ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሕርበቶ ህዝቢ
መበል 31 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን፣
መጋቢት >8<ታሪኻዊት ማዓልቲ
ኤረትራዊት ዋዕሮ ኣስሚርኪ ንፍትሒ ክተቲ፣
እዚ እዩ ታሪኸን ኣደታትና
ጅግንነት ኣመስኪረን ዋዕሮታትና
ተቃሊሰን ንድርብ ጭቆና
ስርዓት ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ግና
ይነብር ኣሎ ጨውዩ ንመሰልና
ሕጂ ውን ከም ትማሊና
ኤረትራዊያን ሓቢርና
ንሓርነትና ክንቃለስ ይግብኣና
ኣብ ፍትሓዊ ኤረትራና ግና
ይሕሎ መሰል ናይ ዎዕሮታትና።
(መጋቢት<8> ታሪኻዊት መዓልቲ)
እታ የዋህ ኣደ ንደቃ ንሜዳ ክወጹ
ዝመረቕት ኢላ ጽኑዕ ርገጹ
ንነጻነት ንሓርነት ሂወቶም ዝቐበጹ
ተሰዊኦም ሰንኪሎም ሃገር ነጻ ንኽውጹ
እታ የዋህ ኣደ ጀጋኑ ግና ንደቃ ኣሰዊኣ
ድሕሪ ነጻነት ኣይረኸበትን ጻማኣ።
እታ ዋዕሮ ኣደ
ንመስዋእቲ ደቃ ዝተቀበለት ብእልልታ
ኣብ ክንዲ ትሕበን ወዲቃ ኣብ ምጽወታ
ኣብ ሕንብርታ ዝበቆሉ ኮይኖም ገዛእታ
ብዘይ ፍቃድ ህዝቢ ኮይኖም መራሕታ
.ኣይፋልክንን ህግድፋዊያን .
ምስ እዚኦም ኣይትሃውትታ ኣይትሃውትታ
ንሕማቕ ማዓልቲ ማዓልታ ኣላታ
ህዝብና ቀሪቡዩ ኮታ
ባዕሉ ክመርጽ ናይ ህግደፍ መተካእታ
ኤረትራዊያን ንስመር ስለታ
ብመስዋእቲ ደቃ ዝዓለለት
ስለ ዝተበጀዉ ምእንቲ ነጻነት
ብጃህረኛታት ዝተዓሸወት
ባዓል ቤታ ዝሞታ
ሓሙሽተ ሽሕ ዝተቐበለት
ወዳ ሃዲሙ ግን ሓምሳ ሽሕ ዝከፈለት
ክልተ ግዝየ ብጠላማት ዝተበደለት
እታ ዋዕሮ ኣደ ኣቃሊሳ ዘቃለሰት።
(እዚዩ ታሪኸን ዋዕሮታት ኣደታትና)
ዋዕሮ ጓል ሃገረይ እንዳ ተዘከርኪ ንበሪ
ሰማእታትና ኣመስኪረን እየን ብግብሪ
ህልውቲ ኤረትራዊት ሰሚርኪ ኣስምሪ
ንስኪ ኢኪ ሕማቅን ጽብቅን ትጾሪ
ዓንጋሊት ስድራ ጠሚኺ ተድርሪ
ንዝተፋላለዩ ኣዛቲኪ ኣፋቕሪ
ታሪኽ ናይ ብጾትኪ ኣተግብሪ
ዓገብ በልየን ነትን ዘይፈልጣ ነውሪ።
መጋቢት <8<ታሪካዊት ማኣልቲ
ጓል ሃገረይ ተቃሊሳ ጸረ መግዛእቲ
መሳርሒ ኣይትኹነ ንፍትሒ ተማጎቲ
ዘክርዮ ናይ ተን ብጅግንነት ዝኸፈላ መስዋእቲ
ኣፋላላይ ዘይብሉ ኤረትራዊ ማሕበር ምስርቲ።
ሹዑኡ
ኣብ ቅድመኽን ዝጸንሕ ወይልኡ
ምኽርኽን ዝነጸገ ጥፊኡ
ኤረትራዊ መንእሰይ ብድሕሪኡ
ምስ መሳቱኡ
የዘንቱ ታሪኽ ዋዕሮታት ጀጋኑኡ
ኣደ እያ ንኹሉ ተጻዋረት
ኣላይት ስድራ ፈራይት ጸጋይት
ስመር ብልዮ ናይ ተቓውሞ ሰራዊት
ኩኒ ቀላሲት ናይ ሓርነት ስኒት
ተሳኒና ያዕ ክንብሎ ነቲ ኣራዊት
ኣብ ፍትሓዊ ኤረትራ ክትኮኒ ናይ ሃገርና መራሒት
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘብን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|