Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምጾታት ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮ&#4757
أخبار

ምጾታት

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን

 (ቆሪጀ ሃገር ጀርመን)

ንመንእሰያትና ዘሳቂ ዝርሽን

ንኹሉ ጉዳይ ሃገር ንበይኑ ዝውስን

ነደታት ዘንብዕ ንኣቦታት ዘቃዝን

ንለውጢ ዝሓተቱ ኣብ እስሪቤት ዘማስን

ልቅብቃብ ኣኻኺቡ ንደቀባት ዘዋስን

ይኣኽለና በሎ ኣይትበል ምሽክንክን

እንታይ ኣምረጸካ ምስኡ ንኽትውስን

ንዓ ታሪኽ ስራሕ ምስ ህዝብኻ ወስን

ውዲታት ህግድፍ ንኽመክን

ንህዝብኻ ንዓ ኩኖ መድሕን

እፎይታ ክረክብ ህዝብና ክቀስን።

እቶም ጭንግዓቱ ንውልቀ ዝምጉሱ

ንባህልታትና ሃይማኖታትና ዘራኽሱ

ሃገር ማዕቢላ እንዳበሉ ዝጉስጉሱ

ብ.ኽልተ ኣእዳዎም ዝኹልሱ

ዘይሓንኩ ትፍኦም ዝልሕሱ

ሓዳር ዝበታትኑ ኣሕዋት ዘባእሱ

መጽረይ ኣፎም ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ

ዝተጣላቀዩ ዝተርከሱ

ዝተባህሎም ዝዛረቡ ሓንቲ ከይሓወሱ

ምስ ስርዓት ህግድፍ ይቈሽመዱ ይደምሰሱ።

ንዓኻትኩምየ በዓል ኣቶ መሸተ

ንስሚ መንእሰያትና ንውግእ ዘኽተተ

ብህዝብና ዝሓጨጨ ቁማር ዝተጻውተ

እኽብካብ መልሚሉ ደቀባት ዘጽነተ

መብጻዓኡ ዝጠለመ ንስልጣን ዘቋመተ

ኩሉ ሃብቲ ሃገር ዝገበተ

ገዳይ ገዳይ ዘብዝሕ ዝሃውተተ

መንገዲ ሰላም ዝተሓሰመ ዘንሻተተ

ብ.ኽልተ ካብ ሚኢቲ ሃብቲ ዘኻዕበተ

ህዝብኹም እንዳ ተሳቀየ እንዳሞተ

እንዳ ተረሸነ ለውጢ ዝሓተተ

ነዚ ጸረ ህዝቢን ሃገርን ክትብሉ መኸተ።

ህዝቡ ዝጠለመ ደቂሱ ነይሓድር

መንግስትና እንዳበለ ሓሶት ዘቃናብር

ንባዓል ቅንጅት ሓቁፉ ንካልኦት ዘማርር

ጸረ ሰላም ውግኣት ዘሳውር

ታሪኹ ዘጻባብቕ ታሪኽ ህዝብና ክቀብር

ፍሹል ውርደተኛ ከቢሩ ዝሓስር

ንደቀባት ንምጽናት ከይደቀሰ ዝሓድር

ደቆም ዝኸፈሉ ሕርር ኢሎም ኩምትር

ኢሰያስ ገበተ ከም ድላዩ ክዕንድር

ኣደኻ ክትኩምተር ኣቦኻ ከስቁርቁር

መሬየትካ ክሽየጥ ባይቶኻ ክድፈር

ዝዘንጋዕካ ሕሰብ ተማራመር

ዝባዕገግካ ተንስእ ተባራበር

ስመር ወዲ ሃገር ስመር

መሓውራት ህግድፍ ንክስበር።

ዓለቕቲ ከለዉ ጽሩይ ማይ ነይስተ

ወይልኡ ተበላጺ ረብሓኡ ዝጠመተ

መጋበርያ ህግድፍ ንህዝቡ ዘካላበተ

ብህዝቡ ዘሽካዕለለ ዝተጻወተ

ብኣውራጃ ሃይማኖት ህዝቢ ዘናቆተ

ጽባሕ ክወግሕዩ ሕጂ ተጸልመተ

ኩሉ ተሓታታዩ ንህግድፍ ዝመጽወተ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስው ኣትና

ሞት ንስርዓት ህግድፍን ጭንግዓቱን

ይቅጽል

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,907,959 وقت التحميل: 0.25 ثانية