ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ
ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 33 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር
እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር
ጀርመን
እዚኤንየን ዋዕሮታትና
ዝተቃለስቅ ንድርብ
ጭቆና
ዋዕሮታትና ይዘከራ
ብጉጅለ ኢሰያስ
ዝተቐንጻላ
ከም ኣለም ምስፍን
ዘኣምሰላ
ምስ ብጾታ ጠያይቲ
ዘዝነቡላ
ኣንጊሄን ንድርብ ጭቆና ዝተኻላኸላ
ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ዝተበደላ
መስዋእቲ ከፊለን ኤረትራዊ ኣደ ክሕሎ መሰላ
ዘይከምተን ወዲ ኣፎም እንዳበላ ዝዕልላ፣
<ኣለውና ወረስቲ
ሕድሪ<
ኣብ ሃገሮም ምስ ሰኣኒ
ክብሪ
ሳሃራ ሰጊሮም ውቂያኖስ
ባሕሪ
ኣብ ስደት ንጃንዳ
ዘእተዉሎም ቁሪ
መታን ኤረትራዊት ኣደ
ክትከብሪ
ንጥሪት ንጭርናዕ
ዝምክቱ ብግብሪ
<<ወይለኺ ኣቲ ከም
ቀደም መሲሉኪ ትጭድሪ<<
ኣለዉና ወረስቲ ሕድሪ
ኣለዉና
>>ኣለዋና ዋዕሮታት
ኣለዋና<<
ኣለዋና ሰብ ድርብ ዕላማ
ሕድሪ ሰማእታትና ዘይጠለማ
ክንዲ ህዝበን ዝሓመማ
ምስ ደቀን ዝጎያ ኣሲረን ጋማ
ዝቃለሳ ኤረትራ ክቅንጠጥ ሕማማ
ንሕጊ ኣልቦ ዝቃወማ ዝቃወማ
ህግደፋዊያን ለብማ ለብማ
ንፍትሒ ኣሰር ዘን ዋዕሮታት ሰጉማ
እዝኒ ኮለክን ኣይትጽመማ ኣይትጽመማ
ኣደ ጀጋኑ ሓሲምዎ ኮሎ ርእሳ ተደርሚማ
<<ማስጣ ኣለዎ
ክትሕነና ክትሽለማ<<
ኣለዋና ዘይከምተን ንሓደ ሰብ ዝኣምና
ዕስራ ዓመት ገረን ከይተመለሳ ንዓድና
እንቢ ንምልኪ ኢለን ዝጭድራ ኣብ ጎደና
ግዝኣተ ሕጊ ክሰፍን ኣብ ሃገርና
ኣይውክለናን ዝበላ ዘይመረጾ ህዝብና
ዘይከምተን ንዘይ መረጸኦ ዝብላ መንግስትና፣
ኣለዋና ዋዕሮታት ንፍትሒ ዝቃለሳ
ድሕሪ ነጻነት ንሃገረን ዘይተመለሳ
ንነጻነት ዝሰንከላ ደመን ዘፍሰሳ
ኣለዋና ዋዕሮታና ንደቀን ዘውረሳ
ልሳን ናይተን ሓንቲ ከይኣበሳ
እኒ ኣስተር ብኢሰያስ
ዝተሓበሳ
ከም ሰናይት ዘኣምሰላ ብዘይ ኣበሳ፣
<<ክንዲ ኣበይ ኣለዋ<<
ይገርመናሎ ኣዴታት ክነሰን ኣደ ክነሳ
እተን ንደቀን ሓቒፈን ንምልኪ ዝውድሳ
ኣደ ምስ ደቃ እንዳ ተፋላለየት ብዘይኣበሳ
<መራሒኦም ኣራዊት
ሳዓብቶም እንስሳ<
<<<<ደቂ ኤረይ ደለይቲ
ፍትሒ<<<<
ተዓዘብቲ ኣይትኹና ኢድክን ሓውሳ
ኢደይ ኢድካ ንበል ሉኡኽ ኣስረተ ካሳ
ብደም ደቃ ሓራ ዝኾነት ሃገር ከየፍረሳ
ነትማን ሳሕል ሓሕ
ንበሎም ንኤረትራ ክንፍውሳ፣
እተን ሕድሪ ከይጠለምክን ትቃለሳ ዘለኽን
ደቂ ኤረይ እዚዩ ምስክርነተይ ንዓኽን
ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ወስ ከብለልክን
ንዋዕሮታት ደቂ ኤረይ ሞያኽን
ተንቲንካ ኣይውዳእን ታሪኽክን
ንነጻነት ሰንኪልክን
ተሰዊእክን
ሕጂ ውን ንፍትሒ
ትቃለሳ ኣለኽን
ዋዕሮታት ደቂ ኤረይ
ስኑድዩ ጅግንነትክን፣
ኤረትራዊያን ንስመር ንስመር
ደቂስካ ዘለኻ ተባራበር
ሰሚርና ንውፈር ብሓደ መስመር
<<ስርዓት ኢሰያስ ማሓዉሩ
ክስበር<<
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሽዊት
ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን
ዓንገልቶምን
|