Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 45 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ያኣክል ባርነት ስመር ንሓርነት

መንዩ ሓቀኛ ኤረትርራዊ

ንስለ ፍትሒ ዘእዊ

ጸረ ህግደፍ ሃገር መዕነዊ

Pre 012.jpg

ነዚኦም ንምድሓን ተወሊዒሎ ህዝባዊ ማዕበል

VIC 2012.jpg

ሰላማዊ ሰልፍታት ብደለይቲ ፍትሒ ዝብል

ኣብ መላእ ዓለም ከም ጓህሪ በልበል

ደጊም የሎን ብጭፍራ ዝታለል…

እወ

ጭፍራ ህግደፍ ኣጃጅዮም

ራዕድን ሽበራን ኣትይዎም

ጃጅዮም ሰንቢዶም…

ሰሚዕኩም ዶ

ዝበሃል ዘሎ ሎምቅነ

ተበጊሱ ዩ ፈዳይ ሕነ

ኣየናይ ዲክታቶር ኣሎ

ካብ ውድቀት ዝደሓነ

እወ ሕጂ

ምሳና ስመሩ ዝኾነ ከይኪነ

መላሲ የብሉን ወዲ ኤረይ ምስ ጨከነ

ዋዕሮ ውን ኢላ ከም ቀደመይ ወሲነ

ኣብ ጎኒ ኣሓተይ ኮይነ ጸረ ምልኪ ሓሪነ…

መራሒ ጭፍራ ክፉእ ግብሪ

ብሰንክኻ መንእሰይ ሰገሩ ባሕሪ

ተንኮለኛ ንህዝብና ኣእቲኻሉ ቁሪ

ክትስሕና ኢኻ እታ ጓህሪ

ብሂወቱ ኮሎ ሞይተ ኢሉ ባህራሪ…

ሃየ ናይ ዓዓበይቶ ሕነቕ ጎረሮ

ንናይ ህዝብና መንሽሮ

ንኢሰያስ ኩዒትና ንቕበሮ

ሕድሪ ሰማእታትና ክነተግብሮ…

ኣይንሓደን ንኹልኹምየ

ኣብ ደገን ውሽጥን ዘለኹምየ

መንኢኺ መንኢኻየ

እዚ እንዳሰማዕኪ የ

እንዳ ሰማዕካ የ

እወ

ኣይንሓደን ንኹልኹም የ

ትም ዝመረጽኪ ዝመረጽካየ

እንዳ ጸነተ ዓደቦኻ ዓደቦኺየ

ብማዕዶ ትጥምት ዘለኺ ዘለኻየ

ሓጂ እንተዘይ ወሰንኪ የ

ጻውዒት ደለይቲ ለውጢ

እንተ ዘይሰማዕካ ዘሰማዕካ የ

ምስ ወግሔ ኣብኣ ትደኺ ትደኻየ…

ሰሚዕኩም ዶ ዝብሃል ዘሎ

መራሕቲ ህግደፍ ኣትይዎም ሻቅሎ

ተቃወምቲ ከይቀትሉና ይበሃል ኣሎ

ኣማን ብኣማን ለብዘበን ሓዲኡሎ…

ወይለኻ ኣታ ዓሻ

ጅግና ኣዝጊቡሎ ኣብ ጣሻ

መድሕን ህዝቡ ጠሓሕሻ

ኤረትራ ናይ ህግደፍ ኣይኮነትን ውርሻ

ውረድ ይሕርን ኣሎ ሓላው ወስን ማላሻ

ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ

ሓይሉ ተቃውሞና

ክትርዕዱ ኢኹም ገና

ብውሽጥን ብደገን ሰሚሩዩ ሓይልና

ክፍደዩ ሕነ ናይ ህዝብና

ክትወድቁ ኢኹም ኣብ ኢድና…

ሕድሪ ኣሎና ሕድሪ ቀዳሞት ዳሕረዎት

ጥርጠራ የሎን ፍትሓዊ ቃልሲ ከም ዝዕወት

ንዲክታቶር ከይኣለና ደቂስና ዘበት

ሓዲኡሎ ሎሚ ዓመት…

ተቐሪቡሎ ህዝባዊ ሓለንጊ

ደጊም የሎን ሞይተ ተንሲኤ ኢሉ ዘጋጊ

ሓቢረን እየን ናይ ኤረትራዊያን ዘንጊ…

ታሪኽ ኣይተርፍን ተደፊኑ

ህያውዩ ታሪኽ ናይ ጀጋኑ

ኣብ ነብሲ ወከፍ ኤረትራዊ

ተሰኒዱ ኣሎ ታሪኽኩም

ሰማእታትና ቅሰኑ ቅሰኑ…

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,284,981 وقت التحميل: 0.23 ثانية