Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ 24 ግ&#
أخبار

May 24  ER DE Front.jpg

መግለጺ

ጽንብል ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ 24 ግንቦት 2012

ብ1991 ባዕዳዊ መግዛእቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ተሳዒሩ ድሕሪ ምብራሩ፡ ኤርትራ ነጻን ልዕላዊትን ሃገር ምዃና ተረጋጊጹ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ባንዴርኣ ካብ ዘውለብልብ እንሆ 21 ዓመት መሊኡ። ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ውጽኢት ዕስራ ዓመት ሰላማዊ ፖሎቲካዊ ቃልስን ሰላሳ ዓመት ዝወሰደ መሪር ብረታዊ ተጋድሎን’ዩ። ኣብ'ዚ መሪር ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልስታት’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኩሉ እንትንኡ ተቓሊሱ ዝተጎናጸፎ ድሙቕ ኣኽሊል ዓወት ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሃገራዊ ነጻነት ፍረ-ጻማ መዳርግቲ ኣልቦ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ክቡር ዋጋ ገዝሚ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ሰማእታትን ኣካለ-ስንኩላትን ስለዝኾነ፡ ወትሩ ብመንፈስ ንዝክሮን ብተግባር ንሕልዎን፡ ኣብ ጽላት ልብና ዝተቐርጸ ረዚን ሃገራዊ መኽሰብና’ዩ። 

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ከቢድን ክቡርን ዋጋ ሓርነት’ዚ ክኸፍል ከሎ፡ ኣብ'ታ ብነጻነት ዝተቦከረት ሃገሩ፡ ዘላቒ ፖሎቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ረብሓታቱ ብምምዕዳው ተቋዳሲ ሃገራዊ ጸጋታቱ ክኸውን ብምእማን’ዩ። ኣብ ነጻ ሃገሩ ልኣላዊ መሰሉን ማዕርነቱን ተሓልይሉ ብክብሪ ክነብር፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምዕሩይን ፍትሓውን ተሳትፎ ክህልዎ ብርቱዕ ባህግታት ነበሮ። ኩሉ ኣድማሳዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቱ ተኸቢሩ፡ ሸለብ ገለብ ከይበለ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ነጻ ኮይኑ ብሰላም ክነብር፡ ደረጃ ብደረጃ ንድሕረት፡ ድኽነትን ድንቁርናን ብምውጋድ፡ ብመንገዲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባሌ ኣቢሉ ብልጽግቲ ሃገር ክምስርትን ንቅድሚት ክስጉምን ዝነበሮ ህርፋን መዳርግቲ ኣይነበሮን። ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታቱ ብምዕቃብ፡ ብመንፈስ’ቲ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎ ዘጥረዮ ስኒትን ሓድነትን ተፈቓቒዱን ተሓቋቂፉን ክነብር ዝነበሮ ባህግታት ዓሚቕ ነበረ። ምስ ኣህዛብ ጎረባብቱን ማ/ሰብ ዓለምን፡ ኣብ ማዕርነትን ሕድሕድ ምክብባርን ዝተመሰረተ ንሓባራዊ ረብሓታት ምስ ሰናይ ዝምድናታት ንምህናጽን፡ ዝሓለፈ ምዕራፍ ብምዕጻው ሓድሽ ባብ-ታሪኽ ብምርሓው፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቁጠባዊ ወፍርን ምዕባሌን ኣውንታዊ ተራ ክጻወት ዝነበሮ ሕልምታቱን ድሌታቱን ሓያል ነይሩ።

ኮይኑ ግን ኣብ ጽባሕ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ኩሉ’ቲ ራእይን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራን እከይ ዕላማታትን ተግባራትን ገባቲ ስርዓት ህግደፍን ብዘይምቅዳዉ፡ ፍጹም ክልተ ተጻረርቲ ድሌታት ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። እቲ ኣብ ማህጸን ሰውራ ተወሊዱ ኣብ ሕቑፎ ህዝቢ ኤርትራ ተራርዩ ዝዓበየ ትምክሕታዊ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ናብ ኮረሻ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝተወጠሓሉ ዕለት ኣትሒዙ፡ ብኣጉል መብጽዓታት ተጎልቢቡ ንመኽሰባትን ጸጋታትን ሰውራና ብምጭዋይ ሕድሪ ሰማእታትትን ትጽቢታት ህዝብናን ረጊጹ፡ ኣዕኑድ ጨቋኒ ስርዓት ንምትካልን ንምድልዳልን ብናህሪ ተጓየየ። ስለዝኾነ ከኣ ሃገርና ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ተነፊጋ ብዊንታን ድልየትን ሓደ ውልቀ-ሰብን ጉጅልኡን ትመሓደር ሕጊ-ጫካ ዝነገሰላ ምድራዊት-ሲኦል ካብ ትኸውን ልክዕ ምስ ውልደት ሓርነታ 21 ዓመት ኣቁጺራ ኣላ፡፡ ብስንኪ’ዚ ከኣ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታታ ፍጹም ተጨፍሊቑ፡ ህዝብና ናይ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ሓሳቡ ብሰላማዊ መንገዲ ምግላጽ፡ ካብን ናብን ብነጻ ዝንቀሳቀስሉ ሓርነታቱ ተቐይዱ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ብዝብል እከይን ጨካንን ፖሊስታት ይግዛእ ኣሎ። ካብ'ዚ ሓሊፉ’ውን ብዙሓት ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባት፣ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ፣ ጋዜጠኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ብርክት ዝበሉ መንእሰያትን ……ወዘተ ብዘይ-ዝኾነ ብቑዕ ምኽንያት ብጅምላ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተደርበዩሉ ኩነታት ነጊሱ ምህላዉ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ካብኡ ዝኸፍአ’ውን ኣብ ነጻ ቤት-ፍርዲ ዝዳነዩሉ ዕድላት ፍጹም ተዓጽዩ፤ ብቤተ-ሰቦም ከይተሓተቱ ዕድሚኦም ዝበልየሉን ብዘይ-መርድእ ዝስወሩሉን ኩነታት ምንጋሱ፡ ንሞሳ ህዝብና ወይ ንሕድሪ ሰማእታትና ፍጹም ዘንጸባርቕ ተግባር ኣይኮነን።

ቁጠባዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ብሓቲ ፖሎቲካዊ መርሆታቱ ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል ኣይኮነን። ንነጻ ዕዳጋን ውድድርን ብምቑጻይ፡ ብገባትን መዝማዝን መትከላት ንህግደፋዊ ርእሰ-ማል ንምዕባይ፡ ቁጠባዊ ዓውዲ ኤርትራ ክሳብ’ታ ዝደቐቐት ድኳን “ሕድሪ” በይኑ ብምብሓት፡ ኣብ ስርቅን ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንድን ዝተሰረተ ቁጠባዊ ሂወት ብምህናጽ፡ ንኤርትራዊ ዓቕምታት ብምጽልጻል፡ ተመጽዋቲኡ ክኸውን ዝፈረደ ስርዓት’ዩ፡፡ እዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝወልዖ ተደጋጋሚ ኣዕናዊ ኲናት ንኩሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ በብሞይኡ ሰሪሑ፣ ሓሪሱን ነጊዱን ዝበልዓሉ ኩነታት ብምዕጻዉ፡ ንኤርትራ ናብ ወተሃደራዊ መደበር፡ ንህዝባ ድማ ናብ ግዱድ ጻዕዳ ሰራዊት ብምቕያር ቁጠባ ኤርትራ ካብ ዕለት ንዕለት ክርመስን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕን ጌይሩ’ዩ። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣፍራይ ሓይሊ መንእሰይ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣድማዒ ልምዓታዊ ሃገራዊ ጽላታት ዝወፍር፡ ብግዱድ ባርነታዊ ዕዮ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎን ብምጽማዱ፡ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ትሕቲ ዜሮ ክንቆት ጌሩ’ዩ፡፡ ብሰሪ’ዚ ድማ መንእሰያት ኤርትራ ብቀጻሊ ንስደት ክውሕዙ ብምዃኖም፡ ሰብኣዊ ዓቕምታት ህዝብና ኣዝዩ ስሒዩ፡ ኤርትራ ጥፍኣት ሓደ ሙሉእ ወለዶ ክትዕደ ኮይና ኣላ፡፡ ካብቲ ኣዝዩ ነውራም ጸሊም-ታሪኽ ናይ'ዚ ጉጅለ’ዚ፡ ዋሕዚ ስደት ዜጋታትና ዝፈጠረሉ ምቹእ ዕድላት መዝሚዙ፡ ንኤርትራዊ ክብርታት ብምውራድ ብሂወት ዜጋታቶም ዝዋገዩ፡ ውሽጣዊ ኣካላት ንምሻጥ ምስ በዶዊን ዝሻረኹ ወተሃደራውን ሲቪላውን ሰበ-ስልጣናት ዝተጸፈይዎ ማፊያዊ ጉጅለ ምዃኑ ዝጸዓቐ መግለጺኡ’ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ ምሕረት ዘይብሉ ገባቲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝሓልፎ ዘሎ መሪርን ሕሱምን ተመክሮኡ ተበጊሱ “ህግደፋውያን ዋናታት ገዛ፡ ንሕና ከኣ ተኻረይቲ ኢና” ብምባል ንሕሱም ህላዊኦም ብምረት ናብ ዝገልጸሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ልዕሊ’ዚ ንህልዊ ኤርትራዊ ሕሰምን ቃንዛን ዝገልጽ መረዳእታ ከኣ ክህሉ ኣይኽእልን’ዩ፡፡     

እዚ ጨቋኒ ስርዓት’ዚ ኣብ ዝሃነጾ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብዝሓደሮ ኣምልኾ፡ ብትምክሕትን ብደዐን ዓዊሩ ጎብለል ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝወጠኖ ኣጉል ሕልምን ስሱዕ ባህግታቱን ሸንዲሕዎ፡ በብእብረ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት ወሊዑ’ዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ስግረ ዶብ ኲናት ብምክያድ ደም መንእሰያት ኤርትራ ንከንቱ ክፈስስ ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራት ግሁድ ኢድ-ምትእትታው ብምፍጻም፡ ብግብረ-ሽበራን ቀርሰና ባሕርን ዝልለዩ ጉጅለታትን ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራትን ብምጭጫሕ፣ ብምምልማል፣ ብምስልጣን ብምዕጣቕን፡ ንሃገርና ኤርትራ መናሃሪያ ሓበጀረዋይ ሰራዊት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጌሩዋ ኣሎ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ውሽጣውን ግዳማውን ርጉእ ሰላማዊ-ሂወት ህዝብና ብምዝራግ ብኲናትን ወረ-ኲናትን ጅሆ ዘሪዑ፡ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምህዋኽ ኣርሓ-ግብረ-ሽበራ ብምዃን ካብ ዝኽሰት ደም ምፍሳስ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምስባሕ ብዝቐየሶ ሕልሚ-ነዳያን ደሪቑ ይቕጽል ኣሎ፡፡ ዋጋ ናይ’ዚ ቀይዲ በተኽ ዕንደርኡን መናፍቕ-ኲናት ባህሪኡን፡ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናቱን መጋበርያታቱን ዝኾኑ ውልቀ-ሰባትን ዘነጻጸረ፡ ዓለም-ለኻዊ እገዳ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንክልተ ተኸታታሊ እዋናት ተበይኑዎ’ዩ፡፡ እዚ ፍጻመ፡ ቶታሊታሪያዊ ስርዓት ኢሳይያስ  ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ፡ ንርጉእ ሂወት ማ/ሰብ ዓለም ሓደገኛ ምዃኑ ብግብሪ ዝተመስከረሉ፡ ንዓንዳሪ ተግባራቱ ከኣ ግቡእ ዋጋ ዝተዋህቦ ዝተፈንፈነ ስርዓት ምዃኑ መርኣያ’ዩ።

ብድምር፡ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ መሪር ሓቅታትን ክውንነትን’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዝኸፍአ በቲ ሓብሒቡ ንስልጣን ዘብቅዖ ውሉደይ ዝብሎ፡ ደመኛ ጸላኢኡ ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ማእለያ ዘይብሉ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ወጽዓታት ይበጽሖ ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንከቢድ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ተቓሊዑ ምህላው ብቐሊሉ ምግንዛብ ዝከኣል’ዩ። እቲ ብመሪር ቃልስን ረዚን መስዋእትነትን ዝተጠረየ ኤርትራዊ ሃገራውነት፣ ክብርታት፣ ጸጋታትን መኽሰባቱን ተቧሕጊጎም፡ ህላዊኦም ንኸቢድ ሓደጋ ተሳጢሑ ኣሎ፡፡ እዚ ብምናልባታት ዝግለጽ መጻኢ፡ ኣብ ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ገዚፍ ተጽዕኖ ዝፈጥር ብምዃኑ፡ ሎሚ መበል 21 ዓመት ልደተ-ነጻነት ኤርትራ ክነብዕል ከለና ኣብ ፍሉይ ታሪኻዊ መድረኽ ምህላውና ክስመረሉ ዝግባእ ሓቂ’ዩ፡፡ ኣብ'ዚ መድረኽ’ዚ ብዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ረቋሒታት፡ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ፖሎቲካዊ ምዕባሌታትን ለውጥታትን ክኽሰት ዝኽእለሉ ኩነታት ምህላዉ ዘተንብሁ ምልክታት ጎሊሖም ይቀላቐሉ ኣለዉ፡፡ እዚ ህልዊ ኩነታት’ዚ ልዕሊ ካልእ እዋን ተሃዋስን ጽንኩርን ዝገብሮ፡ ኣብ ኤርትራ ክኸሰት ዝኽእል ምናልባታት ንተባራዕቲ ጠለባት ህዝብና ዝጎሲ፡ ንመሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘረጋግጽ መስርሕ ዘበርዕን፣ ካብ ቁጽጽር ሓይልታት ተቓውሞ ወጻኢ ዝኾነሉ ዕድል ሰፊሕን ዝዓበየን ግምታት ዘለዎ ብምዃኑ’ዩ፡፡ ስለ’ዚ ኣብ ጽምብል መበል 21 ዓመት ልደተ-ነጻነት ኤርትራ ኮይና ብድሙቕ ነስተብህሎ ሓቂ፡ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ኣዝዩ ተኣፋፊ ምዃኑ’ዩ፡፡ ነዚ ተኣፋፊ ኩነታት’ዚ ብዕቱብ ብምግጣም፡ ናብ ሃገራዊ ረብሓታትና ንምቕያሩ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብሕታዊ ምርጫ ምዃኑ ኣብ ድሮ’ዚ ጽንብል’ዚ ዝተጋህደ ጽውጽዋይ መነቓቕሒ ደወል ኮይኑና’ዩ፡፡    

ስለዚ መላእ ህዝብን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ'ዚ ህሞት’ዚ ንመድረኻዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ምዕባሌታቱን ብግቡእ ብምንባብ፡ ማዕረ እቲ ክኽሰት ዝኽእል ሓድሽ ለውጥታትን ምቅይያራትን ክስጉሙ ዘኽእሎም፡ ንዝተወንዘፉ ዕዮታቶም ሰሪሖም ከጻፍፉ ይግባእ። ኣብ መስርሕ’ቲ ጉዕዞ ንጡፋት ተዋሳእትን በዓል-ቤት ናይ'ቲ ለውጥን ንምዃን፡ ንህልዊ ሕጽረታቶም ብምውጋድ፡ ካልኣዊ ፍልልያቶም ብደሞክራሲያዊ መንገዲ ብምምሕዳር፡ ህላዊኦም ትርጉም ናብ ዘለዎ ደረጃ ብምብራኽ፡ ተርኦም ዝንበብን ዘይስገርን ክኸውን ታሪኻዊ ስጉምቲ ክወስዱ ትጽቢት ይግበረሎም፡፡ ኩሎም ካብ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝርብሑ ሸነኻት፡ ብጉልጽን ደሞክራሲያዊ መንገድን ንዝሓለፈ ጉዕዞ ቃልሶምን ተሞክሮኦምን ብምፍታሽ፡ ንመሰረታዊ ድኽመታቶም ብዘይነሓፍነትን ዘየዳግምን ኣወንታዊ ስጉምቲ ንምውሳድ፡ መድረኽ ብህጹጽ ይጠልቦም ምህላዉ ክግንዘቡ ይግባእ፡፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብሓባራዊ ድሌታትን ርድየትን ዝተመሰረተ ዝሰፍሐ ሓባራዊ ጽላልና ብምኻኑ፡ ንዘውረስናዮ ሕጽረታትን ኣሉታዊ ፖሎቲካዊ ባህልን ብምቕራፍ፡ ብሙሉእ መሓውራቱ ዝዓዪን ፖሎቲካዊ ሰብነት ዘለዎን፡ ንኩሎም መሻርኽቲ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዘዕግብ ክኸውንን ኣብ መስርዑ ኣጽሊሎም ዘለዉ፡ ሓይልን ዓቕምን ክኾንዎ፡ ዘይተቖጠበ ድጋፍ ብምሃብ፡ ጭቡጥ መሳርሒ ቃልሲ ኮይኑ ታሪኻዊ ኣገልግሎቱ ከበርክት ኣብ ምብቅዑ ክተግሁ ይግባእ፡፡ 

ኣብ መወዳእታ ብዘይ ህዝቢ ሃገር፡ ብዘይ ሃገር ከኣ መንነት ስለ ዘይህሉ፡ ነቲ ንህላዌ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይኹን ንመላእ ጎረባብቲ ሃገራትን ማ/ሰብ ዓለምን ዓቢ እዋናዊ ሓደጋ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብምውጋድ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምድሓን፣ ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምህናጽ ዕማም ኣብ እንግድዓ ነፍሲ ወከፍና ዝተጻዕነ ታሪኻዊ ጾር ምዃኑ ክንቕበል ይግባእ። ንመበል 21 ዓመት ዝኽሪ ጽንብል በዓል ነጻነት 24 ግንቦት 2012 ከነብዕል ከለና፡ ብመንጽር’ዚ ዝተሰከምናዮ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ፡ ንህልው መድረኻዊ ብድሆታት ንምስዓር፡ ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶና ብምዕዛዝ፡ ህዝብን መጻኢ ወለዶ ኤርትራን “ተኻረይቲ” ዘይኮኑስ ጎይቶት ሉዑላዊ ፖሎቲካዊ ስልጣኖምን ክብርታቶምን ዝኾኑላ ኤርትራ ኣብ ምርግጋጽ፡ ብግብሪ ዝስነ መብጽዓ ክንኣቱ ይግባእ፡፡ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር፡ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት’ዚ ብዕምቆት ብምስትብሃል “ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይኽተት” ብምባል ኣብ መስራቲ ቀዳማይ ጉባኤኡ ንዝኣተዎ ቃል፡ ብግብሪ ንምትርጓም ቅሩብ ምህላዉ የረጋግጽ፡፡ በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ዮሃና ይብል!

24 ግንቦት ወትሩ ተኸቢራ ትንበር!

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

ስዕረትን ውድቀትን ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!

 24 ግንቦት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,905,046 وقت التحميل: 0.27 ثانية