ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ
ህዝቢ
መበል 47 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ናይ ሓርነት ገመል ይስጉም
ጭፍራ ህግደፍ የጉሮምርም
መንእሰያት ኤረይ ሕጂ ግርም…
ያኣክል 21 ዓመት ባርነት
ደቂ ኤረይ ንስመር ንሓርነት
ንህዝብና ክነጋላግሎ ካብ ደልሃመት
ደቀባት ኣብ ዓዶም ክነብሩ ብቅሳነት
እወ
ነጻነትና ብጉጅለ ኢሰያስ ተሰሪቓ
መመሊሳ ሃሲሳ እንበር ማዓስ ደሚቓ
ኤረትራዊት ኣደ ከይኣኽላ ደቃ
ቀንጢጣ ኣረኪባቶም ወርቃ
ጉጅለ ኢሰያስ ግን እትው ከይበሉ
ነደ ቶም ጀጋኑ ኢሎምዋ ሓንቂቓ
ነጻነትና እወ.ታ
ኣንጊሃ.ያ ካብ ዋናታታ ኣርሒቓ
እዚ ካብ ኮነ ናትና ዛንታ
ደቀባት ንበል ሃታ ሃታ
ኤረትራና ክትምራሕ ብዋናታታ
ካብ ተጠርነፍና ንውረድ ኣብ ባይታ
ሓሕ ንበሎም ንህግደፍ ኩኩብታ
ልቢ ጭፍራ ትሃርማ ኣላ ትርግታ
ተመስገን ፈታሪ ኣፍሪና መተካእታ
ኮማንዶ 5.25 እወ. ታ
ኣብ ግብሪ ዘይፈትዉ ሕመታ…
ተቃውሞና ሓይሉ ሎሚ ዓመት
ኣብ መላእ ዓለም ልሒሙ
ወይልኦም እቶም ዝኣደሙ
መሳርሒ ዝኾኑ ናይ ሓኽሊድሙ
እንዳ ሰምዑ ካብ ጸመሙ…
ደቂ ኤረይ ወዶም ጓሎም
ሓቢሮም ተላዒሎም
ንህግደፍ እዝጊ ጸሊእሎም
ምሳና እንተ ዘይሰሚሮም
ሎሚ ዓመት እንድዕሎም…
ክወግሕ.ዩ ከመይ ዘይወግሕ
ጭፍራ ምስ በሉ ፋሕ ፋሕ
ሳዓብቶም እንታይ ተመኽንዩ ጽባሕ
ንጃንዳ ብሐደ ድምጺ ንበሎም ሓሕ
ህዝብና ሰሲኑ ቁጽሩ ክበዝሕ…
ኣይወሓዶን ደምና ዝወሓዞ
ሕጂ ግን ይበሃል ኣሎ ሓዞ ሓዞ
ንጭፍራ ነቃብጾም ብትሕዞ
ንመራሒ ጃንዳ
ቢኢዱ ሒዝና ብሕጊ ክንተሓሓዞ…
ሕነ ህዝቦም ክፈድዩ ዝሓረኑ
ካብ ኢስራኤል ተበጊሶም ጀጋኑ
ንጭፍራ ህግደፍ ክበታትኑ
ንሓርነት ንፍትሒ በጃ ክኮኑ…
ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘብን እንበር ነዓመታስ ሸዊት
ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|