Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጽ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጽ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 48 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ተላዒሎም እዮም መናእሰይ

እንቢ ንምልኪ ንሓርነተይ

ካብ ንጭፍራ ይምንጥሎም ባዕለይ

ደጊም ህግደፍ ኣይግዛእን እንብለይ

From Berha oq EMPEE 012.jpg

ኣስተውዕሉ ሳዓብትን

ናይ ህግደፍ ተዳናገጽትን

ኣብ ክንዲ ኣይሰዓብናኩምን

ትፈልጡ ዶ ኣየፍረኹምን

ምባል ምዃኑ ገበን..

ኣብ ክንዲ ተጋጊና

ኢልኩም ተመጉሱና

ነቶም ዓገብ ዝበልና

ትስዕቡ ኣሰርና ተጸልሙና

ትድግፉ ንመጽነትና…

ያኣክል ላንጋላንጋ

ኣይትድገሙ ቲ ዝሓለፈ ገጋደጋ

ንስኹም እንተ ጠዓመኩም

ዝጸገሞ ዘሎ ዘይመስለኩም…

ያኣክል ምፍልላይ ንሰጉም ብሓደ

ተዓዘብቲ ኣይንኹን ህዝቢ እንዳ ተዋረደ

ቅሳነት የለን ህግደፍ ከይወረደ

እንታይ ንጽበ ህዝብና እንዳ ተሓርደ

ተጠርኒፍና ኣብ ሓደ

ኡይ ንበለሉ ነቲ ተጠልሙ ዝተካሕደ…

እወ እታ ኣደ ጀጋኑ ትኹርመ

ብግቡእ ከይተደበሰት በቲ ዝቀደመ

ጠዋሪ ሲኢና ዳሕረዋይ ምስ ተደገመ

ብናይ ከተማ ሸፋቱ ርእሳ ምስ ተደርመመ 

ሓምሳ ሽሕ ተኸፍል ናይቲ ዝሃደመ

በቶም ንደቀባት ዝሰምዩ ዓጋመ

መልሓሶም ዘይተገርዘ ዘይለበመ…

እቶም ንውልቀ መላኺ ዝውድሱ

ዘይናቶም ታሪኽ እንዳ ሓዋወሱ

ብደም ዝተሃንጽት ሃገር ዘፍርሱ

ኢሰያስ ዝመራሒኦም ረሳሕ መልሓሱ…

ጃህረኛታት ጭፍራ ህግደፍ

ንመን ክሕሾ ዩ መንእሰይ ዝግፈፍ

ተቃውሞ ከየስምዕ ይግፋዕ ይግፈፍ

ማዓልትኹም ቁጸሩ ኣይትበሉ ዓዘፍዘፍ

ናይ ከተማ ማፍያ ህግደፍ መንደፍ…

ኣታ ህዝቢ ክሳብ ማዓስ ክትታለል

ደድሕሪ ሕልና ኣልቦ ትብል ኮለል

ብህግደፍ ዝረሃዎ የለን ብጀካ ዝሻቐል

ሰማይ ዝሕብራ እንዳ ረኣናያ ትብለል

ሰማያዊት ሕብራ ተቐይሩ ናብ ደም …

ኣስተውዕሉ ሳዓብቲ ህግደፍ ኣሕዋት ቶም

ዓወት ንሓፋሽ ኢሎም ዝሓለፉ

እንዳ ረኣኽምዎም ክእሰሩ ክቕዘፉ

21 ዓመት ኮይኑ ብዘይ ዋዓዕዎ ክጽሕፉ

ህዝቢ ኣጥምዮም ከብዶም ዘግዘፉ

መናውሒ ስልጣኖም ይግዕሩ ይልፍልፉ…

//ኣብ ስደት ንነብር ደቂ ሃገር ንበል ዓገብ//

ካብ ኣዝጊቦም ዝጸንሑ ኣትማን

ንህዝብን ሃገርን ንምድሓን

ሕልሚ ጭፍራ ከም ትኪ ክበንን

ብሓባር ጸልዩ ኣቦይ ቀሺን ኣቦይ ሓጂን

ብውሽጥን ብደገን ቃልስና ክሓንን

ኣንባሳደራት ናይ ህግደፍ ኮንስላት

ኣይስቆሮኩምን ዶ ናይ ህዝቢ ኣውያት

ተሓተቲ ኢኹም ብገበናት

ንጭፍራ ተገልግሉ ንከዳዓት

ጠሊምኩም ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት

ኣስተውዕል ናይ ህግደፍ  ሰዓቢ

ተላዒሉ እዩ ህዝቢ

ዓጋቲ የብሉን ህዝባዊ ናዕቢ

ከቢድ ዕዳ ከይትዓዲ ግበሩ ቀልቢ

ሕጂ ንጭፍራ በልዎም እንቢ…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታት

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,371,831 وقت التحميل: 0.27 ثانية