Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምጾታት ካልኣይ ክፋልን  መወዳእታ&#475
أخبار

ምጾታት

ካልኣይ ክፋልን  መወዳእታን

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን (ቆሪጀ) ሃገር ጀርመን

ንዓ ሓሞት ኣጥሪ ንዓ ወስን

ይኣክለካ በሎ ክሳብ  ማዓስ ክሻድን

ህዝብኻ እንዳ ሬኤኻዮ ሓርቢትዎ ክቃዝን

ተጣበቐሎም ኣእውየሎም ኣይትስሓት መኣዝን

ሕልንኻ ኣይተዕርብ ከምዚልካ ኣይትበድን

ፈላልዮም ስርናይን ክርዳድን

እንዳ ሬኤኻ እንዳ ሰማዕካ ልጉም ሕትም

ዝሓለፈ ዕስራን ሓደን ዓመት ዘይትግምግም

ንህዝብኻ ዝጭፍጭፍ ንምዕብልናኻ ዘጉድም

ካብ ዝምርቕ በዚሑ ዝረግም

ከምዚልካ ትጭክን ክንደይከ ትሓስም።

ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘረባ ዘጣዓዕም

ተወሪርና እንዳበለ ገንዘብ ህዝቢ ዝቅርም

ውግኣት ወሊዑ ኣብ ታኽላ ዝሸምም

ባዕሉ ወወሪሩ ንኻልኦት ዘጸልም

ዓለም ዘርያትና እንዳበለ ዘጉረምርም

ልኡኽ ግብረ ሽበራ ዝብል ውጥም ውጥም።

ቅልጽምካ ኣጣምሮ ሓድነትካ ኣትርሮ

ምዕዶኻ ለግሰሉ ነቲ ዘይስቆሮ

እንቢ ንዘበለ ግዜ ባዕሉ ይምሃሮ

ኣብራኹ ቈሽምዶ ኣቅርንቱ ስበሮ

በቲ ዝርድኦ ቋንቋ ኣስተምህሮ

ብሃይማኖት ብኣውራጃ እንታይ ዘይጻሕተሮ

ብስማዊ ማሕበራቱ እንታይ ዘይወቀሮ

ክሕሱ ክጀሃር ፍጹም ዘየሕፍሮ

ብ.ልእላውነት ዝሽቅጥ ገንዘብ ህዝቢ ዝመቀሮ

ንገባር ዝህግር ንርብዒት ምዕሮ

ብጀካ እሰሮ ቅተሎ ዘይፈልጥ መሓሮ

መንእሰያት ዕጠቑ ምስ ሓብትኩም ዋዕሮ

ከልግስ ኢሉዎ ይኣኽሎ ዝዓንደሮ

ኣብታ ዝዀዓታ ጉድጓድ ኣዕሚቕካ ቅበሮ።

ኤርትራዊት ኣደ ሓሲምዎ ገጻ ተደዊና

ተስተማስል ኣላ ክብሪ ብምስኣና

ኣደ ስድራ ዝነበረት ወለድ መኻን ኮይና

ሞባእ ከፊላቶም ሓደ ውን ሲኢና

ርእሳ ተደሪሚሙ ጸሊም ተኸዲና

እዛ ኣደ ስዉእ ኣደ ጅግና

እዛ ኣደ ስድራ መብራህቲ ስድራና

ተእዊላ ትብል መሪርና ዓርዒርና

ኣትን ኣብ ወጻኢ ትነብራ ኣዴታትና ኣሓትና

ኣትን ትጭድራ ትብላ ንሕናን መንግስትና

ንህግድፍ ጠላም ኣይትእመና

እዚ እንዳ ረኤኽን ቁሩብ ዘይትሓዝና

ክንደይከ ትሓስማ ክንደይ ትጭክና

ምጾታትዩ እዋኑ ገረመና።

ዘይተጸበናዮ ኣደራዕ ወሪዱና

ቀያሕትን ጸለምትን ደቅና ከፊልና

ክንዲ ዝሓብሓብና ዝዓንገልና

ስውኣትና ቀቢርና ውግኣትና ሓንጊርና

ሓሲምና ናብራ እንተበልና ሓንቂቅን ተባሂልና

ናይቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ከይኣኽለና

ሕጂ ከኣ በቶም ዝበልናዮም ደቅና

ካብተን ዓድታትና ፈናቒሎምና

ንከተማ እኽሊ ከየነኤቱ ተኸልኪልና

ጨካናት ኣረሚናት ዘይብሎም ሕልና

ሃየንታዩ ሃየንታ የውርደሎም መስጣና።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ሞት ንጠለምቲ ሕድርን ዉሻላቱን

ክንዕወት ኢና

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,273,236 وقت التحميل: 0.22 ثانية