Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መ&#4
أخبار

DEMOCRATIC FRONT FOR ERITREAN UNITY1.jpg 

ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

ብደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ

8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዓለምና፡ ካብ ዝተፋላለዩ ሕብረተ-ሰብኣዊ ክፍልታት ብዝያዳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝተደራረበ ወጽዓታት ማለት ፡ ደርባዊ፡ ጾታዊ፡ ባህላውን ጭቆናን ኣድልዎን ክበጽሐን ካብ ዝጀመረሉ ግዜ ጀሚረን ንመሰለንን ማዕርነተንን፡ ንምኽባር እናተቃለሳ ብቃልሰን ከም ናይ መቃለሲት መድረኽ ኮይና ክትባዓል ዝተወሰነት ታሪኻዊት ዕለት እያ። 8ተ መጋቢት ብታሪኸውነታ ንዉጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ እትምልከት ትኹን ዳኣምበር፡ ብባህርያታን ዝቆሞትሉ ዕላማን፡ ግን ንኩሎም ምእንቲ ሓርነታዊ መሰሎም ዝቃለሱ ውጹዓት ህዝብታት፡ እትምልከትን እትሓቁፍን ዕለት እያ።

8 መጋቢት ንመበል 102 ዓመት ከነኽብራ እንከለና፡ ዉጹዓት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ዘበገሰኦ ኩሉ መዳያዊ ሓርነት፡ ማዕርነትን፡ ፍትሕን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ቁጠባዊ ተጠቃምነትን፡ ሙሉእ ሰላም ናይ ምርግጋጽ ሽቶታት ካብ መጠናውን መልካዓውን ምርግጋጽ ሓሊፉ፡ ብመሰረቱ ክረጋገጽ ስለዘይተኻእለ፡ ሎሚ’ውን ውጹዓት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና፡ ምስ ውጹዓት ወገናተን ብምዃን፡ ኣብ ምርብራብ ይርከባ ኣለዋ። ስለዝኾነ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ምዕራብ ተኸሲቱ  ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ናይ ህዝብታት ጠቅምን መሰልን ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፍታት ከምኡ'ውን፡ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ማእከላይ ምብራቅን ኣብ ዝተኸስተ ሰፊሕ ህዝባዊ ናዕብታት፡ ኣብ ቕድሚት ተሰሊፈን ዘበርክተኦን ዘበርክተኦ ዘለዋን ናይ ቃልሲ ተራ ክጥቀስ ዝካኣል እዩ። እዚ እቲ ብዓለም-ለኻዊ መደረኽ ስሕበት ዝረኸበ ንጥፈታት ዳኣምበር፡ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሃገርን ኣንጻር ወጽዓን ኣድልዎን ዘካይደኦ ዘለዋ ቃልሲ ዘርዚርካ ዝውድእ ኣይኮነን።

8 መጋቢት መዓልቲ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ሎሚ ዓመት 2012 ከነኽብራ ከለና፡ ሰብኣ'ውን ደሞክራስያውን መሰል ናይ ህዝብታትናን፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎን፡ ቁጠባውዊ ተጠቃምነትን ምርግጋጽ ሕልሚ ኮይኑ፡ በቲ ዝተለምደ ኣሳራርሓ ናይ’ቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ህዝብና ከም ህዝቢ መጠን፡ ናብ ዘመናዊ ጊላ ተለዊጡ፡ ብኩሉ እንትኑኡ ብዝኸፍኤ መልኩዑን እናኣገልገለን፡ በቲ ኣስካርን ኣዳናጋርን ፕሮፖጋንዳ ናይ’ቲ ስርዓት እሱር ኮይኑ፡ ኣወንታዊ ሓበሬታን ምዕብልናን ናይ ዓለም ተሓሪሙ፡ ይነብር ኣሎ። ናይዝሓለፈ ህዝባዊ ቃልስና ቅያን ታሪኽን እሱር ብምዃን ንመሰሉን ጥቕሙን ከይማጎት ተኸልኪሉ፡ ብኣንጻሩ፡ ብስም ሃገርን ህዝብን ዳግም ክወሩና እዮም* ዝብል ኣሰካፊ ምልዕዓላት ኣብ ናይ ስግእት ሃዋሁ ክነብሩ ይኾኑ ኣለዉ።

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ናይ ማፍያታት ነገድቲ ደቂ-ሰባት፡ ጉጅለታት ተወዲበን፡ ዋሕዚ ስደት ናይ ህዝብታትና ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ፡ ዋሕዚ ስደት መመሊሱ ክሕይል ሓደጋ ስደት ክኸብድ ዝገብር ተርእዮ ነጊሱ፡ ስደት ዳርጋ መለለዪ ኤርትራዊ መንእሰይ ኮይኑ፡ ሃገር ተረኪቡ ታሪኽ ወሪሱ  ህዝብን ሃገርን ናይ ምምራሕ ታሪኻዊ ግዲኡ ክጻወት ዝግባእ መንእሰይ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽጉም ታሪኻዊ ኩነታት ተበጺሑ ምህላዉ፡ እቲ ዝኸፍኤ ሓደጋ ናይ  ህዝብን ሃገርን እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ብዘይ ውግእን ወረ ውግእን ክነብር ባህርያቱ ዘየፍቅደሉ፡ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ልዑል ኣህጉራዊ ተነጽሎ ኣጋጢምዎ፡ ተደጋጋሚ ማዕቀብ ተነቢርሉ፡ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ፡ውሽጣዊ መንግስታዊ  ውህደት ምስኣንን ተሸሚሙ፡ ብሰንኪ ተኹታዂ ተግባራቱ ዳግም ውግእ ከይላዓል ዘሰግእ ደበና ኩናት ከንጸላሉ ዝገብር፡ ኩነታት ፈጢሩ ፡ሎሚ'ውን  ሃገርናን ህዝብታትናን ናብ ዳግማይ ዕንወትን ብርሰትን ከይኣትዉ፡ ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት ኮይና ኢና 8ተመጋቢት 2012 ነብዕላ ዘለና።

ውጹዓት ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ!

ነዛ ክብርቲ ዕለት ንመበል 102 ዓመት ከተኽብራ ከለኽን እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘውርዶ ዘሎ ጭቆና፡ ምዝመዛን ኣድልዎን ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ከም ደቂ-ኣንስትዮ፡ ካብቲ ሕብረተ-ሰብ ፍልይ ብዝበለን ብዝኸፍአን እናተሳቐኽን ብውላድክን ገንዘብክንን፡ ግዜኽንን ናብ ዘመናዊ ጊላ ተቐይርክን እናኣገልገልክን፤ ብስእነትን ድኽነትን እናተገረፍክን ውላድኪ፡ ሰብኣይኪ፡ ሓውኺ፡ ኣኾብሊልኪ፡ እናተባሃልክን ናብ ዕዳን ዕንዲዳን ተሳጢሕክን ከም ብሕታዊ ዋንነት ናይ’ታ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነት  ስማዊት ማሕበር ሃማድኤ ተቆጺርክን ከተገልግላ ተፈሪድክን ኢኽን ነዛ ታሪኻዊት ባዓል እተብዕላ ዘለኽን።ይኹን ዳኣምብር፡ እዚ ኣብ ልዕሌኽንን ህዝብኽንን ዝወርድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ጭቆና፡ ምዝመዛን ኣድልዎን ኣሜን ኢልክን ብዘይምቅባል፡ ነቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ብቃልሲ ብምውጋድ፡ ኣብ መቓብሩ ደሞክራስያዊ  ለውጢ ብምትእትታው፡ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምጭባጥ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ግዜን ኩነታትን ከባቢኽንን ክንዲ ዘፍቐዶ፡ ብዝተፈላለየ  መልክዕ ውደባ፡ ምስ ውጹዓት  ወገናትክን ብምድግጋፍ እተካይደኦ ዘለኽን ቃልሲ፡ ንዘይተመላኽነትክን ካብ ምሕባር ሓሊፉ፡ ንልዑል ናይ ቃልሲ ተራኽንን ተዓዋታይነትን ዝእምትን  ዘራጋግጽን'ዩ። ነዚ ናይ ቃልሲ ተራ እዚ መመሊሱ ክድልድል ዝገብር ናይ ቃልሲ ምርብራብ ክትገብራ፡  ነቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ  ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሃገር  ኣንጻር'ቲ ስርዓት  ዘካይዳኦ ዘለዋ ስዉር ተቓውሞን፡ ኣብ ዲያስፖራ /ስደት/ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ናይ ቃልሲ ፎርማትን ውዳቤታትን ብምብጋስ፡ ምስ  ኩሎም ውጹዓት ተቓለስቲ ወገናት ብምዃን ኣብ ደምበ ተቓውሞና  ዘርእየኦ ዘለዋ ተሳትፎን ናይ ቃልሲ ኣበርክቶን ብምድልዳል ክትቃለሳ 8ተ መጋቢት ትጠልበክን ምህላዋ ደግሓኤ እናኣዛኻኸረት፡ ህዝባዊ ቃልስና ንምዕዋት ምስ ምንቅስቃሳትን፡  ውደባታት ናይ ደቂ-ኣንስትዮን እናተዳጋገፈት ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ክትቃለስ ድልውቲ ምዃና፡ በዛ ታሪኻዊት ዕለት ክትገልጸልክን ትፎቱ።

ዉጹዓት ተቓለስቲ  ህዝብታት ኤርትራ!

ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ ናይ ዝተፋላለያ ሃገራት ተቓውምቲ ኣካላትን ናይ ግብረ-ራዕዲ ጉጅለታትን እናኣዕጠቐ ብምውፋር፡ ናይ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ብምህዋኽ፡ ከም ተወሳኺ ጠቕሚ መርከብን ዕድመ-ስልጣኑ መናውሕን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ሜላ ፈሺልዎ፡ ዕድመ መግዛእታዊ ስልጣኑ ከሕጽር ዝኽእል ሓባሪ ኩነታት ማዕቢሉ፡ ኣብ ትሕቲ ደበና ኩናትን ዕንወትን ኮይኑ፡ ናይ ተላኻኺምና ንውደቕ ዝብል ኣዕናዊ መማረጺ ሒዙ፡ ህዝብን ሃገርን ናብ ዳግማይ ኩናትን ዕንወትን ክሳጥሑ ዝደፍእ ኩነታት ኮንኩም ኢኹም ነዛ ታሪኻዊት ዕለት እተኽብርዋ ዘለኹም። ስለዝኾነ ዝወርደኩም ዘሎ ጭቆናን ምዝመዛን  ክውገድ ይኹን፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ውድቀትን ምብትታንን ክድሕኑን፡ ኣብ ጎደና ሰላምን ደሞክራስን ልምዓትን ምጓዓዝ ዝካኣል ኣረሜናዊ  ስርዓት ህግደፍ  ብህዝባዊ ቃልሲ ክውገድ ምስዝካኣል ጥራሕ'ዩ። ስለ ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ መኸወሊ ገበናቱን መቐጸሊ መግዛእታዊ ዕድመ-ስልጣኑን ንምግባርኩም፡ ሃገር ክትውረር እያ ተሰልፍ ክተት ዝብል ሻሓጥን መዳናገርን  ፕሮፖጋንዳ ብምፍሻል፡ ነቲ ስርዓት ንምውጋድ ኣብ ዝነጣጠፍ ዘሎ መስርዕ ህዝባዊ ቃልስኹም፡ ብንቕሓት መሊእኩም ብምስላፍ፡ ብካልእ ዘይትካእ ናይ ቃልሲ ተራኹም ከተበርክቱ ደግሓኤ በዛ ታሪኻዊት ዕለት ናይ ቃልሲ ጻዊዒታ ተቕርበልኩም።

ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ!

መግዛእታዊ ጭቆና ናይ ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ፡ ብደምበ ተቓውሞና ክካየድ ዝጸንሐን ዝካየድ ዘሎን ዉሁድ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘተባብዕን ተስፋ ዘስንቕን ዳኣ ይኹን'ምበር፡ ዘየዛንን ዘየኹርዕን ምዃኑ ዝካሓድ ኣይኮነን። ስለዝኾነ እቲ ብመንገዲ ምግባእ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን  ኣቢሉ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ውህደት ተቓወምቲ ሓይልታትን ናይ ቃልሲ ኣስተዋጾኦኦምን እናገዘፈን እናሰፈሐን ብከምቲ ዝድለ ከይጓዓዝ  ዝዐንቅፍ ዘሎ፡ ብትምክሕትን ጽበትን ዝግለጽ ዓንቃፊ ተርእዮታትን ምቅዳም ውልቃውን ጉጅልውን ስልጣንን ጠቕምን፡ ንሱ ዘስዕቦ ዘሎ ኣብ ቃልሲ ተጉላባነትን መሊኡ ዘይተወገደ ናይ ምጥርጣርን ምንጽጻግን ባህርያትን ድሑር ፖለቲካዊ ባህልን ንምንጋፍ ክንቃለስ ኣሎና። ብተወሳኺ ንኣወንታዊ ጎኒ ደምበ ተቓውሞና እናሓየልና፡ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ጉባኤ ዘጨበጠና ናይ ቃልሲ  መኸሰባትን መሳሪሒታትን ብምጥቃም፡ ኣብ ዕላማን ጽላልን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዘየጽለሉ  ሓፋሽ ህዝብታትናን ተቓውምቲ ኣካላትን ኣብ ጸረ-ህግደፍ ዝካየድ ቃልስን መሰርሕ  ደሞክራስያዊ  ለውጥን ክስለፉ ዘይተሓለለ ቃልሲ ከነካይድ'ውን እዩ ዝግባኣና።

በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ  ኣረሜናዊ ስርዓት  ዳግም ተወሲኑ ዘሎ ማዕቀብ ብጉቡእ ብምጥቃም፡ ነቲ ስርዓት ብኹሉ ክዳኸም ዝገብር ኩሉ መዳያዊ ቃልሲ ከነካይድን ነቲ ብመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ካለኦት ተቓለስቲ ኣካላትን  ኣንጻር ኣረሚናዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ውዱብን ሓውሲ ዉዱብን ምንቅስቓሳት፡ ሓያል ውደባን ዓቕምን ረኺቡ፡ ናብ ወቓዒ ህዝባዊ ሓይሊ ክዓብን  ኣድማዒ ናይ ቃልሲ ተራ ክጻወት ንምብቅዑ፡ ካብ ጸቢብ ውድባዊ ረብሓን ኣታሓሳስባን ሓራ ብምዃን ሃገራዊ ዕላማን ቃልስን ማእከል ብምግባር ክንቃለስን ከነቃልስን እዩ ዝጥለበና። ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘጨበጠና ዕላማታት ንምዕዋት ኩሉ ኣብ ውድቀት ጨቋኒ  መንግስቲ ህግደፍን ምርግጋጽ ደሞክራስያዊ ለውጥን ዕላማን ጠቕምን ዘለዎ ሓቢሩን   ተዳጋጊፉን ክቃለስ፡  ደግሓኤ በዛ ታሪኻዊት ዕለት እዚኣ ናይ ቃልሲ ጻዊዒት ተቕርበልኩም።

ተቓለስቲ ዉጻዓት መንእሰያት ኤርትራ!

ኣብ ህዝብታትና ዝወርድ ዘሎ ጭቆናን ምዝመዛን፡ ኩሉ መዳያዊ ሓሳረ መከራን፡ ብዝያዳን ብዝኸፈኤን ኣብቲ ዝበዝሐን ዉዑይን ማዕባሊ ባህርን ኣእምሮን ዝውንን መንእሰይና ዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ብምዃኑ ምስክር ዘየድልዮ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ እዩ ድማ፡ እቲ ጊላዊ ኣገልግሎት ዝህብ፡ ናብ ስደት ብጻዕቂ ዝውሕዝ፡ ግዳይ ናይ ስደት ሓደጋታት ዝኸውን ናይ ሰብ ንግድን ጭካኔን ዝካየደሉ፡ ማሕበራዊ ሰረቱ ተዘሪጉ፡ ብታሪኽን በቲ ስርዓትን ተበዲሉ፡ ካብ ደንበ ተቓውሞ ክረኽቦ ዝግባእ ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ዘይከም ትጽቢቱ ኮይኑ፡ ካብ ኩሎም ውጹዓት ብዝያዳ እናተሳቐዬ ካብ ስቓዩን ስቓይ ህዝብታቱን ክላቐቕ ኣብ ቃልሲ ዝረባረብ ዘሎ። መንእሰያትና ኣባጋጊሰሞ ዘለዉ ቃልሲ ኣንጻር ጨቛኒ መንግስቲ ህግደፍ ቅኑዕን ዝድገፍን ኮይኑ፡ መንእሰይ ኣብቲ ቃልሲ  ኣድማዒ ተራ ክጽወት ክበቅዕ ግን ካብ ስምዒትውን ሓውሲ  ውዱብ ዘይድቡን ናይ ቃልሲ ህይወት መሊኡ  ተላቒቑ፡ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማን መሪሕ ውድብን ብምውናን ክቃለስ ምስ ዝኽእል ጥራሕ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ቀዳማይ እዋናዊ ሕቶ ናይ መንእሰይ ተወዲቡ ሓድነቱ ኣራጋጊጹ ናይ ምቅላስ ሕቶ እዩ። ስለዚ  እቲ ጭቆናን ምረትን ዝወለዶ መንእሰይ ዘካይዶ ዘሎ ንሁር ቃልሲ ኣንጻር ህግደፍ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ውዱብ ህይወት ብምፍጣር ሩሑቕ ዝጠመተ ቁኑዕ  ዕላማታት ብምጭባጥ ተወዲቡ ክቃለስ መተካእታ ስለዘይብሉ ደ,ግ,ሓ,ኤ, በዚ ኣጋጣሚ ታሪኻዊት ዕለት መንእሰይ ሓያል ውደባ ፈጢሩ ክቃለስ እናጸወዐት፡ ኣብ ጎኑ ጠጠው ብምባል ምስኡ ሓቢራ ክትቃለስ  ምዃና ትገልጽ።

ዉጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኩሉ መዳያዊ ወጽዓ ንምፍታሕ ዝግበር ቃልሲ፡ ፍትሓውን  ደሞክራስያውን ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ዉጻዓት ህዝብታት፡ ናይ ሓርነት  ማእከልን ኣድማሳውን ሕቶ ስለዝኾነ፡ ከም ሕቶን ዕላማን ብጾታዊ ዓይኒ ተራእዩ ንደቂ-ኣንስትዮ ጥራሕ ዝግደፍ ናይ ቃልሲ ዕማም ኣይኮነን።  ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ወጽዓ ምሉእ መልሲ ረኺቡ ማለት ናይ ኩሉ ውጹዕ ተቓላሳይ ጭቆናን ምዝመዛን ምውጋድ ማለት ስለዝኾነ፡ ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ ፍትሓዊ መልሲ ክረክብ  ኩሉ ዉጹዕ ተቓላሳይ ንቑሕ ተሳትፎ ናይ ቃልሲ ከካይደሉ ዝግባእ ዘይንጸል ኣካል-ኣምሳል ናይ ህዝባዊ ቃልስና እዩ።  ቃልሲ ዉጹዓት ደቂ ኣንስትዮ ከየሐየልና፡ ህዝባዊ ቃልስና ምሕያል ይኹን ምዕዋት ብፍጹም ዘይሕሰብ ስለዝኾነ፡ ብሓርበኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ክካየድ ዝጸንሐን ዝቕጽል ዘሎን ንቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ- ኣንስትዮ፡ ዘባራብርን ዘሐይልን ውዳቤታት ፎርማት ፖለቲካዊ ህይወት ሰሪዑ ክድልድል ንምግባር፡ ካባና ካብ ዉጹዓት ተቓለስቲ ዝጥለብ ኣስተዋጽኦ ከነበርክት ክንቃለስ ከም ዝግባኣና ደ,ግ,ሓ,ኤ, እናጸወዐት፡ ኣብ ጎኒ ዉጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ጠጠው ብምባል ሓቢራ ክትቃለስ ድልውቲ ምዃና፡ በዛ ታሪኻዊት ዕለት  ደጊማ ተረጋግጽን ደቂ-ኣንስትዮ ንዝያዳ ዝተወደበ ቃልሲ ከለዓዓላ ትጽውዕን።

8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘላለም ደሚቓ ትንበር!

ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሓያል ውደባ ንምርግጋጽ ንቃለስ!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ

ደግሓኤ

8 መጋቢት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,289,318 وقت التحميل: 0.11 ثانية