Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ተሳትፎ ደቂ- ኣንስትዮ ሕጂ ‘ውን ብግ&#

ተሳትፎ ደቂ- ኣንስትዮ ሕጂ ‘ውን ብግብሪ ይረጋገጽ

 

ኣብ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ተጋድሎ ቃልሲ ኤርትራ ኣበርክቶ፣ ግደን ኣስተዋጽኦን ደቂ- ኣንስትዮ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ኣብቲ እዋን እቲ ዓቃባዊ ብምንባሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ- ኣንስትዮ ድርብ ወጽዓ ይካየድ ነይሩ። ነዚ ኣጉል ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ንምቅያር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሰውራ ተሰሊፈን፣ ብረት ብምልዓል ካብ ኣሕዋተን ከይተፈልያ ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሰን፣ ብዓቢኡ መስዋእቲ ‘ውን ከፊለን። ቅድሚ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ‘ውን እንተኾነ ኣብ 1958 ብናይ ሸቃሎ ኣድማ ዝፍለጥ ወይ ዝዝንቶ ፍጻሜ ተኻፊለን፣ ንደቀን ተማሃሮን ሸቃሎን ካብ ቅትለት ብፖሊስ ተኸላኺለላኖም። ምኽንያቱ እቶም ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት ክብተኑ ሓቲተሞም ምስ ኣበዩ ብብረት ክሰሃልዎም ምስ ጀመሩ ንሰን ኣብ ኣፍደገን ኣስካላን (መደያይቦን) ካቴድራል ኣስመራ ተር ብምባል ምእንቲ ማርያም ኢለን እናጸለያ ነቶም ፖሊስ ንግዚኡ ዓጊተነኦም። ንመወከሲ ኣብዚ ጠውቑ እንተኾነ ግን 8 መጋቢት ወትሩ ክዝከር ከሎ ኣብ ደንበ ተቓውም፣ ህግደፍ ወይ ‘ውን ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ብተሓኤ ኮነ ብህግ (ሻዕብያ)  እንኮላይ ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝዝከረሉ ወቕቲ እዚ ዘይርሳዕ ጅግንነታዊ ታሪኽ ናይዘን ብዘይብረት ከይፈርሃ ንበረት ዝዓጠቑ ሓጺን ለበስ ጠጠው ዘበላ ደቂ ኣንስትዮ 1950ታት ኣብ መደረታት 8 መጋቢት ዘይዝከራ?? ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ http://www.ehrea.org/19591.php

ከም ‘ውን ኣብ መጀመርታ 1970ታት ናይ ላዕለዋይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተን ኣብ ምዝዛሙ ገዲፈን ናብ ገድሊ ተጸንቢረን ኣብ ናይ መንካዕ ምንቅስቓስ ዝተቐንጸላ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ኣብነት ድሃብ ተስፋጽየንን ብጾታን ‘ከ ስለምንታይ በተን 8 መጋቢት ኣብ ትሕቲ ጽላል ደንበ ተቓውሞ ኮይነን ዘብዕላ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘይጥቀሳ??? ናይተን ኣባላት ህግደፍ እኮ ኣይምደንጸወናን።

እቲ ንይምሱልነት ኣብ መወዳእታ 1970ታት ኣብ ሓራ መሬት ኤርትራ ተቓንዐ ቀዳማይ ጉባኤ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ (ሃማደኤ) መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ጥራይ ከም መሳርሒ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ በይኑ ጭርሖ ዘይኮነስ፣ ጀብሃ እንኮላይ ብተመሳሳሊ ኣቐድም ኣቢላ ትጥቀመሉ ዝነበረት ብስም ማዕርነት ኣምሲልካ ውደባ ንምሕያል ኢዩ ነይሩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድሕሪ ነጻነት ነቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ፍረ ቃልሰን ዝነበረ ውጽኢት፣ ኣብ ክንዲ ብግቡእ ዝዕቀብን ዝሕብሓብን ናብ መገልገሊ ስርዓት ህግደፍ ተለዊጡ። ኣብ ክንዲ ንደቂ- ኣንስትዮ መሰል ዝሕሉው ዕላምኡን ሸቶኡን ስሒቱ ኣገልጋልነቱ ካብ ገለ ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ህግ ናብ ህግደፍን ገለ ዓመጽቲ ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊትን ተተኪኡ፣መኣዝኑ ስሒቱ በርዒኑ ተሪፉ። ካብቲ ተርእዮ ንመሃሮ እንተሎ ክሳብ ሎሚ ‘ውን እተኾነ ኣብ ኤርትራ ይኹን ወጻኢ ብቡሱላት፣ ዝነቕሓን፣ ዝተወደባን ነጻ ማሕበራት ደቂ ኣንስትዮ ክቖማ ክንርኢ ኣድላዩ ጻዕርታትን ምድግጋፍን ክንገብር ይግባእ። 

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ተጋድሎ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኮነ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ‘ውን እንተኾነ ማዕረ-ማዕረ እቲ ኣብ ግንባራት ኩናት ዘመዝግብኦ ዝነበራ ቅያ፣ ብገለ ላዕለዎት ሓለፍቲን ካድረታትን እተን ውድባት ጾታዊ ዓመጻት ይወርደን ነይሩ። እዚ ዝጠቐስክዎ ብመወከሲታት ከም ‘ውን ብመርተዖታት ዝተሰነየ ሓቂ ኮይኑ፣ እቲ ተግባራት ከም ሓለፋታት ንሓለፍቲ ተባሂሉ ይግለጽ ወይ ይርአ ብምንባሩ ጀጋኑ ኣሓትና ደቂ ኣንስትዮ ስለ ናጽነት ክብላ ነዚ ሓሳረ መከራ ጾይረንኦ። ንገሊአን ግን ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ብምንባሩ እቲ ወጽዓ ናብ ነብሰ-ቅትለት ኣድሂቡለን፣ ንካልኦት ከኣ ኣደዳ መቕጻዕቲ፣ ምግላልን ቅትለትን ብሓለፍቲ ከም ዝቃልዓ ገበረን። እዚ ከይኣክል ገለ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልትን ሓፋሽ ውድባትን ‘ውን ምእንቲ ረብሓ ውድበንን ሃገረንን ይሰርሓ ኣለዋ ኢለን ብምእማን፣ ብግርህነተን ይኹን ብየዋህነትንን ካልእ ድኹም ጎነንን በብውድባተን ተመዝሚዙ ከም መሳርሒ ተራእየን ክንደይ ሓፋሽ ህዝብን ተጋደልትን ብመንገደን ንሓደጋ ይቃልዑ ነይሮም።

ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ‘ውን እንተኾነ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ እንተስ ብመንገዲ ሃማደኤ ተወዲበን ወይ ብካልእ ኣገባብ ካብ መሳርሒ ምዃንን ኣገልጋልነትን ዕሉላት ደገፍቲን ጭፍራ ህግደፍ ካብ ምዃን ኣይዓረፋን። ሕሉፍ ሓሊፈን ዝወለድአን ደቀን ኣብ ንኡስ ዕድሚአ መጀመርያ ንማእቶት፣ ትምህርቲ ምስ ወድኣ ድማ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘይውዳእ መዓት እናኸዳ ክንሰን ብዕልልታ ዳንኬራን ከፋንዋአን ከለዋ ይድንጽወካ። ብመትከል ማእቶትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝቃወም እኳ እንተዘይኮንኩ ግን ውልቃዊ ወድዓዊ ገምጋመይን ህሉው ኩነታትን ኣብ ግምት የእቲኻ ኣብ ክልቲኡ መደባት ገለ ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ መስትን ሽጋራን፣ ሳዕስዒትን ተላሚደን ፍኑዋት ካብ ምዃን ሓሊፈን፣ ብብዝሒ ኣደዳ መርወይ ዓመጻዊ ፍኑው ጾታዊ ርክባት ናይ ሓለፍቲ ኮይነን ይርከባ ኣለዋ። 

ሓፈሻዊ ሓጺር ገምጋም ህልው ኩነታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደንበ ተቓውሞ

ብክልሰ ሓሳብ ዳርጋ ኩለን ዕልማናውያን ዝኾና ናይ ተቓውሞ ፖለቲካውያን ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን፣ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፍርቂ ኣካላት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብምኻነን መሰለን ተሓልዩ፣ ተሳትፎአን ኣብ ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ህይወት ማዕረ ክኸውን ከም ዘለዎ ይኣምና።

ቃልን ግብርን ግን ዝቃዶ ወይ ዝዛመድ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን ኣለኹ ክሳብ ሕጂ። እቲ ለውጢ ኣብተን ዝጠቐስክወን ኣካላት ተቓውሞ ብብዝሒ ዝርከባሉ ምዕራባውያን ሃገራት ክረጋገጽ ይጽበዮ እኳ እንተነበረ ገና ብግብሪ ኣይተረጋገጸን ዘሎ። ነዚ ንምርግጋጽ እቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኩሉ ማሕበራውን ውልቃውን ህይወት ክግልለን ዝጸንሐ ልምዳዊ፣ ባህላውን ስድራ-ቤታውን ቀይድታት ንምውጋድ ኣድላዩ ጻዕርታት ክካየድ ይግባእ።    

ከም ንዕዘቦ ዘለና ደንበ ተቓውሞ ብሕጽረት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ዝልለ ዘሎ፣ ኣብ ዓይነት መጺኻ ‘ውን ዝድለ ዓቕሚ ዝደለባ ደቂ ኣንስትዮ ዘይምስሓቡ ወይ ‘ውን ነተን ዘለዋ ዓቕመን ክብ ንምባል ዘይምብቅዑ ድማ ካልኣይ ድኽመት ኢዩ። እዚ ማለት ልዑል ዓቕሚ ዝደለባ ንጡፋት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ተቓውሞ የለዋን ኣየስምዕን ግን ብኣጻብዕቲ ዝቑጸራ ኣዝየን ውሑዳት ምኻነን ንምምልካት እምበር፣፣

ብግብሪ እንተርኢና ክንደይ ኢዮም ካብ ኣባላት ደንበ ተቓውሞ ንኣንስቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ንጥፈታት ሃገረን ክሳተፋ ዘተባብዑን ወይ ‘ውን ኣሰንየሞን ዝመጹ? እቲ መልሲ ሕጂ ‘ውን ኣዝዮም ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ኢዩ፣፣ ንኣብነት ሓደ ስሙ ክጠቕሶ ዘይደለኹ ኣባል መሪሕነት ደንበ ተቓውሞን ባይቶን ዝኾነ፣ ኣብ 2010 ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኮሚሽን ኣብ ነቑመሉ ዝነበርና ግዜ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሽማግለታት ኣየተባባዕኩምን ክብል ብተደጋጋሚ ብቃልን ብጽሑፍን መሰማዕትኡ ኣቅሪቡልና። ካብ ዝገርመኩም ንሱ ብዛዕባ ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ ሰይቲ ዓርኩ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ እምበር ብሓፈሻ ነቲ ሕጽረት መፍትሒ ንምንዳይ ኣይኮነን። እዚ ገዲም ተጋዳላይ ናይ ፈለማ 1970ታት ምስዚ ኩሉ ተሞክርኡ ኣብ መሪሕነት ውድቡ ይትረፍ፣ ከም ተራ ኣባል እካ ጥር ትብል ሓንቲ ጋል ኣንስተይቲ ክሳብ ሎሚ ክውድብ ኣይከኣለን።

ሎሚ ገለ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ብተበግሶአን ነጻ ማሕበራት ሰብኣዊ መሰልን ረዲኤትን ኣቑመን ኣድማዒ ስራሕ ኣብ ምፍጻም ይርከባ ኣለዋ። ገለ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፣- ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም፣ ዶክተር ኣልጋነሽ ጋንዲ፣ ዶክተር ሳዕድያ ሓሰንየንን ካልኦትን ኢየን። ቅድሚ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ኣዋሳ ምቅንዑ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ መብዛሕትአን ኣባልነት ወይ ምድግጋፍ ሓደ ውድብ ዘለወንን ዝዓብለለኦን ኣብ መንጎ ድማ ገለ ዉሑዳት ነጻ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብአን ናጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ዝበሃል ማሕበር መስሪተን ኣለዋ ይብሉ ገለ ተዓዘብቲ። ቀጺሎም ምትእስሳር ውድባት ዘለዎ ማሕበር ብፍጹም ነጻ ኣየስምዕን ስለዝኾነ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበርኦ ዘይሕሰብ ኢዩ ኢሎም ከኣ ይግምቱ። ገሊኦም ስክፍታኦም ዝገለጹ ድማ “እዚ ማሕበር ነዊሕ ቀጻልነት ኣይክህልዎን ኢዩ፣ ምኽንያቱ ዕላማ መመስረቲኡ ንሃገራዊ ጉባኤ ወኪለን ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ኣለሊካ፣ መልሚልካን ብምቁጽጻር ኣብ ውድባዊ ረብሓ ንምውዓል ስለዝነበረ።”      

ፍርዲ ናይ ገምጋምን ርእይቶታትን ንኣንበብቲ ይገድፎ እንተኾነ ግን ቅድሚ ጽሑፈይ ምዝዛመይ ሓውሲ መጸዋዕታን ለበዋን ኣለኒ።

ኣደ ወይ ከኣ ደቂ ኣንስትዮ ምሕያል ማለት መጀመርታ ስድራ ቀጺልካ ድማ መላእ ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ምሕያል ማለት ኢዩ። ነዚ ተረዲኡ መላእ ኣባል ደንበ ተቓውሞ ኣብ ምዕዛዝ ተራን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ክጽዕር ይግባእ። ብተወሳኺ መላእ ሕብረተ-ሰብ ብፍላይ ከኣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ወድባት፣ ምሁራት፣ ኣሕዋትን ኣሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ህሉው ኣደራዕን መከራአንን ብምግንዛብ ካብ ጸቢብ ሃይማኖታውን፣ ባህላውን ኣረኣእያታት ወጺኹም መሰለን ንክውሓስ ብምድግጋፍ ሓገዝኩም ኣውፍዩለን። ከም ኣምር ናይ ዲሞክራሲ እንተኾይኑ ብቀዳምነት ምምስራትን ምድንፋዕን ነጻ ሃገራዊ ትካላት ምርግጋጽ ኢዩ፣፣ ሓደ ካብኡ ከኣ ምትካል ነጻ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ይግባእ።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ጅጋኑ ተቓላስቲ ነይረን ይበሃል ግን ብዙሕ ብዛዕባኣ ብሰፊሑ ክዝንተው ብኣጋጣሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን (ዌብሳይታት) ኣይሰማዕኩን። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኩናት ናይ ባጽዕ (ሳሊና) ዝተሰውአት ብ1978 ሳባ ግደይ ትበሃል። ሳባ ኣብነታዊት ውፍይቲ ተጋዳሊት ኮይና ኣብ መበል ታሽዓይ ዙር ናይ ካድር ኣብ መንተብለ እናተማህረት እንከላ ኢያ ከቲታ ብጅግንነት ከኣ ተሰዊኣ። ንሓበሬታ ኣብዚ ጠውቑ http://www.ehrea.org/purgeeplf.php ሓያሎ መጋድልታ ክገልጽዋ ከለዉ ክሳብ ሎሚ ‘ውን እንተኾነ መዳርግቲ ዘይርከባ በላሕ፣ ንቕሕትን ምህርትን ኮይና ኣብ ምውዳብ ህዝቢ (ጀማሂር) ዓቢ ግደ ዘበርከተት ብኩሉ እንተንኣ መተካእታ ዘይተረኽባ ኢያ ነይራ። ዋላ እኳ ገለ ሓለፍቲ ንእከይ ተግባሮም ክጥቀሙላ ይፍትኑ እንተነበሩ ከም ዘይክኣል ምስ ፈለጡ ብብጾታ ደቂ ኣንስትዮን ተባዕትዮን ናይ ምንጻላ ሓያል ጎስጓስ ክሳብ ዕለተ መስዋእታ ኣካይዶም። ገለ ገዳይም ተጋደልቲ ከም ዝገለጽዎ “ኣብ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን መሳርሒ ንምዃን ምትሕብባር ዝኣበየት ጓል ኣንስተይቲ፣ ዋላ ዓቕሚ ይሃልዋ ንታሕቲ ትንቆት (ትጠፍእ) ብኣንጻሩ ድኽምቲ ክንሳ ግን ትተሓባበር፣ ትዓቢ ስማ ‘ውን ሓፍ ይብል” ከም ናተይ እምንቶ እቲ ጅግንነትዊ ታሪኽ ሳባ ግደይን ካልኦትን እናተዘከረ ከም መተባብዒን ኣብነትን ንካልኦት ክርአ፣፣ ስክፍታይ ግን “በደልን ምንጻል ኣብ ልዕሊ ገለ ዓቕሚ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ገና ሕጂ ‘ውን ብመንገዲ ከምአን ደቂ ኣንስትዮ ብውዲት ውድባት ክትግበር ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ተዓዚብና” ክብሉ ዘካፈሉኒ ስለ ዘሻቐለኒ ኢዩ።

ከም ትምኒትና እንተኾይኑ ኣዴታት ኤርትራ ወትሩ ጀጋኑ ምስ ወለዳ እንድየን ሎሚ ‘ውን ንህዝበንን ሃገረንን ዘኹርዓ ከም ዘለዋ ኣይንጠራጠርን። ኣብ የመን 32 ዝዕድሜኣ ተዋኩል ካርማን ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ መንእሰይ፣ ኣደ ህዝባዊ ሰውራ መንእሰያት የመን ኮይና ህዝባዊ ምንዕዓብ የመን ብሰላማዊ መንገዲ ብምምራሕ ናይ ክብሪ ናይ ሰላም ኖቤል ተሸላሚት 2011 ክትከውን በቒዓ። ከም ኣገላልጻ ኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ንሳ ናይ መጀመርታ ተሸላሚት ኖቤል ዝኾነት ተኸታሊት ሃይማኖት እስላምን ካብ ሃገራት ዓረብን ምዃና ፍሉይ ይገብራ። ኣብቲ ዓሚ ዝጀመረ ሰውራ ማዕረ ብኻልእ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ሞት ፈተነ ተኻይድላ ነይሩ ኣብ የመን። ካልእ ሽሕ እካ ተደናጋጺት ብኢስላሕ ዝፍለጥ ኣብ ፖለቲካዊ ጽገና ዝኣምን እስላማዊ ተቓዋሚ ሰልፊ እንተኾነት ብገለ መሳጊድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ የመን፣ ሶርያን ግብጽን ፈትዋ ሂቦም ንምኹናናን ንምቕታላን።

ከም መቐጸልታ ዑደታ ናይ ምዕራብ ሃገራት ኤውሮጵ ጉዳይ የመን ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣቓልቦ ንምስሓብን ሓገዝ ንጡፋትን ደገፍቲ ዲሞክራሲን ተደናገጽትን ንምርካብን እዛ ኣደ 3 ቆልዑ ምስ በዓል-ቤታ ብዕለት 17/12/2012 ኣብ ሸፊልድ ዩኒቨርሲት ንክብራ ዓቢ ሰሚናር ተኻይዱ ነይሩ። ምስ ሓደ ሓው ኤርትራዊ ብኣካል ተረኺብና መደርኣ ብጽሞና ተኸታቲልናዮ፣ እንታይ እሞ ክብል ቀኒእና ከም ተወኩል ዝኣመሰላ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንርእየሉ ግዜ ነዊሕ ከም ዘይከውን ተተስፊና።

ኣስዕብ ኣቢለ ክሕብረኩም ዝደሊ ተኻፈልቲ (ተማቐልቲ) ናይቲ ናይ ክብሪ ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት 2011፣ $1.5 ሚልዮን ምስ ተዋኩል ኩርማን ዝኾና፣ ናይ መጀመርታ ኣብ ኣፍሪቃ ብነጻን ርትዓውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ ኣብ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ላይቤርያ 2011 ዝተዓወተት ጓል ኣንስተይቲ መራሒት(ርእሰ-ሃገር) ኢለን ጆህንሰን ሰርሊፍ፣ ከም ‘ውን ጓል ሃገራ ሊማህ ግቦዊ ብጾታዊ ኣድማ ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ዝመርሐት ካብ መንጎ ጻዕርታታ ኣብ ግዜ ውግእ ሕድ-ሕድ ላይቤርያ ይርከብአን። ብተወሳኺ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2012 ኣብ ወርሒ ጥሪ ፖርትያ ሲምፕሰን ሚለር ዝተባህለት ኣብ መበል 66 ዕድሚኣ ጸላም ቀዳመይቲ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን ጃማይካ ኮይና ቃለ-ማሕላ ፈጺማስ ድሮ ካቢነ ሚኒስተራት ኣቑማ ሃገራ ኣብ ምምራሕ ትርከብ። 

መደምደምታ: እተን ኣብ ስደት ዘለኽን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣብ ዘዘለኽንኦ ሃገራት ዘሎ ጸጋታትን ዕድላትን ተጠቂምክን በብዝጥዕመክን ርእሰ-ኣግእዞ (Self-emancipation) ናይ ግድን ክትገብራ ይግባእ። እዚ ማለት ብባዕልኽን ተበግሶ ብምውሳድ ንመሰልክን ዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ሕጋውን መዳያትን ጉዳያት ነጢፍክን ምውሳእ የድልየክን። ብተወሳኺ ኣብ ዓቕምኽን ትድልባሉ ወይ ሓፍ ተብላሉ ስልጠናታት ምውሳድ። ምኽንያቱ ብዘይ ርእሰ-ኣግእዞን ዓቕሚ ምድላብን ሽሕ እኳ ጻዕሪ እንተተካይዳ ነቲ ማሕበራትክን ክትዕቅብኦን ቀጻልነታቱ ከተረጋግጻን ውልቃውን ሞያውን ዓቕሚ ውሒድክን ከይትሽገራ ምእንቲ። ሓባራዊ ረብሓታትክንን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ከም ‘ውን መጻኢ ወሎዶታትን ኣቐድማ ኣብ ክንዲ ውድባዊ ወይ ጉጅለኣዊ። መሰልክን ውድባት ኣይኮናን ዝህባኽንን ዝኸልኣኽንን፣ እንታይ ድኣ ባዕልኽን ኢኽን መጀመርታ ብቓልስኽን ተረጋግጸኦ ‘ምበር። ተኣማምነትክን ቅድሚ ኣብ ክንዲ ንውድባትክንን ጉጅለታትክንን ዝኸውን ንሃገር ይኹን። ብሓፈሽኡ ብደረጃ ዓለም ክርአ እንከሎ ምስዚ ኩሉ ጻዕርታት ደቂ ኣንስትዮን መላእ ምድግጋፍ ሕብረተ-ሰብ ዓለምን ዋላ እኳ ዝተመዝገበ ደሓን ዝኾነ ኣውንታዊ ምምሕያሻትን ገለ ዓወታትን ኣብ ምኽባር መሰል፣ ምርግጋጽ ማዕርነትን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ውክልንአንን ይርአ እንተሎ ብግብሪ ግን ገና ብዙሕ ዝተረፈ ስለ ዘሎ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ክሳብ ኣብ ዘዐግብ ደረጃ ዝበጽሓ ብርቱዕ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከባ ኣለዋ። ብኣንጻሩ እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ደቂ-ኣንስትዮ ብተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ድሒሩ ድማ ብህግደፍ ምስቲ ዝነበረን ዘሎን ጽንኩር ኩነታትን ዝወርደን ዝነበረ ኣደራዕን ጸቕጥታትን መሳርሒ እኳ ክኾና እንተተገደዳ ምኽንያቱ ርዱእ ምኾነ። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ተርእዮ ሎሚ ‘ውን እተን በዚ መስርሕ ዝሓለፋን ካልኦት ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ነጻነት ዘለዎ መሰላት ወዲ-ሰብ ዝኽበረሉን ዓለም ሰፊረን ክንሰን ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ሕጂ ‘ውን ካብ ኣገልጋልነት ዘይምግልጋለን ከም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንዕዘቦ ዘለና እንተቐጺሉ ኣዝዩ ዘሻቕል ኢዩ።     

መተሓሳሰቢ፣- ኣብ ርእሲ ጽሑፈይ ሃናጺ ነቐፌታ ይኹን ወይ መኣረምታ ከተቕርባለይ/ቡለይ ትደልያ/ዩ ኣንበብቲ ክቕበል ፍቓደኛ ምዃነይ ብትሕትና ይሕብር።

 በረኸት ካሕሳይ

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ (EYGM-UK)

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,906,937 وقت التحميل: 0.26 ثانية