Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
أخبار

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 24 ክፋል

BRHE OQBAZGE.JPG

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን 

ንመን ኢኻ ኣለም ጎይትኦም ተጠንቅቆ

ወናኒ መስከረም ናይ ዲክታቶር ጥቢቆ

ንደንበ ስመር ከጸልም ዘምህረት ዶላራት ዘሕቆፎ።

ኤረትራዊ ወደባት የኸፍኣሉዶ

እንተበለ ሓማስየናይየ

እንተበለ ኣኮለጉዘታየ

እንተበለ ሰረወትይየ

እንተበለ ሰንሒተታየ

እንተበለ ባርከታየ

እንተበለ ሰምሃረታየ

እንተበለ ሳሕለታይየ

እንተበለ ደንከለታይየ

ወዲ ጀነራል ንገረና እስከ ምዃንካ እንታዋይ።

መን እዩ ጸረ ደቀባት ኣዋፊሩካ

መን ንዓመት 70 ሽሕ ዶላር ቆጺሩካ

ዘምህረት ዶ ኢሰያስ ዓሲቦምኻ

ኣብ ፕልቶክ ጽንክትብል ትሓድር ዘለኻ

ትደግም እቲ ናይ ሜዳ ተግባራትካ

 ተሰኒዱ ኣሎ ሑሉፍ ታሪኽካ

ዝረሳዕናዮ ከይመስለካ ካብ ቀደምካ

ምስ ሉኡኽ ኣስራተ ካሳ ምስ ዝወገንካ

ምሱኡ እዩ ጥፍኣትካ

ጸረ ደለይቲ ለውጢ ካብ ዓጠቕካ።

ሓደ ካብቶም መንሽሮ ናይ ሜዳ

ኣብ ዝባንካ ኣሎ ሰፍ ዘይብል ዕዳ

ወዲ ጀነራል ዑሱብ ናይ ጃንዳ

ዋህዮ ናይ ኢሰያስ በላዒ ኣድራጋ።

ወናኒ መስከረም ከም ፍታሄ ደመጥሮስ ናይ ህዝብና ምንሽሮ

ኣይመሰሎምን መንእሰይ ንስርዓት ኢሰያስ ፎ ከምዝበሎ

ብደገን ብውሽጥን ሓሪኑ ንጃንዳ ህግደፍ ክነቅሎ።

ሎሚ ዓመት በሎ በሎ እዩ ዝባሃል ዘሎ

ጊላ ናይ ዲክታቶር ኣገልጋሊ

ደድሕሪ ምጽነቲ ህዝቢ ሃላሊ

ጀሚሩ ድማ ኣውራጃታት ክፈላሊ

ምስ ጃንዳ ክትድሰቕ ኢኻ ብሓኽሊ

ህዝባዊ ሓለንጊ ኣሎ ፈታውን ጸላኢን ዘለሊ። 

እታ ድጉልቲ ሓዊ ትብል ዘላ ፈኸም

ናብ ሃልሃልታ ተቐይራ ክትልብልቦም

ንጃንዳ ናይ ደገን ውሽጥን ንኹልኹም

ደም መንእሰያትና ኣሎ ኣብ ዝባኖም

ቀሪቦም እዮም ክቅበሉ ፍርዶም።

ንሕምቶ ዶ ሕቶ

ተላዒሉዩ ዓቢ ምስ ንእሽቶ

ተቃዋማይ ሰሚሩዩ ጽላእ ፍቶ

ዓቕሊጽበትዩ ውልዕ ጥፍእ ከም ሓዊ ለይቶ

ንኢሰያስ ኣርዒድዎ ኣብ ኣዋሳ ዝተተኽለ ባይቶ

ተዛትዩ ወደባት ክፈትሖ ናይ ህዝብና ሕቶ።

ጭርሕ ለብዘበን

ስመርዩ ዝባሃል ዘሎ ጸረ ዕንቅርቢት ተመን

ንዘረግቲ ሓድነትና ቦታ የለን

ሓቢርና ንበል ኢሰያስ ወካሊና ኣይኮነን።

ኣቲ ምስ መጽነት ዓደቦኺ ተሻርዊ

ንህዝብና ከጽንት ዝኣጉድ ሓዊ

ንመራሒ ማፍያ ንመንእሰያትና ዝጭዊ

ዝሸይጥ ብዶላራት ናውቲ ኤረትራዊ

ካብ ተሓቢእኪ ትቅንዘዊ

 ፎእ በልዮ ንኢሰያስ ሓሳዊ።

ጃንዳን ሳዓብቶምን ንህዝብና

ተጣናኒጎሞ  ከም ቆንጠጠፈ

ደቂ ኤረይ ንጽረጎም ብዝቀልጠፈ

ያኣኽለና እቲ ዝሓለፈ

ድቃስ የሎን ኢሰያስ ምስ ጃንድኡ ከይተጓሕፈ።

ዑሱባት ጃንዳ ዝበሉ እንተበሉ

ቃልስና ቀጻሊዩ ክሳብ ጭፍራ ዝባረሩ

መንእሰይ ሰሚሩዩ ሓቢሩ

ንህግደፍ ናብ ህዝቢ ከረክቦም ኣሲሩ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,296,867 وقت التحميل: 0.22 ثانية