Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
  ኣብ ሆላንድ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተ&#
أخبار

  ኣብ ሆላንድ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይድዩ።

ENCDC Holand 3.jpg

ENCDC Holand.jpg

ENCDC Holand 4.jpg

ENCDC Holand 5.jpg

  ትማሊ ቀዳም ዕለት 12/05/2012 ኣብ ከተማ ሮተርዳም ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመርሔ ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣዚ ኣርባዕተ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሳተፍዎን ዝመርሕዎን ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ ናይ እንቃዕ ደሐን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምቅራብ፡ኣብ ቃልሲና ንመጀመርያ ግዜ ኣንጻር ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሰፍሕ ህዝባውን ሕጋውን ሰረት ዘለዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ህዝባዊ ተሳትፎ ንምርግጋጽ ኣብ ኩለን ዞባታት ብመደብ ተታሒዙ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሐቢሮም።እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ  ኣካል ናይዚ መደባት ምኽኑን ናይ ኣኼባ ቀንዲ መጸውዒ ዛዕባን ዕላማታቱን ብሰፍሑ ኣብሪሆም።

እዚ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ሕብረተ-ሰብን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባትን፤ሲቪካዊ ማሕበራት፤መንእሰያት፤ደቂ-ኣንስትዮ፤ገዳይም ተጋደልትን ዝተሳተፍዎ ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ፡ብአባላት ባይቶ ዝቀረበ ህዝባዊት ሽማግለ ምቃም ዝብል ሐሳብ ንጽባሕ ይጽናሐልና ዘይባሃል እዋናዊ ዕማምን ቅቡል ምኻኑ ርእዮም። ብኡ መሰረት ድማ ሐምሽተ ቀወምትን ክልተ ተጠባበቅቲ ጠቅላላ ብሸውዓተ ኣባላት ዘለውዋ ሸማግለ ብደሞክራስያዊ መገዲ ካብ መንጎኦም መሪጾም።

ኣስማቶም አባላት ሽማግለ ጨንፍር ሆላንድ ድማ፡

1 ሃብተ ዑ/ሚካኤል

2 አሕመዲን ዓ/ቃድር

3 ሂወት ዮውሃንስ

4 ተረዛ ሽበርም

5 ኣበድ ተስፍይ

ተጠባበቅቲ

6 ስዩም ወ/ትንስኤ

7 ሰዒድ ዓብደላ  

አብዚ ተዋህብዎም ዘሎ ዓቢ ህዝባዊ ሐደራ ድማ ህዝቢ ሰናይ ትምኒቱን ምሉእ ናይ ስራሕ ምትሕብባር ድላውነቱን ኣረጋጊጽሎም ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ መንነትን ተግባራትን ፍሽስታዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንማህበረ-ሰብ ዓለም ንምቅላዕን፡ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ኣብ ቃልሲ ርሱን ተሳትፎ ክህልዎ ንምግባር እቲ ስርዓትን መራሒኡ ኢሰያስ ኣፍውርቂን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብጠቅላላ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዝፍጽሞዋ ዘሎው ገበን ተሐታቲ ምኻኖም ዘቃልዕ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝግበር ዘሎ ምቅርራብ ብምድጋፍ፡ ኣብ ሆላንድ ነዚ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መደብ እትትግብር ሽማግለ ኣቅሞም።ንምትግባሩ ድማ ካብ ህዝቢ ሽዑ ንሽዑ ንመሳለጢ ዝኸውን ገንዘብ ተዋጺኡ።

እታ ሽማግለ ብዝተዋህባ ሓላፍነት መሰረት፡ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዘድሊ መደባት ሐንጽጻን ካብ መንግስታዊ ትካለት ሆላንድ ሰላማዊ ሰልፍ ንምክያድ ናይ ፍቃድ ወረቀት ድሕሪ ምውጻእ ኣብ ኣተገባብርኡ ዝምልከት ናይ ስራሕ ምምቃልን ኣድላይ ቅድመ ምድላዋት ንምክያድ ንዕለት 19-05-2012 ቀዳም ልክእ ሰዓት 14፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ ልሙድ ህዝባዊ አኼባ ዝካየደሉ ቦታ፡ Gerarde scholeten str, 128 Rotterdam ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክተካይድ ወሲና አላ።ነቶም ኣብ ኣኼባ ዝነበርና ድማ በብመገድና ንዝሰፍሔ ህዝቢ ኣብዚ ዕለት 19-05-2012 ንሰላማዊ ሰልፍ ዘድሊ ምድላዋት ንምግባር ክሳተፉ ከም ዘለዎም ክንሕብር ከም ዝግባእ ተላብያ፡፡

እዚ እነቢ ብፍሽስታዊ ስርዓት አይንግዛእን፡ ዕድመ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ

ከብቅዕ አሎዎ፡ ብምባል ሐሪኑ ዝተላዕለ ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰፍሕ ህዝባዊ ኣኼባ፡ዝላዓለ ወኒ ናይ ቃልሲን ድልውነትን ኣረጋጊጽ ዝወጸሉ ዕውት ኣኼባ እዩ ነሩ።

ብሓባር ምእንቲ ምርግጋጽ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ!

ህዝባዊ ቃልሲ ክዕወት`ዩ!

ዝኽሪ ንሰማእታት

ህዝባውን ማሕበራውን ሽማግለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ - ዞባ ኤውሮጳ

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,912,023 وقت التحميل: 0.21 ثانية