Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 32 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ወርሒ መጋቢት 64 ቶጎሩባ ሓበን

ሓደ ካብቶም ንሓርበኛታት መሪሑ ዝወዓለ ኣብ ቶጎሩባ <<< ስዉእ ኣቡሪጀላ <<<

ABU REGALA 2012.jpg

ሕጂ ውን ቶጎሩባ ኩኒ ናይ ሓርነት እንባ

ከምቲ ናይ ትማሊ ይነፋሕ ቲ ጥሩምባ

ኣብ ጎቦታት ኣዳል ኣብቲ ናይ ጅግንነት ኩርባ

ጩራ ንነጻነት ንሃገርና ዝሃባ

ካብ መግዛእቲ ክትጋላገል ካብ ጸባባ

እንታይ እሞ ነጻነትስ ረኺባ ረኺባ

ግን ብሉኡኽ ኣስረተ ካሳ ነጻነታ ተሰሊባ

ኤረትራ ደም ትነብዕ ኣላ ምስ ህዝባ

ሕጂ ግና ታሪኽኪ ኣሔድስዮ ቶጎሩባ

ኣኽራናት ኤረትራ ክሽፈኑ ብዕንባባ

ኤረትራዊያን ግብራዊያን ንኹን ገዲፍና ዘረባ

ምፍልላይ ያዕ ኢልና ንበል እንካ ሃባ እንካ ሃባ፣

ወርሒ መጋቢቲ 64 ቶጎሩባ ሓበን

ካብ ሱሩ ማሓውዮ ንስርዓት ተመን

ኣብ ሃገርና ሓርነት ኣይሰፈነን

ኤረትራዊ ይሳቀሎ ኣይቀሰነን

ባርነት እንበር ነጻነት ኣይረኸብናን

ሉኡኽ ኣስረተ ካሳ ኣይውክለናን

ኢሰያስ መራሒ ጭፍራ እንበር ኣይመራሒናን፣

<<እንታይ ንጽበ<<

ንደቀባት እንዳ ኣጽነቱና በብሓደ

ኤረትራዊ ኮይኑ ከምዘይ ወለደ

እንታይ ንጽበ ህዝብና እንዳ ወሓደ

መንእሰይ ዓዱ ገዲፉ እንዳተሰደደ

ህግደፋዊያን ኣይተረደኣኩምንዶ

መራሒኹም ኪሒዱ ከም ዝዓበደ

ሳዓቢት ህግፍደ ኤረትራዊት ኣደ

እንታይ ትጽበይ ውላድኪ እንዳ ተሓርደ

ፎእ ዘይትብልዮ ነቲ ሕድሪ ጀጋኑ ዝኻሓደ

እንታይ ክደግመና ካብዚ ዝገደደ።

<<እንታይ ንጽበ<<

ዓዲ ብዘይ ህዝቢ እንዳ ተረፈ

ዘዝተወለደ እንዳ ተገፈፈ

ኑኡስ ዓቢ ብጭፍራ እንዳ ረገፈ

ሕጂ ግን ንደለይቲ ፍትሒ ዘይደገፈ

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ምስ ተጓሕፈ

ዓይኒ ከዳዕ ነባዕ ነቢዑ እንተ ለፍለፈ

<<ዝተረሰዔ መሲልዎ ቲ ዝሓለፈ<<

ምስ ጭፍራ ኮይኑ ደም ኑጹሃት ከም ዘየሕለፈ

ግዜየ ኮሎ ሃየ ሕጂ ምስ ህዝብኻ ተወፈ

ግዜየኻ ተጠቀመሉ ብዝቀልጠፈ

<<እቅረ ዋጋየብለን ህግደፍ ምስ ጸደፈ<<

እንታይ ንጽበ

ብዘረባዶ ይራጋጊጽ ሓርነት

ብጃንዳ ህዝብና ሲኢኑ ቅሳነት

እቱም ሰባት ነጻነትዶ ይቅየር ናብ ብርነት

እንታይ ንጽበ ሃገር እንዳ ተሸርመመት

ጃንዳ ካብ ሱሩ ከይተማሕዊ ቀሲና ማለት ዘበት<<

ህግደፍ ይገዱ ካብ ደርጊ

ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ ዘርጊ

ናይ ኤረትራ ጭፍራ ይራግሑ ከም ኣድጊ

ኣታ ሙሁር.የ. በሃሊ እንዳፈለጥካ ንህዝቢ ኣይተጋጊ

<<ፍርድኻ ከይከውን ከምቲ ናይ ኢሰያስ ፍርዲ<<

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,907,038 وقت التحميل: 0.34 ثانية