Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻ&#4
أخبار

ERITREAN DEMOC Front.jpg
 

ደምዳሚ መግለጺ

 

2ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር

 

2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ) ካብ 13 ክሳብ 18 ለካቲት 2012 ተሰላሲሉ። 2ይ-ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ኤደግ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተጋቢኡ፡ መብዛሕትኡ ደላዪ ደሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብናን ሓይልታት ተቓውሞን ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ዕላማታት ዓቕምታቶም ኣዋዲዶም ኣንጻር ቶታሊታርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ  ኣሃዱ ኢሎም ወፍሪ ኣብ ዝጀመሩሉ ጽባሕ እዩ፤ በቲ ካልእ ሽነኽ ድማ፡ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ናይ ሓደ ሰብኣይ ፍጹም ውልቀ-ዋንነት ወዲቑ፡ ካብ ዝቐደመ ማዕቀብ ከይተማሃረ፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ምሕማስ ኣጀንድኡ ብምቕጻሉ፡ ንካልእ ተወሳኺ ማዕቀብ ዝተዳረገሉን ኣብ ከቢድ ጭንቀት ዝጠሓለሉ፡ ጥጡሕ ናይ ቃልሲ ኩነታት እዩ።

ፈጻሚ ኣካል ኤደግ፡ ንሃገራዊ ኩነታት ብቐንዱ ኣትኵሩ ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ገምጋም፡ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰንኪ ግዕዙይን ጨካንን ኣገዛዝኣኡ፡ ብህዝብታትና እናተፈንፈነ ብምኻዱ፡ ዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን እናሓመሰ ምቕጻሉ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም እናተነጸለ ንተኸታታሊ ማዕቀብ ተቓሊዑ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ተሸሚሙ ምህላዉ ተገንዘበ፡፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ጀሚሩ ናብ ማ/ምብራቕ እናተስፋሕፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ዓመጻት፡ ኣብ ልዕሊ እሙናት መሓዙቱ ዘዕርፎ ዘሎ መጥቃዕቲ ቀስ እናበለ ናብ ውሽጢ ማይ-ቤቱ ከይልሕም ብምስጋእ፡ ብሓደ ወገን፡ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ናይ ጸጥታን ስለላን መሓውሩ ብምዝርጋሕ ምንቅስቓስ ህዝቢ ክቆጻጸር ዝፍትነሉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ህዝብታትና ንምድንጋር ይጠቕሙኒ እዮም ዝበሎም፡ ጊዝያዊ ስልታዊ ምትዕጽጻፋት(ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ምንቅስቓስን ኣብ ንኡስ ንግዳዊ ንጥፈታትን ቁጽጽር ምልሕላሕ) ከርኢ ይፍትን ምህላዉ ተመልከተ። ይኹን’ምበር ህዝብታትና ብኣረሜናዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ፡ ብስእነት ኣድለይቲ ቀረባትን ክብሪ ዋጋን ክወርዶም ዝጸንሐን ዘሎን ስቓይ ኣብ ዝኸፍአ ጥርዚ ብምብጽሑ፡ ናብ ሰደት ዝገብሩዎ ጽዑቕ ዋሕዚ ይቕጽል ምህላዉ ገምገመ፡፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ድማ፡ ኣብ መጻወድያ’ቶም ኣብ ንግዲ ሰብ ዝተዋፈሩ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ዕሱባት ኤርትራውያንን ከምኡ’ውን በደዊንን ካልኦት ተሓባበርቶም እናወደቑ፡ ኣብ ከቢድ ናይ ገንዘብ ዕዳ፣ ኣዝዩ ዘሰቕቕ ኣረሜናዊ መግረፍቲ፡ ውሽጣዊ ኣካላት ምምዝሓቕን ሞትን ዝቃልዑሉ  ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ገምገመ።  

ፈጻሚ ኣካል ኤደግ፡- ኣብ ልዕሊ ቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘቕነዐ ከምዘይኮነ ዘለዎ እምነት ብምቕማጥ፡ ብህጹጽ ተግባራዊ ክኸውን ጸውዐ። ንስተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞኦም ብሸፋቱን ደለልትን ዘጋጥሞም ዘሎ ዘሰቕቕ መቕዘፍቲ ኣጥቢቑ እናኾነነ፡ ሕብረተሰብ ዓለም ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሎም ጻውዒት ኣመሓላለፈ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ብወገኑ፡ ነዞም ግፍዓዊ በደላት ኣብ ምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ እጃሙ ከበርክት ዘለዎ ድሉውነት ኣረጋገጸ። በቲ ካልእ ገጽ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ዝርከቡ ብግፍዒ ስርዓት ህግደፍ ዝተመረሩ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣንን ካድራትን ህግደፍ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝወስዱሉን፡ ቃልሶም ናብ ዝበረኸ ደረጃ ንምስግጋር ኣብ ውዑይ ዘተን ፖሎቲካዊ ክትዕን ዝኣተዉሉ ኣዝዩ ዘተባብዕ ናይ ቃልሲ መንፈስ ይምዕብል ምህላዉ ተመልከተ። ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ መንእሰያት ምልዕዓልን ናይ ቃልሲ ቁሩብነትን ኣብ ሃገርና ሓቀኛ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ክውዕል ምእንቲ፡ ብጽፈት ዝተወደበን ብቅኑዕ ኣረኣእያ ዝምራሕ ክኸውን፡ ዝከኣሎ ምትሕግጋዝ ክገብር ዘለዎ ግቡእን ቁሩብነትን ኣረጋገጸ።

ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር(ኤደግ)፡ ህሉው ኩነታት ሓይሊ ተቓውሞ ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ መብዛሕትኦም ሓይልታት ተቓውሞን ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ህዝብታትናን፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር 2011 ዘካየዱዎ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ዓቕሞም ኣወሃሂዶም ካብ ምቅላስ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ብምግንዛብ፡ ናይ ሓባር ባይታ ፈጢሮም ምውጸኦም ብኣወንታ መዘነ፡፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ባይቶን ሒዞምዎ ወፊሮም ዘሎዉ መደባት ኣብ ምፍጻም፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ጸቢብ ሒሳባትን ጉጅላዊ ምቁርቛስን ወጺኦም፡ ታሪኻዊ ግቡኦም ብብቕዓትን ብተወፋይነትን ከበርክቱ መጸዋዕታኡ ኣመሓላለፈ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር(ኤደግ)፡ ንኣወንታዊ ውጽኢታት ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምዕቃብ፡ ኣብ ምዕዋት ዕማማት ሃገራዊ-ባይቶን ፈጻሚት-ቤ/ጽሕፈት ባይቶን ብኹሉ ዓቕሙ እናተረባረበ፡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤን ድሕሪኡን ዝተረኣዩ ሕጽረታት፡ ብሃናጺ ኣገባብ ክቃለሶም ዘለዎ ድልዉነት ኣረጋገጸ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር(ኤደግ)፡ ኣብ ትሕቲ ምእኩል ኣመራርሓ ሃገራዊ ባይቶን ፈጻሚት ቤ/ጽሕፈት ባይቶን፡ ህንጸትን ምውፋርን ሓደ ሰራዊት ንምትግባር ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምቕማጥ፡ ንተግባራውነቱ ካብኡ ዝጥለብ ከበርክት ወሰነ።

ፈጻሚ ኣካል፡- ግንባርና ምስ ኤዲኪ ዝህልዎ ዝምድና፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ቻርተሩን ሕገ-ህንጻኡን ብምምስራት፡ ኣብ ናይ ሓባር ባይታ ዓቕምታቶም ጠሚሮም ዝቃለሱሉ ኩነታት ንምፍጣር ክጽዕት ዘለዎ ቅሩብነት ኣረጋገጸ። ፈጻሚ ኣካል ኤደግ ዘቐመጦም፡ ሓባራዊ ድልየታት ክልቲኡ ግንባራት ኣብ ተግባር ንምውዓል፡ ኤዲኪ ኣብ ፖሎቲካዊ ቻርተሩ፣ ሕገ ህንጻኡን ኣጠቓላሊ ዝጸንሖ ኣካይዳን ግቡእ ገምጋም ኣካይዱ፡ ብቑዕ ምትዕርራይ ምስ ዝገብር ብምዃኑ፡ ኤዲኪ ነዚ ዕማም’ዚ ግቡእ ቱኽረት ሂቡ ኣብ መደምደምታ ከብጸሖ ይጽውዕ።

ፈጻሚ ኣካል ኤደግ ዝለዓለ ቱኽረት ሂቡ ዝገምገሞ ኣርእስቲ፡ ድሕሪ መስራቲ ጉባኤና ኣብ ኣፈጻጽማ መደባት ቤት-ጽሕፈታት ግንባርና፡ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ዘካየዶም ርክባትን ውጽኢቶምን ብዝምልከት እዩ። ፈጻሚ ኣካል ኤደግ፡ ኣብ ጽባሕ መስራቲ ጉባኤና፡ ዝተፈላለዩ ቤት-ጽሕፈታት ግንባርና ውጽኢት መስራቲ ጉባኤና ብእዋኑ ናብ ህዝብታትናን ፈተውትናን ንምቅላሕ ዘካየዱዎም ጻዕርታት ዘተባብዑ ምዃኖም ገምገመ። ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ከም ኣወንታዊ ጅማሮታት ብምርኣይ፡ ክምዕብሉ ከምዝግበኦም ኣቐመጠ። በቲ ካልእ ሽነኽ፡ መሓዉር ግንባርና ብእዋኑ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ህዝብታትና ክነካይዶም ዝተሓንጸጹ መደባት ኣብ ምትግባር ዓበይቲ ድኽመታት ከም ዝጸንሑዎ ገምገመ። ቅልጡፍን ኣድላይን ምትዕርራይ ብምክያድ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝብታትና፡ ግንባራዊ ንጥፈታት ንምጥንኻር ክጽዕት ወሰነ። ምስ መሓዙት ውድባት ዝተጀመሩ ርክባት ብኣወንታ ዝግለጹ ኮይኖም፡ ብመሰረት ፖሎቲካዊ ቻርተርናን ሕገ ህንጻናን፡ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር(ኤደግ) ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ጻዕርታትና ክብ ክብል ወሰነ።

ፈጻሚ ኣካል ኤደግ፡- ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝመጹ ኣርባዕተ ወርሓት ዝዓሞም ዝተፈላለዩ መደባትን ናይ ቃልሲ ኣንፈታትን ብምሕንጻጽ፡ ኣገደስቲ ፖሎቲካዊ ውሳኔታት ኣመሓላሊፉ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዘመ።  

ኩሉ ዓቕምታትና ብቐዳምነት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ይኽተት!!

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!!

ፈጻሚ ኣካል፡

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር (ኤደግ)

18 ለካቲት 2012

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,282,941 وقت التحميل: 0.23 ثانية