
  እቲ ኣኼባ፡ ብኣባል ባይቶ ኤህም ኣቶ ሃብተማርያም በርሀ እዩ ተኻይዱ፤ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ናይ ኣባላት ኣኼባ ካብ ሰዓት 2፡30 ክሳብ 3፡30 ድሕሪ ቐትሪ ኪግበር ከሎ፡ ካብኡ ቀጺሉ ክሳብ ሰዓት 6፡00 ድሕሪ ቐትሪ ድማ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተገብረ። እዞም ክልተ ኣኼባታት እዚኣቶም፡ ብቅርጸ-ትሕዝትኦም ዝተፈላለዩን ዝተመሳሰሉን ኮይኖም፡ ዝርዝራቶም ከምዚ ዝኽተል ነበረ፤

Eritrean people Movement 01.jpg

1
ይ ክፍሊ፡- ኣኼባ ኣባላት ኤህም፡

ዛዕባታት ኣኼባ ኣባልላት ኤህም፡
1.
  ሓጺር ገለጻ ብዛዕባ ''ኤህም ብኸመይ ተበጊሱን፡ ተወሊዱን፣ ዕላማኡን"፡ ብሕጽር ዝበለ ከኣ፦
__ሀ) ብናይ ህግ ኣገባብ ቃልሲ ምስ ዲፒ ጀሚሩ፡ ፈተነ ፍልልያት ጀብሃ~ሻዕብያ፡ ህንጥውንነት 4+1፡ ጉባኤ ካርቱም (2005)፡
__ለ) እቲ ድሕሪ ምስንኻል ጉባኤ ካርቱም ንውድብ ብጽንዓት ጠጠው ከብሎ ዝኸኣለ ሓያል ተራ መንአሰያትን ተመሃሮን ኣባላት ኤህም ኣብ ኢትዮጵያ፡                                                                                                                                   __ሐ) ከምኡ አቲ መሪሕነት ኤህም ክመሃረሉ ዘይከኣለ ብገለ ግዱሳት ኣባላት ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዝቀረበ "ገምጋም ንድሕነትን ምሕያልን ኤህም" (24/05/2006)፤

2. ካልኣይ ጉባኤ ኤህም 2008፣ ሒዝዎ ዚተበገሰ ቅርጽን ኣሰራርሓን ውድብ፣ ኣብ ኣቦ መንበርን ናይ ጨናፍር ሓላፍን ጥርሕ ዝኾልል በይነኣዊ ድልድል፣ ብኣንጻር ትጽቢትና ንተራን ሓላፍነትን መንአሰያት ሓለፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ግደ ዘይሃበ ኣካይዳን፣ ብዓቢኡ ድማ ዝተራእየ ዘይግሉጽን ዘይቅዋማውን ድኹም ዓቅሚ ተጻዋርነትን ብመሰረት ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ ጠለባትን፤

3. ጉዳይ ሓድነትን፡ ኣተሓሕዛኡን ብገለ ፈጸምቲ ኣካል ዝተወስደ ዘይሕጋውን ዘይዲሞክራስያውን ኣሰራርሓን፡ ዘኸተሎ ሳዕቤንን፡ ንምአራሙ ዝተገብረን ዝግበር ዘልሎን ዓቃል ጻዕርታትን፤

4. ኣብዚ ህሞት'ዚ'ውን ይኹን፡ ኤህም ከም ምርጫን ሓላፍነትን ኪህልዎ ዝኽአል፡ ከም ዕላማን ራእይን ኤህም፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ገምገማቱ ኣጻፊፉ ብዝነጸረ መገዲ ዕማማቱ ይቅጽል ከምዘሎ፤

ኣብ ዝብሉ መሰረታውያን ነጥብታት ተመርኪሱ ብምልኣት ገሊጹ። ናይ ሕቶን መልስን ርኢቶን ቅሉዕን ሃብታምን መቐጸልታ'ውን ነበረ።   

 

2ይ ክፍሊ፡- ሓፈሻዊ ኣኼባ ንህዝቢ፡

Eritrean people Movement 01.jpg

እቲ ካልኣይ ክፍሊ'ቲ ኣኼባ፡ ናይ ህዝቢ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዚተዛረብናሎም ዛዕባታት እዞም ዚስዕቡ ነበሩ፡-
_ሀ)
 ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ስርዓት ህግደፍን
_ለ)
 ደምበ ተቃውሞ (ኤህም ኣካል ደምበ ተቃወምቲ ስለዝኾነ)
_ሐ) መበቆል ኤህምን ዕላማታቱን፣ ጉዕዞ ሓድነት ምስ 2ተ ሰልፍታትን፡ ኣብ ኤህም ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትን ሳዕበኑን
_መ) ንኤህም ንምድሓን ዚተወስደን ዚውሰድ ዘሎን ተበጉሶታት።

ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ነጥብታት ዘተኮረ ሓጺር መብርሂ ተዋህበ። ቀጺሉ፡ ንሕቶን ርእይቶን ዕድል ተኸፍተ፤ ንዝቀረቡ ሕቶታት'ውን መብርሂ ተዋህቦም። ኣብ ርእሲኡ ካብ ህዝቢ ሃናጺ ለበዋታት ቐረቡ፤ በዚ ድማ እቲ ኣኼባ ብዓወት ተዛዘመ።

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,079 وقت التحميل: 0.23 ثانية