ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 35 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
]]ኤረትራ ብስርዓት ኢሰያስ ደም ትነብዕ ኣላ ምስ
ህዝባ]]
ሓደ ተባዕ አቦ አብ ኩርባርያ ብጎዞሞ
ንጃንዳ ህግደፍ መኪቶሞ መኪቶሞ
ደሞም ኣፍሲሶ ንመንእሰይ ኩርባርያ አድሒኖሞ
ኦ.ህዝቢ ኤረትረያ ንስርዓት ኢሰያስ መክቶ ህጀሞ
ከም ዞም ተባዕ ኣቦ በሎ አብ ቲ ዘሕምሞ
ሸሞንተ አውራጃታት ሰሚርኩም በልዎ ጨልግምዎ
ንህዝን መንእሰይን ኤረትራ ክርህዎ ክርህዎ…
(ቅሳነት የለን እዚ እከይ ጉጅለ ካብ ሱሩ ከይተነቐለ)
ንኤረትራ ከማሓዳድርዎ ዋናታታ
ጸረ ዲክታቶር ይመዘዝ ጉራደ ምስ ዋልታ
ንሃገርና ክቅንጠጥ ማዓታ ማዓታ
<<ኣደታት ኣብ ጎኒ ደቅኽን ክተታ ክተታ<<
ጭርሖ ሰብዓታት
ኣብ ከብደይ ዝኣጎለ
ከም ዓባይ ሰዓለ ሰዓለ
ይጨንጓዕ ይጸረግ ካብ ቅድመይ ይተኣለ
}}}ቅሳነት የለን እዚ እከየ ጉጅለ ካብ ሱሩ
ከየተነቐለ}}}
ገለ ካብ መጽነትና ክፈልጦም ህዝብና
ከየምለጡ ክንሕዞም ይግባዓና
<< ሽግርና ክፍታሕ ኣብ ሓጹር ነእትዎም
ቀልጢፍና<<
ፎእ ንበላ ጨንያ ናይ ህግደፍ ዒባ
ንሓምራ ላምና ኣዛብእ ኢሰያስ ኣጥፊኦምላ
ቀልባ
ማልና ስለ ዝለበማ ኣብየን ክሕለባ
ደቂ ህግደፍ እንዳ ሰተይዎ ናተን ጸባ
ይቃለሳ ኣለዎ ህዝቢ ክወጽእ ካብ ጸበባ
ንኤረትራ ወጊሑላ ክርእያ ምስ ህዝባ
ይጽበያ ኣለዋ ኣብ ውድቀቱ ጭፍራ ደስ ኢልወን
ክሕለባ፣
እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ንሃገሩ ዝተኻላኸለ
የኽፈኣሉ ዶ ሕጂ ውን እንቢ ንምልኪ እንተበለ
ሃየንታ ኣለዎ ኤረትራዊ በዚኦም እንተተበደለ
ይብል ኣሎ መንእሰይ ስርዓት ማፍያ ብሓይሊ
ይተኣለ፣
እዚኦም ኣይኮኑን ነበርቲ
ደላይ ፍትሒ ዩ ተዓዋቲ
ወይለኦም ናይ ጃንዳ ኣገልገልቲ
ንሓደ ሰብኣይ ኣምለኽቲ ሰገድቲ
<<ዘንጊዖም ልእላውነትና ከም ዝተራጋገጸ
ብመስዋእቲ<<
ካብ ሎሚ ዝነቀወ ዝብኢ.ስ ኣየስረረንን
ደለይቲ ፍትሒ ኣይንርከክን ኣይንብርከክን
ንህግደፍ ተዳሊና ኢና ከጋልጸክን
ሕጂ እንተ ዘይተናሳሕክን
መረባዕ ኣስሪሓና እንዳበልክን
ህዝቢ እንዳ ጸነተ ተጣቓዓ ዘለኹም ዘለኽን
ጭርናዕክን ጥሪትክን
<<ኢሰያስ ዝነብር ከይመስለኩም ከይመስለክን<<
እኖሆለይ ፍረስ እኖሆለይ ሜዳ
እረትራዊ ኣደ እንታይዩ ጉዳ
ብጃንዳ እንዳ ተቐንጸለ ውላዳ
እቲ ዘውጸኦቶ ካብ ከብዳ
ክንዲ ዓገብ ተዓኒዳ
<<ተማዕርግ ኣብ ዳሶም ጭፍራ ከይዳ<<
እንተ ንሕና ንሕና
ክንቃለስ ኢና ገና ገና
ኣይተተግበረን ሕድሪ ሰማእታትና
መሰሉ ኣይትሓለወን ህዝብና
ሓርነት ኣይነገሰን ኣብ ሃገርና
<ህግደፍ ምስ ተማሕዉ እዩ ዝድምደም ቃልስና<
ንስልጣን ኣይኮነን ቲ ነካይዶ ቃልሲ
ክኸብር ሸኽ ምስ ፈላሲ
ሃገርና ክትማሓዳደር ብደሞክራሲ
ብሕጊ ክኽሰስ እቲ ሃገር መፍረሲ፣
ወዱ ጓሉ ኩሉ
ጸረ ኢሰያስ ተላዒሉ
ንዝየርኢ ክርዳድ ካብ ሱሩ ነቂሉ
ደሞክራስያዊ ስርዓት ተኺሉ
ኤረትራዊ ከማሓድድር ሃገሩ ባዕሉ
ሹዑ ንሓርነት ዝተቃለሱ ይብሉ
ጻማና እንቋዕ ረኣናዮ
ከይተሓለልና ንዓመታት ዝተጸበናዮ
መንእሰይ መተካእታ ኮይኑ ካብ ራኣናዮ
ሕጂ ኢና ሕድሪ ሰማእታትና ዘራጋጊጽናዮ፣
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህይቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|