ካብ ገብሪሂወት ኣብዓሸራ 3/4/2012
ናይዚ ኹሉ ኣብ
ማእሰርቲ ዝሓቅቕ ዘሎ
ናይዚ ኹሉ ኣብ
ባሕሪ ዝጥሕል ዘሎ
ሂወት ኣብ ምድረ በዳ
ሲናይ ተሰጢሑ ዘሎ
ሂወት ኣብ ባሕሪ ጢሒሉ
ስድራ ሓዚኑ ዘሎ
ናይዚ እና ተሳሕለ
ኩሊቱ ዝቕንጠብ ዘሎ
ተሓላቂ ናይዚ ዓይኑ ኣፍቲጡ ይጽበ’ዩ ዘሎ
ሕብረተ ሰብና
ኣዋሪድኩም
ፈላሊኹም መቓቂልኩም
ኣብ
ኤርትራ ዘይ ነበረ ባህሊ
ነውራማት ትድግፉ
ነቲ ዝፈላሊ
ዓገብ ዘይ
ተማሃርኩም ሙሁራት ደናቁር
መንእሰይ
ካብ ዓዱ ንድገ እና ተጸረገ
ዓሳ
ክይኑ ግፋ ኣብ ቤቱ ኣብ ኣፍ ደገ
ምእመናና
ምስልምና ክርስትና ምስ ተጋህሰ
ኣብ
ርእሲ ውጉኣት ሓርነት ተኹሲ ምስ ተኮሰ
ሬሳ
ንዕዲ ከይ ቅበር ተኸልኪሉ ዓገብ ዘይ ይብሉ
ወዳጀ
ሙሁራት ተመዚኖም ዲግሪ ዝሰቀሉ
ንጓሳ ይመርጽ
ተኻናኪኑ ንትሪት ዝሑሉ
መራሒኦም
ሓንካስ ዳሕረዋዮም ደልፋጽ
ዓገብ እንዳፈለጥካ
ብህዝቢ ምልጋጽሲ
ጻድቅ ዶ
ምዃንድዩ ዋስ ፈላሲ
በሉ በሉ
ተኻታተሉ ናይ ፍትሓዊ ቃልሲ
ረጽሚ
ምዃኑ ናታትኩም ፈውሲ
ይዋደድ ኣሎ እቲ
ዘይ ምሕር ቶኽሲ
ተሞኩሮ
ይኹንኩም ናይ ልብያ ቃልሲ
ልቢ
ዘለዎ ሕጂ ውን ግዜ ኣሎኩም’ዩ
ምስ
ህዝቡክም ተጸጉዑ ካብ ምስ ገበነኛ
ምስ
ሬሳ፥ሱንክላት ዝዋጋእ እዚ ተኮለኛ
ሽፍታ
ብሕጊ ዘይ ከይድ ዘይ ቡሉ ዳኛ
ሃገር ዘዋረደ እዚ
ጠላም ውርደተኛ
የእዳዉ ብደም
ዝተሓጽበ ኩላትና ንፎልጦ
ስልጣን ህዝቢ ባዕሉ ዝባሓቶ ሓቢርና ንቐንጡጦ
ስብ
ክሕረድ ኣይ ነብርን’ዩ ከም ምክት ዎጦጦ
ኩሊት ህዝቢ
ምሒቖም ዝሸጡ ጋንየናት ሸቃጦ
በሉ ኢድ
ጸናሒት ሸናሒት ስለ ዝኾነት
ዝካላኾሉልካ እና
ዓደልካ ሽመት
ኣታሊልካን
ኣሚጽካን ተካዲንካ ቆርበት
መልእክትና
ኣይ ተርፈኩምን ኢዩ ዘበት
እወ ኣይ
ተርፈኩምን አዩ ዘበት
|