Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
16/10/1445 (24 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 36 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

<<<<እታ የዋህ ኣደ<<<<<

ER Mother Berha okba.jpg

እታ ኣደ ጀጋኑ ዝፈረየት

ወሊዳ ኮይና ከም ዝይወለደት

ብጉጅለ ኢሰያስ ዝተካሕደት

ንመስዋእቲ ደቃ ሲኢናትሉ መቐረት

ነጻነት ተቐይሩ ናብ ባርነት

እታ የዋህ ኣደ ድሕሪ ነጻናት

ዕስራን ሓደን 21 ዓመት

<<ኮይኑ እፎይ ኢላ ከይቀሰነት<<

እታ ኣደ

ሃየ ነታ የዋህ ኣደ ክነቕስና

ኢደይ ኢድካ ንበል ሓቢርና

ቅሳነት ክሰፍኖ ዓደቦና

<<ቀሲኖም ክድቅሱ ሰማእታትና>>

እታ የዋህ ኣደ

እታ የዋህ ኣደ ኣይቀሰነትን

ነጻ መሬት እንበር ሓርነት ኣየረኸበትን

ብመስዋእቲ ደቃ ብግቡእ ኣይተደበሰትን

እታ የዋህ ኣደ

ብመስዋእቲ ደቃ ዝዓለለት

ድሕሪ ነጻነት ቲ ናታ እልልታ

እቶ ዝተረፉ ዳግማይ ተዘሚታ

ብህግደፍ ይውሕዝ ኣሎ ንብዓታ

ኣደ ጀጋኑ ትነብዕ ኣላ ማንታ ማንታ

ብጉጅለ ኢሰያስ ኣይረኸበትን ኡፎይታ፣

እታ የዋህ ኣደ

ብህግደፋዊያን ድፉናት ኣእምሮ

ዓገብ ዘይፈልጣ ብጀካ ምህራም ኮቦሮ

ኣይቀሰነትን ኣደ ዋዕሮ

ክነቅስና ንህግደፍ ኣብራኹ ንስበሮ

ሓሕ ኢልና ንሓዋሩ ንቕበሮ ንቕበሮ<<

እታ ኣደ ጀጋኑ

ትብል ኣላ ሕበሩ ስመሩ

ኣሕዋት ምስ ዝሓሩ

ጸላኢኦም የባርሩ

ሰሚርኩም ዕምሪ ህግደፍ ኣሕጽሩ

ዶብ ዝሰገረ ክምለስ ንሃገሩ

መምህር ክምህር ተማሃሮ ክማሃሩ

መንእሰይ ከቢሩ ክነብር ኣብ ሃገሩ

ሹዑ

እታ ኣደ ጀጋኑ ክሐስ ንብዓታ

ኣብ ሕብረትና እዩ ቅሳነታ

ንፍትሓዊት ኤረትራ የብሉን መተካእታ

እታ የዋህ ኣደ ጀጋኑ ይሰማዕ ኣውያታ

ከም ህዝባ ብድምጻ ክትመርጽ መራሕታ

ንኤረትራ ከማሓዳድርዋ ዋናታታ

ብዓይና ክትርእዮ ናይ ጃንዳ መወዳእታ

;;;መወዳእታ;;;

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ዒኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ን ዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,407,663 وقت التحميل: 0.24 ثانية