ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 32 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
ወርሒ መጋቢት 64 ቶጎሩባ ሓበን
ሓደ ካብቶም ንሓርበኛታት መሪሑ ዝወዓለ ኣብ ቶጎሩባ <<< ስዉእ ኣቡሪጀላ
<<<
ሕጂ ውን ቶጎሩባ ኩኒ ናይ ሓርነት እንባ
ከምቲ ናይ ትማሊ ይነፋሕ ቲ ጥሩምባ
ኣብ ጎቦታት ኣዳል ኣብቲ ናይ ጅግንነት ኩርባ
ጩራ ንነጻነት ንሃገርና ዝሃባ
ካብ መግዛእቲ ክትጋላገል ካብ ጸባባ
እንታይ እሞ ነጻነትስ ረኺባ ረኺባ
ግን ብሉኡኽ ኣስረተ ካሳ ነጻነታ ተሰሊባ
ኤረትራ ደም ትነብዕ ኣላ ምስ ህዝባ
ሕጂ ግና ታሪኽኪ ኣሔድስዮ ቶጎሩባ
ኣኽራናት ኤረትራ ክሽፈኑ ብዕንባባ
ኤረትራዊያን ግብራዊያን ንኹን ገዲፍና ዘረባ
ምፍልላይ ያዕ ኢልና ንበል እንካ ሃባ እንካ ሃባ፣
ወርሒ መጋቢቲ 64 ቶጎሩባ ሓበን
ካብ ሱሩ ማሓውዮ ንስርዓት ተመን
ኣብ ሃገርና ሓርነት ኣይሰፈነን
ኤረትራዊ ይሳቀሎ ኣይቀሰነን
ባርነት እንበር ነጻነት ኣይረኸብናን
ሉኡኽ ኣስረተ ካሳ ኣይውክለናን
ኢሰያስ መራሒ ጭፍራ እንበር ኣይመራሒናን፣
<<እንታይ ንጽበ<<
ንደቀባት እንዳ ኣጽነቱና በብሓደ
ኤረትራዊ ኮይኑ ከምዘይ ወለደ
እንታይ ንጽበ ህዝብና እንዳ ወሓደ
መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ እንዳተሰደደ
ህግደፋዊያን ኣይተረደኣኩምንዶ
መራሒኹም ኪሒዱ ከም ዝዓበደ
ሳዓቢት ህግፍደ ኤረትራዊት ኣደ
እንታይ ትጽበይ ውላድኪ እንዳ ተሓርደ
ፎእ ዘይትብልዮ ነቲ ሕድሪ ጀጋኑ ዝኻሓደ
እንታይ ክደግመና ካብዚ ዝገደደ።
<<እንታይ ንጽበ<<
ዓዲ ብዘይ ህዝቢ እንዳ ተረፈ
ዘዝተወለደ እንዳ ተገፈፈ
ኑኡስ ዓቢ ብጭፍራ እንዳ ረገፈ
ሕጂ ግን ንደለይቲ ፍትሒ ዘይደገፈ
ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ምስ ተጓሕፈ
ዓይኒ ከዳዕ ነባዕ ነቢዑ እንተ ለፍለፈ
<<ዝተረሰዔ መሲልዎ ቲ ዝሓለፈ<<
ምስ ጭፍራ ኮይኑ ደም ኑጹሃት ከም ዘየሕለፈ
ግዜየ ኮሎ ሃየ ሕጂ ምስ ህዝብኻ ተወፈ
ግዜየኻ ተጠቀመሉ ብዝቀልጠፈ
<<እቅረ ዋጋየብለን ህግደፍ ምስ ጸደፈ<<
እንታይ ንጽበ
ብዘረባዶ ይራጋጊጽ ሓርነት
ብጃንዳ ህዝብና ሲኢኑ ቅሳነት
እቱም ሰባት ነጻነትዶ ይቅየር ናብ ብርነት
እንታይ ንጽበ ሃገር እንዳ ተሸርመመት
ጃንዳ ካብ ሱሩ ከይተማሕዊ ቀሲና ማለት ዘበት<<
ህግደፍ ይገዱ ካብ ደርጊ
ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ ዘርጊ
ናይ ኤረትራ ጭፍራ ይራግሑ ከም ኣድጊ
ኣታ ሙሁር.የ. በሃሊ እንዳፈለጥካ ንህዝቢ ኣይተጋጊ
<<ፍርድኻ ከይከውን ከምቲ ናይ ኢሰያስ ፍርዲ<<
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|