Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
EYC-EYSC፡ ድሕሪ ዘካየዶ ዕዉት ኮንፈረንስ&
أخبار

EYC-EYSC፡ ድሕሪ ዘካየዶ ዕዉት ኮንፈረንስ፡ ስም ማሕበር፡ ሰነዳት ራኢን መራሕቱን ኣቃሊሑ

(4 ሰነ 2012) EYC-EYSC ድሕሪ ዘካየዶ ዕዉት ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.) ወግዓዊ ስም ማሕበሩ ክኸውን ኣጽዲቑ። ብተወሳኺ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ሰነዳት “ራኢና ንቁልጡፍ ዓወት” ኣጽዲቑ፡ ንሓደ ዓመት መራሕቲ ኮይኖም ዘገልግልዎ ፈጸምቲ ኣካል መሪጹ።

 እዘን ክልተ ኣሓት ማሕበራት EYSCን EYCን ኣብ ለካቲት 2012 ኪዳን መስሪተን፡ ሕጂ ከኣ ብሓደ ስም EYSC እናተጸውዓ ቃልሰን ኣንጻር መላኺ ስርዓት ንምሕያል ይቕጽላ ኣለዋ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ድማ ኣሓት ማሕበራት እናበዝሓ ይኸዳ ኣለዋ። ኣብ ኦክላንድ፡ ሎስ ኣንጆሎስ፡ ሁይስተን ከምኡ ውን ቶረንቶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባ ኣሓት EYSC ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኤውሮጳ ውን መንእሰያት ዝመርሕወን ብዙሓት ኣሓት ማሕበራት ይጭብጭባ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብቲ ካብ 25 ክሳብ 27 ግንቦት ዘካየዶ ኮንፈረንስ ዝገበሮ ክፉት ዘተን ክትዕን፡ EYSC ንሰነዳት ራኢታቱ ምምሕያሽ ጌሩ፡ ተወሳኺ ተልእኾታት ብምድራብ ንመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ምስዓር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ውሑስ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንክህሉን ብልዕልና ሕጊ እትምሓደር ሃገር ንኽትምስረት  ብንጥፈት ከምዝቃለስ አረጋጊጹ።

ብመሰረት ሕጊ’ቲ ማሕበር፡ ኣባላት ቦርድ EYSC መራሕቲ ኮይኖም ዘገልግልዎም ሓሙሽተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ኮሚተ መሪጾም። እቶም ክሳብ መወዳእታ ግንቦት 2013 ከገልግሉ ዝተመርጹ ኣባላት፡-

ኣቦ-መንበር፡- ዳኒአል ገ.ሚካኤል

ም/ኣቦ-መንበር፡- ሰለሙን ገብረየሱስ

ሰክረታሪ፡- ኣለም ሃብተ

ትረዠረር፡- ዮናስ ገብረማርያም

ህዝባዊ ርክባት(መድያ ዳይረክተር)፡- ኣሮን ብርሃነ

ኣብ ተግባር ዝቐንዐ ስትራተጂ

ሕመረት ባህሊ ስ.ኤ.መ.ለ. ትብዓት ዝተዓጥቀ፡ ተግባር ዝተቐነተ፡ ዘይምእኩል ቅርጻዊ ኣወዳድባ ዝሓዘ፡ ነጻ መንፈስ ዘለዎ ስጡም ምንቅስቃስ ኢዩ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይኹን ኣብ ባይታ፡ ህዝቢ እናለዓዓለ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መላኺ ስርዓት ጸቕጢ ክገብር እናጎስጎሰ፡ ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ለውጢ ክሓትት ክለዓል እናጸውዐ፡ መሰል ደቂ-ሰብ ዝኽበረሉ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝመለልይኡ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከል ብትግሃት ዝሰርሕ ማሕበር’ዩ።

ንዝያዳ ሓበሬታ

ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (ስ.ኤ.መ.ለ.)

Email: info@eysc.net

Facebook: http://www.facebook.com/groups/eritreanyouth

Website: www.eysc.net

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,429,752 وقت التحميل: 0.21 ثانية