ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 36 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
<<<<እታ የዋህ ኣደ<<<<<

እታ ኣደ ጀጋኑ ዝፈረየት
ወሊዳ ኮይና ከም ዝይወለደት
ብጉጅለ ኢሰያስ ዝተካሕደት
ንመስዋእቲ ደቃ ሲኢናትሉ መቐረት
ነጻነት ተቐይሩ ናብ ባርነት
እታ የዋህ ኣደ ድሕሪ ነጻናት
ዕስራን ሓደን 21 ዓመት
<<ኮይኑ እፎይ ኢላ ከይቀሰነት<<
እታ ኣደ
ሃየ ነታ የዋህ ኣደ ክነቕስና
ኢደይ ኢድካ ንበል ሓቢርና
ቅሳነት ክሰፍኖ ዓደቦና
<<ቀሲኖም ክድቅሱ ሰማእታትና>>
እታ የዋህ ኣደ
እታ የዋህ ኣደ ኣይቀሰነትን
ነጻ መሬት እንበር ሓርነት ኣየረኸበትን
ብመስዋእቲ ደቃ ብግቡእ ኣይተደበሰትን
እታ የዋህ ኣደ
ብመስዋእቲ ደቃ ዝዓለለት
ድሕሪ ነጻነት ቲ ናታ እልልታ
እቶ ዝተረፉ ዳግማይ ተዘሚታ
ብህግደፍ ይውሕዝ ኣሎ ንብዓታ
ኣደ ጀጋኑ ትነብዕ ኣላ ማንታ ማንታ
ብጉጅለ ኢሰያስ ኣይረኸበትን ኡፎይታ፣
እታ የዋህ ኣደ
ብህግደፋዊያን ድፉናት ኣእምሮ
ዓገብ ዘይፈልጣ ብጀካ ምህራም ኮቦሮ
ኣይቀሰነትን ኣደ ዋዕሮ
ክነቅስና ንህግደፍ ኣብራኹ ንስበሮ
ሓሕ ኢልና ንሓዋሩ ንቕበሮ ንቕበሮ<<
እታ ኣደ ጀጋኑ
ትብል ኣላ ሕበሩ ስመሩ
ኣሕዋት ምስ ዝሓሩ
ጸላኢኦም የባርሩ
ሰሚርኩም ዕምሪ ህግደፍ ኣሕጽሩ
ዶብ ዝሰገረ ክምለስ ንሃገሩ
መምህር ክምህር ተማሃሮ ክማሃሩ
መንእሰይ ከቢሩ ክነብር ኣብ ሃገሩ
ሹዑ
እታ ኣደ ጀጋኑ ክሐስ ንብዓታ
ኣብ ሕብረትና እዩ ቅሳነታ
ንፍትሓዊት ኤረትራ የብሉን መተካእታ
እታ የዋህ ኣደ ጀጋኑ ይሰማዕ ኣውያታ
ከም ህዝባ ብድምጻ ክትመርጽ መራሕታ
ንኤረትራ ከማሓዳድርዋ ዋናታታ
ብዓይና ክትርእዮ ናይ ጃንዳ መወዳእታ
;;;መወዳእታ;;;
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ዒኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ን ዓመታስ ሸዊት
ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|