Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ ካብ ሰሚናር መንእ&#465
أخبار

ደምዳሚ መግለጺ ካብ ሰሚናር መንእሰያት ኤርትራዊያን ዓፋር 

     አብ መዓስከር ስደተኛታት በራሕለን፣አሳዒታ፣ዳሉልን ክልል ዓፋር ኢትዮጰያ እንርከብ መንእሰያት ኤርትራዊያን ዓፋር   ካብ 14-21 ሚያዝያ 2012 ከነካይዶ ዝቐነና ሰሚናር ብዓወት ተዛዚሙ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ አብ ኢኮኖሚያዊን  ማሕበራዊን ፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ኩነታት ብዝምልከት አልዒሉ ሰፊሕ አኼባ ዝተኻየደ ሰሚናር አስታት 1000 መንእስያት ተሳቲፎሞ፡ እቲ ብመንእሰያት መዓስከር ስደተኛታት አሳዒታ፣በራሕለን፣ዳሉልን ተዳልዩ ዝተወደበ ሰሚናር ህዝቢ ኤርትራ አብ ሓደገኛ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎን ስርዓት ሻዕብያ ናብ አዝዩ ሓደጋ አብጺሕዎ ከምዘሎን አብ ዝቐልጠፈ እዋን መፍትሒ እንተዘይተረኺቡሉ ሃገርን ህዝብን ናብ ሓደጋ ከኸትል ከምዝኽእል እቲ ሰሚናር አረጋጊጹ፡፡

አብዚ ሰሚናር›ዚ አባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንድሞክራስያዊ ለዉጥ ዝኾነ ተጋዳላይ ያሲን መሐመድ ዓብደላ አብ አዋሳ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝነበረ ዲሞክራስያዊ መስርሕን ዝተረኸበ ታሪኻዊ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምግላጽ አብቲ ጉባኤ ዝተወሰኑ ውሳኔታትን ለበዋታትን ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ብዝምልከት ሰፊሕ መብሪሂ ድሕሪ ምሃብ ካብና ዝቐረበሉ ሕቶታት ብዘዕግብ መንገዲ መልሲ ረኺብና፡ ልዑል ምስጋናና ድማ ንብጻይ ያሲን ነቕርብ፡፡

ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዚ ዝስዕብ  መርገጻዊ መግለጺ ነውጽእ፡

1-        ብሕማቕ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ዝምራሕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱን ህልዉኑኡን  አብ ሓደጋ ወዲቑ ስለዝርከብ፡ ህዝብና ካብዚ ሓደጋ›ዚ ክድሕን ዝኽእል ድማ ስርዓት ምስ ዝውገድ ጥራሕ ምኻኑ አስሚሩሉ፤ እዚ ድማ ክረጋገጽ ዝኽእል መንእሰያት ኤርትራ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዞም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ምስዝቃለሱ ጥራሕ ኢዩ፡፡

2-    ንሕና መንእሰያት ዓፋር ኤርትራ ምስ ኩለን ብሄራት ኤርትራ አብ ሓድነት ደው ኢለና ንጨፍጫፊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ እንግስግሰሉ እዋን ሕጂ ጊዚኡ ብምኻኑ ፡ ቃልስና ምስ ዲሞክራስያዊያን ሓይልታት ኮይና ከነሐይሎ ይግባእ፡፡ ከምእ›ውን መንእሰያት ዓፋር ኤርትራ ምስ አብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ መንእሰያት ሓቢሩ ተዋሃሂዱን ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ካብኡ ዝደለ ግደ ከበርክት ቑሩብ ምኻኑ በዚ አጋጣሚ.ዚ ንገልጽ፡፡

3-     ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዘካይዶ  ዘሎ ፍትሓዊን ዲሞክራስያዊ  ቃልሲ ምእንቲ መሰልናን ክብረትናን ብምኻኑ አብ ጎኑ ደው ክንብል ምኻና ነረጋግጽ፡፡

4-    ሀገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዝወሰኖም ውሳኔታትን ለበዋታትን ንድግፎምን ንምዕዋቶም ክንሰርሕ ማኻና ነረጋግጽ፡፡

5-    ቡዙሕ መስዋእትነት ዝተኸፈለላ ሃገረ ኤርትራ ንምድሓን ጸረ-ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ስርዓት ንምውጋድ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ክንቃለስ ከምምኻና ነረጋግጽ፡፡

6-    ግብረሽበራዊ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከባቢናን ዝገለለና ስርዓት ብምኻኑ ንዑኡ አሊና ዲሞክራስያዊት ሃገር አብ ፍትሕን ማዕርነትን ዝተመስረተ መሰል ህዝባ ዝረጋገጸላ ሃገር ንምምስራት ምስ ጎረባብታ ብስላምን ብምክብባርን እትነብር ሃገር ክንምስርት ክንቃለስ ምኻና ነረጋግጽ፡፡

7-    ካብ ሑሱም ስርዓት ህግደፍ ሃዲምና ብዓሰርተታት አሻሓት ንቑጸር ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናይ ምቕባልን  ናይ ምጽላልን ምዕቓብን ካብ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጰያን ብፍላይ ድማ ካብ ህዝብታትን መንግስታትን ዓፋር ትግራይን ዝግበረልና ዘሎ ሕውነታዊ አቐባብላ ልዑል ምስጋናና በዚ አጋጣሚ እዚ ንገልጽ፡፡   

ሰሚናር መንእሰያት ዓፋር ኤርትራ

21/04/2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,414,039 وقت التحميل: 0.25 ثانية