Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ክፉት ዕድመ ኮንፈረንስ ኤርትራው&#4843
أخبار

ክፉት ዕድመ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ዋሽንግተ ዲሲ ንኩሉ ደላዪ ለውጢ

ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ወጽዓ ህዝብና ንምብቃዕን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገርና ንምጉሓፍን ዝሕግዝ ስትራተጂ ንምንዳይ፡  ካብ 25 ክሳብ 27 ግንቦት ንኩሉ ግዱስ ዘሳትፍ ኮንፈረንስ ንምእንጋድ ንሸባሸብ ኣለና። እዚ ብዙሕ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዋዕላ ሓድነትና ኣደልዲሉ፡ ጥርናፈና ኣሐይሉ፡ ናይ ቃልሲ መንፈስና ስሒሉ፡ ንህዝብና ካብዚ ተጻዒንዎ ዘሎ ኣርዑት ህግደፍ ዘናግፍ ቀያሲ መቃለሲ መንገዲ ሓንጺጹ ክወጽእ ትጽቢት ይግበር።

ኩሉ ብደረጃ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት ወይ ውን ብውልቂ፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ጻዕሪ ዝናኣድ’ዩ። በብመንገድና ነካይዶ ቃልሲ ንመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ኣወጊድካ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝዓሰላ ሃገር ንምህናጽ’ዩ። እንተኾነ በየናይ መንገዲ ናብቲ ደረጃ’ቲ ንበጽሕ ብሓሳብ ክንፈላለ ጸኒሕና። ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ምስ ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ጉዳያት እናሓወስና፡ ንግስጋሰና ሓገዝቲ ኣብ ዘይኮኑ ነገራት ክንካታዕ ግዜ ኣዕሪብና። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሕሉፍ ፖለቲካዊ በሰላታት ክንድህስስ ንድሕሪት ምቁማት ስለዘብዛሕና፡ ሕምባበና ክዝሕትል ከምዝጸንሐ ንኩላትና ብሩህ’ዩ።  

ነፍስ-ወከፍና ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ንሰማማዓሉ’ዩ። ምንቅስቓስና ውህደት ጎዲልዎ፡ ራኢና’ውን ጨመተ ሓጺርዎ’ዩ ዘሎ። ቅልጡፍ ቆላሕታ ዝደሊ ጉዳይ ምዃኑ ከኣ ንጹር’ዩ። እቲ ዕማም ናብ ሓደ ውድብ፡ ወይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ ወይ ውን ማሕበር ዝግደፍ ግን ኣይኮነን፡ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ክዋሳኣሉ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ። ንሓደ ዝቐርቦ ነቲ ካልእ ዝርሕቆ ኩነት የለን። ሓደ ዓይነት ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመና።

ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ዝሕለን ዘሎ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ማዕረ’ዩ ዝብጽሓና። ከምቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ፡ ንኩሉ ደላዪ ለውጢ ዜጋ ማዕጽኡ ክፉት’ዩ። ኣብ ምድላው ክሳተፍ፡ ሓሳቡ ከፍስስ፡ ምስ መዛንኡ ኢሂን ምሂን ኢሉ መፍትሒ ሽግር ሃገርና ከናዲ ትንቢትን ምንዮትን ናይዚ ኮንፈረንስን ኣዳለውቱን’ዩ። 

ስለዚ፡ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ብፍላይ ከኣ ብውልቂ ወይ ብማሕበር ዝተጠርነፈ መንእሰይ፡ ዝገደፈ ገዲፉ ናብዚ መኣዲ ዘተ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ኮንፈረንስ መንእሰያት ክሳተፍ ብክብሪ ይጽዋዕ። መቃለሲ ኮምፓስ (ብሶላ) ኣብ ምንዳይ ዝግበር ሃናጺ ክትዓት ክወሳእ ይዕደም። ካብ ተዓዛቢ ፍጻመ፡ ሰራሒ ፍጻመ ክኸውን ናብ ኮንፈረንስ ዋሽንግተን ዲሲ ክምርሽ ይሕተት።

ደጊሙ፡ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ፡ ንኩሉ ደላዪ ለውጢ ኣብ ሓደ መኣዲ ከሳትፍ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ምዃኑ እናነጸረ፡ ኩሉ ተቓላሳይ ዕቱብነት ናይዚ ዋዕላ ኣስተብሂሉ ብክፉት መንፈስ ክጽንበር ልባዊ ጻውዒት የቕርብ።

ናብዚ ኮንፈረንስ ክትምዝገቡ ወይ’ውን ሓገዛትኩም ከተወፍዩ እትደልዩ http://eysc.net/ ኬድኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንሕብር።

ኮንፈረንስ ዝካየደሉ ሆቴል፡-
Holiday Inn Capitol  , 550 C Street S.W. Washington, DC 20024,
You may also call to book 1-888-847-1675  using the code E6Y

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!

19 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም

አዳላዊት ኮሚተ ኮንፈረንስ ዋሽንግቶን ዲሲ 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,277,413 وقت التحميل: 0.16 ثانية