ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ
መበል 25 ክፋል
ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ
በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን
(ንስመር ንስመር ሕድሪ ሰማእታትና ክትግበር)
መታን ነዘን ኣደታት ክርህወን
ከይሞታ ከለዋ ብሂወተን
ንስማዓዮ ኣውያተን
ጃንዳ ክጓሓፉዩ ጾሎተን
ምስ ንሰምርዩ ዝሕበስ ንብኣተን።
ክንደይ ኢለ እሞ
ክገልጾ ሞያ ናይ ደልርይቲ ፍትሒ
ሰላም ንኩለን ምራኸቢ ብዙሃን
ከይተሓለላ ዝቃለሳ ህዝቢ ንምድሓን
ከም ረድዮ ወጋሕታ ዘኣምሰላ ኩለን
ኣውያት ህዝብና ዘቃልሓ ለይትን ማዓልትን::
ኤትራዊያን
ንስመር ንህዝቢና ንምድሐን
ሞያውያን ዓበይትን ናእሽቱን
ንስመር ህግደፍ ከም ትኪ ክበንን
መንእሰያትና ናውቲ ኣካላቶም
እንዳ ተሸጠ ርእስና ኣይነድንን
ግዝየ ይሓተና ኣሎ
ዘረባ ገዲፍና ግብራዊያን ክንከውን።
(ንስመርርርርር ንስመርርርርር)
መጽነቲ ህዝብና መታን ክዝሕዝሑ
ህዝቢ ኣጥሚዮም ዓዕዝብሉ ወጊሑ ጸቢሑ
ደለይቲ ፍትሒ ምስ ባይቶ ተሳኒኹም ስርሑ
ፍርዶም ክቅበሉ
ዘይንብረቶም ምንዚኦም ዝሰብሑ።
ብ.መንእሰያታና ኣሎና ንሕተት
ጭርሖ ሎሚ ዓመት
ኮይኑሎ ስምረት ስምረት
ውድባት ይኹና ሰልፍታት
ህዝቢ እንዳ ጸነተ ወሰን ወሰን
ኣይትበሉ ናይ ፖሎቲካ ኪኢላታት
ተዛቲና ነድሕኖ ንህዝብና ካብ ጥፍኣት
እንዳ ሰማዕኩም ኣይተጽቅጡ ደቀባት
ክነቃላጥፎ ናይ ጃንዳ ውድቀት
ናይ ደለይቲ ለውጢ ጻውዒት
ዝነጸጋ ጽባሕ ይሕተት።
ኤረትራዊያን ኢና ምብል ኡኹል ኣይኮነን
(8)ኣውራጃታት ኣለዋላ መጽርውዒ
ናይ ደቀባት መኹርዒ
ኣቲ ምስ ጭፍለቕቲ ተጣቕዒ
ጻውዒት ደለይቲ ለውጢ ስምዒ
ጭፍራ ምስ ተሳዕሩ ደም ከይትነብዒ።
እዚ ውን ይሓልፍ
መን ነሩ ምሱኡ ተጸጊዑ
ፈታዊኡ መሲሉ ኣዘንጊዑ
ነቲ ዓቕሉ ዝጸባባ መንእሰይ
ሕሹኽ ዝበሎ ሹዑ
ካብ ሽግር ከምልጥ
ሸየጢ ሂወቱ ጸዊዑ
ማፍያ ንደቀባት ከጽንቱ
ናብቲን ናብቲን ዝጻፍዑ
ኣቱም ምስ ማፍያ ተጣቕዑ
ጽባሕ ደም ትነብዑ።
ኤረትራዊ ሽግር ዘይጋደፎ
ዶላራት ኣሎካዶ ምስ በሎ እቲ ለባ
እወ በለ ወዲ ገርሂ ልባ
ዎዮ ሌባ
ኣብዚሎ ዘረባ በል ሃባ
እዋእ ኣብቲ ዝደልዮ ኣብጽሓኒ እባ
ገንዘብ መንዚዑ
ዎዮ ማፍያ ሕለፍ ኢሉ ኮኮቦ ናብ ዛረባ
ገንዘቡ ከፊሉ.ስ ኣጸበባ
ጸረ ማፍያ ንስመር እባ
ጀጋኑና ወዶም ጓሎም
ዝወደቑ ኣብ ጎቦ ሩባ
ኣይተበጀውን ሃገርና
ክትከውን ምፍተት እኽብካብ ለባ።
ዘበን በሎ በሎ እዩ ኮይኑ
ህግደፍ ዝህደንሉ እዩ እዋኑ
ኤረትራዊ መንእሰይ ሓሪኑ
ኣብ ኢስራኤልን ኣውሮጳን
ንሕድሪ ዝጠለሙ ሃዲኑ።
ይባሃል ኣሎ ክፍደዩ እቲ ሕነ
እዚ የዋህ ህዝቢ ዶ
ኣደዳ ምፍንቓል ምኾነ
ግና
ህግደፍ ነበረያ ነበረ ምስ ኮነ
ዝፈረሰ ህድሞና ምስ ተኸደነ
ሹዑዩ ዝህብና ብሕጊ ዝዳነ።
ጭርሖኦም ብጃንዳ ወጊሐ ጸቢሓ
ሞንጉዶ ኣብቝሎም ከምዘን ኣሓ
ኣእዳዎም ብደም ዝተማራሳሓ
ንደቀባት ኣባሪረን ዘይመረተን ዝማስሐ።
ምስ እዚዶ ይሓይሽ ኢልኪዮ ሃገረይ
ሕጂ ግን ፍር ፍር ትብል ኣላ ዓይነይ
ውድቀት ጃንዳ ይቃራረብ እኖሆለይ
ባይቶ ተተኺሎ ብ.ዓበይቲ ብናእሽቶይ
ሕድሪ ሰማእታትና
ክትግበር ክርእዮ ብዓይነይ
ጎደና ሓርነት ሸናዕ ክብልሉ መናእሰይ
ብሂወተን ዘለዋ ወለዲ ጀጋንኑ ክብላ እሰይ እሰይ
2012 ክንከውን ወነንቲ ሓርነት እዩ ትምኒተይ።
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን
|