ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 34 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባይጊ ሃገር ጀርመን
መንዮም እዞም ሰባት ዝምነዩ ጥፍኣት
ናይ ኤረትራዊያን ደቀባት
ጭርናዕ ፎፍያ ዝመራሒቶም መደናገርቲ
ታሪኽ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና በሃልቲ
ተጃሃርቲ ናይ ዲክታቶር ኣገልገልቲ
ብሰንክኹም ወዲቅና ኣብ ኢድ መለኽቲ
<<ክሳብ ማዓስ ትኾኑ ናይ ጭፍራ ተኻላኸልቲ<<
ቅንጂት እዚኦም እዮም ረኣይዎም
ጭርናዕ ሶፍያ ዝኣኻኸበቶም
ስውር ዕላማ ዘለዎም
<<ናይ ኤረትራ ነጻነት ዘይተዋሕጠሎም<<
ገሪሙና ሎ ገሪሙና
ኣብ ኣመሪካ ኮንካስ ኣብ ጎኒ መንግስትና
ኣብ ድያስፎሮ ኮንካስ ወዲ ኣፎም ጅግና
ውግእ ምስ ተኸፍተ ግና
ናይ ኣመሪካ ፓስፖርት ኣሎና
እንዳ ደምሰሶ ኤረትራዊ ንመንነትና
እንታዎት ኢኹም ትምነዩ ንጥፍኣትና
ንኹልኹም ኤረትራዊያን ኣይኮንኩምን
ከይንብል ከመይገርና
እቶም ደቀባት ከማና ግና
ዓገብ ዘይትብሉ ከማና
እንታይ ጠቕምኹም መስ መጽነቲና
እቶም ዝብሉ ንሕናን መንግስትናን
ኣብ ዓዲ ምስ ጸንሑ ንምብጻሕን
ከም ኣመሉ መራሒኦም እንባገነን
ውግእ ምስ ጻሕተረ ዝብሉ ኤረትራዊያን ኣይኮናን
ገለ በሉ ኣመሪካዊያን ገለ በሉ ጀርምርናዊያን
ገለ ውን በሉ ፈረንሳዊያን ሆላንዳዊያን
<<ገለ ውን በሉ ነርወያዊያን ሽወዳዊያን<<
እቶም ንሕናን መንግትናን በሃቲ ዘይጽኑዓት
ኤረትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ገጠመት ኩናት
ህድማ ኮነ ናብ ኣንባሳደራት
ኣድሑኑና እንዳበልካ ኣውያት
<<መንደቕ ኣስሪሖም ዝኾኑ ደቀባት<<
እቶም መዳናገርቲ ናይ ጭፍራ ደገፍቲ
ኣብ ማእከለን ዝብኢ ከም ዝኣተወን ከብቲ
ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
ህድማ ኮነ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ
ኣስደሚምዎም ነቶም ናይ ጸጥታ ኣኽበርቲ
ቀስበሉ በልዎም ከይትሰብሩ ማሳኹቲ
ቀደም ሃደምቲ ሎሚ ሃደምቲ
ብክልተ ካብ ሚኢቲ
ኣይተሳዕረን መግዛእቲ
ንሃገር ተበጅዮም ቀያሕቲ ምስ ጸለምቲ
>>ሃደምቲ ናይ ፋሽሽቲ ኢሰያስ ኣገልገልቲ<<
ከምዚ እዩ ነሩ መልሶም እቶም
ዝወረሱ ሕድሪ ናይ ኣያታቶም
ንስኹም ሃሊኹም ኣይሃሊኹም
ኤረትራ ክትህሉያ ትጠፍእ ከይመስለኩም
እወ ከምቲ ዝበልዎም
ህግደፍ ሃዲሞም ምስ ሳዓብቶም
ወረስቲ ሕድሪ ግን መኪቶም
ተኻላኺሎም ንልእላውነቶም
ግን
እቶም ዝተኻላኸሉ ንልእላውነቶም
ገደብ ዘይብሉ ዕስካርና ምስ መረሮም
እንተ ሓተቱ ንመሰሎም
እንዳ ሰምዑ ቢሂወቶም
ኣብ ጎዳጉዲ ተኣሶሮም
ወዮም ሃደምቲ ተመሊሶም
ነቶም ጀጋኑ ይብልዎ ከዲዖም
እስከ ሕተትዎም ሕተትዎም
<<መንዩ ሃዳሚ ጀነራላት ኢሰያስ ዶ ንሳቶም<<
መስደምም ደቆም ካኣ ስምዕዎ
እቲ ዝበልዎ ሰሚዕኩም ፍረድዎ
<<ንምክልኻል ሓይልታት እሞ ኣስደሚምዎም<<
ሕጂ ኻኣ ናይ ደገ ጃንዳ
ንደቆም ሰዲዶም ንሜዳ
ነቶም ዝወደዩ ሽዳ
ብዝይ ውዕለት ኣእዳዎም ዝቆርፈዳ
ዝተሰርሔ ጽርጊያ ዲጋ ምስ ረኣያ
ሳላ ብመብግትና ይብሉ ዓዲ ማዕቢላያ
መልሓስ ወለዶም ደጊመን ይፈርዳ
ግርም ፍርዲ ሰሚዕና ናይ ደቂ ጃንዳ
ሓሶት ናይ ወለዶም እንበር ናይመን ዳኣ ክወስዳ
<<ኣቱም ሰባት ህዝቢ ሰላም ሲኢኑ ብጉጅለ ኢሰያስ<<
<<<<<ስለዚ ንቀጽል ቃልስና<<<<<
እዚኣቶም ዝበልዎ ኣይነስተባህለሉ
ብክልተ ካብ ሚእቲ ርስቲ ዝተቀበሉ
ከምቲ ዜማ ናይ ወዲ ገብሩ
ድሕሪ ስዕረት ጃንዳ ክንብል ንኹሉ
እንቋዕ ኣርከብናሉ ኣርከብናሉ
ዓወት ነቲ ደም ይነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብየበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|